2014-08-02 18:12:42

ሰንበት ዘአንቅዕት 2006 ዓ.ም. ሓምለ 27 2006 ዓ.ም. (8/3/2014)


RealAudioMP3 መዝሙር፡ በሰንበት ቦአ ኢየሱስ ምኵራቦሙ ለአይሁድ• . . . . . ።
“ኢየሱስ ብሰንበት አብ ቤት ጸሎት አይሁድ አተወ ሰንበተይ አኽብሩ እናበለ መሃሮም፥ ብሰንበት አጋንንቲ አውጽኤ ብቓሉ ንለምጻማት አንጽሔ ብሰንበት አብ ምድሪ ጡፍ ኢሉ ጭቃ ገበረ ብጥፍጣፉ ንዕዉር አሕወየ፥ ዘራእን ዓጻድን ብሓንሳብ ምእንቲ ክሕጎሱ አብ ኵላ ምድሪ አብ ኵላ ወገን አብ ዘድሊ ቦታ ዘበለን ንደመናታት ዝናብ ከውርዱ አዘዞም፥ ምድሪ ኸአ ርእያ አመስገነቶ ባሕሪ ድማ ሰገደትሉ”። ክርስቶስ አብዚ ምድሪ ኩሉ ምሕረት ክገብር ከምዝመጸ ዘኪርና ሎሚ ንሕና እውን ካብ ኩሉ መንፈሳውን ሥጋውን ሕማምና ክንሓዊ አብኡ ክንቀርብ ከምዝግብአና የዘካኽረና።
ንባባት፡ ሮሜ፡8፡35-39፥ 1ጴጥ 4፡6-12፥ ግ.ሓ. 28፡1-17፥ ማቴ 14፡13-21
ምስባክ፡ያዐርግ ደመናተ እምአጽናፈ ምድር ወገብረ መብረቅ ለጊዜ ዝናም፥ ዘያወጽኦም ለነፋሳት እመዛግብቲሆሙ። “ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ ኸም ዚለዓል ይገብሮ፥ ብጊዜ ዝናም መብረቕ ይገብር፥ ንንፋስ ካብ መዝገቡ የውጽኦ” መዝ 135፡7።
ዝተነበ ወንጌል ኢየሱስ አብ ጽምው በረኻ ንበይኑ ከምዝኸደ ይነግረና። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሞት ዮውሓንስ መጥምቕ ምስ ሰምዐ እዩ። አብቲ ጊዜ እቲ ገሊላ ብዙሕ ህዝቢ ዝቕመጦ ሃገር እዩ ነሩ ወረ ኢየሱስ ከአ አብኩሉ በጺሑ ነሩ እዩ ስለዚ ካብኦም ግልል ኢሉ ከይዱ። አብ ጽምው ቦታ ዘኸዶ ምኽንያት ምናልባት ምስ ሓዋርያቱ ከዕርፍን ብዝያዳ ከስተንትንን ከምኡ ንሓዋርያቱ ብዝያዳ ንበይኖም ከስተምህሮምን ኢሉ ይኸውን። ብኻልእ ከአ ካብቲ ንዮውሓንስ ዝገጠሞ ክእለ ኢሉ እዩ። አብ ወንጌል ተደጋጊሙ ከምዝርአ ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ነገራት ክወዓውዑን አብ ክርክር ክርኢ እንከሎ ይእለ አብ ጽምው ቦታ ይኸይድ ወይእውን ብማእከሎም ሓዲግዎም ይኸይድ ከምዝነበረ ነንብብ።
አብዚ ኢየሱስን ሓዋርያትን ምሉቕ ኢሎም ከምዝኸዱ ንርኢ። ንሱ ብጃልባ አብ ስግር ባሕሪ ምስ ከደ እቲ ህዝቢ ብእግሪ ሰዓብዎ። አብቲ ገምገም ባሕሪ ምስ መጸ ብዙሕ ህዝቢ ረአየ እሞ ደንገጸሎም እሞ ንኹሎም ሕሙማትቶም ድማ አሕወየሎም አብዚ ማቴዎስ ስለምንታይ ከም ዝደንገጸሎም አይነግረናን ማርቆስ አብ 6፡34 “ጓሳ ከምዘይብለን አባግዕ ነበሩ እሞ ደንገጸሎም ብዙሕ ውን ከምህሮም ጀመረ” ይብል። ብርግጽ አብ ማቴዎስ ከምቲ ክሕውዮም እንከሎ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ዝኾነ ከምኡ ኸአ ከምህሮም እንከሎ ሓደ ዓይነት ምሕዋይ እዩ። ዓላማ ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ ንሰባት ብነፍስን ብሥጋን ምሕዳሶምን አብ ምልአት ከምዝመጹ ምግባርን እዩ።፥ እዚ ኸአ እዩ ትርጉም ድሕነት።
አብዚ አብ ርእስና ምልስ ኢልና ክንሓስብ እንተ ኸኣልና አብ ሃንደበታውን ዘይተጸበናዮ መጸዋዕታ ከመይ ዝበለ መልሲ ክንህበሉ ምኽአልና። ነቶም ሓገዝና ዝሓቱ ኩሉ ጊዜ አብ ፍቕሪ መሰረት ገርናዶ ግዜናን ሓይልናን ነወፍየሎም? ብዝያዳ ምናልባት እቶም ሓገዝ ዝሓቱና ጓኖትን ዘይንፈልጦም ወይ እውን ብገለ ምኽንያት ዘይንፈትዎም እንተ ኾኑ ከመይ ንምልሰሎም። አብ ሕይወትና ክንደይ ጊዜ ወርቃዊ ዕድል ንሰባት አብ መገዲ አምላኽ ክንመልሶም እናኸአልና ምስ ጥቕምናን ዘይከይድ ወይ እውን ምስ መደባትና ዘይከይድ ስለ ዝኾነ ሸለል ዘይበልናዮም። (ንአብነት እቲ ካህንን ሌዋውን ነቲ አብ መገዲ ብከተርቲ አብ መገዲ ወዲቑ ዝጸንሖም አብ ቤተ መቕደስ ይኸዱ ስለ ዝነበሩ ጎስዮሞ ከይዶም ሓሊፎም) ንሕና እውን ምስቲ ንሕና እንደልዮ ስለ ዘይከይድ ንሰባት ጎሲናዮም ንኸይድ።
ሰባት ንሓገዝና ክሓቱና እንከለዉ ብዙሕ ጊዜ አብ ክልተ ዓይነት መልሲ ንወድቕ፡

እዚ ዓይነት ሕይወት ምስቲ ኢየሱስ ዝደልዮ ዝኸይድ አይኮነን አይሰማማዕን እውን እዩ። አብ ሕይወትና ነቲ አምላኽ ዝደልዮ መልሲ ክንህብ ዓቢ ምስትውዓልን አስተንትኖ ይሓተና። አብ ገለ ዘይንሰማምዓሉን ዘይንፈትዎን ነገራት እውን ይኹን መልሲ አብ እንህበሉ እዋን ምስትውዓል ይሓተና። ሰባት ሓገዝና ክሓቱ እንከለዉ አብ ጥቕምናን ድለትና ከአትዉ ክንገብሮም ዘይኮነስ ብኽልተ እግሮም ደው ኢሎም ከምዝኽእሉ ክንገብሮም ከሎና ጥራሕ ኢና ሓጊዝናዮም ክንብል እንኽእል። ንምሉእ ዓለም ከድሕን ሓላፍነተይ አይኮነን። ብዙሓት ብዘይ ናተይ ሓገዝ ዝኸዱ ክርኢ ግድን እዩ። እንተ ኾነ አብ ገለ እዋን አነ ጥራሕ ነዚ ሰብ እዚ ክሕግዞ ዝኽእል ክኸውን ይክአል እዩ። ነዚ ነገራት መሚና ክንፈልጥ ቅንዕናን ጽንዓትን ይሓትት።
ዝብላዕ ንስኻትኩም ሃብዎም፡
