2014-08-05 18:06:47

ንድኻታት ጐሲኻ ዘይምሕላፍ!


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ዝሓለፈ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ም እመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምጽላዮም ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል መሠረት ብምግባር አብ ዘቅረብዎ ጉባኤ አስተምህሮ “ድኻታት ምስ ዘጋጥሙኻ ከምዘይረአኻዮም ኰንካ ሕቈኻ ምሃቦም ዳርጋ ባዕልኹም ትፈልጡ፤ አነ አይምልከተንን ኢዩ ከም ማለት ኢዩ፣ እዚ ኸአ ናይ ዘመንና ክሕደት ዝመልኦ ፍቅርን ምትሕልላይን ዝጐደለ አመለኻኽታን ርድኢትን ኢዩ፣ እንተኾነ አመለኻኽታ ኢየሱስን ትምህርቱን እዚ አይኮነን፣ እዚ ነአይ ይጥዓመኒ ዝብል ሓሳብ ዝወረሮ ናይ ዓለም አመለኻኽታ ኢዩ፣” እንክብሉ አብዚ ዘመንና አጋጢሙ ዘሎ ድኽነትን ጸበባን ናይ ደቂ ሰብ ጸማም እዝንን ርኢኻ ከምዘይረአኻ ምዃንን አመልኪቶም ከም ክርስትያን ክንገብሮ ዘሎና አብነት ኢየሱስ ምኽታል ምዃኑ ገሊጾም፣
ብላቲናዊ ሥር ዓተ አምልኾ ትማል ሰንበት ዝተነበ ወንጌል ናይቲ ኢየሱስ አብ ምድረበዳ ከስተምህር እንከሎ ሓዋርያት ብሻቅሎት ተዋሒጦም እዚ ዘሎና በረኻ ኢዩ መግቢ የለን ስለዚ እዞም ሰባት ብእዋኑ ሰብ አብ ዝርከቦ ዓዲ አትዮም ዘድልዮም መግቢ ክዕድጉን ክዕንገሉን እንተተሰናብቶምዶ አይምሓሸን ክብሉ ዳርጋ ቀልጢፍካ አሰናብቶም ዝትሕዝቶኡ ሕቶ ምስ አቅረቡሉ፣ ዝብላዕሲ ንስኹም ደአ ሃብዎም ምስ በሎም ነዚ ኩሉ ሕዝቢ ዝኸውን ደአ ካበይ ክነምጽእ እተን ዘለዋና ሓሙሽተ ኅብስትን ክልተ ዓሣን ኢየን፣ ቢሎም ምስ መለሹሉ በሉ እስከ አምጽ እዎ ቢሉ ነቶም ሕዝቢ ኮፍ ከብልዎም አዚዙ ነቲ ኅብስትን ዓሣን ወሲዱ ንሰማይ አንቃዕሪሩ ጸሎት ምስጋና አቅሪቡ ቈሪሱ ባሪኹ በሉ እንኩ ዓድልዎም ዝበሎም እሞ ቈልዓ ሰበይቲ ከይቆጸርካ ሓሙሽተ ሺሕ ሰባት ዘጽገበሉን ዓሠርተ ክልተ መሶብ ተረፍ ዘልዓሉሉን ፍጻሜ ዘዘንቱ ነበረ፣
