2014-08-21 11:52:27

ፍልሰታ!


RealAudioMP3 “ወትቀውም ንግሥት በየማንከ፣ በኣልባሰ ወርቅ፡ ዑጽፍት ወኁብርት፣ ስምዒ ወለትየ ወርእዪ ወአጽምኢ እዝነኪ።”
“ፈለሰት እምዘ ይበሊ ኀበ ዘኢይበሊ” ካብዚ በራስን ሓላፍን ዓለም፡ ናብቲ ዘይበልን ዘለዓለማውን ዓለም ፈለሰት። በዓለ ፍልሰታ ጥንታውን፡ እቲ ኣዝዩ ዝኸበረን በዓል እኖና እግዝእትነ ማርያም እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ንኽልተ ሱባኤ ዚኣክል፡ብጾምን ብጸሎትን ምህልላን ተሰናዲና፣ ብዓቢይ ክብርን ዓጀብን ነብዕሎ። ‘ፍልሰታ’ ካብ ፈለሰ ዚብል ግእዝ ዐንቀጽ ዝመጸ ቃል እዩ። ትርጉሙ ኸኣ ሓደ ነገር ወይ ሓደ ሰብ፣ ካብ ዝነበሮን ዝበቘሎን ቦታ ተነቒሉ፡ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዝ ወይ ድማ ናብ ካልእ ሕይወት ምስጋር ማለት እዩ። ነቲ ኣብ ሓደ ቦታ ኣብቍልና፣ ካብኡ በንቍስና፡ ናብ ዝተሰናደወን ዝበለጸን ቦታ እነግዕዞን እንተኽሎን “ፈልሲ” ቢልና እንጽውዖ ንኡስ ብቚሊ፤ ካብዚ ቃልዚ ዝመጸ እዩ። በዚ ምኽንያት ኢና እምበኣር፡ ነቲ እኖና እግዝእትነ ማርያም፡ ካብዚ ሓላፍን በራስን ዝኾነ ዓለም፣ ናብቲ ዘይሓልፍን ዘይበርስን ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝተሳገረትሉን ዝኣተወትሉን ዕለት “ፍልሰታ” ቢልና እንጽውዖን እነኽብሮን ዘሎና።
ቅዱስ ጳውሎስ፤ “ከምቲ ንሰብ፡ ሓንሳብ ኪመውት፣ ብድሕሪኡ ከኣ ፍርዲ ተሠሪዑሉ ዘሎ፣ ከምኡ ኸኣ እቲ ናይ ብዙሓት ሓጢኣት ምእነቲ ኬርሕቕ ሓንሳእ ዝተሠውዐ ክርስቶስ፣ ሓጢኣት ኪጸውር ዘይኮነስ፣ ንምድሓን እቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ኺግለጽ እዩ።”…ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፣ ብምኽንያት ሓጢኣትውን ሞት መጸ፣ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኹሉ ሰብ ተመሓላለፈ” ይብለና። (ዕብ.9፡27፣ሮሜ፡5፡12)።
ድሕሪ ውድቀት ኣዳም፡ ኵሉ ሰብ ንሞት ተበይኑ እዩ። ምስ ሞተ፡ሥጋኡ ይቕበር፣ነፍሱ ኸኣ ዘለዓለማዊ ፍርዳ ትቕበል። ካብኡ ወይ ንመግሥተ ሰማይ ወይ ንገሃነም እሳት፣ (ወይ ድማ ናብ ንስሓ ቦታ ትኸይድ)። ኣብ ዳግማይ ምጽኣት ኢየሱስ ከኣ፤ሥጋ ካብዘለዎ ተንሢኡ ምስታ ሕያው ዝኾነት ነፍሱ ይወሃድ እሞ፣ እቲ ሰብ ምሉእ ይኸውን፣ ካብኡ ከከም ግብሩ፡ንመንግሥተ ሰማይ ወይ ንገሃነም እሳት ይኸይድ። ናይ እኖና እግዝእትነ ማርያም ግን ካብዚ ዝተፈልየ እዩ። ቤተክርስቲያን ከም እተስተምህረና፣ እኖና እግዝእትነ ማርያም፡ ምድራዊ ሕይወታ ምስ ፈጸመት፣ ብሓይሊ ወዳ፡ ካብ ሙታን ተንሢኣ፡ ብነፍሰ ሥጋኣ ናብ ዘለዓለማዊ ክብሪ (ናብ መንግሥተ ሰማይ) እያ ተወሲዳ። ነዚ ኸኣ ኢና “ፍልሰታ ማርያም” ቢልና እንጽውዖን እነኽብሮን ዘሎና።
