2014-08-28 12:02:33

ሰንበት ዘዕጕለ ቋዓት 2006 ዓ.ም. (ነሓሰ 25 2006 ዓ.ም. 8/31/2014)


RealAudioMP3 መዝሙር፡ ይሁበነ ዝናመ. . . . . . . . ።
ንባባት፡ ሮሜ 12፡1-2፥ ዕብ 5፡1-12፥ ግ.ሓ. 22: 1-22። ማቴ 16፡21-27።
ምስባክ፡ ዓይነ ኩሉ ይሴፎ ኪያከ፥ አንተ ትህቦሙ ሲሳዮሙ በጊዜሁ፥ ትሰፍሕ የማንከ ወታጸግብ ለኵሉ እንስሳ ዘበርዓትከ። “ፍጡራት ኩሎም ብተስፋ ንአኻ ይጽበዩ፥ ንስኻ እውን በብጊዜኡ ምግቦም ትህቦም። ኢድካ ብልግሲ ትዝርግሕ እሞ ንፍጡር ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ” መዝ. 145፡15-16።
መዝሙር፡ “ዝናም ብግዜኡ ይህበና እኽሊ በረኸት ይጽግወና ክረምቲ ይኸፍተልና ምሕረት የውርደልና በረኸት ዝናም የፍስሰልና፥ ዓይኑ ከፊቱ የማኑ ዘርጊሑ ምሕረቱ ይሰደልና፥ ኅጢአት ኪሓድግ ተፈቒድሉ እዩሞ አዒንቲ ኵሎም ንዓኻ ይስፈዋ በብግዜኡ መግቦም ይቕበሉ፥ መን እዩ እቲ ንባሕርን ንነፋሳትን ዚእዝዞም ጎይታ ሰንበት ስለ ዝኾነ ጨቓውቲ ኳዃትን ዓሣታትን አናብርን ይጽውዕዎ ንሱ ከአ ብታሕጓስን ብሰላምን ሰላም” እናበለ ሓልዮትን ፍቕርን ክርስቶስ ይገልጸልና።
ካብ ነሓሰ 10-28 (ማኅበረ በኵር) ዘሎ ሰናብቲ አብርሃም፥ እጓለ ቋአት፥ ደሰያት፥ ዓይነ ኩሉ እናተባህለ ይስመ። ከም አተሓሳስባ ልጡርግያና ክረምቲ ካብ ሰነ 26 ክሳብ መስከረም 25 ዘሎ ጊዜ እዩ፥ ስለዚ ጌና አብ ጊዜ ክረምቲ ኢና ዘሎና፥ ነዚ ዘሎናዮ እዋን ፍሉይ ዝገብሮ ብዓለ ፍልሰታ አብ 16 ነሓሰ ስለ ዘብዓልና አብዚ እዋን እውን አሰር ማርያም ተኸቲልና ንሰማይ ዝበቅዕ ሕይወት ሒዝና ክንጉዓዝ የዘኻኽረና። እዚ እዋን ፍሉይ ዝገብሮ ኩሉ ዝሕጎሰሉ ሰዊት ፍረ ዝርአየሉ ሰብን እንስሳን ዝሕጎሱሉ እዋን ስለ ዝኾነ ሕጉስ ሕይወት ክንለብስ ይሓተና። አብ ሕይወትናን አብ ሕይወት ካልኦትን ሓጎስ ክንፈጥር ድላይ አምላኽ እዩ። ምሉእ ሓጎስ ምስ አምላኽ ምስ እንኸውን ጥራሕ እዩ ዝርከብ።
አብ ዝሓለፈ ሰንበት ስምዒትን ርድኢትን ሓዋርያት አብ ዝለዓለ ደረጃ ከም ዝርከብ ርኢና። ብአፍ ጴጥሮስ እቲ ዝስዕብዎ ዘለዉ ኢየሱስ ንሱ እቲ መስሕ ወዲ አምላኽ ምዃኑ እሞ ንሶም ከአ አብቲ መንግስቱ ዝካፈሉ ምዃኖም ብምስምዖም ፍሉይ ሓጎስ ፈጢርሎም። ሓደ ካብቲ ኢየሱስ ዝገለጸሎም አብዚ ሓዲስ ርድኢት ንዝለዓለ ሓላፍነትን አገልግሎትን ክወፍሩ እዩ ሓቲትዎም። ብኢየሱስ አቢሎም አብ ማሕበር ሓላፍነት ካብ እግዚአብሔር አብ ተቐቢሎም። ጴጥሮስ ከውሒ ከምዝኾነ አብዚ ከውሒ ቤተ ክርስትያን ከምእትምስረት ዝኾነ ሓይሊ ከምዘይንቕንቓ ተነጊርዎም። አብ መንግስቲ አምላኽ ቦታ ስለ ዝተዋህቦም ፍሉይ ሓጎስ ሂብዎም።
