2014-08-15 09:39:07

ሐዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደቡብ ኮርያ ፡


RealAudioMP3 ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ደቡባዊ ኮርያ ሐዋርያዊ ዑደት ክገብሩ
ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ብሮማ ሰዓት እቁጻጽራ ካብ መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ነቂሎም ፡
እዚ አብ ደቡብ ኮርያ ዘካይድዎ ዘለዉ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ሳልሳይ ሀገራት ሐቆፍ ሐዋርያዊ ዑደት ከም ዝኾነ ይፍለጥ ። ናይ ፖርቶ ሳንታ ሩፊና ሰበካ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ጂኖ ረአሊ ብጹዓን ካርዲናላት ናይ መንግስቲ ጣልያን ቀዳማይ ሚኒስተር ማተዮ ረንጺ ናይ መንግስቲ ላዕሎዎት ሰበ ስልጣናት አብ መዕረፍ ነፈርቲ ለኦናርዶ ዳ ቪንቺ ሮማ ተረኺቦም አፋንዮምዎም ።
ፓፓ ፍራንቸስኮ ካብ ሮማ ንደቡብ ኮርያ ርእሰ ከተማ ሰኡል አብ ዝበረርሉ ግዜ ነትን ብልዕሊኤን ዝሐለፍወን ሀገራት መራሕቲ መንግስታታ ናይ ሰናይ ትምኒት ተለግግራም አተሐላሊፎምሎም ። እተን ሀገራት ቤሎ ሩስ ሩስያ ሞንጎልያ ኡላን ባታር ቺና ኢየን። አብ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነፋሪት ብርክት ዝበሉ ጋዜጤኛታት ከም ዝነበሩ ክፍለጥ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ጋዜጠኛታት ሰላም ኢሎም መግለፂ ከም ዝሀቡ ክምልከት እንከሎ አብዚ ምህላውኩም ሐጎስ ይስምዓኒ ቅድሚ ኹሉ ግን አብ ቃዛ እገዳ ግጭት ተአዊጁ እንከሎ ሲሞነ ካሚሊ ዝተባህሉ ጋዜጠኛ ተቀቲሎም ዝብል ዘሕዝን ዜና ስለ ዘሎ እግዚአብሔር አብ መንግስተ ሰማየቱ ክቅበሎም ብሐባር ንጸሊ ባማለት ሥርዓተ ጸላት መሪሖም ። እቲ አብ ደቡብ ኮርያ ዘካይድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ጽዑቅ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ብሐይሊ ከሃሌ ኩሉ እግዚአብሔር ብጽቡቅ ተጀሚሩ ብጽቡቅ ክዛዘመ ዘለዎም ተስፋ ገሊፂም። ጋዜጣኛታት ምለእክተ ሰላም ንዓለም ክዝርግሑ ተማሕጺኖም ፡ ሰናይ ጉዕዞ ተመንዮም። ደቡብ ኮርያ ካብ ኢጣልያ 8.970 ኪሎሜትር ከም ዝርሕቅ ክምልከት ከሎ አብ ነፋሪት ስርዓተ ድራር ዕረፍትን ንግሆ ቁርስን ከም ዚካየድ መርሃ ሐዋርያዊ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ደቡብ ኮርያ አረዲኡ ። ሎሚ ጽባሕ ሰዓት 3.30 ብሮማ ሰዓት አቁጻጸር ርእሰ ከተማ ሰኡል ከም ዝበጽሑ ክምልከት ከሎ ንኽብሪ ፓፓ ፍራንቸስኮ ናይ እንቋዕ መጻእኩም 21 ግዜ መድፍዕ ከም ዘተኮሰን ናይ ቫቲካንን ደቡብ ኮርያን ሀገራዊ መዝሙር ተዘሚሮም ። ናይ ደቡብ ኮርያ ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳት ናይ መንግስቲ ላዕሎዎት ሰበስልጣናትን ብድሙቅ አገባብ ተቀቢሎምዎም ። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍቭራንቸስኮስ ካብ ሰኡል ም አዕረፍ ነፈርቲ ንቤተ ጵጵስና ሐዋርያዊ ወኪል ቅድስቲ መንበር አብ ደቡብ ኮርያ ከም ዝተጓዙን አብቲ አብኡ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ሥርዓተ ቅዳሴን ምሳሕን ብብሕቲ ፈጺሞም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፋርንቸስኮ ድሕሪ ሐጺር ዕረፍቲ ናብቲ ብ800 ሚእቲ ሜትር ርሒቁ ዝርከብ ብሉ ሀዋስ ዝጽዋዕ ቤተ መንግስቲ ተጓዒዞም ናይ ረፓብሊክ ደቡብ ኮርያ መራሒት መንግስቲ ፕረሲዳንት Park Geun-hye ንላዕሎዎት ሐለፍቲ መንግስትን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብድሙቅ አገባብ ተቀቢሎምዎም ። ወይዘሮ ፓርክ geun-hye ብ2012 ዝተመርጻ ኮይነን አብ ታሪኽ ደቡብ ኮርያ ናይ መጀመርያ ጓለንስተይቲ መራሒት ኢየን ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ፕረሲዳንት ፓርክን አብ ቤተ መንግስቲ ብሉ ሀውስ ብብሕቲ ተራኺቦም ተዘራሪቦም ገጸ በረከት ክአ ተለዋዊጦም ። አብቲ ርክብ ብፁዓን ካርዲናላት ጳጳሳትን ላዕሎዎት ሰበ ስልጣናት መንግስትን ናይ ዲፕሎማሲ አባላትን ተረኺቦም ኔሮም ። ናይ ደቡብ ኮርያ መራሒት መንግስቲ ወይዘሮ ፓርክ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር ከም ዝገበራ ክምልከት እንከሎ ርእሰ ኹሉ አብ ደቡብ ኮርያ ሐዋርያዊ ዑደት ክትገብሩ ብምምጻእኩም ብስመይን ብስም ህዝቢ ኮርያን የመስግነኩም ፡ ሰናይ ግዜ ክተሕልፉ ክአ ልባዊ ትምኒተይ ይገልጸልኩም ዝበላ ፕረሲዳንት ፓርክ ፓፓ ፍራንቸስኮ አብ ደቡብ ኮርያ አብ ዝጽነሕሉ ግዜ ክሳዕ 18 ነሐሰ ዘካይድዎ ሐዋርያዊ ሙያ አገንዚበን ። ፕረሲዳንት ፓርክ እቲ አብ ሞንጎ ደቡብን ሰሜንን ኮርያ ዘሎ ዘይምቅዳው ጠቂሰን ፡ እዚ ዓቢ ሀገራዊ ዓቢ ቁስሊ ጥራሕ ዘይኮነስ ስድራ ቤታት ዝኸፋፈለ ዘሕዝን ተረክቦ ከም ዝኾነ አገንዚበን ።
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ዝገበርዎ ዲስኩር ክብርቲ ፕረሲዳንት አባላት መንግስቲ ረፓብሊክ ደቡብ ኮርያ ክቡራን አባምባሳደራት ኩሉኹም አብዚ ተርከቡ አሕዋትን መጀመርያ አብ ደቡብ ኮርያ ሐዋርያዊ ዑደት ክገብር ምምጽኤይ ጥልቂ ሐጎስ ይስምዓኒ ፡ተፈጥሮአዊ ጽባቄ ደቡብ ኮርያ። ከስተማቅርን ብዝበለጸ ክአ ጽባቄ ህዝባን ታሪክን ባህልን ደቡብ ኮርያ ብቀረባ ክዕዘብ ምኽአለይ ሐጎስ ይስምዓኒ መራሒት መንግስቲ ረፓብሊክ ደቡብ ኮራይ ወይዘሮ ፓርክ ንዝገበራለይ ዉዕዉዕ አቀባብላ ንዔኤንን ንአባለት መንግስቲን ንድፕሎማሴኛታት ቤርጌሳውያን ንኹሎም ብልቢ የመስግን፡ ምኽንያት ናይዚ ሐዋርያዊ ዑደት፡ዚ እቲ አብዚ ዚካየድ ሻዱሻይ ዕለተ መንእሰያት ካቶሊካውያን ክፍለ ሀገራት ኤስያ ከም ዝኾነ ከዘኻኽር ይፈቱ ፡ ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ርእሲ ክአ ምእንቲ ካቶሊካዊ እምነቶም ብሰማዕትነት ዝሐላፉ ደቡብ ኮርያውያን ሥርዓተ ብጽዕና ንምፍጻም ፡ ከም ዝኾነ አመልኪቶም ፡ ረፓብሊክ ደቡብ ኮርያ ምእንቲ ነባሪ ሰላም እተካይዶ ጸዓት ንኢዶም ሰላም ፍጹም ወሳኒ ከም ዝኾነ ሰላም አልቦ ክንበር ከም ዘይክአል አገንዚቦም ። ነቶም አብ ቤተ መንግስቲ ዝተረኽቡ ውሉደ ክህነትን