እዚ ብነፍስን ብሥጋን ንሰማይ፡ ኣብ ቦታ ክብሪ ምእታው ዚብል ሓሳብ፡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ሓዲስ ኣይኮነን። ሄኖክ (ኦዘፍ. 5፡24፣ ዕብ. 11፡5)፣ ከምኡውን ኤልያስ (2 ነገሥ. 2፡11-12) ብሕይወቶም ንሰማይ ከም ዝተወስዱ ነንብብ። ከምኡውን ጳውሎስ ናብ ሣልሳይ ሰማይ ከም ዝተነጥቀ (2ቆሮ.12፡2-4)፣ እቶም ክልተ መሰኻኽር፣ ኣብቲ መጨረሻ መዓልቲ፣ ብሥጋኦም ናብ ሰማይ ከም ዝኸዱ (ራእ.11፡1-12) ነንብብ።
እኖና እግዝእትነ ማርያም ናብ መግሥቲ ክብሪ ከምዝተሳገረት፣ ብቐዳምነት ዝሕብረና፣ እቲ ኣብ ራእይ ዮሓንስ ተገሊጹ ዘሎ እዩ። “እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ኣምላኽ ከኣ ተኸፍተት፣ ኣብታ መቕደስ ኣምላኽ እውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ፤…ዓቢይ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፣ ፀሓይ ዝተወንዘፈት፣ ወርሒ ብእግራ ዝረገጸት፣ ዓሠርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ከም ኣኽሊል ኣብ ርእሳ ዝደፍእት፣ ሓንቲ ሰብቲ ተራእየት።…ንሳ ንዅሎም ኣሕዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም ዘለዎ ወዲ ወለደት። እቲ ወዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጢሉ ተወስደ።” (ራእ.11፡19 - 12፡1-5)።
“እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ኣምላኽ ከኣ ተኸፍተት፣ ኣብታ መቕደስ ኣምላኽ እውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ፤” ኣብዚ ታቦት ኪዳን እንታይ እዩ ትርጉሙ፧ እቲ ዝተራእየኸ እንታይ እዩ፧ ዮሓንስ ንታቦት ኪርኢ እዩ ናብ ሰማይ ቊሊሕ ዝበለ፤ እቲ ዝረኣዮ ግን ታቦት ዘይኮነስ፣ ፀሓይ ዝለበሰት ሰበይቲ እዩ ዝረኣየ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ፣ እታ ሕያው ነባቢት ታቦት ዝኾነት፡ ኣደ ኣምላኽ እግዝእትነ ማርያም ከምዝኾነት ኣየጠራጥርን።
