2014-08-24 14:53:14

3 ሰንበት ዘፍልሰታ 2006 ዓ.ም. ነሓሰ 18 2006 ዓ.ም. (8/24/2014)


ምስ ማርያም ንኢየሱስ አለሊኻ ምኽአል
ሰአሊ ለነ ማርያም ምሕረተ ወልድኪ ይኀውጸነ እምአርያም
መዝሙር፡ ይቤ እግዚአብሔር አክብሩ ሰንበትየ. . . . . . ።
ንባባት፡ ሮሜ 11፡33-36፥ ያዕ 2፡14-ፍ፥ ግ.ሓ. 7-19፥ ማቴ 16፡13-20
ምስባክ፡ ቀደሰ ማኅደሮ ልዑል፥ እግዚአብሔር ውስተ ማእከላ ኢትትሀወክ፥ ወይርድኦ እግዚአብሔር። ‘አምላኽ አብ ማእከል እታ ከተማ ስለ ዘሎ አይክትፈርስን እያ፥ ክወግሕ እንከሎ አምላኽ ኪረድአ እዩ’ መዝ 46፡5።
መዝሙር፡ እግዚአብሔር ሰንበተይ አኽብሩ ብዝያዳ ኸአ ንማርያም አኽብርዋ ምኽንያቱ ኩሉ አብአ ዝኸደ ዓስቡ ሓጎስ ስለ እትህቦ።
አብ ዝኽሪ ፍልሰታ ማርያም ኢና ንርከብ ዘሎና። ማርያም በቲ ካብ አምላኽ ዝረኸበቶ ጸጋን ባዕላ ንአምላኽ ዘሓጉስ መልስን ግብርን ብምሃባ ዓስባ አብ ሰማይ አብ የማን ወዳ ብነፍሳን ብሥግአን ምስኡ አላ። እዚ ንነፍስወከፍና እንጉዓዞ ዘሎና ሕይወት ክንርኢ ንአምላኽ ዘሓጉስ ሕይወት መሪሕና አብቲ ዝተመደበልና አብ የማኑ ክንቅመጥ ሎሚ ክንጅምሮ የድሊ።
ሕይወት ማርያም ዘስተምህሮ ንአምላኽ አለሊኻን ተቐቢልካን ዘምጽኦ በረኸትን ሓጎስን እዩ። ንሳ አምላኽ አብ ሕይወታ ብምልኡ ጽን ኢላ ንድላዩን ካብአ ዝድለ ክትገብር አሕሊፋቶ። ንወዳ አብ ኩሉ ስዒባቶ ቃዳመይቲ ሓዋርያ ንብላ፥ ንሰባት ዓሚቕ ምስጢሩ ክርድኡ ኢላ ንሱ ዝበለኩም ግበሩ ትብል። አብ ከቢድ እዋን ዝያዳ ፍቕሪ አምላኽ ክንርኢ ከሎና ዘምጽኦ በረኸትን ሓጎስን ካብ ማርያም ኢና እንምሃሮ። ወዳ አብ መስቀል ክምውት ክግዕር ክዋረድ ክትርኢ እንከላ አሽንኳ ንወላዲት ንዝኾነ ፍጡር ሰብ ኲኖ ርድኢትና እዩ ነዚ ግን ብዓይኒ እምነት ስለ ዝረአየቶ ንሱ መን ምዃኑ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት ካብ እምነታ ፍንትት አየበላን እዚ ኢና ካብ ማርያም እንምሃሮ አብ ከቢድ እዋን ንአምላኽ ርኢኻ ምኽአል።
አብ ዝተነበ ወንጌል ኢየሱስ ንነፍስወከፍና “ክነለልዮ ክንፈልጦ” ከምዝደሊ ንርኢ። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ከቢድ ሕቶ አቕሪብሎም፥ ሰባት መንዩ ይብሉኒ እናበለ ናይ ህዝብን ናታቶም ርኢቶን ሓቲትዎም። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ክሓቶም እንከሎ ዝነበሮ ዓዲ ወይ ቦታ ምፍላጥ አገዳስነት አለዎ አብ ሃገረ ቂሳርያ ናይ ፍሊጶስ እዩ። እዚ ቦታ ብዙሓት አብያተ መቕደሳት ሶርያ ዝነበሮ እዩ። ቂሳርያ ናይ ፍሊጶስ ልደት ቦታ ናይ ሶርያ አምላኽ “ፓን” እያ ትሕሰብ ነራ። ቂሳርያ ናይ ፍሊጶስ ሩባ ዮርዳንስ ዝምንጭወላ እያ። አብ ቂሳርያ ፍሊጶስ ብእምነበረድ ዝተሰርሐ ጻዕዳ ቤተ መቕዳስ ናይ ቄሳር አምላኽ ዝነበራ ሃገር እያ። እዝን ካልእ ዓበይቲ ነገራት፥ ዓበይቲ ታሪኽ አብ ዝነብሮ ሃገር እዩ ኢየሱስ ሓደ ወዲ ጸራባይ ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያ ሰዓብቲ ዝነበርዎ ነዚ “ሰባት ከምኡ ንስኹም” መን ትብሉኒ እናበለ ዝሓተተ። ከምኡ እቶም አኽረርቲ አይሁድ ከም ሓደ መናፍቕ ርእዮም ክቕትልዎ መገዲ አብ ዝደልዩሉ እዋን እዩ ነዚ ሕቶ ሓቲቱ። ኢየሱስ ነዚ ሕቶ ከቕርብ እንከሎ ኩነታት አይሁድ ከምኡ አብ ከባቢኦም ዝነበሩ ዝለዓለ ርድኢት ብዛዕባ ርእሶምን እምነቶም አብ ዝሓስቡሉ እዋን እዩ ነዚ ሕቶ ሓቲቱ። ነዚ ሕቶ ከቕርብ እንከሎ ዓበይቲ ሊቃውንቲ ወይ ዓበይቲ ዓዲ አይኮነን ሓቲቱ ካብቶም ማንም ዝኾኑ ሓዋርያቱ እዩ መልሲ ሓቲቱ። ስለዚ ሰባት ብዛዕብኡ መን ኢሎም ከምዝሓስቡን ንሳቶም ከአ መን ክምዝብልዎን ሓቲቱ።
አብ ዝሃብዎ መልሲ ገለ ዮውሓንስ መጥምቕ አብቲ እዋን ብሄረዱስ ዝተቐትለ ካብ ሙታን ተንሢኡ (ሉቃ 9፡7) ይብሉኻ፥ ገለ ኤልያስ ከይሞተ ብሰረገላ ንሰማይ ዝዓረገ ምጽአቱ አብ ዓለም አብ ዝሓጸረ ጊዜ ዝኽውን እዚ ኸአ ምልክት ንምጽአት መስሕ ዝገልጽ እዩ ይብሉኻ፥ ገለ ኤርምያስ እቲ አብ ተልኮኡ ክሕደትን ስቓይትን ዝወረዶ ንመስሕ ዝወርዶ ክሕደትን ስቓይን ዝሰበኽ እዩ ይብሉኻ (ማቴዎስ ጥራሕ እዩ ንኤርምያስ ዝጠቅስ ካልኦት አይጠቕሳዎን)፥ ገለ ኽአ ሓደ ካብ ዓበይቲ ነብያት እዩ ይብሉኻ ኢሎሞ። አብዚ እንዕዘቦ ኢየሱስ አብ ቅድሚ ብዙሓት ከም ዓቢ ነብይን ሰብን ከምዝርአ ዝነበረ ንርኢ። ድሕሪ እዚ እቲ ቀንዲ ሕቶ የቕርበሎም “ንስኻትኩምከ መን ትብሉኒ”። እዚ ሕቶ እናቕረበ እንከሎ ኢየሱስ ካባና ዝደልዮ አፍልጦና ብዛዕብኡ ካልአዊ ክኸውን ከምዘይብሉ። ሰባት ብዛዕባ ኢየሱስ ዓቢይ ዓሚቕ ፍልጠት ክህልዎም ይኽእል ይኸውን ብዙሕ መጽናዕቲ ክገብሩ ይክአል እንተ ኾነ ብዛዕባ ኢየሱስ ብምሉእ ክፈልጡ ዘይክአል እዩ። ክርስትና ኩሉ ጊዜ አብ ጉዕዞ ፍልጠት እዩ ዝርከብ እምበር ብዛዕባ ኢየሱስ ዝአክል አፍልጦ አሎኒ ኢሉ ዝሓስብ አይኮነን። ኩሉ ጊዜ ምስጢር ኢየሱስ ክንፈልጥ ክንርዳእ አብ ጉዕዞ ትምህርቲ ክንርከብ ይግብአና። ነዚ አብነትና ማርያም እያ ንሳ ንኹሉ አብ ልባ ትሕዞ ነበረት ይብለና ሉቃስ ወንጌላዊ። ነቲ አምላኽ ዘርእያ ዝነበረ ነቲ አብ ወዳ ተርእዮ ዝነበረት ንምስጢር አምላኽ ክትፈልጥ ይሕግዛ ነሩ። አብ እምነትና ኩሉ ጊዜ ተመህሮ አብ ምስጢር አምላኽ ኢና ብምልኡ ክንፈልጦ ተፈጥሮና አየፍቅደልናን እዩ። (አብነት ቅ. አጎስቲኖስ ርአ)።
