2014-08-11 16:14:45

1 ሰንበት ዘፍልሰታ 2006 ዓ.ም ፬ ነሓሰ 2006 ዓ.ም. (8/10/2014 ዓ.ም)


ተጋብኡ በቅጽበት ለግንዘተ እሙ ቅድስት ብፁዓን ሓዋርያት ቦኡ ኃቤሃ በሰላም አምኁ ኪያሃ በስብሓት ገነዙ ሥጋሃ (ዚቅ ዘፍልሰታ)።
መዝሙር፡ ዮም ንወድሳ ለማርያም. . . . . .።
ንባባት፡ ሮሜ 9፡1-5፥ 1ጴጥ 1፡6-12፥ ግ.ሓ. 1፡12-15፥ ማቴ 14፡22-33
ምስባክ፡ እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ፥ ወውእቱ ልዑል ሣረራ” “አሕዛብ አብአ ስለ ዝተወልዱ አደና ጽዮን ይብልዋ፥ እቲ ልዑል ኸጽንዓ እዩ” መዝ. 87፡5።
መዝሙር፡ በቲ ካብአ ዝተወልደ መንክር ግርማ ኀይለ ልዑል ዘጽልላ ጎይታ ሰንበት አቦ ምሕረት ዝኾነ ሎሚ ንማርያም ንውድሳ አብ ማሕጸና ጾሮቶ። ንሱ ቀደሳ ዘገርም ኃይሊ ልዑል አጽለላ ብሓቂ መላእኽቲ ዓጀብዋ።
ካብ 1-16 ነሓሰ ዘሎ ጊዜ ብፍሉይ ዝኽሪ ማርያም ብጸሎት ምህልላን ጾምን ነሕልፎ እዩ። ጾመ ፍልሰታ ወይ ጾመ አርድእት እውን ይብሃል እዩ። ምእንቲ ክብሪ ማርያም ብጾምን ብምህልላን ናብ ብዓል ፍልሰታ ንምስንዳው እንገብሮ ክልተ ሳብዕቲ እዩ። ድንግል ማርያም ከም ወዳ ብሥግአ እውን ካብ ሙታን ከም ዝተንስኤት እሞ ብመላእኽቲ ተዓጂባ ናብ ሰማይ ከም ዝፈለሰት ዘኪርና ነብዕሎ።
ማርያም እታ ብዝያዳ አብ ምስጢር አምላኽ ዝአተወት ክብርቲ ፍጥረት እያ። አምላኽ አብ ከርሳ ሓዲሩ ስለ ዘድኃነና አብኡ ክተቕርበና ከምኡ መገድን ድለት ወዳን ክትሕብረና አብዘን ናይ ጸሎትን ምህልላን እዋናት ብፍሉይ ንለምና።
ንአምላኽ ብቅዱሳኑን በቶም ዝሰምዕዎን ገርና ክንቀርቦ ንኽእል ኢና። ማርያም ንግስተ ቅዱሳን ስለ ዝኾነት ከምኡ እዚአ አደኹም እያ ኢሉ አብ መስቀልን አብ ድነሞት እንከሎ ተላቢዩ ዝሃበና ክብርቲ አደን አማላዲትን እያ ስለዚ ምስአ ፍሉይ ርክብ ክህልወና ከምአደና ጸገምና ክነግራ ከምኡ መገዲ ሰማይን ፍቓድ አምላኽን አለሊና ክንክእል አብዚ እዋን ብፍሉይ ምስአ ፍሉይ ርክብ ገርና ክነዕልል እዋኑ እዩ።
አብ አምላኽ ቀሪብና ምስኡ ክነዕልል ክነለልዮ ክንሰምዖ ከምዘሎና ናይ ሎሚ ንባባትና ይሕብሩና። ከም ጴጥሮስ አብ ገለ እዋን ምስ ኢየሱስ ዘሎና ርክብ ልዑልን ፍሉይን ይኸውን ጽንሕ ኢልና ኸአ አብ ፍርሕን ምጥርጣርን ንአቱ። ምስ ኢየሱስ ክንጉዓዝን ክንዓይን ንደሊ ንገብር እውን ጽንሕ ኢልና ከአ ክኸውን ዘይግብኦ ንገብር ሽዑ እንገብሮ ዘሎና ዘይግበር ነገር ጌጋ ከምዝኾነ ሕልናና ይነግረና እሞ አብ እምነትና ንጠራጠርን ንወድቕን። ሎሚ ዘድልየና ዘሎ ንአምላኽ አበይ ንርከቦ እዩ።
