2014-07-22 17:20:15

ውግእ ብሰላም ኢዩ ዚሰዓር!


RealAudioMP3 ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ቅድሚ ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ አብ ቅርዓት ቅ.ጴጥሮስ ምስ ዝተርኽቡ በሽሓት ዝቍጸሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎት መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም አብ ዘቅረብዎ አስተንትኖ ኢዩ፣
አብ ዝሓለፈ ሶሙን ንዓለም ምሉእ ኃዊጹ ዝቀነየን ገና እውን ዝቅጽል ዘሎ አብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጠኤማውያንን ዝካየድ ዘሎ ዕውር ተጻበኦ ለይትን መዓልትን ሕጻናትን አደታትን ንጹሓን ዜጋታትን ዘጥፍእ ዘሎ ውግእ አብ ዒራቅ ካብ ነዊሕ ጊዜ ብስም ሃይማኖትን እግዚአብሔርን ዝኾነ ሃይማኖትን እግዚአብሔርን ዘይፈትዎ ስደት ሃይማኖትን ቅትለትን ብኅልፊ ከአ አብዚ ሶሙንዚ አብ ከተማ መሱልን ከባቢአን ዝርከብ ገዳማትን አብያተ ክርስትያንን ብምቅጻል ንክርስትያን ምንም መሰል ከምዘይብሎም ወይ ሃይማኖት ክቅ ይሩ ወይ ዓዶም ክገድፉ ንምግባር ዝግበር ዘሎ ተጻበኦ ካብዚ ብዘይን እስ ከአ ሰላማውያን ሰባት ንሰላማውን ድሕነታውን ሥራሕ ዝጐዓዙ ዝነበሩ ከባቢ ሰልስተ ሚእቲ ዝኾኑ ካብ ሕጻናት ክሳብ ዝሸምገሉ ካብ ግለሰባት ክሳብ ምሉእ ሥድራቤት ሠራህተኛታትን ሊቃውንትን ሒዛ ትጐዓዝ ዝነበረት ናይ ማለሽያ ነፋሪት ሰብ አዊ ስም ዒትን ሰብ አውነትን ዘጥፍ ኡ ካብ ዝመስሉ ሰባት ብዝተተኮሰ ሚሳይል አብ ሰማይ ክብተኑን ከም በረድን ዝናምን ሰውነቶም ተኸናቲፉ ካብ ሰማይ ክዘንም ዝገደደ ከአ ምስ ሞቱውን ሰብ አዊ ክብረት ተነፊግዎም ሥድራቤትምን ፈተውቶምን ብሓዘን ክሕመሱ ነባይ በላ ንኢታይ በላ ብዝዓይነቱ ክትዕ ዓለም ምሉእ ዘሕዘነ ፍጻሜታት ልቦም ስለዝተንከፎም ዓመጽ ዓመጽ ኢዩ ዝወልድ ን ዓመጽ ክነሸንፈላ እንኽ እል እንኮ መንገዲ ሰላም ጥራይ ኢያ እንክብሉ ነቶም ናይዚ ሰብሰርሖ ዘኢይትነገር ኅልቂታት አደዳ ንዝኾነ ቅርበቶም ብምግላጽ ነቶም አብቲ ቅርዓት ተአኪቦም ንዝነበሩን ብመራኸቢ ብዙኃን ዝከተታተልዎም ንዝነበሩን ናይ ኅልና ጸሎት ክገብሩ ብም ዕዳም ንደቃይቅ ጸጥታ ከምዝሰፍን ገሮም፣ ከም ጓሳ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብ ርእሲ መጓሲኦም ምናዳ አብ ኢራቅ ዝርከቡ ክርስትያን ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ካብ መረበቶም ዝስደዱ ኩነታት ብጣዕሚ ከምዘሕዘኖም ብምግላጽ ሻቅሎቶም እውን አይሓብ ኡን ንኩሉ አብ ኢድ እግዚአብሔር ብምንባር ብጸሎት ከምዘሰንይዎም ንሶም እውን አብ ጸሎት ክጸንዑ ከምዚ ክብሉ ሓደራ ቢሎም “አብ ኩሉ ኵርነዓት ዓለም ዚረአዩን ዚስምዑን ዘለው ዓመጻትን ግጭታትን ብሕልፊ ከአ አብ ማእከላይ ምስራቅን ኡክራይናን አብዚ ጊዜ እዚ ዚፍጸም ዘሎ ኅልቂት ብጸሎት እንተዘይኮይኑ ክፍታሕ ስለዘይክእል አብ ጸሎት ጽንዑ” ክብሉ ተማሕጺኖም፣