ነውሕ ከይጸንሑ እዚ ዝተገልጸሎም ፍሉይ ሓጎስን ተስፋን ካልእ ዘይተጸበይዎ ድቦላ ነገር ክነግሮም ጀሚሩ። ከም ኩሎም አይሁድ ትጽቢቶም ንሱ እቲ ዝዓበየን ዝሓየየልን ንጉሥ ክኸውን እዩ ነሩ። ንሳቶም ከአ ከም ተኸተልቱን ሰዓብቱን ፍሉይ ቦታን ክብርን ክውሃቡ እዩ ነሩ ትጽቢቶም። ያዕቆብን የውሓንስ ክልተ አሕዋት ተቐዳዲሞም ሓደ ብየማኑ ሓደ ብጸጋሙ ክነግሱ ሓቲቶም ካልኦት እውን ካብኡ ዝተፈለ ሓሳብ አይነበሮምን።
ከምዚ እናበለ ክዛረቦም ጀመረ፡ አብ ኢየሩሳሌም ኪኸይድ ብዓበይትን ብሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ብዙኅ መከራ ኪቕበል ኪቕተል ብሣልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንሥእ ከም ዘለዎ ኺገልጸሎም ጀመረ” እዚ ብሓቂ ዘሰንብድ ነገር ኮይንዎም። እቲ ዝጽበይዎ መስሕ እዚ ነገራት ዘይረኽቦ እዩ፥ እቲ ዝገደደ ኸአ እዚ ኹሉ ወርደትን ስቓይን በቶም ጸላእቶም ዝኾኑ ሮማውያን ወይ ካልኦት ዓለት ዘይኮነ በቶም ብመራሕቶም በቶም ዝተፈልጡ መራሕቲ ሊቃነ ካህናት፥ጸሓፍቲ እቶም ባይቶ አይሁድ ዘቝሙ ከምዝወርዶ ምግላጹ እዩ። ካልእ ከአ እቲ ፍጻሜ አብ ኢየሩሳሌም አብታ ቅድስቲ ከተማ አብታ አምላኽ አብ መንጎ ህዝቡ ዝቕመጣ ብምፍጻሙ እዩ። አብዚ ክንዝክሮ ዝክአል ኢየሩሳሌም እታ አብአ ነብያት ዝቕተሉላ ከተማ ዝብል እዩ (ማቴ 23፡37)። እዚ ኹሉ ምስ ነገሮም እቶም ሓዋርያት ተረቢሾምን ተረቢጾምን።
ጴጥሮስ አብዚ እዋን ምሕታቱ ዘገርም አይኮነን ስለዚ በዚ ሓዲስ ስልጣን ዝተዋህቦ ይኸውን አብ ደገ አውጽእ አቢሉ ንበይኑ ወሲዱ ክዛረቦ ጀሚሩ፥ “ጎይታይ የድኅንካ እባ ደአ እዚ ነገር እዝስ ከቶ አባኽ አይውረድ እናበለ ክገንሖ ጀመረ”። እዚስ ንሓደ መስሕ ንጉሥ እስራኤል ዝኾነ ከመይ ኢሉ ይወርዶ። ኢየሱስ ተቖጢዑ “ካባይ ርሓቕ ሰይጣን ንስኻ ናይ ሰብ እምበር ናይ አምላኽ አይትሓስብን ኢኻ እሞ ንአይ መዓንቀፊ ኢኻ” በሎ። እዚ ኢየሱስ ዝበሎ ንሓደ ሓዲስ መራሒ ናይ እታ ማሕበር ዝኸውን ከቢድ እዩ። አብዚ ሰይጣን ክብሎ እንከሎ ቃል ንቓሉ ክንወስዶ የብልናን ግን ከም ናይ ሓቂ ፈተና ነቲ ካብ አብኡ ዝተዋህቦ ጉዕዞ ዘተዓናቕፍ እዩ። ጴጥሮስ ከይተረድኦ ናይ ሰይጣን ስራሕ እዩ ሰሪሑ።