አብ 1ዘነ 19፡9-13 ዘሎ እንተ አንበብና ኤልያስ ንአምላኽ ክርኢ ይደሊ ነሩ፥ ንአምላኽ ክትርኢ ምድላይ ክንደይ ጽቡቕ ነገር እዩ ብዙሕ ጊዜ ንአምላኽ ክንርኢ ንደሊ እንተ ኾነ አብ ጌጋ ዝመርሑ ወይ ንመገዲ ጥፍአት ካብ አምላኽ ዝፈልዩና ክንከይድ ንርአ። ንአምላኽ አብ ዓበይትን ፍሉያትን ነገራት ጥራሕ ከምዝርአ ገርና ንወስዶ እንተ ኾነ አምላኽ አብ ንአሽቱን አብ ዕለታዊ ጉዕዞ ሕይወትና ዝገጥሙና እውን ክንርእዮ ንኽእል ኢና። አብ መዓልታዊ ሕይወትና ዝገጥሙና ነገራት ከምቲ ኤልያስ አብታ ንእሽቶይ ብዓቲ እንከሎ አብቲ ህዱእ ደሃይ ንአምላኽ ዝረአዮ ንሕና እውን አብቲ ንአሽቱ ነገራት ሕይወትና ንአምላኽን ንመልእኽቱን ርኢና ክንክእል አሎና። ኩሉ ጊዜ ሕሹኽ ዝብል ነአሽቱ ነገራት ንህላዌ አምላኽ ዘዘኻኽረና ምሳና አሎ ጸጊሙና ዘሎ ንአምላኽ አብ ዓበይቲ ነገራት ጥራሕ ክንርእዮ ስለ እንደሊ እዩ። ሎሚ አእዛና ንአምላኽ ክንከፍተሉን አብ አፍደገ ብዓቲ ሕልናና ደው ኢልና አብቲ መዓልታዊ ሕይወትና ዝገጥመና ማንም ኮይኑ ዝርአየና ክነለሊ ንዕደም አሎና።
ቀዳመይቲ ንባብና ቅ. ጳውሎስ አብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ ትርጉም ዓሚቕ ምስጢር መንፈሳዊ ሕይወት ይነግረና። ንወገና ንህዝብና ክነፍቅርን ምእንትኦም ኢልና ሕይወትና ክንህብ ከምዘሎና ይገልጸልና። ንኹሎም ብእምነት አቦታትና ዝኾኑ ክነኽብር ነቲ ሰናይ ካብኦም ዝመጸና ክነለሊ ብፍላይ ነቶም አብ ሕይወትና ፍሉይ ነገር እምነት ዘውረሱና ክነመስግን ከምዝግብአና ክንሓስብ አሎና። ቀዳሞት አቦታትና ካባና ዝበለጹ ሰባት አይነበሩን ግን አቦታትና እዮም ምኽንያቱ እምነቶም አውሪሶምና እዮም። ወረስትን አውረስትን እምነት ክንከውን ናይ ነፍሲወከፍና ሓላፍነት እዩ።
አብ ገለ እዋናት ናይ እምነት አቦታትና እቶም ናይ ሥጋ አቦታትናን አብ ገለ እዋን ከአ እቶም መንፈስውያን አቦታትና ጥራሕ ክኾኑ ይክአል። ነቲ ካብ መጀመርያ አብ ሕይወት ዘምጽኡናን ዘውረሱናን ኩሎም አቦታትና ርኢና ክንክእል አሎና። አብ ገለ እዋን አቦኦታትና እቶም ብቐሊል እንፈልጦም ብአካል ምስኦም ዘሎና ክኾኑ ይክአል። አብ ካልእ እዋን ከአ አቦታትና መጻሕፍቶም ዘንበብና፥ ሕይወቶምን ተግባራቶምን አብ ሕይወትና ዓቢ ጽልዋ አሕዲሩ ዝለወጠና ግን ብቐጥታ ዘይረኸብናዮም ክኸውን ይክአል። እዚ ኾይኑ እቲ ዓቢ ውርሻ እዩ ዘሎና። ብእምነት አቦታትና ዘውረሱና ክንወርስ እሞ አብ አምላኽ ዝቐረበ ሕይወት ክነብር ንሕተት አሎና። ወራሲ ነቲ ዘውረስዎ ጥራሕ እዩ ክወርስ ዘለዎ እምበር ዘይናቱ ክወርስ አይግብኦን አብኡ ዘውረሶ እዩ ዝወርስ ስለዚ ንሕና እውን መንፈሳውያን አቦታትና ዘውረሱና ክንወርስ አሎና።
