2014-07-19 11:09:03

ሰንበት ዘጊሜ 2006 ዓ.ም. ሓምለ 13 2006ዓ.ም. (07/20/2014)


RealAudioMP3 እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ!
መዝሙር፡ “ክርስቶስ ንጉሥ እዩ መሓሪ እዩ፥ ንዘራኢ ዘርኢ ይህቦ ንእኽሊ ንመግቢ የብቅዖ፥ ንመስኪን ካብ ምድሪ የተንሥኦ፥ ንሥልጣኑ ሓደኳ አይምንዝዖን፥ ንጻድቃኑ ታሕጓስ ይእዝዘሎም፥ ሰንበት ንዕረፍት ሰርዐ፥ ገባር ሕይወት አብ ዓዓመት ክረምቲ ዝኸፍት እዩ”።
ንባባት፡ ሮሜ 8:26-27፥ ያዕ 3፡13~ፍ፥ ግ.ሓ. 27፡18~26፥ ማቴ 13:24-43
ምስባክ፡ ሐወጽካ ለምድር ወአርወይካ፥ ወአብዛህካ ለብዕላ፥ ፈለገ እግዚአብሔር ምሉዕ ማያት። “ንምድሪ በጻሕካያን አርወኻያን፥ ሃብታ ኸአ አብዛሕካዮ፥ ፈለግ እግዚአብሔር ማይ ዝመልአ እዩ” መዝ. 65፡9።
እዋንት ክራማት ስለ ዘሎና ናይ ሎሚ ሰንበት ዘጊሜ ተባሂሉ ይፍለጥ ወንጌልና መቐጸልታ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት እዩ። ብዛዕባ መንስተ ሰማይ ይዛረብ። ማቴዎስ መንግስቲ አምላኽ አይብልን እዩ ምኽንያቱ ወንጌሉ አብቶም አይሁድ ዝነበሩ ክርስትያን ስለ ዝጸሓፎ። ካብ ክብሪ ዝተላዕለ አብ ባህሊ አይሁድ ስም አምላኽ ብቐጥታ አይጽውዑን እዮም። “መንግስተ ሰማይ” ዝብል ካልእ አጸዋዓ “እግዚአብሔር (አምላኽ)” እዩ ዘስምዕ። ማቴዎስ ካልእ አገባብ እውን ይጥቀም ንአብነት ብቐጥታ አምላኽ ክንዲ ዝብል ከምዚ ይብል “ኃጢአቶም ንዝሓድግክምሎም ክሕደገሎም እዩ” (ብአምላኽ ማለት እዩ) “መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም” (ብአምላኽ ማለት እዩ) ማርቆስን ካልኦትን ንአብነት ናብ አይሁድ ዘይኮኑ ስለ ዝጽሕፍዎ መንግስቲ አምላኽ ኢሎም ክጽሕፉ አይጽግሞምን። ካልእ ክነስተውዕለሉ ዘሎና መንግስተ ሰማይ ዝብል ዘይ ናቱ ትርጉም ክንህቦ ይክአል እዩ ማለት ድሕሪ ሞት ዘሎ ወይ ካልእ ዓለም ብዘይክ እዚ እንነብሮ ዘሎና ዓለም ከስምዕ ይኽእል እዩ እንተ ኾነ አብዚ መንስተ ሰማይ ክብል እንከሎ ነዚ እንነብሮ ዓለም ሕጂ ዘሎናዮ እዩ ዘስምዕ።
እምብአር ኢየሱስ ከምኡ አብ ወንጌል ዘሎ ብንጹር ክንርእዮ እንተ ኸአልና ነዚ ሕጂ እንነብሮ ዘሎና ዓለም እዩ ዘስምዕ። መንግስቲ ዝብል ዘመልክቶ ነቲ ዘስተምሃረና ጸሎት መዓልታዊ ንጽልዮ ኢና። “ፍቓድካ አብ ሰማይ ከምዝኾነ ከማኡ አብ ምድሪ ይኹን” እናበልና ንጽሊ። እዚ ክዉን ዝኸውን ከአ ንሕና ፍቓደኛታት ኮና ምስ ኢየሱስ ምስ እንተሓባበር፥ ብሓባር ምስ እንሰርሕ ጥራሕ እዩ።
ባህሪ ናይ እቲ መንግስቲ፡
