2014-08-16 19:30:18

፪ ሰንበት ዘፍልሰታ 2006 ዓ.ም. ነሓሰ 11 2006 ዓ.ም. (08/17/2014)


RealAudioMP3 መዝሙር፡ ዛቲ ይኢቲ. .ማርያም ማኅደረ መለኮት . . . . .
ንባባት፡ ሮሜ 11፡1332፥፥ 2ዮሓ 1፡1-7፥ ግ.ሓ.27፡39-ፍ፥ ማቴ 15፡2128።
ምስባክ፡ አዋልደ ነግሥት ለክብርከ ወትቀውም ንግሥት በየማንከ። በአልባሰ ወርቅ ዑፅፍት ወሑብርት። ናይ ነገስታት ውሉድ ንኽብርኺ እዮም፥ ብናይ ወርቂ ልብሲ ተጎናጺፋን ተሰሊማን፥ እታ ንግስቲ አብ የማንካ ትቐውም” መዝ. 45፡9።
ኩልና አብ የማን አምላኽ ክንቀውም ዝተሓረና ኢና። ማርያም ንሰማይ መሪሓ ክተእትወና ምእንቲ ነዚ ሰንበት ብፍሉይ ክነስተንትን ንዕደም አሎና። እዋናት ፍልሰታ ብማርያም መገዲ ሰማይ ክንደሊ እሞ ጉዕዞና ምስአ ክንገብሮ ንምህለል። ምስጢር ምህልላና ኵልና ደቃ ብሓደ አብ አምላኽ ክተብጽሓና እዩ።
መዝሙር፡ እዚአ እያ ማርያም መኅደር መለኮት ሰንበት ክርስትያን ዝተሰምየት። ከምቲ ዳዊት ዝበሎ አዒንተይ አብ ልዕሊ ነዋሕቲ አድባርት ገጸይ ጠመትኩ እዚአ ቅድስቲ ድንግል እያ ካብ ኩሎም ፍጥረት እትበልጽ ናይ መለኮት እሳት ዘይአውዓያ ይብል። ንማርያም ምፍላጥ ማለት ንግብሪ አምላኽ ምፍላጥ እዩ፥ አብአ ተግባር እግዚአብሔር ንርእዮ። ማኅደር ልዑል ንብላ ምኽንያቱ አብአ ካልአይ አካል ቅድስቲ ስላሴ ኃዲሩ ካብአ ባህርና ስለ ዝወሰደ። ማርያም ውሃቢት አምላኽ ፍልይቲ ፍጥረት እያ። ነዚ ዕሞቕ ምስጢር አምላኽን ማርያምን ክንርዳእ ንማርያም ምሃርና ክንብላ ይግብአና።
አምላኽ አብዚ ፍሉይ ጊዜ ምህልላ ንነፍሲ ወከፍና ዝኸውን ቦታ ከምዘለዎ ይነግር ይዕድምን አሎ። ነፍስወከፍና ደቂ ሰብ ዓለትና እምነትና እንታይነትና ብዘየገድስ አብኡ ክንቀርብ በዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ክንርእዮ ንኽእል። ማቴዎስ ወንጌላዊ ኢየሱስ ካብ ግዝአት እስራኤል ወጺኡ አብ ጢሮስን ሲዶናን ዝብሃል ቦታ ከምዝኸደ አብኡ ምስ ሓንቲ ከንአናዊት ሰበይቲ ከም ዝተራኸብ ጓላ ከም ዘሕወየላ ብኡ አቢሉ ፍሉይ መልእኽቲ ንነፍሲ ዝኸውን ከም ዝገለጸ ነንብብ። ኢየሱስ አብ ተልእኮኡ ካብ እስራኤላውያን ወጻኢ ከይዱ ከምዝተራኸበ ዝነግር ውሑድ እዩ። እዛ ከንአናዊት ሰበይቲ ካብቶም ብእስራኤላውያን ዝተጸልኡ ኃጢአተኛታት፥ አምላኽ ዘይብሎም፥ መምለኽቲ ጣዖት፥ ኮይኖም ዝርአዩ እያ ነራ። በዚ ይመስል ኢየሱስ ብዙሕ ክሰምዓ ዘይደለየ።