አብ ርእስና እንተ ተመለስና ክንደይ ጊዜ ንሕና ንሰባት ካብቲ ሓቀኛ መገዲ ከላግሱ ፈተና ኮናዮም ንርከብ። ጽቡቕ እንገብር ዘሎና ተመሲልና ብዘረበና ብግብርና ብሕማቕ አብነትና ንብዙሓት ካብቲ ቅኑዕ መገዲ ከም ዘላግሱ ንገብሮም ኢና። ኢየሱስ ንጴጥሮስ ዕንቅፋት አይትኹነኒ ኢልዎ፥ አብ ቅድመይ ከምደንጎላ ኮንካ ካብቲ በቦይ ዝተዋህበኒ መገዲ ከይጉዓዝ አይትዕገተኒ ኢልዎ። እቲ ከውሒ ክብሎ ዝጸንሐ እምኒ መሰረት አብኡ ቤተ ክርስትያን እትምስረቶ ሕጂ ንግብሪ ኢየሱስ ከም ዓንቃፍን ዓጋትን ኮይኑ ተራእዩ። ንሕና እውን ከምኡ እናገበርና ንሓውናን ንሓፍትናን ካብ ቅድስና ካብ ሓቂ ከምዘላግሱ ንገብሮም ኢና ስለዚ ኩልና ዕንቅፋት ካብ ምሃብ ክንጥንቀቕ ይግባእ እንተ ዘይኮነ ሰይጣውንቲ ኢና እንኸውን።
ሓዋርያት ጌን ብዛዕባ መምህሮም እንታይ ዓይነት መስሕ ክኸውን ከምዘለዎ አይተረድኦምን ነሩ። ንሳቶም ከምቲ ዝበሎ ናይ ሰብ አተሓሳስባ እዩ ነርዎም፥ ናይ ክርስቶስ አተሓሳስባ አይነበሮምን (ፊሊጵ 2፡5)። ብዛዕባ እቲ መስሕ ዝነበሮም አተሓሳስባ ጨሪሹ ክቕየር አለዎ ንሱ ዓቢ ፖሎቲካዊ ወይ ወተሃደራዊ መራሒ ንኹሎም ጸላእቲ እስራኤል ስዒሩ ነጻ ዘውጽእ አይክኸውንን እዩ። ወላ ድሕሪ ትንሣኤ እውን እዚ አተሓሳስባ ነርዎም፥ እቶም አብ መገዲ ኤማሁስ ዝኸዱ ዝነበሩ ክልተ አርድእት ከምዚ ይብሉ ነሮም “ንሕና ግና እቲ ንእስራኤል ኬድኅን ዘለዎ ንሱ እዩ ኢልና ተስፋ ንገብር ነርና” (ሉቃ 24፡21)። ካብኦም ቅድሚ ምዕራጉ ካብ ሓዋርያት ምአስ ኢኻ ንመንግስቲ እስራኤል እተቝሞ ኢሎም ሓቲቶሞ።
እወ ብርግጽ ኢየሱስ ንጉሥ ክኸውን እዩ እንተ ኾነ ንግስነቱ ናይ ፍቕሪ ንጉሥ፥ ንጉሥ እናአገልገለ ዝመርሕ እዩ። ሰለ ዘፍቅሮም የገልግሎም እንተ አደለየ ኸአ ምእንትአቶም ነፍሱ በጃ የሕልፍ በዚ ኸአ እዩ ሓደ ነዕርኽቱ ዝለዓለ ፍቕሪ ከርኢ ዝኽእል። አብዚ ግን ክነስተውዕሎ ዘሎና ነገር አሎ ማለት ኢየሱስ አብ መስቀል ክመውት ይደሊ ማለት አይኮነን፥ ንሱ አብኦም ዘለዎ ፍቕሪ ከርኢ ዘድሊ እንተ ኾነ ንኽመውት ድሕር አይብልን እዩ ማለት እዩ፥ ከምኡ እዩ ኸአ ኮይኑ። ብርግጽ ሓዋርያት ሞት ኢየሱስ ምንጪ ዝዓበየ ክብሩ ምዃኑ ክርእዩ እዮም፡ ”አነ ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ (አብ መስቀል አብ ክብሪ) ንኹሉ ናባይ ክስሕቦ እየ” (ዮሓ 12፡32)።
ንሓደ ተኸታል ኢየሱስ ሓደ ዕጫ እዩ ዝጽበዮ። አብ ብሉይ ኪዳን ንነብያት ከምኡ ይበጽሖም ከም ዝነበረ አብ ሕይወት ኤርምያስ ነቢይ ነንብቦ “ኦ እግዚአብሔር ንስኻ ጠበርካኒ አነ እውን ተጠበርኩ፥ ኃየልካኒ ከምኡውን አሕመቕካኒ” (ኤር 20፡7)። ናይ አምላኽ ስለ ዝኾነ ኩሉ ጸሊእዎ “ኩሎም የባጭዉለይ” አለዉ እናበለ ይዛረብ። “አብ ዝተዛረብኩሉ ዘበለ ዓመጽን ጥፍአትን ኢለ ክጭርሕ እግደድ አሎዅ ቃል እግዚአብሔር ምእዋጅ መዓልቲ ብመልአ ንጸርፍን መላገጺ ኮነኒ” ይብል። ናይ ዘረብኡ ፍረ ጽልእን ቅርሕንትን አምጺእሉ። በዚ ምኽንያት