2014-07-26 19:39:51

ሐዋርያዊ ምብጻሕ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ ካሰርታ(ዓዲ ጣልያን)


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ ካሰርታ ትበሃል ከተማ ዓዲ ጣልያን ሐዋርያዊ ምብጻሕ ንኽገብሩ ሎሚ ብናይ ሮማ ሰዓት አቈጻጽራ ሰዓት ሠለስተ ብሄሊኮፕተር ካብ ቫቲካን ነቂሎም ድሕሪ ናይ አርበዓን ሓሙሽተን ደቃይቅ ጕዕዞ ብሰላም አብቲ ቦታ ዝርከብ ናይ ወታሃደራዊ ቤት ትምህርቲ በረራ አብ ካሰርታ በጺሖም፣
አብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ካሰርታ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ጆቫኒ ዳአሊሰ ናይ ከተማ ካሰርታ አመሓዳሪት ዶክተር ካርመላ ፓጋኖ ናይ ከተማ ካሰርታ ከንቲባ አቶ ፕዮ ደል ጋውድዮን ናይ ዞባ ካሰርታ ፕረሲደንት ክቡር ዶመኒኮ ዚንዚ ከማኡ ከአ ናይቲ ወታሃደራዊ ቤት ትምህርቲ በረራ አዛዚ ኮለነል ቨኒየሮ ሳንትሮ ተቀቢሎሞም፣
ካብኡ ብማኪና ተጓዒዞም ምስ ካህናት ናይቲ ሰበኻ ተራኺቦም፣
በቆጻጽራ ሰዓት ጣልያን ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቃን ምስ ካህናት ዝገበርዎ ርክብን ዘተን ዛዚሞም ብኽፍቲ ማኪና አብ ቅር ዓት እቲ ዓዲ ተአኪቦም ንዝጽበይዎም ዘምስዩ ልዕሊ 200 ሺሕ ዝኾኑ ም እመናን ሰላም ኢሎም፣ ልክ ዕ ሰዓት ሽድሽተ ቅዳሴ ጀሚሮም፣ ሕጂ መደብና እናተመሓላለፈ እንከሎ ስብከት ይገብሩ አለው፣ ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መደብና ምስ ካህናት ዝገበርዎ ርክብን ዘተን ከማኡ እውን ጽማቍ ትሕዝቶ ስብከቶም አብ ዚመጽ እ መደባትና ክነቅርበልኩም ኢና፣








All the contents on this site are copyrighted ©.