ናይቲ፡ “ብዘይ ምፍልላይን ምልውዋጥን ኣባኺ ሰብ ዝኾነ ቃል እግዚኣብሔብር፣ ነቐዝ ብዘይበልዖ ዕንጨይቲ ዝተቐርጸትን፡ኣፍኣውን ውሽጣውን ወገናታ ኵሉ ብወርቂ ዝተለበጠትን ታቦት በኣኺ ይምስለልና ኣሎ።…ውሽጣ ብኹሉ ወገናታ ብወርቂ ዝተለበጠት ታቦትን፡ሕብስቲ መና ዘለዋ ወርቃዊት መሶብን፣ ጽላት ኪናን ዝሓዘት “ናይ ቅዱሳን ቀድስቲ” ተባሂላ እትስመን ድንኳን ንስኺ ኢኺ። ወዲ እግዚኣብሔር መጽአ፤ኣብ ማርያም ድንግል ሰፈረ፣ ናይ ኣቦ ቃል ተነቃፍነት ብዘይብሉ ኣገበባብ ካብኣ ሰብ ኮነ። ንንጉሥ-ክብሪ ንሳ ናብ ዓለም ወለደቶ፣ ንሱ ኸኣ ብምምጻኡ ኣድሓነና።” (ውዳሴ-ማርያም፤ናይ ዘቀዳምን ሰንበትን፡ ርአ)፤ እናበለ እታ ህላዌ እግዚኣአብሔር ኣብ መንጎ ሕዝቡ ከምዘሎ እትገልጽ ዝነበረት ታቦተ ኪዳን፣ ኣምሳል ናይዛ ሓዳስ ነባቢት ሔዋን ከምዝኾት፣ እቲ ኣምሳል ብሕያው ኣካል ከምዝተተክአን፣ ኣምላኽ ኣብቲ ብሰብ ዝተሓንፀ ማሕደር ዘይኮነስ (ኢሳ.66፡1፣ግሓ.7፡49) ኣብታ ባዕሉ ዝሓነጻ፤“ለልየ በእዴየ ለሐኵዋ ለድንግለ እንተ እምኔሃ ተሰባእኩ ይቤ እግዝኣብሔር።” ነታ ካብኣ ሥጋ ዝለበስኩ፣ ባዕለይ ብኢደይ ዝሓነፅክዋ ድንግል ዝበላ፤ ከምዝሓድርን፣ ከምኡውን “ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም” እዚኣ ንዘለዓለም መዕረፊተይ እያ፤ “አንጺሖ ሥጋሃ፣ ቀዲሶ ኪያሃ፣ ሓደረ ላዕሌሃ፤” ሥጋኣ ኣንጺሑ፣ ንኣኣ ቀዲሱ ኣብኣ ከምዝሓደረን ብቓሉ የረጋግጸልና።
“እዛ ነሕዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓሲ ዝወለደትን፣ እቲ ወዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጢሉ ዝተወስደን፣” እታ ኣደ እዚኣን፡ እቲ ወዳን እግዝእትነ ማርያምን ኢየሱስን፡ እንተ ዘይኮኑ፣ ካልእ መን ኪኸውን ይኽእል፧ ነቢይ ዳዊት፤ ነዚ ግልጸት እዚ ብዓይኒ ማዕዶ ርእዩ፣ “ኦግዚኣብሔር፣ እታ ምልክት ሓይልኻ ዝኾነት፡ ታቦት ኪዳን ሒዝካ ናብ ቤት መቕደስ ምጻእ፣” (መዝ.132፡8) እናበለ ነዚ ዓቢይ ምሥጢር እዚ ገለጸ።
ኣብ ርእስዚ፤ ንበዓለ ፍልሰታ፣ ማለት ናይ እኖና እግዝእትነ ማርያም ናብ ሰማይ ምግዓዝን ምንጋሥን፣ ካብ መንነት ኢየሱስ ክንግንዘቦ ንኽእል። ኢየሱስ ኣምላኽ ምዃኑን፣ ናብ የማን ኣቡኡ ተቐሚጡ ንዘለዓለም ኪነግሥ ናብ ዝፋኑ ብኽብሪ ዝዓረገ ንጉሥ ምዃኑን፤ ነቢይ ዳዊት “እግዚኣብርሰ ንጉሥ ውእቱ እምቅድመ ዓለም፣” እግዚኣብሔር ቅድሚ ዓለም ንጉሥ እዩ እናበለ ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብ ዘመነ ግዝኣት ዳዊትን፣ ብድሕሪኡውን ኣብቶም ንመንበሩ ዝወረሱን፣ እታ እትሽየም ንግሥቲ፣ ኣደ እቲ ንጉሥ እያ እምበር ሰበይቱ ኣይኮነትን እትነግሥ ዝነበረት። (1ነገሥ. 2፡19፣ 15፡13፣ 2ነገሥ.10፡13፣መዝ.45፡9፣ ኤር.13፡18፣ 29፡2 ርአ)። እቲ ንጉሥ ዘውዲ ምስ ደፍአ፣ ሽዑ ንሽዑ እታ ኣዲኡ ኸኣ፡ ዘውዲ ደፊኣ ኣብ የማኑ ትቐውም (1ነገሥ.2፡19 ርአ)። በዚ ምኽንያት ኢና እምበኣር ኣብ በዓል ፍልሰታ “ወትቀውም ንግሥት በየማንከ፣ በኣልባሰ ወርቅ፡ ዑጽፍት ወኁብርት፣ ስምዒ ወለትየ ወርእዪ ወአጽምኢ እዝነኪ።” እናበልና ነዛ ንግሥቲ ሰማይን ምድርን ኣዴና እንዝምር። ኢየሱስ ንጉሥ ምዃኑ ወንጌል ብዘየማትእ ገሊጹልና ኣሎ፤ “ንሱ ዓቢይ ኪኸውን፣ ወዲ እቲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ” (ሉቃ.1፡32)። ከምኡውን ኣብ በዓለ ሆሣዕና፡ እቶም ሕዝቢ፤ “እታ እትመጽእ ዘላ መንግሥቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ፣ ሆሣዕና ኣብ ኣርያም” እናበሉ ንጉሥ ምዃኑ ጨሪሖምሉ እዮም። ምእንትዚ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ፍጥረቱ ኪነግሥ፣ ኣብ የማን ኣቡኡ ድሕሪ ተቐሚጡ፣ ነዲኡውን ምስኡ ሓቢራ ናብ ሰማይ ክትነግሥ ኪጽውዓ ንቡር እዩ። በዚ ኸኣ ኢና “ወልድኪ ይጼውዓኪ ውስተ ሕይወት፣ወመንግሥተ ክብር” እናበልና እነዚይም። ሓደ ካብቶም ዓበይትን መወዳእታን ኣበው፣ ቅዱስ ዮሓንስ ደማሸን፣ ንምስጢር በዓለ ፍልሰታ እግዝእትነ ማርያም፡ ድንቂ ብዝኾነ ቃላት፣ ከምዚ ዚስዕብ እናበለ ይገልጾ፤ “ምንም’ኳ ከም ሕጊ ባህሪ፣ እታ ሕጕስትን ቅድስትን ነፍስኺ፡ ካብቲ ንጹሕን ክቡርን ሥጋኺ እንተ ተፈልየትን፣ ሥጋኺውን ናብ መቓብር እንተ ወረደን፣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሞት ኣይኪኸውንን ምብስባስውን ኣይኪርእን እዩ። ከምቲ ክትወልድ እንከላ ድንግልናኣ ዘይፈረሰ፣ ካብዚ ዓለም ምስ ሓለፈትውን ሥጋኣ ከይፈረሰን ከይበስበሰን ናብቲ ግዝኣት ሞት ዘይበጽሖ፣ ናብቲ ዝበለጸ መለኮታዊ በንበረ ጸባኦት እዩ ኣሓሊፉ፤ ምእንትዚ ምስ’ጋር እምበር ሞት ክብሎ ኣይኽእልን። ድቃስ ወይ ጕዕዞ ወይ ድማ ብዝበለጸ ዓዲ ምእታው እየ ክብሎ ዝኽእል።
እቲ ንጹሕን ብዅልትናኡ ጽሩይን ዝኾነ ሥጋኺ ኣብ ምድሪ ኣይተረፈን፣ እታ ንግሥቲ፡ እታ እመቤት፡ እታ ኣደ ኣምላኽ፣ እታ ብኣማን ንኣምላኽ ዝወለደት፤ ኣብ መንግሥቲ ኣደራሻት ሰማይ እያ ፈሊሳ። መላእኽትን ሊቃነ መላእኽትን ኣሰንዮማ፣ ክትዓርግ እንከላ፣ እቶም ኣብ ኣየር ዝነብሩ ርኹሳት መናፍስቲ ርዒዶም፣ እቲ ኣየር ብኣሰራ ነጺሑ፣ ብኣታቶም ስለ ዝሓለፍኪ እቶም ናይ ላዕለዎት ኣየራትውን ተቐደሱ…እቶም ሓይልታትውን፤ እዛ ከም ዝግስግስ ወጋሕታ ንግሆን፣ ከም ወርሕን፣ ከምታ ድምቕቲ ፀሓይን እተንጸባርቕ ዘላ መን እያ እናበሉ፣ ብቕዱስ መዝሙር ብዓቢ ዓጀብ ዘመሩ (መሃልየ መሃልይ፡ 6፡9)። ከመይ ኢልኪ ዓንበብኪ! ክንደይከ ትምልክዒ! (መ.