እዛ ከንአናዊት ሰበይቲ አብቲ እየሱስ ዘለዎ ቦታ መጺአ ጓላ ክምሕረላ ለሚናቶ። አብዚ ነፍስወከፍና አብ ኢየሱስ ዘለዎ ዘሎና ኩሉ ጸገም ሒዝና ክንመጽኦ ይግባእ። ኋቲአትና እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፥ መንነትና ብዘየገድስ አብኡ ገጽና ክንመጽእ ንዕደም አሎና።
ኢየሱስ ንኹሉ ከድሕን እዩ መጺኡ ግን ክንጥንቀቆ ዘሎና ነገር አሎ አብ “Universalism” ከይንወድቕ ማለት ኩሉ ድሒኑ እዩ ዘድሊ ነገር የለን ካብ ዝብል ግጉይ ትምህርቲ። “ዕድመን ምሕረትን ብዘይ ዶብ” ክብሃል እንከሎ ነፍስወከፍና ብዘይ ፍልልይ ማዕረ ዝኽነ ዕድል ምሕረት አምላኽ ተዋሂቡና እዩ ግን ከምቲ ንሱ ዝዕድሞ ክንምልስ እንተ ኸኣልና።
ቤተ ክርስትያን ሎሚ በዚ ናይ ሎሚ ንባባትና ገራ እተመሓላልፈልና አምላኽ ዕድሚኡን ምሕረቱን ንውሱናት ወይ ውልቀ ሰባት ዘይኮነ ምሕረቱ ንኹሉ እዩ። አምላኽ ዝፈልዮ የብሉን ከም ዝናም ንኹሉ እዩ ዝህብ ጸላእቲ የብሉን።
ነዚ እናአስተንተንኩ ሓደ ዘንበብክዎ ዛንታ ዘኪረ። አብ ሓደ ከተማ ብዙሓት ሰባት ዝቕመጥዎ ብዙሓት ዓበይቲ ንአሽቱ፥ ሰብኡት አንስቲ ዝተፈላለየ ቁመትን ቅርጽን ዘለዎም ይነቀሳቐሱ ነበሩ፥ እሞ ብሃንደበት ብርቱዕ ዝናም ንፋስ ዝተሓወሶ ክዘንብ ጀሚሩ። ዳርጋ ኩሎም ጽላል ዓረንጓዲ ነርዎም ሓደ ግን ብዘይመጠን ዓብይን ድልዱልን ነርዎ፥ ብዙሓት ጽላሎም ብብርታዐ ንፋስን ዝናምን ተሰባቢሩ። እቲ ብዓል ዓቢ ጽላል ንበይኑ ተሪፉ ስለዚ ንኹሎም አብኡ ክመጽኡ እሞ ከጽልሉ ካብቲ ብርቱዕ ዝናም ክድሕኑ ነጊርዎም ብዙሓት ከአ መጺኦም ካብ ምጥልቃይን ምብልሻውን አድኂኖም። እዚ ግን ነቶም ዝተሰብረን ንእሽቶይ ጽላሎም ዝደርበዩ (ትዕቢቶም ዘሕፍር ግብሮም፥ ዘይቅንዖም ዘይምእዛዞም) አብ ትሕቲኡ ንዝመጽኡ ጥራሕ እዩ። እዚ ነቲ ንኹሎም ደቂ ሰብ ዓለቶም ሕብሮም ዕድሚኦም ሃይማኖቶም ብዘየገድስ አብ ትሕቲኡ ዝሕዝ አምላኽ ይምሰል። አምላኽ ንኹልና ብዘይ አፈላላይ አብ ትሕቲኡ ክነብር ይዕድመና፥ ግን ንኹሉ ዝንአሰን ዝዓበየን ክፍአትና፥ ቂምታና፥ ኃጢአትና ደርቢና አብኡ ክንመጽእ አሎና። እሞ ስንድዋት ዲና ነዚ ክንገብር? አብ ሓደ ናይ ፕሎቲካ ፓርቲ ጽሑፍ “ጽላልና ዓቢን ንኹሉ ዝአክል ስለ ዝኾነ ንኹሉ ዝኸውን ቦታ አሎና ስለዚ ሕጂ ንዑ” ዝብል ይንበቦ ነሩ። ንኹሉ ዘጽልል ንኹሉ ዝሕዝ። ዕድመን ምሕረትን አምላኽ ዓብይን ሓያልን ንኹልና ዝኸውን እዩ።
