2014-07-19 11:50:23

ቅድስት ሥላሴ 2006 ዓ.ም.


ቅድስት ሥላሴ
“አዐትብ ወእትነሣእ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ሠለስተ አስማት ነሢእየ እትመረጎዝ እመኒ ወደቁ እትነሣእ ወእመኒ ሖርኩ ውስተ ጽልመት እግዚአብሔር ያበርህ ሊተ በእግዚአብሔር ተወከልኩ”።
ንባባት፡ 2ቆሮ 13፡11-13፥ ፩ዮሓ 4፡11-ፍ፥ ግ.ሓ. 11፡11-ፍ፥ ዮሓ 3፡16-18
ስብከት፡ ሣህሉ ለእግዚአብሔር መልዐ ምድረ፥ ወበቃለ እግዚአብሔር ጸንዓ ሰማያት፥ ውእምእስትንፋስ አፉሁ ኵሉ ኃይሎሙ። መዝ. 32፡2~6።
    ወሐሠሥኩ ገጸከ ገጸ ዚአከ አሐሥሥ እግዚኦ ወኢትሚጥ ገጸከ እምኔየ። መዝ. 26፡8~9።

ብዓለ ስላሴ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ብዓላት እምነትና እዩ። ስላሴ ማለት ሰለስተ አማልኽቲ ማለት አይ ኮነን ከምቲ አብ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን እንረኽቦ ካብ መጀመርያ ነዚ አብ ስላሴ ዘሎ እምነት ትገልጾን ክተረድኦን ንረኽቦ። ትምህርተ ስላሴ ካብ ጥምቀት ኢየሱስ ጀሚሩ አብ ኩሉ ትምህርቲ ክርስቶስን ከምኡ አብ ጽሑፋት ሓዋርያትን ንረኽቦ። ናይ እዋና ፍልስፍናን አተሓሳስባን ተጠቒማ ቤተ ክርስትያን ንምስጢር ስላሴ ብመጠኑ ትገልጽ። ምስጢር ቅድስት ሥላሴ ናይ እምነትን ክርስትናን ቀንድ ምሥጢር እዩ። እግዚአብሔር ባዕሉ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ጥራሕዩ ንአና ከፍልጠና ዚኽእል።
አብ እምነትና “ሓድነት አብ ሠለስትነት፥ ሠለስትነት አብ ሓድነት፥ ንአካላት ከየደባለቕና፥ ንህላዌውን ከየመቓቐልና ንሓደ አምላኽ ንሰግድ። ናይ አቦ አካል ካልእ፥ ናይ ወልድ አካል ካልእ፥ ናይ መንፈስ ቅዱስ አካል ካልእ አካል እዩ። እቲ ናይ አቦ፥ ናይ ወልድ ናይ መንፈስ ቅዱስ መለኮትነት ግን ሓደ፥ ክብሮም ማዕረ፥ ግርማኦም ከአ ብማዕረ ዘለዓለማዊ እዩ” (ሓ/ት/ክ/ 266)።
ሓደ እዋን ሓደ ካህን አብ ናይ ቍምስና ቤት ትምህርቲ ካልአይ ክፍሊ ተመሃሮ አትዩ ከምዚ እናበለ ክሓትዎም ጀሚሩ፥ መን አሎ ቅድስት ሥላሴ እንታይ ምዃኖም ክገልጸለይ? ሓንቲ ንእሽቶይ ቆልዓ በቲ ኮርታዕ ድምጻ ምስጢረ ስላሴ ድአ ሰለስተ አካላት አብ ሓደ አምላኽ እምበር እናበለት መሊሳትሎም፥ እቶም ካህን ካልኦት ክሰምዕዋ እሞ ክደግሞ ኢሎም አይተረዳእኩኽን እንታይ ኢኺ ዝበልኪ ኢሎማ። ወዮ ቆልዓ ሓሊፋ ጸኒሓ “ምስጢር ስላሴ ክርድአኩም አይክእልን እዩ” ኢላቶም ይብሃል።
ብርግጽ ምስጢር ስላሴ ብዓቅምና ብርድኢትና ክንበጽሖ አይንኽእልን ኢና። ንምስጢረ ስላሴ ብርድኢትናን ብቋንቋናን ክንገልጾ መጠን ዝፈተናሉ መጠኑ ከምዘይርዳእ ንገብሮ። ኩሉ ንምስጢር ሥላሴ ክንገልጽ ወይ ክንርዳእ ኢላን እንጥቀሞ ንአና ዝሕግዝ እምበር ንምስጢር ሥላሴ ዝገልጽ አይኮነን። እንርድኦ ዘሎና ንሕና ስለ ዘይንርድኦ ግን ሥላሴ የለዉን ማለት አይኮነን አምላኽ ብዝተፈላለየ ገሊጹልና እዩ።