እዚ ሕቶ አብ ሓዋርያት ምስ ወረደ ጴጥሮስ ክንዲ ኩሎም ኮይኑ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው አምላኽ ኢኻ” ኢሉ መሊሱ። ጴጥሮስ ነዚ ከብሎ ዘኽአሎ እንታይ ምዃኑ ክትፈልጥ ቀሊል አይኮነን። ንሱ ምናልባት ኢየሱስ ወዲ አምላኽ ካብ ሰማይ ዝመጸ ካብ ግዝአት ሮማውያን ነጻ ከውጽኦም ዝመጸ ወይ እውን ከም ሓደ መንፈሳዊ መራሒ ለውጥታት ዘምጽእ ኮይኑ ይርአዮ ነሩ ይኸውን፥ ብዝኾነ እዚ ተመክሮ ጴጥሮስ ፍሉይ ሰብ ከምዝኸውን ገርዎ። አብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ እዚ ማንም ገፋፍ ዓሣ ንብዙሓት በብቋንቍኦም ከም ዝሰምዕዎ ገሩ። አብ ቅድሚ ገዛእትን መራሕትን ደው ኢሉ እምነቱ አብ መምህሩ ገሊጹ፥ ምእንቲ መምህሩ ኢሉ አብ ቤት ሞቕሕ ተሓይሩ፥ አብ መጨረሻ ኸአ አብ መምህሩ ዘልኦ እምነት ክገልጽ አብ መስቀል መይቱ።
ንዝሓለፋ 20 ዘመናት እዚ ሕቶ ደጋጊሙ ንብዙሓት ክርስትያን ተባሂሉ መንጠን ክምልስሉዎ ዝጀመሩ እምነቶም ዓሚቝ። አብተን ቀዳሞት ሰለስተ ዘመናት ደመ ሰማዕታት ውሒዙ ንተኽሊ እምነት ከም ድኽዒ ኮይኑ ኮስኵስዋ። ሰማዕታት ዘደንቍን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዝተፈትዉ እዮም። ብዙሓት ካብቶም ቀንዲ ቅዱሳት እቶም ብሰማዕትነት ዝሞቱ ቤተ ክርስትያን ብዝያዳ እትዝክሮም ከም እኒ ብዓል ቅ. ጊዮርጊስ፥ ቅ. ስጢፋኖስ፥ ቅ. ጳውሎስ፥ ቅ. ጴጥሮስ ወዘተ።
ኩሎም ሰማዕታት ኢየሱስ መን ምዃኑ አብ ሕይወቶም ዘለልዩ እዮም። አርባዕቲኦም ወንጌላውያን ንኢየሱስ ክትፈልጥ ክትክተል እንታይ ከምዘድሊ ደጋጊሞም ይሕብሩና። እዚ ኢየሱስ ዝሓቶ ነገራት ንሱ መን ምዃኑ ዝሕብርን ካባና እንታይ ከምዝደሊ ይነግሩና። ነቲ “ኢየሱስ መንዩ ንአና” ንዝብል ካብ ነፍሲ ወከፍና ዝጽበዮ መልሲ ይጽበ።
ጴጥሮስ ነቲ ዓቢ ሕቶ ክምልስ ምስ ከአለ ዝዓበየ ክብርን ዝዓበየ ሓላፍነትን ተዋሂቡ። እዚ እዩ ነፍሲወከፍና ነንርእስና ክንገብሮ ዘሎና፥ እዚ ምስ ገበርና ልክዕ ዝኾነ ክብርን ሓላፍነትን አብ ርእስና ነምጽእ።