“መንግስቲ” ዝብል አብ ወንጌል ንቦታ ወይ አብዚ ወይ አብቲ ንዘሎ አየስምዕን እዩ። ብቋንቋ ግሪክ “ባዚሊያ” (basileia) ዝብል ዝበለጸ ትርጉሙ “ንግስነት” (Kingship) “ግዝአት” (reign) ወይ “ስርዓት ሕጊ” (rule) ዝብል እዩ። አብ ገለ ትርጉማት “ንግስነት አምላኽ” (Reign of God) ዝብል ንርኢ። ብቀዳምነት እቲ መንግስቲ ኩነታት እዩ አብ መንጎ ዘሎ ርክባት፥ ኩነታት ናይ አምላኽ ጸጋታት ወይ ህያባት ዝግለጸሉ። ናይ አምላኽ ህያባት ወይ ጸጋተት (values) እንብሎም እንታይ እዮም? አብ ግብሪ ክንርእዮም እንከለና እቶም ናይ ሰብ ቀንዲ ነገራትን (human values) ብመንጽር ሕይወት ኢየሱስ ዝተራእዩ፥ ኢየሱስ ንባዕሉ ግልጸት አምላኽ ብመልክዕ ሰብ ንአና እዩ። እዞም ነገራት (values) ሓቂ ፍቕሪ፥ ሓልዮት፥ ርትዒ፥ መንፈስ ምትሕብባር ምስ ኩሎም ሰባት፥ ቅዱስ ርድኢት ናይ ሰብ ምዕባይን ምምዕባልን የጠቓልል። እዚ ክንብል ከሎና እዞም ዝተጠቕሱ ኩሎም ብመንጽር አምላኽ እቲ ቀንዲ ምንጮም ክርአዩ አልኦም። ከምኡን ምስኡን እንተ ኾና ኢና ነዚ ነገራት ክነብሮ እንኽእል። እዚ ነገራት ምስን ብኢየሱስን መራኸቢና ምስኡ እዮም።
ሰባት ብግልን ብሓባርን ነዞም ነገራት ክነብርዎም እንተ ፈተኑ ምስ ኢየሱስ አብ መንግስቲ አምላኽ ይነብሩ። ኩላትና ክንርእዮ እንደሊ አብ ግዝአት አምላኽ ሓቢሮም ሓዲስ ዓለም ክምህዙ ይተሓባበሩ። እዚ አብዚ እንነብሮ ዓለም ዝበለጸ ነገር እዩ። እዚ መሰረታዊ መጸዋዕታ ቤተ ክርስትያን ብኡ አቢሉ ኸአ ናይ ሓንቲ ቍምስናን ናይ ኩሉም አባላት ማሕበርን እዩ። አብዚ ክነስተውዕሎም ፈላሊና ክንርእዮ ዘሎና እቲ መንግስትን ቤተ ክርስትያንን ክልተ ማዕረ ዝርአዩ ከምዘይኮኑ እዩ። እቲ ንግስነት ካብ ቤተ ክርስትያን ይገፍሕን ይዓብን። አብዚ ብዙሓት ብርግጽ ንክርስቶስ ዘይፈልጥዎ ክህልዉ ይክአል እዩ ግን እቲ ቅኑዕ መንገዲ ተኸቲሎም ንናይ እቲ መንግስትን ንኩሎም ቅኑዓት ነገራት አብ ሕይወቶም ዝነብሩ ክህልዉ ይክአል። ንአብነት ማህተማ ጋንዲ ወይ ዳላይ ላማ ከም አብነት ክንወስዶም ንኽእል። ብኻልእ አዘራርባ ኸአ ንሕና ስለ ዝተጠመቕናን ኣባላት ቤተ ክርስትያን ስለ ዝኾና አብ ትሕቲ እቲ መንግስቲ አምላኽ ኢና ክንብል አይንኽእልን ኢና፥ ኣባላት ወይ ክፍሊ እቲ መንግስቲ አምላኽ ክከውን አብ መዓልታዊ ሕይወትና ብመንጽር እቲ መንግስቲ ክነብር አሎና።
ክርዳድን ስርናይን፡