አብ ገለ እዋናት አብ ምሃብ ወይ ምሕጋዝ ምስ ኮነ አነ እንታይ አሊኒ ሓንቲ ክህቦ ዝኽእል ነገር የብለይን ኢልና ንርእስና ካብ ምሕጋዝ ግልል ነብላ። ከምቲ ሓዋርያት መስዩ ምስ ረአዩ ንኢየሱስ “እዚ ቦታ እዚ በረኻ እዩ ስዓት ድማ ኃሊፉ እዩ እዞም ህዝቢ ንባዕሎም ምግቢ ክዕድጉ አፋንዎም” በልዎ፥ ኢየሱስ ኪኸዱ አድልን እዩ ዚብላዕ ንስኹም ሃብዎም” በሎም። ንሳቶም ድማ አብዚ ብዘይ ኃሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሣን ገለ የብልናን በልዎ። ኢየሱስ ከምዚ ክብሎም እንከሎ ርእሰ ምትእምማን ክገብሩን ነቲ ዘለዎም ንእሽቶ ነገር ምስ ካልኦት ክካፈሉ እዩ ዘስተምህሮም ዘሎ። ከምኡ እንተ ገበሩ ዘደንቕ ነገር ክርእዩ እዮም፥ ንሕና እውን ካብቲ ውሑድ ዘሎና ምስ ካልኦት እንተ ተማቐልና ዘገርም ነገር ክንርኢ ንኽእል ኢና። ከም ሓዋርያት ደጋጊምና መንጎኛታት አብ መንጎ ኢየሱስን ካልኦትን ክንከውን ነታ ንእሽቶይ ዘላትና ብምሉእ ሕያውነት ክንካፈላ ይግብአና።
ድሕርዚ ኢየሱስ አዒንቱ ንሰማይ እናጠመተ (አብ ሰማያዊ አብኡ እናጠመተ) ከምቲ ልምዲ አይሁድ ቅድሚ መአዲ ዝግበር ጸሎት አመስጊኑ ቆሪሱውን ንደቂ መዛምርቱ ሃቦም ደቀ መዛምርቱ ድማ ነቶም ህዝቢ ሃብዎም፥ ኩሎም በሊዖም ጸገቡ እቲ ዝተረፈ ቁሩስራስ ድማ 12 መሶብ መሊኦም አልዓሉ። እዚ 12 መሶብ ነቶም 12 ነገደ እስራኤል እዩ ዘመልክት ሕጂ ከአ ነቶም 12 ሓዋርያት ብኦም አቢሉ ንኹልና የመልክት። እዞም 12 ሓዋርያት ምንጪ ምሕረት እግዚአብሔር ንህዝቡ ክኾኑ እዮም።
እቲ ኢየሱስ ዝሃቦ መግቢ ብንጹር አምሳል ናይ እቲ ኩሉ ዘድልየና ነገር ከምዝተማለአን መወዳእታ ዘይብሉ ብምልአት ከምዝተዋህበን ዘመልክት እዩ። እቲ ተአምራት ብርእሱ አምሳል ቅዱስ ቍርባን ምስጢር ሓድነትን እዩ፥ እቲ ናይ እንገራ ምክፋልን ምቍራስን ምልክት ናይ ሓንቲ ማሕበር ንጸገማትን ድለታትን አባላታ ኢላ እተርእዮ ምክፋልን ሓልዮትን እዩ ዘመልክት።
ስለምንታይ እዚኹሉ ዓጸባ ወይ ጥመት?
አምላኽ ብሓቂ ዝሓሊ እንተ ደአ ኮይኑ ስለምንታይ እዩ ሎሚ አብ ዓለምና ጥመትን ዓጽባ ዘሎ? ስለምንታይ እዚ ኹሉ ጥመት፥ እዚ ኹሉ ጽምዋ አብ ልዕሊ ሰባት፥ ስለምንታይ ብዙሓት ዝሓድርዎ ገዛ ወይ መዕቆቢ ዘይብሎም፥ ስለምንታይ መግቢ ዕለት ዘይብሎም፥ ትምህርቲ ዘብይሎም. . . . ? አብ ኢሳያስ ነቢ አብ 55፡1-3 ዘሎ እንተንበብና “አቱም ጽሙአት ኵላትኩም ናብ ማያት ንዑ አንቱም ገንዘብ ዘይብልኩም ከአ ንዑ ተሻየጡ እሞ ብልዑ፥ እወ ንዑ ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ ወይንን ጸባን ተሻየጡ. . . . . . እዝንኹም ናባይ ጽለዉ እሞ ንዑ ስምዑ ብሕይወት ክትነብሩ ኢኹም”። እወ ንጎይታ ብሓቂ እንተ ሰማዕናዮ ብፍላይ አብ ወንጌሉ አብኡ ንኹሉ ዘድልየና ብምሉእ እንረኽበሉ መገዲ ክንረክብ ኢና።