ቅዱስ አጎስጢኖስ ሓደ ካብቶም ብዛዕባ ምስጢረ ስላሴ ብዝያዳ ክርዳእ ዝጸዓረ ሰብ እዩ፥ ሓደ እዋን አብ ገምገም ባሕሪ ኮይኑ ብዛዕባ ምስጢረ ስላሴ ክሓስብ እንከሎ ሓደ ቆልዓ አብቲ ገምገም ባሕሪ ንእሽቶ ጉድጓድ ኩዒቱ ካብቲ ባሕሪ ብታኒካ እናቐድሐ ክወስድ ርእይዎ እሞ እንታይ ትገብር አሎኻ ኢልዎ ወዮ ቆልዓ ነዚ ምሉእ ባሕሪ አብዛ ንእሽቶይ ጉድጓድ ከእትዎ እጽዕር አሎኹ ኢልዎ፥ አጎስጢኖስ ከመይ ኢሉ ክኸውን ዘይክአል እዩ ኢልዎ፥ እቲ ቆልዓ ንስኻ እኳ ንምስጢረ ስላሴ አብዛ ንእሽቶይ አእምሮኻ ክተእትዎ እትፍትን ዘሎኻ እዚ አነ ዝገብሮ ዘሎኹ ይቐልል ኢልዎ ተሰወረ ይብሃል።
ብርግጽ ከምኡ እዩ ዓቕምና ምስ ምስጢረ ሥላሴ ክንርእዮ ከሎና። ሎሚ ዕሞቕ ምስጢረ ሥላሴ ክንርዳእ ዘይኮነ ብዓልና ደቂ ሥላሴ ምዃና ዘኪርና አብ መበቆል ባህርና ዝኾኑ ሥላሴ ክንምለስ ምእንቲ እዩ።
አብ ንባባትና እንተ ርኤና ናይ ሥላሴ ግልጸት ብሓይለ መንፈስ ቅዱስ አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና የዘኻኽሩና። አምላኽ አብቶም ክቐርብዎን ክሰምዕዎን ዝደልዩ ክመጽእ ድላዩ እዩ። አብ ዘፀአት ዘሎ እንተ አንበብና ሙሴ ነቲ ህዝቢ ከምዚ እናበለ ሓቲትዎ “ካብ ሓደ ጫፍ ክሳብ እቲ ካልእ ጭፍ ሰማይ ሕተት . . . . ድምጺ እግዚአብሔር ዝሰምዐ ህዝቢ አሎዶ? . . . . ካብ አምላኽቲ ንህዝቢ ንርእሲ ክወስድ አብ ዘየረጋግጽ ውሳኔ ዝአቱ አሎ ድዩ” ብዛዕባ ናይ አምላኽ ውሳኔን ፍቕርን አብ ልዕሊ ህዝቡ ገሊጹ።
ሙሴ አብ መግለጺኡ አምላኽ ካብ ርሑቕ ምዃን ወይ ዘይግደስ ካብ ምዃን ወይ እውን ብሓሳብ ጥራሕ ዝፍለጥ ካብ ምዃን ህልውን ሕያው አምላኽ ኮይኑ አብ ጉዳይ ደቂ ሰባት ከም ዝዋሳእ ገሩ ነጊርዎም። ሙሴ እቲ ህዝቢ ብአውንታ ከምዘይምልሱሉ ይፈልጥ ነሩ እዩ ምኽንያቱ ብዘመኑ ዝነበረ ርድኢት አማልኽቲ ካብ ሰብ ርሒቖም አብ ፍሉይ ዝኾነ ቦታ ከምዝነብሩ ብሓሳብ እምበር ብቐረባ አብ መንጎ ህዝቢ ዘይነብሩ አብ ዓለም ደቂ ሰባት ዘይአትዉ ምዃኑ ርድኢቶም ይፈልጥ ነሩ። አምላኽ እስራኤል ግን ከምኡ አይኮነን ምስ ህዝቡ ዝነብር ዘፍቅር ከምኡ ኩሉ ጊዜ አብ ጊዜ ሕማቕን ጽቡቕን ጊዜ ምስኦም ዝነብር እዩ። እዚ ንአምላኽ እስራኤል ፍሉይ ይገብሮ። አምላኽ ሓደ ጊዜ ምስ አፍቀረ ዘይክሕድ እዩ።
አምላኽ ምስጢሩን ፍቕሩን ብኢየሱስ ገሩ ገሊጽልና። አብ ትስብእቲ ኢየሱስ ናይ እቲ ዘይርአ አምላኽ ድምጺ ንሰምዕ ልዕሊ እዚ ኸአ አምላኽ አብ መንጎና ሓዲሩ አብ ዓለምና አትዩ ባህሪ ሰብ ለቢሱ እዚ ኸአ ንአና ምእንቲ ክቕድስ እሞ ናቱ መታን ክገብረና፥ ደቁ ክገብረና ውሉድ አምላኽ ክገብረና።