አብ ኢሳያስ 56፡1-7 ዘሎ እንተ አንበብና ንድለት አምላኽ ይገልጽ። አብ ርእሲ እቶም እሙናት እስራኤላውያን “ነቶም ወጻእታኛታት አብ አምላኽ ጸግዖም ገሮም ዘገልግልዎን ስሙ ዘፍቅሩን. . . ነዚኦም ናብቲ ቅዱስ እምባይ ከምጽኦም እየ፥ አብ ቤተ ጸሎተይ ከአ ኸሓጉሰኩም እየ” ዝብል ነንብብ። አብዚ አምላኽ ንኹሉ ብሕብረት ከምዝርኢ ነቶም ዘይፈልጥዎ ከይተረፈ ናብኡ ከምዝዕድም ንርኢ። ንአብነት ክርስትያን ምስ አስላም፥ ሂንዱ ምስ ቡዲስትስ፥ ቸርችል ምስ ሂትለር፥ አረመን፥ ዘይአምኑ፥ ናይጀርያ ምስ ቦኮሓራም፥ እስራኤል ምስ ሓማስ፥ ዒራቕ ምስ አይሲስ፥ ከምኡ ካልኦት ብሓባር አብ ሓደ ቤተ ጸሎት ብሓባር እንተ ዝጽልዩ ሎሚ ዓለምና እንታይ ምኾነት። ንአና ዘይክአል ኮይኑ እዩ ዝርአየና ንአምላኽ ግን ኩሉ ይክአሎ እዩ ምኽንያቱ ንሱ ንታሪኽ ዝገብርን ዝቆጻጸርን ባዕሉ ስለ ዝኾነ። እዚ ዝበልናዮ አብ ሓደ ከመጽእ እንተ ኾይኑ ሓደ ቅድመ ኩነት አሎ ምስኡ ሓድነት ሃልይና ክነገልግሎን ክነፍቅሮን አሎና እዚ እዩ ኢሳያስ ዝብሎ ኩሉ አብ ትሕቲ አምላኽ ክአቱ እሞ ጣዕሚ ምሕረቱን ፍቕሩን ከስተማቕር ይነግር።
ቅ. ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ዝጸሓፋ ዝተነበት እንተ ርአና “ምሕረት ንኹሉ” ከም ዝተዋህበ ነንብብ። እዚ ግን አምላኽ ንዝኾነ የድሕን ማለት አይኮነን “ምሕረቱ ነቶም ንመጸዋዕትኡ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ዝምልሱ ጥራሕ እዩ” ዝህብ። ናይ እዚ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ “ብፍርሃትን ብራዕድን ምእንቲ ናይ ገዛእ ርእስኹም ድኅነት ሥርሑ” (ፊሊጵ 2፡12) ይብል። አምላኽ ንኹሉ ዕድሚኡን ምሕረቱን ብኹሉ ክፉት ስለ ዝገበረ ታርኡ ገሩ እዩ። ንሕና ነቲ ዝዕድመና ዘሎ ዕድመና ተቐቢልና ተራና ክንገብር አሎና። አምላኽ አብ ዓለትና ወይ አብ ድሕሪ ባይታ ዘሎ ታሪኽና ርእዩ አይኮነን ዘድሕነና ናተይ መልሲ የድሊ ክድሕን እንተ ኾይነ። ብርግጽ መበቆልና ዓቢ ሓገዝ አልኦ ከምቲ እሳራኤላውያን ሕሩያት ህዝበ አምላኽ እዮም እንተ ኾነ ነቲ ብአምላኽ ዝተዋህቦም ዕድመ ስለ ዘይተቐበሉ ክድሕኑ አይከአሉን። አረመን ዝነበሩ ግን ነቲ ሰናይ ዜና ስለ ዝተቐበሉ ድሒኖም።