ቅ.ጳውሎስ አብ ሮማውያን ዝጸሓፋ ሎሚ ዘንበብናያ “ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ፥ መከራዶ ጸበባዶ ስደትዶ፥ ጥመትዶ፥ ዕርቃንዶ፥ ድንገትዶ፥ ወይስ ሞት” እዚኦም እዮም እቶም ፈተናታት ንኦም ሰጊርና አብ ዓወትን እንበጽሕ፥ “ላዕለዋት ኮነ ታሕተዋይ ካልእ ፍጥረት እውን እንተ ኾነ ካብታ አብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጎይታና ዘላትና ፍቕሪ አምላኽ ከቶ ኺፈልየና ዚኽእል ከም ዘየልቦ አረጋጊጾ አሎኹ” (ሮሜ 8፡39)።
ሰለስተ ትምህርታት፡
ወንጌልን ካልእ ንባባትና ንሎሚ ከምዚ እዮም ዝብሉና ዘለዉ፡
    አምላኽ ንኹልና ህዝቡ ይግደሰልና እዩ፥ ንኹሉ ዝአክልን ብዙሕን ዝኾነ ህያባቱ አለዎ።
    አብ ሕይወት ዝርከብ ክብን ትሕትን መንፈሳዊ፥ ስምዒታዊ፥ አካላዊ ወይ ግዙፍ ነገራት ናይ ግልና ዘሰንብድ ነገር ይኹን ወይ እውን ባሕርያዊ ዕንወታት ደው ክነብሎ ዘይክአል እዩ፥ እዚ ግን ነቲ ፍቕሪ አምላኽ ብዝኾነ መገዲ ዝጻረር ወይ ዝገልጽ አይኮነን። አምላኽ ዝገጥመና ኩነታት ብዘየገድስ ኩሉ ጊዜ ምስ አፍቀረናን ምስ ሓለየልናን እዩ። ብኻልእ እዞም ነገራት እዚኦም ንጥቕምና ወይ ምልክት ምኽንያት አብ አምላኽ መምለሲና ክኾኑና ይክእሉ፥ ከምኡ እቲ ሓቀኛ ሰላምን ሓጎስን አበይ ከምዝርከብ ብዝያዳ ክንርኢ ይሕግዙና እዮም።
    ዓቢ ናይ አምላኽ ሓልዮትን ፍቕርን አብ መንኩብና እዩ ዝርከብ። መብዝሕትኡ ወድሰብ ዝረኽቦ ዘሎ ዝስቓይን መከራን አብ ዓለም ብሰንኪ ሰብ እዩ፥ ክዕረ እንተ ኾይኑ ኸአ ብተግባር ደቂ ሰብ እዩ። ኢየሱስ ነቶም ህዝቢ ባዕሉ ብቐጥታ አይመገቦምን፥ ሓዋርያት ክገብርዎ እዩ ሓዲግዎም፥ ሎሚ እውን ከምኡ እዩ ዝገብር። ንአምላኽ ምሕማይ ንመንግስቲ ምሕማይ ንቤተ ክርስትያን ምሕማይ ከምኡ ንነገራት አብ ካልኦት ሰባት ምጽጋዕ ዝቐለለ እዩ። እንተ ኾነ እቲ ወቀሳን ሕመታን ንነፍሲ ወከፍና እውን ይምልከት እዩ፥ ካብዚ ነጻ ዝኾነ የብልናን።

እዚ እዩ ትርጉም ናይ እዚ ሎሚ እነዕርጎ ዘሎና ምስጢር መስዋዕቲ ቅዳሴና። አብዚ ቅዳሴ ነስወከፍና አብኡ ክንካፈል ንመባጻዕ፥ ንፍቕሪን ስራሕን አምላኽ አብ ኩሉ ክነብጽሕ ቃል ንኣቱ። አምላኽ ብፍጡራቱ ዝግደስን ዝሓልን አምላኽ እዩ፥ ግን ብዙሕ ጊዜ ንሱ ክሳብ ክንደይ ሓላይን ፈቃርን ከምዝኾነ ክፍለጥ ናይ ነፍሲወከፍና ምትሕብባር ይሓትት።
አብዚ ብሩኽ ሰንበት ንቃሉ ክንሰምዕ ክንልአኾ ፍቓደኛታት ከምዝኾና እንገልጸሉ ዕለት እዩ። መጀመርያ ንርእስና ደቂ ድሕነት ኮና ከምኡ አብ ድሕነት አሕዋትና ክንወፍር ይሓተና አሎ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.