መ. 2፡1)…። ከምቲ ናይ ኤልያስ ናብ ሰማይ ጥራይ ኣይተወሰድክን፣ ከምቲ ናይ ጳውሎስውን ናብ ሰማይ ኣይተነጠቕን፣ እንታይ ደኣ ብቐጥታ ናብቲ ክብሪ መንግሥታዊ ዙፋን ወድኺ ኢኺ ዝኣቶኺ…። እዚ ንዓለም ክብሪ እዩ፣ ንምላእ ፍጥረትውን ቅድስና እዩ፣ ነቶም ዝደኸሙ ዕርፍቲ እዩ፣ ነቶም ዝሓዘኑ ምጽንናዕ እዩ፣ ነቶም ዝሓመሙ ፈውሲ እዩ፣ ነቶም ኣብ ድንገት ዚርከቡ ድሕነት ወደብ እዩ፣ ነቶም ሓጢኣተኛታት ምሕረት እዩ፣ ነቶም ጭቁናት ዜረስርስ በለሶን እዩ፣ ነቶም ዚልምኑኺ ኵሉም ሕጹጽ ረድኤት እዩ…።
ኦ ሕያወይቲ እመቤት፣ ብዓይኒ ምሕረትኪ ጠምትና፣ ንጕዕዞና ኣብቲ ንስኺ ዝደለኽዮ ምዕራፍ ምርሕዮ፣ ነቲ ክፉእ ማእበል ፍትወታትና ኣህድእዮን ኣዝሕልዮን፣ ናብቲ ሰላማዊ ወደብ መለኮታዊ ድላይ ኣምላኽ ንኽንበጽሕን፡ ነቲ ዚጽበየና ዘሎ ብፅዕና ንኽንወርስን በቲ ቕኑዕ መገዲ ምርሕና።” እናበለ በዛ መሳልል ድሕነት ዝኾነት፡ እግዝእትነ ማርያም ናብ መንግስተ ሰማይ ክንድይብን፣ ረድኤታን ኣማልድነታን ክንልምንን የምህረናን የማሕፅነናን።
በዓለ ፍልሰታ፣ እኖና እግዝእትነ ማርያም፣ ኣብ መወዳእታ ምድራዊ ሕይወታ፣ ብነፍሰ ሥጋኣ ናብ ሰማይ ከም ዝፈለሰትን ከምዝተወስደትን እዩ ዜምህረና። ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ናይ እኖና እግዝእትነ ማርያም ቅሬታ ዓጽሚ ረኺበ፡ ወይ ሬሳኣ ኣብዚ ኣሎ ዚብል ጨሪስና ኣይንረክብን ኢና። ምንምኳ ንዕርፍታ ዚዝኽር ብዙሕ ቦታታት እንተሎ፣ ሬሳ እግዝእትነ ማርያም ኣብዚ ኣሎ፡ ዚብል ግን ኣይተረኽበን። ከምቲ ናይ ሓዋርያትን ቀዳሞት ሰማዕታትን፡ ነዕፅምታ ዜኽብርን፣ ኣብ መቓብራ ዚነግድን ዚጋሰስን ሓደኳ የልቦን።
እዚ እንታይ የርእየና፧ ካብ ክፍሊ ኣካላት እግዝእትነ ማርያም ኣብዚ ምድሪዚ ዝተረፈ ነገር ከምዘየሎ፣ ካብ ጸጕሪ ርእሳ ክሳብ ጽፍሪ እግራን ከርሢ እግራን፤ ምሉእ ኣካላታ ምስታ ክብርቲ ነፍሳ ናብ ሰማይ ከምዝገዓዘት እዩ ዚሕብረና። በዚ ምኽንያት ኢና ኸኣ ኣብቲ ምህልላ ናይ ዘመነ ፍልሰታ፤ “ሰላም ለፍልሰተ ሥጋኪ፣ ምስለ ነፍስኪ ኢመዋቲ፣ በተሰናዕዎ አሐቲ፣” ነቲ ‘ምስታ ዘይትምውት ነፍስኺ ዝተጋጠመ ፍልሰት ሥጋኺ ሰላም’ እናበልና እንጽሊ።
ኣብቲ ብጐስዐ ዚፍለጥ ቅዳሴ ማርያም፤ “ኦ ምዕራግ እምድር እስከ ሰማይ፣ ወብኪ ተሓደሰ ቀዳሜ ኵሉ ፍጥረት፤” እዚ ብትግርኛ፤ “ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ መደያይቦ ዝኾንኪ መሳልል፣ ኹሉ ቀዳማይ ፍጥረት ብኣኺ ተሓደሰ” ማለት እዩ። ‘እቲ ኣብ ዝፋን ዝተቐመጠ፣ “እንሆ ነዅሉ እሕድሶ ኣሎኹ” በለ። (ራእ.21፡5)። እወ! እቲ ዅሉ ዝገበረን ዝፈጠረን ጐይታ፣ ነዛ ሓዳስ ሔዋን ምስ ፈጠረ፣ ኵሉ ነገር ተሓዲሱን ተቐዲሱን እዩ።