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ክንምለስ ኢየሱስ አብ ምድረ ጥሮስን ሲዶናን አብ ምድረ አረመን ከምዝኸደ ይነግር። አብ ማቴ 10፡58 ዘሎ እንተ አንበብና ግን ንሓዋርያቱ “አብ ምድረ አህዛብ ከይከዱ. . . . እንታይ ድአ አብተን ዝጠፍአ አባግዕ እስራኤል ጥራሕ ክኸዱ ይእዝዞም” አብዚ ግን ባዕሉ ይኸይድ እቲ ቀንዲ ምኽንያት መኸዲኡ አይንፈልጥን አብዚ ግን ምሕረት አምላኽ ንኹሉ ከምዝኾነ ኽገልጽ ኢሉ እዩ። አብ መጀመርያ ኢየሱስ ንልመና እታ ከንአናዊት ሰበይቲ ዝሰምዕ አይመስልን ምናልባት እምነታ ክፍትን ኢሉ ይከውን። ብኻልእ አዘራርባ አምላኽ ምሕረቱ ክህበና ብማዕሪኡ ካባና ዝሓቶ ነገር ክህልዎ ይኽእል እዩ። አብ ማቴ 17፡20 “ክንዲ ዘርኢ አድሪ እትኸውን እምነት እንተላትኩም” ይብል፥ ናእዛ ሰበይቲ እምነት ግን ካብቲ ዝድለ ዓቐን ንላዕሊ ኮይኑ። አብ ርእስና ንመለስ መን ካባና እዩ ክጽረፍ ዝደሊ “ባርያ” “ህበይ” ብዘርእና ብወገና ክጸርፈና እንከሎ ሱቕ እንብሎ። እዛ ሰበይቲ ከልቢ እናተባህለት ንኹሉ ጸራቶ ነቲ ዘድላይ ጥራሕ እናበለት ራሕርሓለይ ትብል ነራ። አብኪንዲ በቲ ዝብላ እትዕንቀፍ ብዝያዳ አብኡ ዘልአ ፍቕርን አኽብሮትን ትገልጽ ነራ። አብ መጨረሽታ “አቲ ሰበይቲ እምነትኪ ዓቢ እዩ ከምዝበልክዮ ይኹነልኪ ኢልዋ”።
አብዚ እንምሃሮ አምላኽ ወላ እኳ አብ ገለ እዋናት ክንርድኦን ክንቅበሎን ዝኸብደና ነገራት የውርደልና ካብ ምስማዕናን ካብቲ ዝሃበና ተስፋታት ካብ ምሃብ አየቋርጽን እዩ፥ አብቲ ዝደለዮ እዋን ይረድአና እዩ ሓንትስ ብትዕግስቲ ቀጺልና ከየቋረጽና ንለምኖ። አብ ሓቀኛ እምነት ከይመለሰሉ ሱቕ አይብልን እዩ። ከምቲ እዛ ከንአናዊት ሰበይቲ ዝሓለፈቶ መሪር “acid test” ነፍስወከፍና ክንሓልፎ ዝግብአና ፈተና አሎ፥ ነፍስወከፍና ምሕረት አምላኽ የድልየና።
አብዚ እዋና ሓደ ሓባራዊ ክግበር ዘለዎ ነገር አሎ ማለት ብሓባር ክንምልሶ ዝግብአና አድላዪ ነገር አሎ፥ ንዕድመን ምሕረትን አምላኽ ክንምልስ እንተ ኾና አብቲ ሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንአምን አሎና። ሎሚ ኢየሱስ አብ ጥቓና አሎ፥ እሞ ብጥቓና እና ሓለፈ እንከሎ ሱቕ ኢልና ክነሕልፎ ዲና። መን ዝሓመመ አሎ አብ መንጎና? መን ወዱ ወይ ጓሉ ዝሓመሞ አሎ? አብ ኢየሱስ ይምጻእ ይለምን ይሕተት ሽዑ መልሲ ክረክብ እዩ። አብ ቅድሚኡ ቀሪብና ዘፈር ክዳኑ ንሓዝ አብ ቅድሚኡ ተምበርኪኽና ንለምኖ፥ አብ ቅድሚኡ እናነባዕና ንለምኖ፥ ክሳብ ዝሰምዓና ዓው ኢልና ንለምኖ፥ ንኹሉ እቲ ጸርፍን ውርደትን አእዛና ንዕጾ፥ ነቲ ንአሽቱን ዝተሰባበረ ነገራትና ዋጋ አይንሃቦ አብ ኢየሱስ አብ ትሕቲ ዓቢ ጽላሉ ክንአቱ አብኡ ጥራሕ ነተኩር። አብ ገለ እዋን አምላኽ ስለምንታይ ዘይሰምዓኒ ጸሊኡኒ እዩ ንብል እንተ ኾና ነዛ ከንአናዊት ከልቢ (ሰበይቲ) ንዘክር። “ጎይታይ ኢየሱስ ከይባረኽካኒ ምሕረትካ ከየርአኻኒ አይሓድገካን እየ ንበሎ (ዘፍ 32፡26)።
