2014-08-28 15:56:56

ቲዮሎጊያዊ ሰሙን


RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ኣረዞ ኣብ ዝርከብ ገዳመ ካማልዶሊ እቲ ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ቤተ ክርስቲያናዊ ምንቅስቃስ ሓልዮ ባህላዊ ኣገልግሎት እተሰምየ ማሕበር በቢ ዓመቱ ዘዳልዎ መደብ ቲዮሎጊያዊ ሰሙን ብምቕጻል ካብ ዕለት 24 ነሓሰ 2014 ዓ.ም. ጀሚሩ ናይ ለምዘበን ኣብ ምሕረት ዘማእከለ ቲዮሎጊያዊ ሰሙን ከምዝኸፈተ ናይዚ ባህላዊ ማሕበር ሓላፊ ካርሎ ቺሮቶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም ከምዝነበሩ እንክምልከት፣ ምሕረትን ፍትሕን ከመይ ቢሎም ብሓባር ክነብሩ ይኽእሉ ዝብል ኣብ ቲዮሎጊያን ኣብ ስነ ቤተ ክርስቲያናዊ ሰፊሕ ምርምር ዝግበረሉ ዘሎ ሕቶ ብናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ መንጽር ዝዳህሰሰ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ማቸራታ ናይ ፍልስፍና ሊቅ ሮበርቶ ማንቺኒ ሰፊሕን ዓሚዩቕን ኣስተምህሮ ዘቕረብሉ ናይ ካልኣይ መዓልቲ መደብ ዓውደ ጉባኤኡ ከምዘካየደ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ፈላስፋ ማንቺኒ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ “ምሕረትን ፍትሕን ዝማልኡ ዘይኰነስ ሓደ መንነት እያቶም ስለዚህ ኣብ ምሕረት እዩ እቲ ሓቀይናን ርግጸይናን ፍሉይን ትርጉም ምሕረት ዝርከብ፣ ምሕረት ስለ ዝግብኣካ ወይ ድማ ዝኽፈል ጻማ ርሓጽ ኣይኮነን፣ ከምኡ ድማ ስለ ዝኣበስካ እትንፈጐ ክቡር ዋጋ ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ ዝፈጥር ኣደነት ባህሊ ዘለዎ ካብቲ ኣናስር ሞት ዝኾነ ክፍኣት ዘናግፍ እዩ። በዚ መሰረት ድማ ንክርስትያን ምሕረት ኣብ ዝተፈላለየ ኩነትን ከባብን ካብ ናይ ውልቃውን ማሕበራዊ ሕይወት ተመኵሮን ካብ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ሕንጸትን ኣብቲ ምፍሕፋሕ ዝራኣየሉ ናይ ዝተፈላለየ ባህላዊ ቅቡል ብዙሕ ግዜ ምሕረት ዘይንበረሉን ኢሰብኣውነት ኣብ ዝተመልኦ መስርሕ ንኽነብሮ ኣገዳሲ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ፈላስፋ ማንቺኒ ኣብ ኣስተምህሮኦም ምሕረትን ፍትሕን ከም ሓደ መንነት ንምንባሮም ንዝግበር ጻዕሪ ኣዚዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ ሰለስተ መገዲ እንከመልክቱ፦ “ፖሊቲካዊ ፍታሕን ናይ ሓባር ናብራ ዝሕድስን ዝልውጥን ሓድሽ ሜላን ንሓደ ሓድሽ ኣብ ነጻነት ንድኻታትን ጭቁናትን ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንዅሉ ብማዕረን ምስ ምኽባር ተፈጥሮ ውሁድ ጥዕም ቅንይት ዘለዎ ብሔራውን ሕዝባውን ሓድሽ ስርዓትን ምቛምን” ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ናይ ሓባር ታሪኽ ብምቛም ኣብ መንጐ ኣሕዛብ ናይ ዕርቂ ባህሊ ምስፋሕ” ኢሎም ምስ’ዚ ኣተሓሒዞም ድማ ህልው ኩነት እስራኤልን ፍልስጥኤምን ከም ኣብነት ጠቒሶም “ብዘይ ሓደ ናይ ሓባር ተዘክሮ ናይ ሓባር ጥቕሚ ክህሉ ማለት ዘይከኣል እዩ። ምእንቲ’ዚ ናይ ሓባር እውነተይና ዘተ ንምርግጋጽ እቲ ናይ ሓባር ኣናስር ምኹስኳስ የድሊ፣ መንእሰይ ወለዶ ካብቲ ኣብዚ እዋን’ዚ መስዋዕቲ ክኸውን ካብ ዘገድዶ ዘየዕብዮን ዘየብስሎን ኵነት ንኽላቐቕ ኣብ መንጐኡ ኣብ ምሕረትን ፍትሕን ባህሊ ዝቖመ ቃል ኪዳን ከቕውም ምሕናጽ የድሊ” ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.