“ሕጂ ግና ክርስቶስ ካብ ምዉታት ተንሥአ፣ በዚ ኸኣ ናይቶም ዝሞቱ በዅሪ ትንሣኤ ኾነ። ስለዚ ኸምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፣ ከምኡ ኸኣ ትንሣኤ ሙታን ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፣ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብርስቶስ ሕያዋን ኪኾኑ እዮም። ግናኸ ነፍስ ወከፍ በብመሥርዑ እዩ፦ ቅድም ክርስቶስ፣ ድሓር ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ፣ እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ” (1ቆሮ.15፡20-23)። ሓደ ጊዜ፡ ጀርትሩድ እትብሃል ናይ ደቂ ኣቡነ ቡሩክ ማሕበር ፈላሲት፣ ኣብ ጸሎት መዝሙረ ዳዊት፤ ነቲ “በዅሪ ወዳ ንድንግል ማርያም” ዚብል ቃል ወንጌል ክዝምራ እንከለዋ፣ ንኢየሱስ፡ ካብ በዅሪ ወዳ ምባልስ፡ እንኮ ወዳ ምባልዶ ኣይምሓሸን፣ እዚ ኸኣ ሕልፊ ምስ ኢየሱስ ምተሰማምዐ እናበለት ክትሓስብ እንከላ፤ ኣብ መንጎኡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ነታ ቅድስቲ ፈላሲት ትረኣያ እሞ፤ ከምኡ ኣይኮነን፤ ጽቡቕ ኣሎ፣ “ሓደ/እንኮ ወዲ ዘይኮነስ በዅሪ ወዲ” እዩ እቲ ንኣኡ ዚሰማማዕ። ከመይ ድሕሪ እቲ ፍቁር ወደይ፣ ብኣኡን ኣብኡን ንዅልኻትኩም ኣብ ልበይ ወሊደኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ደቀይን፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ክርስቶስ ኢኻትኩም” በለታ። በዚ ኸኣ ኢና እቶም ብጥምቀት ካብ ማይን ምንፈስ ቅዱስን ዝተወለድና፣ “ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር”…እናበልና እንጽሊ፤ ኢየሱስውን ቦታ ከሰናድወልና ናብ ሰማይ ኪዓርግ እንከሎ፤ “ናብ ኣቦይን ናብ ኣቦኹምን፣ ናብ ኣምላኸይን ኣብ ኣምላኽኩምን ኣዓርግ ኣሎኹ” እዩ ዝበለና።
ሕጂ እምበኣር፡ ኣብ መንግሥተ ሰማይ፡ ምስ ኣምላኽ ክልተ ምሉእ ኣካላት ሰብ እዩ ዘሎ፤ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሉእ ኣካላትን፣ ናይ እኖና እግዝእትነ ማርያም ምሉእ ኣካላትን። በዓለ ፍልሰታ፣ እምበኣር፣ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክልቲኦም ብትኽክል ማዕረ ከምዝኾኑ የርእየናን የረጋግጸልናን ኣሎ። ከምኡውን ኣካላት ሰብ ቅዱስን ዘለዓለማውን ከምዝኾ ብግልጺ ይሕብረና ኣሎ። በዓለ ፍልሰታ፣ ናይ ምሉእ ታሪኽ ድሕነት ምሥጢርን፡ ናይ ምሉእ ወንጌል ትርጉምን ይነግረና። ማለት፤ ድሕነት ንኹሉ ሰብ፤ ንሰብኣይን ንሰበይትን፣ ነቲ ምሉእ ሰብ፣ ማለት ነፍስን ሥጋን ከምዝኾነ ኣብሪሁ ዚገልጸልና ዓቢይ ክብረ በዓል እዩ።