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ሰለስተ ምሳሌታት ብዛዕባ መንግስተ ሰማይ አብ መንጎና ከመይ ኢሉ ከምዝዓዪ ይነግረና። መጀመርያ ምሳሌ ክርዳድን ስርናይን እዩ። መንግስቲ አምላኽ ዝሓቶ ንዝለዓለን ደረት ዘይብሉ ሕያውነት ክሰርሑ ይሓትት። ከምኡ ዝልዓለ ትዕግስቲ ወይ ምጻር አብ መንግስቲ አምላኽ አብ ግብሪ ከምዝርአ ምግባር። ሕብረተ ሰብ አብ መንግስቲ አምላኽ ክምለስ ቀስ ብቐስ ዝብጻሕ ጉዳይ እዩ። ሰባት ንአምላኽ ወይ እውን ንጽቡቕ ሕይወት ቀዳምነት ሂቦም ክነብሩ ምስ ጀመሩ ምስኡ ዝመጽእ ፈተና ወይ ጸገም አሎ ንርእስኻ ምሩጽ ወይ ሕሩይ ካብ ካልኦት ገርካ ምርአይ። ከም ክርስትያን አብ ገለ እዋን ካብ ካልኦት ዝበለጽና ወይ ዝሓሽና ገርና ንርኢ፥ እምነትና ካብ ናይ ካልኦት እምነት ዝበለጸ ገርና ንሓስብ፥ ከም ካቶሊካውያን ብዙሓት ካባና ዝተፈልዩ ክንሓስብ እንከሎና ከም ከኒሻ፥ ጰንጠ፥ አንግልካንስ . . . ወላ እውን አብ መንጎ ካቶሊካውያን ተሓድሶ፥ ሰራዊት ማርያም፥ ቅዱስ መጽሓፍ ዘጽንዑ ጋንታ፥ ማሕበር ሰላም. . . ዝአመሰሉ ካብ ካልኦት ዝሓሹ ገሮም ዝሓስቡ አለዉ።
አብ ዕለታዊ ሕይወትና እንተ ረአና ብዙሕ ነገራት ስለ ዘይንቕበሎ ወይ ስለ ዘይንፈትዎ ንፈርድ ሽዑ ካብ ካልኦት ዝፈልየና ነገራት ጥራሕ ንሓስብ እዚ ግን ካብ አምላኽን ካብ ማሕበርን የውጽአና።
ብሓባር ምንባር የድሊ።
ናይ ሎሚ ምሳሌታት ኩልና በብዘሎና ጠባይን ድኽመትን ብሓንሳብ ክነብር ከምዘሎና እዮም ዝሕብሩና። ብፍላይ እቶም አብ ትምህርቲ ክርስቶስን ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ጸኒዖም ሕይወቶም ዝመርሑ ምስቶም ካልኦት ብዝተፈላለየ መገዲ ምስኦም ዘይሓብሩ ሰሚሮም ክነብሩ አለዎም። እዚ ንክርስትያንን ዘይክርስትያንን ዝጥርንፍ እዩ። ቤተ ክርስትያን ኩሉ ጊዜ አብ ውሽጣ ኃጥአንን ጻድቃንን ዝሓዘለት እያ። ንርእስኻ ካብ ካልእ ጸብለል አቢልካ ምርአይ አብ ሓሶት ምንባር እዩ። ኢየሱስ ከምዝብለና ጥዑያት አይ ኮኑን ንሓኪም ዝደልዩ ኩሎም ኃጥአንን መኽፈልት ቀረጽን እውን ከምኡ አነን ንስኹምን ንደልዮ ኢና።
አብ ርእስና ተመሊስና እንተ ረአና ነፍስወከፍና ብስርናይን ክርዳድን ዝቖምና ኢና። አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ንመንግስቲ አምላኽ ዝበቅዕን ከምኡ ዝጻረርን አሎና። ቅ. ጳውሎስ ነዚ አብ ሕይወቱ አለልይዎ እዩ (ሮሜ 7፡21-25)። ስለዚ ምስ ዘሎና ድኽመት ርኢና ከመይ ኢልና ክንጸውር ከም እንኽእል ክንምሃር አሎና። አባና ዘሎ ድኽመትን ጌጋታትን ርኢና ክንክእል አሎና። አምላኽ ንጳውሎስ ከም ዝሓበሮ አብ ድኽመታቱ እዩ ግርማኡ ዝገልጸሉ። “ኃይለይ አብ ድኻም እዩ ዝግለጽ እሞ ጸጋይ ይአኽለካ በለኒ” (2ቆሮ 12፡9) ይብል። ምጽአት መንግስቲ አምላኽ እምብአር ብቀሊልን ብጥዑምን ጉዕዞ አይኮነን ዝመጽእ። አብ ተደጋጋማይ ተመክሮ ሕይወት ከም እንርእዮ እዚ ለውጢ አብ ግላውን ማሕበራውን ሕይወት ከምጽእ እንተ ኾይኑ ቀስ ኢሉ እዩ ዝመጽእ።