ሥላሴ አብ ኩሉ ስራሕ ቤተ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ዝግለጹልና ነቲ አብ አምላኽ ሙሴ ዝተገልጸ ሕያውን ኩሉ ጊዜ ብቐጻሊ አብ መንጎ ህዝቡ ዘሎ አምላኽ እምበር ሕቡእን አብ ርሑቕ ዝነብርን ካብ ህዝቡ ተፈልዩ ዝነብር ከምዘይ ኮነ ንአምን። ርድኢትና አፍልጦናን ብዛዕባ ምስጢር አምላኽ ከም ሥላሴ ዝገልጾ አምላኽ ምሳና ከምዝኾነ አብ መንጎና ሕያው ኮይኑ ከምዝነብር እሞ ኩሉ ጊዜ ምሳና ርክብ ከምዘለዎ እዩ ዝገልጽ።
ዓምዲ እምነትና አብ ቅድስቲ ሥላሴ ዝሕብሮ አምላኽ ካባና ርሑቕ ከምዘይኮነ ብሓቂ ምሳና ከምዘሎ ኩሉ ጊዜ ምሳና ርክብ ክህልዎ ከም ዝደሊ ብኡ አቢሉ ምስ ነፍሲ ወከፍና ርክብ ክገብር ከምዝደሊ እዩ ዝገልጸልና። ካልእ ምስጢረ ሥላሴ ዝገልጸልና ብዛዕባ ትስብእቲ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ አምላኽ እዩ፥ ኩሉ ብዓሚቕ ምስጢር ብዛዕባ አምላኽ ክንፈልጦ እንደሊ አብ ኢየሱስ ብምጥማት ክንፈልጦ ንኽእል። ካልእ ካብ ሥላሴ እንፈልጦ ወይ ዝግለጸልና መንፈስ ቅዱስ ሕያውን አብ መንጎና አብ ቤተ ክርስትያኑ አብዚ እዋን ከይተረፈ ቀጻሊ መምህርናን መጸናንዒናን፥ ኩሉ ጊዜ አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ዘሎን ዝዓይን ከም ዝኾነ ዝገልጹልና ምዃኖም እዩ።
ንምሉእ ሕይወትና ትምህርቲ ዝኾነና እንተሎ ቅድስት ሥላሴ አብ ኩሉ ታሪኽ ደቂ ሰብ አብ መንጎና ምሳና ርክብ ክገብሩ ከምዝደልዩ እዩ። ብምልኡ ታሪኽ ድሕነት ነዚ እዩ ዝገልጽ። ካብ ጊዜ ሙሴ ናይ ዕብራውያን ካብ ግብጺ ምውጻእ ክሳብ ኢየሱስ አብ መንጎና መጺኡ ምሳና ዝተጓዕዘሉ፥ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ድሕሪ ብዓል ጰራቅሊጦስ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ኩሉ ዝገልጾ ናይ አምላኽ አብ መንጎ ደቂ ሰብ ኮይኑ ከምዝነብር ምርዳእ እዩ። ኩሉ ጊዜ ብዝተፈላለየ መገዲ ንሱ አብ መንጎና ከምዘሎ ይገልጸልና።
አምላኽ ምሳና ርክብ ምስ ፈጠረ ንኡስ ስዒብና አብ መንጎና ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ርክብ ክንምህዝ ይደልየና። ከምቲ ንሱ ብኢየሱስ ክርስቶስ ገሩ ንኹሉ ኃጢአትና ዝሓደገልና ንሕና እውን ነነድሕድና ክንምሓሓር ይምህረና። አምላኽ ኩሉ እንታይነትና አብ አምላኽ አብ ሥላሴ ክንገብር ከምቲ ንሱ ብቐጻሊ አብ ሕይወትና ዝአቱ አብ ሕይወት ሥላሴ ክንአቱ ይዕድመና። እዚ ዕድመ ግን እንተ ጥዓመና እንቕበሎ እንተ ዘይጠዓመና እንሓድጎ ዘይኮነ ክንቕበሎ ክንሰምኦ ክነብሮ ዝሓትት ዕድመ እዩ። ነዚ ዕድመ ክንቅበል እንተ ዘይክአልና ሕይወት የብልናን አብ ጸልማት ንነብር አሎና።
ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ካብ ሰማያዊ አቦ ዝመጸና ንኢየሱስ ንረክብ፥ ምስጢራት ቤተ ክርስትያን ክነብዕል ከሎና ነቲ አምላኽ ዝህቦ ጸጋ እናአብዕልና አብ ሕይወትና ብቐጻሊ ክገብሮ ዝደሊ ንገልጽ። ነፍስወከፍና መጋበሪ ምስጢር አምላኽ ንኸውን። ነፍሲወከፍና መረጋገጽን አብነትን አምላኽ አብ ዓለም ንኸውን። ንአና ዝረአየ ንአምላኽ ይርኢ።
ምስጢር አምላኽ ምስጢር ቅድስት ሥላሴ ክነብሮ ዘሎና ምስጢር እምበር ክንርድኦ ክንፈልጦ አይኮነን። እዚ አብ መዝሙራት ዳዊትን አብ ካልእ ጽሑፋትን ዝተዘመረን ምስጢር እዩ። እዚ ምስጢር አምላኽ አብ ዕምቆት ሕይወት፥ አብ ሓዲስን አረጊትን ሕይወት፥ አብ ምልውዋጥ ወቕትታት ከምኡ ቀስ ኢሉን በብደረጃ አብ ሕይወትና ብዝመጽእ አብ ምውላድናን አብ ሞትናን ክንርእዮ ንኽእል።
አምላኽ ካብኡ ርሒቕና ክነብር አይደልን እዩ። ኩሉ ጊዜ አብ ልብና ተመሊስና አብ ቤት አቦና ክንምለስ ብዝተፈላለየ መገዲ ይዕድመና። ንዕድመ አምላኽ ክነኽብር ሎሚ ዓቢ ዕድል ቀሪቡና አሎ። ስላሴ አብ መንጎና ሓዲሮም ደቆም ክንከውን ኩልና ልብሰ ንስሓ ለቢስና ንአረጊት ጠባያትናን አተሓሳስባና ሓዲግና ሓደ አተሓሳስባ ክህልወና እሞ ደቂ ሥላሴ ኮና አብ ምሉእ ተሓድሶን ፍቕርን ክንረብ ንሕተት አሎና።
አቦና አዳምን አደና ሔዋንን ካብ አምላኽ ምስ ረሓቑ ኦ አዳም አበሎኻ ኦ ሔዋን አበሎኺ እናበለ ዝሓተተ ዝደለየ አምላኽ ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና በስማትና እናጸውዐ አበሎኻ አበሎኺ እናበለ ይሓትት አሎ። መልሲ ክንህብ ኩነታትና ክንፈልጥ አሎና። አዳምን ሔዋንን አብዚ ግብርና አሕፊሩና ተሓቢእና አሎና እዮም ኢሎም። ግብሮም እቲ ዘጥፍእዎ እቲ ዝወረዶም ኩሉ ፈሊጦም አብ መገዲ ንስሓ ገጾም ይጥምቱ ነሮም። ዝዓበየ ጸጋ ናይ ሓደ ተነሳሒ ኃጢአቱ ክፍአቱ ክርኢ እንተ ኸአለ እዩ። ሎሚ እሞ አነን ንስኹምን ከመሎና ካብ አምላኽ ርሒቕናዶ ቀሪብና ኢና ዘሎና ንርእስና ንሕተት። ጠፊእና ተኸዊልና እንተሎና ክንምለስ ዕለቱ እዩ። ሥላሴ ብሂግና ዝፈጠርናዮ ውሉድና ተጎዲኡና ይብሉ ከይህልዉ ሕልናና ንሕተት።
አምላኽ ምሳና ክኸውን አብ መንጎና ክሓድር እዩ ድላዩ። አብ ልብና ቦታ ንሃቦ አብ ሓዳርና ቦትኡ ንሃቦ አብ ኩሉ ርክባትና ቦትኡ ንሃቦ። ዓለም ሰይጣን ስዒሮምና ጠፊእና ካብ ቤት አቦና ወጺእና ከይንህሉ ንርእስና ንርአ።
ኦ ቅድስት ሥላሴ ነቲ ብአምሳልን አርአያኹምን ዝፈጠርክምዎ ሕይወተይ መልክዑ ቀይረ ከይህሉ እፈርሕ አሎኹ ሎሚ ከም ቀዳሞት ወለደይ ኃጢአተይን ድኽመተይን አለልየ አባኹም ክምለስ ተቐበሉኒ ኢልና ብልቢ ንለምን። መሓሪ አምላኽ ንስሓናን ኃጢአትናን ተቐቢሉ ዕርቂ ሰማይን ምድርን የውርደልና ብሩኽ ብዓል።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.