ዝሓለፈ ሰንበት ዝተነበ ወንጌል ብዘዕባ ሥርናይን ክርዳድን ዝምልከት አብ ወንጌል ማቴዎስ 13 ዝርከብ ምሳሌ ኢዩ ዝነበረ፣ እቲ ምሳሌ ከምዚ ይብል “መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርኤ ሰብ እያ እትመስል። 25 - እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፡ ጻላኢኡ መጸ፡ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ። 26 - ቈጽሉ ምስ ፈርዔን ፍረ ምስ ፈረየን ድማ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ። 27 - ነቲ በዓል ቤት ግዙኣቱ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካስ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧ በልዎ። 28 - ንሱ ኸኣ፡ ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮ፡ በሎም። እቶም ግዙኣቱ ድማ፡ ኬድና ኽንኣርዮዶ ትፈቱ ኢኻ፧ በልዎ። 29 - ንሱ በሎም፡ ኣይፋልኩምን፡ ክርዳድ ክትኣርዩ ኸሎኹምሲ፡ ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉ። 30 - ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም። ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ፡ እረይዎ፡ ኪነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ፡ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎ፡ ክብሎም እየ።” ይብል፣ ቅዱስነቶም ነቲ ሓዋርያት ዝሓተትዎ ሕቶ “እዚ ክርዳድ ካበይ መጺኡ” ዝብል መተንስ ኢ ብምግባር መጀመርያ ደቂ ሰባት ነቲ ጽቡቅ ክን ርኢ ብዙሕ ከምንጽገም እሞ ከምቲ ንሓዋርያት ዘጋጠሞም ነቲ ን ዓይኒ ዝማርኽ ጽቡቅ ዝበቈለ ሥርናይ ከይረአና ናብቲ ክርዳድ ጥራይ ብምትኳር ነቲ ደቂ እግዚአብሔር ዝገብርዎ ዝበዝሔ ሠናይ ዝኾነ ተግባራት ከይረአና ን አሽቱ ጉድለታት ክንም እርር ስለእንነብር ነቲ ሥርናይ እውን ርኢና ክንክእል፣ ከምዘድሊ ነዚ ከአ አብ ላዕሊ ዝሰማዕናዮ ወንጌል ከምዘብርሃልና ማለት እቲ ዋና ግራት ዝኾነ እግዚአብሔር ነቶም ነቲ ክርዳድ ክ አልዩ ዝህንደዱ ዝጸንሑ ሠራሕተኛታት አይፋል ነቲ ክርዳድ ክት አልዩ ክትብሉ ነቲ ሥር ናይ ከይትጐድ ኡ ማለት ነቶም ሕሱማት ክትቀጽ ዕ ክትብል ንጹሓት ምጉዳእ ስለዝከአል ብትዕግሥቲ ምጽባይ ክሳብ ክንደይ ከምዘድሊ ይምህረና ቢሎም፣ ድሕሪ ጸሎተ መል አከ እግዚአብሔር እውን አብቲ አብ መሱል ኢራቅ ዝርከቡ ክርስትያን ዘስም ዕዎ ዘለዎ ናይ ሥቅ ያት ገዓር ምልስ ብምባል፤ አብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም አብ ስደት ዝርከቡ ክርስትያን ምናዳኸአ ካብቲ አብ ርእሲኦም ዝወርድ አደራዕ ንኽ ሃድሙ ቤት ንብረቶም መረበቶምን መበቆሎምን ገዲፎም ዝስደዱ ከምዚ ክብሉ ቅርበቶም ገሊጾም፣
“አሕዋትና ይስደዱ አለው! ይህደኑ አለው! ምንም ነገር ከይሓዙ ር እሶም ከድሕኑ ካብ ገዛውቶም ይሃድሙ አለው” ክብሉ ነቲ ዘሕዝን ኩነታት ምስ ገለጹ ነቶም በዚ ስደት እዚ ዝሳቀዩ ዘለው ስድራቤታት ይኹን ግለሰባት ቅርበቶምን ብቀጻሊ ም እንታኦም ከምዝጽልዩን ከምዚ ክብሉ ብሓዘን ገሊጾም፣
“ክሳብ ክንደይ ከምትሳቀዩ እፈልጥ! ንኩሉ ከምዘሕደጉኹምን ምንም ከምዘይብልኩምን እፈልጥ! በቲ ንኩሉ ክፍ አት ዝሰዓረ ጐይታ ብ እምነት ምሳኹም አብ ጐንኹም አሎኹ” እንክብሉ ንኩሉ መጻኢ ናይ ማእከላይ ምብራቅን ኡክራይናን ብፍሉይ መንገዲ አብ ጸሎት ኩልና ብምም ዕቋብ አብቲ ቅር ዓት ንዝነበረን ብመራኸቢ ብዙኃን ንዝከታተሉ ዝነበሩን ም እንቲ እዚ ሓሳብ እዚ ክንጽሊ ናይ ደቃይቅ ጸጥታ አሕሊፎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.