ብዛዕባ እግዚአብሔር እንተ ዘይተዛረብኩ ይሕሸኒ አብ ምባል በጺሑ። “ንእግዚአብሔር አይክዝክሮን እየ ደጊምስ ብስሙ አይክዛረብን እየ”። እዚ እውን አይሰርሐን፥ ከምዚ እኳ ይበል እምበር “አብ አዕጽምተይ ተዓጽዩ አብ ልበይ ከምዝነድድ ሓዊ ኾነኒ ክዓግቶ ተጋደልኩ ግናኸ አይኮነለይን”። ስለዚ መልእኽቲ አምላኽ ዘምጽአሉ ሳዕበን ብዘየገድስ ክነግር ከምዘለዎ ፈሊጡ። አብ ከምዚ ዝአመሰለ ኩነታት እዩ ሓደ ሰብ ንሕይወቱ አብ ሓደጋ ዘውድቓ ስቓይ ሞት ከይተረፈ ዘምጽአሉ ምዃኑ እና ፈለጠ ምእንቲ ሓቅን ፍቕርን ኢሉ ሞት ይመርጽ። ብዙሓት አብ ቤት ማእሰርንት አብ ዝተፈለለየ ግፍዒ ዝርከቡ ነዚ ብዝያዳ ክርድእዎ ይክአል። ብዙሓት ክርስትያን አሕዋትና አብ ዒራቕን ሶርያን ነዚ አብ ግብሪ ይነብርዎ አለዉ። ብዙሓት ናይ ፖሎቲካ እሱራት ከምኡ ንግፍዒ ደፊሮም ዝዅንኑ አብ ውርደትን ማእሰርን ዘለዉ ዓለምና መሊኦማ አለዉ። ብዙሓት ናይ ፖሎቲካ እሱራት ከምኡ ብእምነቶም ምኽንያት ዝተአስሩ ብሓቂ ዝአምኑሉ እንተ ኾኑ ድሕሪ ምፍትሖም ዘርእይዎ እውን ልክዕ ሓደ ዓይነት መንፈስ እዩ ብዝወረዶም ግፍዒ አይልውጡን ንሓቂ ካብ ምዝራብ ድሕር አይብሉን ሞት እንተ አድለየ እውን ክስውዑ ስንድዋት እዮም። ሰባት ዘለቕ መለቕ ዝብሉ ብረብሓ ስጋ ወይ ብጥቕሚ ግዙፍ ነገር ዝርእዩ እንተ ኾኑ ክቕይሩ ጸገም የብሎምን።
ቅ. ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኩሉ ከምዝፈልጥ ዝነበረ አብታ ንሎሚ ዝተነበት መልእኽቱ ናብ ሰብ ሮማ ንርእዮ። ነቶም ተኸተልቱ ክርስትያን “አኅዋተይ ሰብነትኩም ሕያውን ቅዱስን ንአምላኽ ባህ ዜብልን መስዋዕቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ ብምሕረት አምላኽ እልምነኩም አሎኹ” (ሮሜ 12፡1) ይብሎም። “እቲ ሠናይን ባህ ዘብልን ፍጹምን ዝኾነ ፍቓድ አምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ አእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር ነዛ ዓለም እዚአ አይትምሰልዋ” ይብሎም። ሓዲስ አተሓሳስባ ክህልዎም ይግባእ እዚ ኸአ ከምቲ ኢየሱስ ዘልኦ፥ ከምቲ አብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ጴጥሮስ ዘይበጽሖ ክህልዎም ይግባእ።
ምስ ኢየሱስ ምጕዓዝ፡