ፍቁራት ኣሕዋትን ኣሓትን፤ ንሕናውን ሕጂ ነቲ “ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ” ዚብል ናይ ጥዕምቲ ኣደና ቃል ማዕዳ እተሰማዕናን፣ እንተ ፈጸምናን፤ ምድራዊ ጕዕዞ ሕይወትና ጨሪስና፣ ኣብ ፍርዲ መንበር ኣምላኽ ምስ ቀረብና፤ “ኣታ እሙን ኣገልጋሊ ኣብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፣ ኣቲ እምንቲ ኣገልጋሊት ኣብ ሓጐስ ጐይታኺ እተዊ” ዚብል ቃል ሓጐስ ክንሰምዕ ኢና። መሥርዕናን ጊዜናን ሓሊና ኸኣ ኣብ መወዳእታ፣ ብነፈሰ ሥጋና ንኢየሱስን ንግዝእትነ ማርያምን ክንጽንበሮም ኢና።
በዚ በዓለ ፍልሰታ እምበኣር፤ “ነቲ ኣብ መጀመሪያ ንዝነበረ መርገም ስለ ዝሰረዞ፤ ንናይ ጸላኢ ምኽሪ ስለዘፍረሶ፡ ንናይ ኣዳምን ሔዋንን መጽሓፍ-ዕዳ ስለዝቐደዶ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ዝተወልደ ኢየሱስ ከርስቶስ ከኣ ንኣዳምን ንሔዋንን ነፃ ስለዝገበሮም፣ ኵሎም ዘርኢ ኣዳም ምስ መላእኽቲ ሓቢሮም “ኣብ ሰማያት ንእግዚኣብሔር ክብሪ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ማሕደር ፍቕሩ ንዝኾነ ወዲ ሰብ ሰላም ይኹን” እናበሉ ፍጹም ታሕጓስ ይሕጐሱ ኣለዉ።” (ውዳሴ ማርያም ዘሰኑይ)።
እዚ ታሕጓስ ድሕነት እዚ፣ ብሳላ ማርያም፤ብትሕትናኣን፡ንጽሕናኣን፡ እምነታን ስለ ዝረኸብናዮ፤ “ኪያኪ ሠናይተ ዘፈጠረ ለቤዛ ዓለሙ፣ እግዚኣብሔር ይትባረክ ወይትኣኰት ስሙ፣” ዓለም ንምድሓን፣ ንኣኺ ሕያወይቲ ዝፈጠረ እግዚኣብሔር ስሙ ይኽበር ይመስገን፤ እናበልና ምስቶም መላእኽቲ ሓቢርንና፤ “ኦ ርኅርኅት፣ ኦ ጥዕምት፣ ኦ መሓሪት ድንግል ማርያም” እናበልና ክንውድስን፣ “ሰኣሊ ለነ ማርያም/2/ ኀበ ወልድኪ ኄር መድኃኔ ዓለም” እናበልና ብውሉዳዊ ፍቕሪ ክንልምንን፣ ዝለመናዮ ጸጋ ካብኡ ብኢዳ ክንቅበልን ድላይ ኣምላኽ እዩ። እቲ ነዲኡ ኣደ ቢልና ክንጽውዕ፣ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ዝገበረና ኢየሱስ ንዘለዓለም ይኽበር ይመስገን። ኣሜን። ካብ ሓውኹም ኣባ ሙሴ ተስፋዮሓንስ - ሲታዊ








All the contents on this site are copyrighted ©.