2014-08-02 18:21:16

እቲ ወርቃዊ ሕጊ


RealAudioMP3 “እምበኣር ሕግን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፣ ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።” (ማቴ.7፡12)። ወርቂ ኣብዚ ዓለምዚ ካብ ዘሎን ዝርከብን ነገራት፣ እቲ ዝኸበረን ብዅላቶም ዚድለን፣ ዝለዓለ ዋጋ ዚውሃቦን ክቡር ኣቕሓ እዩ። እዚ ወርቃዊ ሕጊ ተባሂሉ፡ ብመልክዕ ትእዛዝ ዚውሃበና ዘሎ ቃል ኣምላኽ ግን መወዳድርትን መማዝንትን ዘይብሉ፡ ካብ ኵሉ ዝበለጸ፤ “ካብ ወርቂ፣ አረ ኻብቲ ኣዝዩ ዝጸረየ ወርቂ ዚሕረ እዩ፤ ካብ መዓር፣ አረ ኻብ መዓር ወለላ እኳ ዚጥዕም እዩ።” (መዝ.19፡10)።
“ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዅሉ…”
ደቂ ሰባት ብዛዕባይ እንታይ ኪሓስቡን ኪዛረቡን እደልን እጽበን፧ ወይ ድማ እንታይ ኪገብሩለይ እደልን እምነን፧ ነፍስ ወከፍና ነዚ ሕቶ እዚ ወሲዱ ንርእሱ ኪሓትትን ኪምርምርን እንከሎ፤ እንታይ እሞ ኪብሉናን ኪገብሩልናን ዘይንጽበ፤ ካባና መን እዩ ኵላቶም፡ ኵሉ ጽቡቕ ዘበለ ኪዛረቡሉን፣ ወላ ሕማቕ እናገበረ፡ ከጸብቑልሉን ከናሕስዩሉን ዘይደሊ፧ እቲ ንርእስኻ ጸቡቕ ነገር ምድላይን ምምናይን፡ ኣብ ውሽጢ ባህርና ተቐሪጹ ዚርከብ፣ትምህርትን መግለጽን ዘየድልዮ፡ ኵላትና እንፈልጦን እንርድኦን፤ ብሩህን ርዱእን ግሉጽን ነገር እዩ። ኵሉ፤ ጓል ትኹን ወዲ፡ ዝዓበ ዝንኣሰ፡ ጥዑም ኪበልዕ፣ ምቁር ኪሰቲ፣ ጸቡቕ ኪኽደን፣ ጽቡቕ ኪድቅስ፣ ጸቡቕ ኪርአን ኪነብርን፣ በኹሉ ምሉእን ሕጉስን ኮይኑ ኪዓብን ኪምዕብልን ዘይደሊ መን ኣሎ፧ ካብቲ 6.7 ቢልዮን ሕዝቢ ዓለም፣ ሓደኳ ሃሰስ ኢልና ኣይምረኸብናን። እዚ ኸኣ ኵሉ ወድሰብ፤ዓሌቱ፣ ሕብሩ፡ፆታኡ፡ደረጃ ሕይወቱ፡ሃይማኖቱ በዘየገድስ፣ ብዘይ ሓደ ፍልልይ፤ ኵሉ ሰብ መሠረታዊ ድልየቱን፡ ግድነቱን ሓደ ከምዝኾነ፡ ብዘይሓደ ጥርጥር ኵላትና ብግልጺ ክንርድኦ እንኽእል፣ መጽሓፍን መግለጽን ዘየድልዮ ንጹር ነገር እዩ።
ንርእስኻ ጽቡቕ ምድላይን ምምናይን፤ ግቡእን፡ ምኽኑይን፡ጽቡቕን ኣድላይን እዩ። መንነትናን ክብርናን ዚገልጽ ሰብኣዊ ግድነትውን እዩ። እቲ ንባህርናን ንተፈጥሮናን ኣጸቢቑ ዚፈልጥ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፤ “ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ገቢርካ ኣፍቅር” ቢሉ ክእዝዘና እንከሎ፤ ኵሉ ሳዕ፡ ኣብ ዝኾነ ቦታን ጊዜን፣ ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ፡ ንሓንቲ ደቒቕ እኳ ህምል ከይበልና፣ ንርእስና ከምንፈቱን ከምነፍቅርን ስለ ዝፈልጥ እዩ። እቲ ዚገርምን፡ምስ ባህርናን ክብርናን ዘይሰማማዕን ዘይኸይድን፤ ዜሕንኽን ዜሕፍርን እውን ምተባህለ፣ ነቲ ባህርና ዝባህሩ፣ ክብርና ዝኽብሩ፣ ድላይናን ትምኒትናን ዝባህጉ፣ ሓውና፣ ነቲ ንባዕላትና እንደልዮን እንምነዮን ጽቡቕ ክንነፍጎ ምርካብና እዩ።ንባዕለይ ብሕይወት ክነብር፡ እኳ ደኣ ብጽቡቕ ሕይወት ክንብር እናደኹ፤ ንሕይወት ካልኦት ምንጻግን ምንፋግን፣ ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ካልኦት ጠንቂ ዝኾነ ነገራት ምሕሳብን፣ ምግባርን፤ ብምንታይ ክንገልጾ ምኸኣልና፧ ዕብዳን ድዩ ወይስ ሕሰም፧ እወ! ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት (ህዩማኒቲ) ዚፍጸም፣ ሕጊ ሰብኣዊ ባህርን፡ መለኮታዊ ሕግን ዘይቅበሎ፡ ግሉጽ ዓመጽ እዩ።
“ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ኣብልዓዮ፣ እንተ ጸምአውን ኣስትዮ።” (ሮሜ፡12፡20፣ ምሳ.25፡21-22)። ብጸላኢኡ ተታሒዙን ተማሪኹን፣ ምሕረት ኪግበረሉን፡ ብሕይወት ኪነብርን ዘይደሊ መን ኣሎ፧ እሞ እቲ ንርስኻ እትደልዮን እትምነዮን፣ ንኻልኦት ኣሕዋትካን ኣሓትካን ክትነጽጎን ክትነፍጎን እንከሎኻ፣ እንታይ ይስምዓካ፧ ፍትሕን ርትዕን ድዩ ጠፊኡካ፧ ንሕልናኻ ኣይትርገጽ። ‘ኢድ ጸናሒት ሸናሒት እያ።’ ነቲ መሓረኒ ኢሉ ለሚኑ፣ ተማሒሩ ኬብቅዕ፤ ኣይወዓለ ኣይሓደረ፣ ነቲ መስኪን ብጻዩ መሓረኒ ኢሉ እናለመኖ፤ነቲ ቅድሚ ቁሩብ ደቓይቕ ዝገጠሞ ጸገም እናተረድኦ፣ ንሕልናኡ ረጊጹን፡ ንሰብኣዊ ባህርዩ ዓሚጹን ጓዕጺሱን፤ ብኽሳዱ ሓኒቑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጎኖ፣ ወዮ ነዚ ዝሰምዐ ጐይታኡ ተቘጢዑ፤ “ኣታ ሕሱም ኣገልጋሊ፣ ኣነ ስለ ዝለመነካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሓደግኩልካ። ንስኻኸ ከምቲ ኣነ ዝመሓርኩኻዶ ነቲ ብጻይካ ክትምሕሮ ኣይምተገብኣካን፧ በሎ። ጐይታኡ ኸኣ ተቘጢዑ ኹሉ ዕዳኡ ፈጺሙ ክሳዕ ዚፈዲ ንዜሳቕይዎ ኣሕሊፉ ሃቦ። እምበኣር ንስኻትኩም ድማ ነፍስ ወከፍኩም ንሓዉ ካብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይሓዲጉሉ፣ ሰማያዊ ኣቦይውን ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።” (ማቴ.18፡23-35 ርአ) ዚብል ዘየማትእ ንጹር ቃል ወንጌል ኣብ ልዕሌኻ ኸይፍጸም፣ መለበሚ ይኹንካ። ዝመሓረ ጥራይ እዩ ምሕረት ዚረክብ፤ ዘይመሓረ ኣይምሓርን እዩ። በዚ ምኽንያት ኢና ኸኣ ኣብቲ ክርስቶስ ባዕሉ ዘምሃረና ጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት … “ንሕና ንዝበደሉና ከም ዝሓደግናሎም በደልና ሕደገልና” እናበልና እንጽሊ። እንተ ዘይሓደግና ግን ንሱውን ኣይሓድገልናን እዩ። “ኣብ ቊጥዓኹም ፀሓይ ኣይትዕረብኩም። ንዲያብሎስ ከኣ መገዲ ኣይትሃቡዎ” (ኤፈ.4፡26-27)። ጽባሕ ፀሓይ ክትበርቕን ከይትበርቕ ርግጽነት ስለ ዘይብልና፤ እታ መተካእታ ዘይብላ እንኮ ሕይወትና ምስታ ሎሚ እትዓርብ ፀሓይ ሓቢራ ንዘለዓለም ከይትዓርብን ከይትጠፍእን፣ ቅድሚ ምድቃስና፡ ዕዳና ንኽፈል፤ ምስ ሕልናናን ምስ ሓውናን/ሓብትናን ምስ ኣምላኽናን ንተዓረቕ። ርሕሩሕ ኣምላኽ ዚዕረቕን ዚምሕርን ልቢ ይሃበና። ኣሜን።
ኣባ ሙሴ ተስፋዮሓንስ - ሲታዊ

RealAudioMP3







All the contents on this site are copyrighted ©.