ናይ ሎሚ ወንጌል ክብርን ግርማን ኢየሱስ ብስቓይን ዘሕፍር ሞት አብ መስቀል ጥራሕ ዘይኮነ ብኻልእ ከምዝርከብ ይሕብረና። ምስ ኢየሱስ ክንጉዓዝ ከሎና ብምሉእ ናቱ ክንከውን ከሎና ምስኡ ዘሎና ፍቕርን አኽብሮትን ስለ ዝገልጽ አምላኽ አባና ይኸብር። ዕለት ዕለት ዘቕርበልና መጸዋዕታ ማዕሪኡ ምስኡ ክንጉዓዝ ይደልየና። “ክስዕበኒ ዝደሊ ሕይወቱ ይመንን መስቀሉ አልዒሉ ድማ ይስዓበኒ፥ ከመይ እቲ ንሕይወቱ ከድኅና ዚደሊ ኬጥፍአ እዩ፥ እቲ ንሕይወቱ ምእንታይ ዜጥፍአ ኸአ ኺረኽባ እዩ” (ማቴ 16፡24-25) ይብለና። ካልእ ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍና ዝሓቶ አልኦ ብምሉእ ሕይወትና አብ ፍቕርን አገልግሎትን ካልኦት ክነውዕሎ ወላ እውን አብ ገለ ጊዜ ዘይምርድዳእ፥ ውርደት፥ ስቓይን ሞትን ወላ እንተ የምጽአልና።
ኢየሱስ ሕማቕ ክርስትያናዊ ሕይወት ክነብር አይ ኮነን ዝጽውዕ ዘሎ፥ ወላ ገለ ሰባት ከምኡ ዝትርግምዎ እንተ ለዉ። ከምኡ ንሓስብ እንተ ኾና ጌጋ እዩ። ንኢየሱስ ምኽታል ማለት ከምቲ ኢየሱስ ንሕይወት ዝርእያ ልክዕ ከምኡ ጌርና ክርእያ አሎና፥ አተሓሳስባ ኢየሱስ ክህልወና ይግባእ። አተሓሳስባ ኢየሱስ ምስ ሃለወና ሽዑ ሕይወትና ክንርኢ ንኽእል፥ ሕይወት ንኻልኦት ምፍቃርን ምግልጋልን ከምዝኾነ እምበር አብ ጥቕሚ ርእስና ወይ አብ ጥቕሚ ስድራናን ወገናን ጥራሕ ከምዘይኮነ ክንርዳእ ንኽእል። አተሓሳስባ ክርስቶስ እንተ አሎና ኩሉ እንኸዶ ጉዕዞ ሕይወትና ይቕየር። ኩሉ ርድኢትና ሓጎስ እንታይ ከምዝኾነ ይቕየር። ኢየሱስ ዝጽውዓና ዘሎ አብ ናይ መስዋዕትን ስቓይን ሕይወት ዘይኮነ አብ ፍቕርን ነጻነትን ዘለዎ ሕይወት ክንአቱ እዩ። ሓደ ሰብ ብእምነቱ ምኽንያት አብ ቤት ማእሰርቲ ዝኸይድ ዝያዳ ሕጉስ እዩ ካብቲ ድሕሪ ገንዘብን ንብረት ዓለምን ስልጣን ዝጎዪ።
“ሕይወትካ ምምናን” ክብሃል እንከሎ ንመንነትካ ምጭቋን ወይ ምግፋዕ ማለት አይኮነን። ካብ ርእስኻ ምውጻእ እሞ ሽዑ ንርእስኻ ምርካብ እዩ፥ ብኻልእ አዘራርባ ካብቲ ዓጋትን ዓንቃፍን ዝኾነ አተሓሳስባ ወጺእካ ንአምላኽ ማእከል አተሓሳስባኻ ምግባር እዩ።
አብ ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ እምብአር ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍና እቲ ዓቀኛ ዓወትን ሓጎስን አበይ ከምዝርከብ ርኢና ክንክእል ይሓተና። ምናልባት ገለ ሰባት ብመንገዲ ክርስቶስ ክንጉዓዝ ከሎና ክሓምዩና ክጸልኡና ይኽእሉ እዮም፥ ከምኡ ከጥቅዑና ይኽእሉ እዮም እዚ ግን ዓንቃፊና ክኸውን አይግባእን። ታሪኽ ከም ዝሕብሮ ኩሎም እቶም መገዲ ኢየሱስ ዝመረጹ ደጋጊሞም ዘረጋግጽዎ እንተሎ ሕይወቶም ብምሉኡ ነጻ ሕጉስን ሰላም ዘልኦን እዩ። እዚ ዘይኮነን ኩልና እንደልዮን ክነብሮ እንምነዮ?

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.