ሓደ ብጣዕሚ ዝቡቕ ዝኾነ ነገር ብዛዕባ ላቢስ ዝንገር ታሪኽ አሎ። ሓደ ሰራሕ ብርዒ/ላቢሽ ቅድሚ ንመሸጣ አብ ባኮ ምእታዉ ነታ ላቢሽ አብ ጎኒ አቕምጥ አቢልዋ። ቅድሚ ንመሸጣ ምልአኸይ አቐዲምኪ “ሓምሽተ ነገራት ክትፈልጥዮ ዘድልየኪ ነገራት አሎ” ኢልዋ ይብሃል። ኩሉ ጊዜ ዘክርዮም አይትረስእዮም ሽዑ እታ ዝበለጸት ላቢሽ አብ ዓለም ክትኮኒ ኢኺ ኢልዋ ይብሃል።
    ብዙሕ ዓበይቲ ነገራት ክትገብሪ ክትክእሊ ኢኺ ግን ንርእስኺ አብ ትሕቲ አእዳው ሓደ ሰብ ክትኮኒ እንተ ኸአልኪ እዩ።
    በብእዋኑ አብ ጊዜ እትበልሕሉ ጊዜ ብርቱዕ ቃንዛ ክጓነፈኪ እዩ፥ ግን ጽብቕቲ ዝበልሐት ላቢሽ ክትኮኒ ከአ አሎኪ።
    ዝኾነ ዝገበርክዮ ጌጋ ክትድምስሲ እትኽእሊ ክትኮኒ አሎኪ።
    እቲ ዝበለጸ አባኺ ዝርከብ እቲ አብ ውሽጥኺ ዘሎ ጥራሕ ክኸውን አለዎ።
    አብ ነፍስወከፍ ዝጸሓፍክሉ ምልክትኪ ክትሓድጊ አሎኪ። ዝገጥም ኩነታት ብዘየገድስ ኩሉ ጊዜ ምልክት ክትሓድጊ አሎኪ። ኢልዋ ይብሃል።

እዚ ኹሉ ንነፍሲ ወከፍና ከስምዕ ይኽእል። ንሕቶ ኢየሱስ መልሲ ክንረኽበሉ እንተ ኸአልና ንሱ ንአና መን ምዃኑ እንተ አላለና አብ ዘመና ንዘሎ ነገራትን ኩነታትን ጠቐምቲ ክንከውን ንኽእል ኢና። ነዚ ክንገብር ግን ነቲ እዛ ላቢስ ዝተጓዕዘቶ ክንጉዓዝ አሎና።
    ዓበይቲ ነገራት ክንገብር ክንክእል ኢና ግን አብ ትሕቲ ኢድ አምላኽ እንተ ተጎዓዝና ጥራሕ። ነቲ ዝተፈላለየ ህያባት ዘሎና ንብዙሓት ክጥቀሙሉ እንተ አፍቀድና።
    ነዚ ክንገብር እንተ ኾና አብ ሕይወት ዝተፈላለየ ስቓያትን ቃንዛን ክገጥመና እዩ፥ ግን ንፉዓትን ውፉያትን ክንከውን አሎና እምበር ፈተናስ አብ ዓለም ዘይተርፍ እዩ።
    ንዝኾነ እንገብሮ ጌጋ ክንእረም እንኽእል ክንከውን አሎና። ካብ ጌጋና እንምለስ ክንከውን አሎና። አይሓድግን ክቕየም እየ ዝብል አይዕወትን እዩ፥
    እቲ ዝዓበየ ነግር አባና ዝርከብ እቲ አብውሽጥና አብ ልብና ዘሎ ክኸውን አለዎ። አብ ልብና ዘሎ እዩ ቀንዲ ነገር እምበር ብደገ እንረእዮ አይኮነን።
    አብ ኩሉ ዝተጎዓዝናዮ ምልክት ክንሓድግ አሎና። ዝገጥመና ኩነታት ብዘየገድስ ግብኡና ክንገብር ከይተሓለልና ብትብዓት ክንቕጽል አሎና።

ነዚ መምርሒ ሕይወትና ክንገብር እንተ ኸአልና ንኢየሱስ ክነለልዮ መን ምዃኑ ክንፈልጦ ኢና። ከምቲ ማርያም አብ ኩሉ አላልያ ስለ ዝኸአለት ንኹሉ ፈተናን ጸበባን ዝሓለፈት ንሕና እውን ንኹሉ ክንክእል አሎና ንኢየሱስ መን ምዃኑ ክንፈልጦ ምሃርና ሓግዝና ንበላ።
አብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወትና ፍቕርን ሓልዮትን አምላኽ አይፈለየና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.