2014-08-30 16:03:18

ብፁዕ ኣቡነ ክሃዘን፦ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ንምንጻት ዝግበር ዘሎ ፈተነ


RealAudioMP3 በቢ ዓመቱ ኣብ ኢጣሊያ ሪሚኒ ከተማ ዝካይድ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣሕዛብ ምሕዝነት ጉባኤ ለብዘበ መበል 35 ጠቕላላ ጉባኤ “ናይ ዓለምን ህላዌ ደጋዊ ክፍሊ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ የካይድ ከምዘሎ እንክሕበር፣ ኣብቲ ዝካይድ ዘሎ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለውን ኣብቲ ጉባኤ ናይ ዕለት 29 ነሓሰ 2014 ዓ.ም. ዋዕላ ዘረባ ዘስምዑ ኣብ ሶሪያ ናይ ኣለፖ ተሓባሪ ጳጳስ ብፅዕ ኣቡነ ጆርጀስ ኣቡ ክሃዘን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፦ ሶሪያ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዝተፈላለዩ ዓሌታትን ብሓባር ዝነብሩላ ከምዝኾነትን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ኣብነት ተባሂላ እትግለጽ ዝነበረት ሃገር ሎሚ እቲ ዝነበራ ክቡር ዋጋ ይበርስ ኣሎ ቢሎም፣ ብሓቂ ሓደ ዴሞክራሲ ስርዓት ዝኽተል ሰብ ነቲ ካብኡ ዝተፈልየ ዝጸልእን ንኸውግድ ዝጽዕር እንተድኣ ኰይኑ ኢዴሞክራሲያዊ እዩ፣ ዴሞክራሲ ማለት ውሁዳን ኩን ብዙሃን ናይ ሃይማኖትን ዓሌትን ብዙህነት እውን ይሃሉ ብምክብባር ምንባር ማለት ደኣ እምበር ነቲ ካባኻ ዝተፈለየ ምቕንጻል ማለት ኣይኰነን ኢሎም።
እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵነት ንማሕበረ ክርስቲያን ዝምልከት ጥራሕ ዘይኰነስ ንዅሉ ዜጋ ማእከላይ ምብራቕ ዝምልከት እዩ፣ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአይ ዘሎ ወጥረት ብዙሃዊ መልክዕ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ኣምኪንካ ብሃደኣዊ ቀለም ንምትካእ ዝሃቀነ እዩ። ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ከም ሓገዝ ናይ ውግእ ኣጽዋር ምቕራብ ዘይኰነስ ዕርቂ ከረጋግጽ ዘኽእሎ ደገፍ ክቐርበሉ ይግባእ ቢሎም ኣብ ሶሪያን ኣብ ኣለፖን ዘለዉ ሙፍቲ ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ ዘነቓቕሑን እስላማዊ ኣኽራርነት ይኹን ዝዀነ ይዅን ካልእ ዓይነት ኣኽራርነት ዝቃወሙን ኣብቲ ከባቢ ሶሪያ ማሕበረ ክርስቲያን ቀዳሞት ደቂ ሃገር ከምዝዀኑ ዝኣምኑን ካብዚ ንላዕሊ እውን ኣንሕና ሃይማኖት ምስልምና ሰዓብቲ ኣጋይሾም ኢና ዝብሉ እያቶም፣ እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣብ ካልእ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ብፍጹም ኣይስማዕን፣ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.