ቅዱስነቶም ካብዚ ፍጻሜ እዚ ብምንቃል ሠለስተ ነገራት አመልኪቶም፣ መጀመርያ ኢየሱስ ነቲ ሕዝቢ ከምዝደንገጸሉ እምበር ጭንቀት ወይ ክበድ ተሰሚዕዎ ጸርጸር ከምዘይበለ እዚ ከአ ንአና ዓቢ ትምህርቲ ከምዝኾነ ዝተጸገሙን ዝተሸገሩን ከጋጥሙና እንከለው ክህልወና ዝግብአና አመለኻኽታ ኢዩ፣ ማለት ጸገምን ሻቅሎትን ክህልወና ይኽእል ኮይኑ ግን ልዕሊቲ ናይቶም ምንም ዘይብሎም ድኻታት ጠሚትካ ቀዳምነት ዝወሃቦ አይኮነን፣ እዚኦም ንኽነብሩ ዝብላዕ የብሎምን ንኽማሙቁ ዝኽደን የብሎምን ንክፍወሱ መሐከሚ የብሎምን፣ ምስዚኦም ምንም ዘይብሎም ክንወዳደር አይንኽእልን፣ ብማለት እቲ ልዕሊ ምንም ዘይብሎም ድኻታትን በተኸታን ክንገብሮ ዘሎና ርኅራኄ ወይ ድንጋጼ በቲ ዘሎ ግድነትን አድላይነት ክምዘን ከምዝግባእ ምስ ገለጹ ናብታ ካልአይቲ ነጥቢ ብምስጋር ዘሎካ ምምቅራሕ ወይ ምምቅቃል መበገሲ ናይ ተአምር ከምዝኾነ እሞ እቲ ቍሩብ ዘለዎ ነታ ዘላቶ ምስቲ ምንም ዘይብሉ ብስም አምላኽ እንተተማቂልዋ ከምቲ ናይ ቍሩብ ኅብስትን ዓሣን ተአምር ከኸትል ከምዝኽእልን ከምቲ ሓዋርያት ነዚ ኩሉ ሕዝቢ አብዚ በረኻዚ እንታይ ክነብልዖም ቢሎም ብምጭናቅ ንኢየሱስ ከሰናብቶም ምስ ሓተትዎ ነቲ ዘለዎም ባሪኹ ንኩሉ ከምዝኸውን ተረፍ እውን ከምዝርከቦ ዝገበሮ ክኸውን ከምዝኽ እል ገሊጾም፣ ቅዱስነቶም አብዚ ጥንቃቄ ዘድልዮ ተአምር ምግባር ጥንቈላ ከምዘይኮነ ወይ እውን መስድዕን ኃይልኻ መርአይን ዘይኮነስ ምልክት ከምዝኾነ ብምዝኽኻር እዚ ከአ ናብቲ ሳልሳይ ነጥቢ ከምዝወስደና ምልክት ከአ ወትሩ ክንዩኡ ንዘሎ ነገር ማለት ንሓደ ካልእ ዘመልክት ስለዝኾነ እዚ ምልክት እዚ ነቲ ዘለዓለማዊ መግቢ ዝኾነ ቅዱስ ቍርባን ከምዘመልክት ብምትንታን እታ ሳልሰይቲ ነጥቢ ብዛዕባ ቅዱስ ቍርባን ምዃና ከምዚ ክብሉ አብሪሆም፣ እንተደአ አስተውዒልና ተመልኪትና እዚ አብዚ ዚግበር ቡራኬ ኅብስትን ዓሣን ከምቲ ደሓር አብ ጸሎተ ሓሙስ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቍርባን ክሠርዕ እንከሎ ዝገበሮ ቡራኬ ሓደ ኢዩ፣ እቲ ፍልልይ አብ ቅዱስ ቍርባን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኅብስቲ አይኮነን ዝህበና እንታይ ደአ ገዛእ ርእሱ ኢዩ ዝህበና ስለዚ ኩልና አብዚ ዘለዓለማዊ መግቢ ክንሳተፍ አሎና ካብዚ መአዲዚ ዚሳተፍ ንዘለዎ ቍሩብ ይኹን ብዙሕ ምስ ካልኦት ንምምቅቃል አይጽግሞን ስለዚ በዚ ናይ ኢየሱስ ርኅራኄን ምድንጋጽን መንፈስ ንዘሎና ኩሉ ክነካፍል ብዝብል ሠናይ ድላይ ናብ ቅዱስ ቍርባን ንቅረብ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዚሞም፣







All the contents on this site are copyrighted ©.