ሰበ ስልጣናት መንግስትን ናይ ዲፕሎማሲ ሰባትን ንምሉእ ህዝቢ ደቡብ ኮርያን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ብሉ ሀውስ ቤተ መንግስቲ ናብ ቤተ ረኪበ ጳጳሳት ደቡብ ኮርያ ተጓዒዞም አባላት ቤተ ክህነት ብታሕጋስን ዉዉዕ አገባብን ተቀቢሎሞም ። ረኪበ ጳጳሳት ደቡብ ኮርያ ብ35 ጳጳሳት ዝቆመ ከም ዝኾነ ክፍለጥ ከሎ ሊቀ መንበር ረኪበ ጳጳሳት ደቡብ ኮርያን ናይ ቺጁ ጳጳሳን ብጹዕ አቡነ ፒተር ካንግ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ እንቃዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር ጌሮም ><
ብስም ጳጳሳት ደቡብ ኮርያን ኩላቶም ክርስትያን ኮርያን ናይ እንቋ ድሐን መጻእኩም መልእኽቲ ከተሐላልፍ ዓቢ ደስታ ይስምዓኒ ክነመስግነኩም ቃላት ይሐጽረና ፡ ናይ ሐጋይ ዕረፍትኹም አወንዚፍኩም ብግዜ ሀሩር ደቡብ ኮርያ ክትበጽሑ እተሕልፍዎ ድኻም ይርድአና ኢዩ”ሞ እግዚአብሔር ይሀበልና እንቃዕ ድሐን ም አጻእኩ ቅዱስ አቦና ፓፓ ፍራንቸስኮ ዝበሉ ናይ ደቡብ ኮርያ ረኪበ ጳጳሳት ሊቀ መንበ ብጹዕ አቡነ ፒተር ካንግ አብ ሀገርና እተካይድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ካቶሊካውያን ጥራሕ ዘይኮኑስ ኩሉ ህዝቢ ደቡብ ኮርያ ብልቢን ብሀረርታን ከም ዝተጸበይዎ ክግለጸልኩም ይፈቱ ኢሎም ።
አተሐሒዞም ቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ብ1984 ብ1989 ክልተ ግዜ አብ ደቡብ ኮርያ ሐዋርያዊ ኦኡደት ከም ዘካየዱ ዘኪሮም ክአ እዚ ናትኹም ንስላሳይ ግዜ ኢዩ ብሐቂ ጸጋ እግዚአብሔር ኢዩ ዕደለኛታት ክአ ኢና ክብሉ ገሊጾም ። ንዝሳቀ ፍትሒ ሰላም ንዝስአነ ብድኽነት ንዝተወጽዔ ህዝቢ ቀዳምነት ከም ትህቡ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኹም ምስተጀመረ ዝተራእየ ኢዩ እዚ ክአ ደስ ዘብል ሰብአዊነትን ሐላፍነትን ዝመልኦ ከም ዝኾነ ይርድአና ኢሎም ሊቀ መንበር ረኪበ ጳጳሳት ደቡብ ክርያ ብጹዕ አቡነ ፒተር ካንግ ።
አሐሒዞም ቅዱስ አቦና ሕማቅ ዕድል ኮይኑ ደቡብን ሰሜንን ኮርያ ካብ ዝፈላለዩ እነሆ 66 ዓመታት ሐሊፉ እቲ አብ ሞንጎ ክልቲኦም ኮርያውያን ብ1950 ዝተኻየደ ኲናት ናይ ሐደ ሚልዮንን ፈረቃን ሰባት ሕይወት ቀዚፉ 3 ሚልዮን 600 ሺሕን ህዝቢ ከም ዝቆሰለ ይዝከር ። ድሕሪ 66 ዓመት ኣአብዚ ግዜ”ዚ ክአ አብ ሞንጎ ደቡብን ሰሜንን ኮርያ ውጥሪ አሎ ሰላም ክርከብ ምሻኩም ኬና ክንጽሊ እና ነባሪ ሰላም ብእግዚአብሔር ዝመጽእ ሰላም ከም ዝኾነ ክአ ገሊጾም ። ነባሪ ሰላም ምእንቲ ክርከብ ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንደሴት ኮርያ ክባርኹ ተማሕጺኖሞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንጳጳሳት ደቡብ ኮርያ ዲስኩር ጌሮም። ብድሕሪ” ዚ ፓፓ ፍራንቸስኮ ናብ ቤተ ጵጵስና ሐዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር አብ ሰኡል ተጋዒዞም ብብሕቲ ሥርዓተ ጸሎትን ድራር ፈጺሞም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.