ናይ ማቴዎስ ወንጌል ንሎሚ ዝተነበ ምስጢር ጸሎትን ምስ አምላኽ ምህላውን እንታይ ከምዝኾነ ይገልጸልና። መጀመርያ እንርእዮ ኢየሱስ ካብ ሓዋርያቱ ተፈልዩ ክጽልን አብ ቅድሚ ሰማያዊ አብኡ ክህሉን ኢሉ ካብኦም ክፍለ እንከሎ ዝኾነ ከይብሉኒ ወይ ከይዕንቀፉ ዝብል መንፈስ አየርእን፥ ምኽንያቱ ንዝዓበየ ነገር ክገብር እንከሎ ማዕሪኡ ዝሰርዖ ነገር አይነበሮን። ኢየሱስ ከም ኤልያስ ክጽሊ ምስ ሰማያዊ አብኡ ክራኸብ አብ እምባ ከምስኸደ ነንብብ። አብዚ እንምሃሮ ንሕና እውን ክንጽሊ አብ ቅድሚ አምላኽ ክንከውን ኢልና ካብ ካልኦት ክንፍለ፥ ፍሉይ ጊዜ ጸሎት ሰሪዕና ምስ ሰማያዊ አቦና እንኾነሉ ክንውስን ቀንድን አድላይ እዩ አብ ሕይወትና። ንአምላኽ ዝኸውን ፍሉይ ጊዜ ምሃብ።
ሰባት ሓደ ነገር ከምዘድልዮም ክንሰምዕ ክንፈልጥ እንከሎና አብኦም ከድና ወይ እውን ነቲ ዝደልይዎ ክነማልእ ክንሕግዝ ከምዝግብአና ምፍላጥ። ኢየሱስ ናይ ተኸተልቱ ድለት አብ ዕለታዊ ሕይወቶም ርእዩ ኩሉ ጊዜ ይሕግዞም ነሩ። ናቱ ሓዲጉ ንኻልኦት አይ ኮነን ዘናዲ ነሩ። ስብከተ ወንጌል ክብሃል እንከሎ አብቲ ዕለታዊ ነገራት ሰባት ኩሉ ጊዜ ምህላው እሞ እቲ ቀንዲ ዘድልዮም ነገራት አላሊኻ ምኽአል ብፍላይ ነቲ አብ መንፈሳዊ ሕይወቶም ነቲ ምስ አምላኽ ክህልዎም ዘድልዮም ነገራት አላሊኻ ምሕጋዞም። አብ ዓለም ኩሉ ጊዜ ማዕበል አሎ ኩሉ ጊዜ ጸገም ከምኡ ሰባት ዘድልዮም ነገራት አሎ፥ ስለዚ ክትሕግዝ ክፉት ምዃን።
ሓዋርያት ንበይኖም ብዘይ ኢየሱስ አብ መርከብ ኮይኖም ብርቱዕ ማዕበል አብ ዝነብረሉ ንባሕሪ ይስንጥቑ ነሮም። ብዘይ ኢየሱስ ንበይንና ክንጉዓዝ ከሎና ብዙሕ ጸገማት ክጓነፈና ይክአል እዩ ስለዚ ሎሚ ምስ መን ንጉዓዝ አሎ እስከ ንርእስና ንርአ። ሓዋርያት አብ መንጎ ማዕበል ሓደ ነገር አብኦም ገጹ ክመጽእ እንከሎ ርእዮም ፍርሖም አብ ራዕዲ ተለዊጡ። ኢየሱስ ባዕሉ አነ እየ አይትፍርሑ እኳ እንተ በሎም ክአምኑ አሸጋሪ እዩ ነሩ፥ አብዚ እዋን እዩ ጴጥሮስ ብድምጹ ንኢየሱስ ዘለልዮ እሞ ከረጋግጽ አብኡ ክመጽእ ይሓቶ ካብ መርከብ ወሪዱ ብማይ ክኸይድ ምስ ጀመረ ክጠራጠርን ክፈርሕን ጀሚሩ ስዑ ክጥሕል ምስ ደለ ብኢዱ ሒዙ አውጺእዎ። ክጥሕል ዝደለ እምነት ስለ ዘጉደለ እዩ። ክልቲኦም አብ መርከብ ምስ ደየቡ እቲ ማዕበል ሃዲኡ። ጴጥሮስ ንጎይታ ምስ ሰምዖ ነቲ ዘይክአል ክገብር ጀሚሩ፡ ክጠራጠር ምስ ጀመረ ግን ክጥሕል ጀሚሩ። ሓዋርያት ኩሎም አብዚ አምላኽነት ናይ ኢየሱስ ክርእዩ ጀሚሮም።