ካብዛ ከንአናዊት ሰበይቲ ብዙህ እንምሃሮ ነገራት አሎ፡

ታሪኽ ናይ እዛ ከንአናዊት ሰበይቲ አብ ፍቕሪ አብ እምነትን አብ ሕይወትና አብ ክንገብሮ ዘሎና ከም እነተኩር ይገብረና። ነቲ ኹሉ ዝገጥመና አሉታዊ ነገራት አብ አውንታዊ ነገራት ክሳብ እንቕይሮ ብቐጻሊ ከይደኸምና ክንሓትት አሎና። አብ ሕይወትና ምስ ምሉእ እምነት ሒዝና ክንጉዓዝ ይግባእ አብ ገለ እዋን አምላኽ ዘይፈትወና ዘይግደሰልና ኮይኑ ክርአየና ይክእል እዩ እንተ ኾነ ከምኡ አይኮነን። ቀጺልና ጸሎት ክንገብር አሎና። እዚ ማለት ግን ናይ ጸሎትና መልሲ ኩሉ ጊዜ ንረክብ ማለት አይኮነን። ቀጺልና ክንጽሊ እንከሎና አምላኽ እንታይ ከምዘድልን እንታይ ምዃኑን፥ እቲ ዝበለጸ ንአና ዘድሊ ኸአ እንታይ ምዃኑ ከም እንርኢ ይገብረና። እቲ ቀንዲ ንአና ዘድልየና ንድለታትናን ሕልምታትናን ዘማልእ አይኮነን ዋሕስን ሰላም ዝህበና ምስ አምላኽ ሓደ ዝገብረና ጥራሕ እዩ።
አብዚ እዋን አብ ምህልላን አብ ጸሎትን ጾምን ዘመነ ፍልሰታ አብ እንርከበሉ ዘሎና ነዚ ኩሉ ዝበልናዮ ፍሉይ ትርጉም ክንረኽበሉ ንኽእል። ማርያም ምሉእ ሕይወታ ብምሉእ እምነት ዝተጓዕዘት፥ ንድለት አምላኽ ሕራይ ዝበለት፥ አብቲ ጽንኩር እዋን አብ ቀራንዮ ንሞት ወዳ ብእምነት ጸኒዓ ዝተቐበለት ፍልይቲ ፍጥረት እያ፥ ሎሚ ንሕና ደቂ ማርያም እምነትና ምስ ወዳ ዘሎና ርክብ ከመይ አሎ? ዓበይትን ንአሽቱን ፈተና ሽግር ክገጠመና እንከሎ አብ መን ንጎዪ? ካብ ሰባትን ከባቢአይን ንዝመጽአኒ ፈተና ብከመይ እቕበሎ? ነዝን ካልእን መልሲ ክንህበሉ እሞ አብ ቅድሚ አምላኽ ቀሪብና ምስኡ ክንዛረብ የድልየና። እዛ ከንአናዊ ሰበይቲ ጓና እንከላ እሞ ኩሉ ውርደትን ጸርፍን እናሰምዐት አብ ኢየሱስ ዘልአ እምነት ከምዘይ ቀየረት ሎሚ ንሕና እምነትና ክንሕድስ አብ አምላኽ ክንምለስ ምቹእ እዋን ረኺብና አሎና።
ንመድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ብወላዲትካ ተለመነልና ንበሎ። ነናትና ድኽመትን ኃጢአትን ሒዝና “ራሕርሓለና ንበሎ”፥ ማርያም መገዲ ምሕረት ክትነግረና እንከላ ወደይ ዝብለኩም ግበሩ እያ እትብለና እሞ ድላይ ወዳ ክንገብር መንጎኛ ኩንና ንበላ።
ጉዕዞ ጸሎትናን ጾምናን ምህልላናን ምሕረት ሰላም ዘውርድ ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.