2014-08-30 16:00:32

ብፁዕ ካርዲናል ቨሊዮ፦ ደገፍን ምትሕብባርን ንስደተይናታት


RealAudioMP3 ኣብ መክሲኮ ናይ ታባስኮ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ገራርዶ ደ ኸሱስ ሮኻስ ሎፐዝ ኣብቲ ሃገሮምን ጓተማላን ዘዳብው ከባቢ ዕለት 27 ነሓሰ 2014 ዓ.ም. ንሰደተይናታት ክጽለይን መደብ ስርዓት ቅዳሴ ምእንቲ ስደተይናታት ከዕርጉ ዝነበሮም መደብ ናይ መክሲኮ ናይ ክፍሊ ቀረጽ ኣታዊ ተቆጻጻሪ ሓይሊ ጸጥታን ከምኡ እውን ብናይ መክሲኮ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት በቲ ኣብቲ ዶብ ብዝርከብ ጨንፈሩ ኣቢሉ ከምዝኸልከሎም ካብ ሰበኻ ታባስኮ ዝተሓላለፈ ዜና ዝጠቀሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ እቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብቲ ድቦ ኣብ ግዝኣት ሃገረ ጓተማላ ኣብ ዝርከብ ሰበኻ ኤል ፐተን ሓዋርያዊ መስተናብር ከምዝዓረገ ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ተጕዓዝትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ እቲ ናይ ጸሎትን ስርዓት ቅዳሴ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ባህርይ ዘለዎ ክነሱ ናይቲ ከባቢ ሓይሊ ጸጥታ ተቆጻጻሪ ክፍሊ ቀረጽ ኣታውን ከምኡ እውን ናይ መክሲኮ ናይ ስደተይንታት ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብምኽልካሉ ከምዘሕዘኖም ዘረጋግጽ መልእኽቲ ንብፁዕ ኣቡነ ገራርዶ ደ ኸሱስ ሮኻስ ሎፐዝ ከምዘመሓላለፉን ነታ ናይቲ ከባቢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ውሉደ ክህነትን እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ቅድስቲ መንበርን ቀረባ ከምዝዀነትን ገሊጾም ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዝብለዎ፣ ንስደተይናታትን ጸኣትን ስደተይናታትን ብዓውሎማዊ ሸለልተይናነት መንፈስ ከይርአይ ሓደራ ዝብልዎ ምዕዳን መሰረት ቤተ ክርስትያን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን እተቕርቦ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከምእተበርትዕ አረጋግጽ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕ ካርዲናል ቨሊዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ መክሲኮን ጓተማላን ዘዳብው ከባቢ ጸኣት ስደተይናታት ዝረኣየሉን ኣቶም ስደተይናታት ንብዙሕ ሽግር ከምዝቃልዑን ከምኡ እውን ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ዘጋጥም ዘሎ ናይ ስደተይናታት ሞት ብጠቅላላ እቶም ካብ ኣፍሪካ ኮነ ካብ እስያን ላቲን ኣመሪካን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተደሪኾም ሕይወቶም ንምድሓን ዝስደዱን ካብ ማእከላይ ምብራቕ በቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ቅልውላው ተገዲዶም ዝስደዱን ስደትን መከራን ነዘጋጥሞምን ብሃይማኖት ምኽንያት ቅትለትን ኣድልዎን ንዘጓንፎም ዜጋታት ማዕጾኻ ምዕጻው ብሓቂ ዘሕዝን ጥራሕ ዘይኰነስ ምስቲ ንስደት ዝዳርግ ምኽንያት ምትሕብባር ማለት ኢዩ ዝኸውን ከምዝብለ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ስደተይናታት ዓመጽን ምዝመዛን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ግህሰትን ጥምየትን ንጽገትን ሞትን ዘጓንፎም ከምዝኾነ ብፁዕ ካርዲናል ቨሊዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም ነቶም ስደተይናታት ሸለል ምባልን ምንጻግን ዝርአይ ዘሎ ተግባር ብሓቂ ዓለም ሰብኣውነቱ የጥፍእ ከምዘሎ ዝሕብር ተግባር ከምዝዀነ ኣመልኪቶም ካብቲ ዝመዛበልን ዝስደድን ንላዕሊ እቲ ስደተይና ዝስደደለን ሃገራት ዘለወን ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ጥራሕ ክንክን ዝግበረሉን ካብ ንሰብ ንሃብቲ ተፈጥሮ ዓቢይ ግምት ዝወሃበሉ እውን ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ ናብ ናይ ኣሕዛብ ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ዝመርሕ መገዲ ንምልላይ ኵለን ሃገራት ብብሔራውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ህርኩት ጻዕሪ ከካይዳ ማሕበረ ክርስቲያን ምእንቲ ዝስደዱን ዝመዛበሉን ክጽልይን እወንታዊ ጭቡጥ ውሳኔታት እውን ከረጋግጽ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒቲ ኣብ ግብሪ ከውዕል ብፁዕነቶም ኣተሓሳሲቦም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋንን ኩነትን ክኽበር ሓደራ ቢሎም፣ ናይ ታባስኮ ጳጳስ ፍጥረት ሰብ ንምክልኻል ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መዳይ ዝገብርዎ ሕርኩት ጻዕሪ ንኢዶም ኣብቲ ናይቲ ስበኻ ህርኩት ጻዕሪ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ክጽንበሮ ድማ ዘለዎም ምንዮት ገልጺም ስደትን መከራን እናረኣኻ ገጽካ ከዊልካ ከምዘይረኣኻ ኰይንካ ምንባር ክውገድ ሓደራ ቢሎም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.