አብዚ ወንጌል እንምሃሮ እምብአር መጀመርያ ንአምላኽ አብዘይ ተጸበናዮ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና፥ አብ ጸጥታ፥ አብ ገጽ ናይ ሰባት፥ አብ ጽምዋ ክንረኽቦ ንኽእል። አብቲ እዋን አምላኽ ይዛረበና ይገልጸልና፥ ውሳኔ ክንገብር ይሕግዘና። ልብና ቀልብና አብ ኢየሱስ እንተ አተኮረ ሓንቲ ዝጽግመና የለን። ልብና አብ ካልእ ምስ ዘምበለ አብ ካልእ ክጥምት ምስ ጀመረ፥ አብ ርእስና እምነት ምስ አጉደለ እሞ አምላኽ አብ ሕይወትና ከምዘሎ ክንሓትት ምስ ጀመርና ሽዑ አብ ጭንቀትን ፍርሕን ንወድቕ። ኢየሱስ አብ መንጎ ማዕበል ብማየ ማይ ክመጽአና ይኽእል እዩ ሽዑ ምስኡ ብማይ ክንቀሳቐስ ንኽእል ኢና፥ ከምቲ ሓደ ቆልዓ አብኡ ንሰማይ ዘሰራስሮ ከም ዝቕበሎ ዝአምን ንሕና ከምኡ ኢና። ዘሎና ዓይነት እምነትን ጽንዓትን ንአምላኽ እንሰምዓሉ ክእለት ሂቡ አበይ ከምዝወስደና ብዘየገድስ ከምንስዕቦ ይገብረና ሽዑ እቲ ሓቅን ሰላምን አብ ሕይወትና ይግለጽ።
እዚ እዩ እቲ ጽቡቕ ዜና ከመይ ገርና ምስ አምላኽ ከምንራኸብ ዝገብረናን አብ ሕይወትና አብ ኢየሱስ ክነተኩር ዘድለየና።
አብ መጨረሽታ እንርእዮ መሰረታዊ ነገራት አብ እምነት አብ ሰብአዊ ክእለት ዝምስረት ዘይኮነስ አብ አምላኽ ተጸጊዕካ ዝኸውን ከምዝኾነ እዩ። አጸጊሙ ዘሎ ዓይንናን ልብናን አብ አምላኽ አብ ኢየሱስ ጥራሕ አተኲርና ክንርኢ ዘይምኽአልና እዩ፥ አብ ካልእ አብ ከባቢና ዘሎ ጥራሕ ንጥምት እሞ ሽዑ ጋሻ ሓሳብን መገዲን ንሕዝ እዚ ኸአ ንመገዲ ጥፍአትና ይወስደና። አብ ከባቢና እንታይ ይከውን ከምዘሎ ኩልና ንፈልጥ ኢና፥ ከምዘይንፈልጥ ንአምሰሉ ጥዑያት ክንመስል ንኽእል ኢና። ግን አብ መዓልታዊ ሕይወትና አብ አምላኽ ጥራሕ ከምዘተኩር ገርና ክንከይድ እውን ይክአል እዩ። አብ ከምዚ መንፈስ ክንርከብ እንከሎና ክርስቶስ ጸግዕናን ሓይልናን ይኸውን። ክርስቶስ ናይ ፍቕሪ ሓይልን ጽንዓትን ከምኡ ንኹሉ ይግደስ እዩ።
ሎሚ አብ ማዕበል ሕይወትና አቲና ምስ ኢየሱስ ጸኒዕና ክንጉዓዝ ምሉእ እምነት ገርና ንቕረቦ። ወንጌል ሕይወት ማርያም ብምልኡ ምስ ወዳ እያ ትጉዓዝ ከም ዝነበረት ይነግረና። ምስ ኢየሱስ አብ ኩሉ ዝጓነፈና ጽቡቅን ሕማቕን ምስኡ ክንጉዓዝ እንከሎና ጥራሕ እዩ ነገራት ዝጽብቕ እሞ። ሎሚ ምስ ማርያም እና ተጎዓዝና አብ ወድኺ ዘለዎ አብጽሕና ንበላ። አምላኽ ብአማላድነት ወላዲቱ ሰላሙን ፍቕሩን የውርደላን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.