ብንእሽቶይ ነገር ምጅማር፡
አብተን ዝስዕባ ክልተ ምሳሌታት ክልተ ካልእ ነገራት መንግስቲ አምላኽ ንርኢ። ምሳሌ ዘርኢ አድሪ ስራሕ መንግስቲ አምላኽ ብንእሽቶይ ከምዝጅምር እዩ ዝሕብረና፥ እዚ ኸአ አብታ ብክርስቶስ ዝጀምረት ቤተ ክርስትያን ትኹን ወይ ከአ አብ ሓንቲ ሓዳስ ብናይ መንግስቲ አምላኽ ግልጸት እትጅምር ዘላ ዘስምዕ እዩ። ራእይ ብዛዕባ መንግስቲ አምላኽ በየን ከም ዝጽመጽአ ብዘየገድስ ኩሉ ጊዜ መሰረት ወይ መጀመሪ አለዎ፥ አብ ጉዕዞ ኸአገለን ዘይክሓድን ዕብየት ከርኢ እዩ። ከመይ ኢሉ እዩ እዚ ዝኸውን?
ምኽንያቱ ብዛዕባ መንግስቲ አምላኽ ዘሎና ርድኢት ጸቢብ ሃይማኖታዊ አረአእያ አይኮነን ዘሎና። ናይ ኩሎም ደቂ ሰብ ብዓሚቕ አረአእያ ተረዲእና ኢና እንርእዮ። ንቤተ ክርስትያን አብ መጀመርያ እዚ ርድኢት ቀሊል ብድሆ አይነበረን፥ እቶም ውሑዳት አባላታ አብ ኩሉ ተዘርጊሖም። ከቢድ ተጻብኦን ስደትን አብ ኩሉ ገጢምዎም ብዙሓት ጸላእቶም ካብ ገጽ ምድሪ ጨሪሶም ከጥፍእዎም ዝክአሎም ገሮም። እንተ ኾነ አብ መወዳእታ አመንቲ ክርስቶስ ንሓቂ ፍቕርን ርትዕን አብ ሕይወቶምን እምነቶምን ብግብሪ ከምዝርአ ገሮም። እቲ ዘገርም እዚ ኹሉ ተሓሊፉ እንከሎ ጌን እቶም ዘርኢ ክርዳት አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን አለዉ።
አብ ሳልሳይ ምስሌ ብዛዕባ መንግስቲ አምላኽ ከም ማይ ብሑቕ ይምስላ። ንእሽቶይ መባዅዕቲ ነቲ ዝዓበየ ብሑቕ የብኩዖ። አብ ብሑቕ እቲ መባኹዕቲ ካብኡ ፈሊኻ ክትርእዮ አይትኽእልን ኢኻ አብ ውሽጡ ምስኡ ኮይኑ እዩ ዘብክዖ፥ እዚ አምሳል ናይ ሓንቲ ማሕበር ክርስቶስ እዩ። አብ ማእከል ሕብረተሰብ ኮይና ንእምነታን ንትምህርቲ ክርስቶስን ከም መባኹዕቲ ኮይና ንዓለም ትቕይራ። እቲ ቤተ ክርስትያን እትገብሮ አብ ሕይወት ደቂ ሰባት ዓቢ ለውጥን ዕብየትን አምጺኡ። አብ ገለ እዋናት ነገራት ከምቲ እንደልዮ እንተ ዘይከዱ ወይ እውን አብ ዕብየትን ብዝሕን አመንቲ ጥራሕ አተኲርና እንተ ርአና ብዙሓት ነቲ ንሕና እንርእዮ ክርእዩ እንተ ዘይክአሉ ተስፋ ንቖርጽ ወይ እውን ነቲ እንገብሮ ንሓድጎ እዚ ግን እቲ ክርስቶስ ዘስተምሃሮ አይኮነን ኩሉ ጊዜ ምሳና አሎ።
አብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ምዛዕባ ምሳሌ መንግስተ ሰማይ እምብአር ሕጽር ብዝበለ ከምዚ ገርና ክንርእዮ ንኽእል፡

ክርስቶስ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና አብ ግራቱ ክንዓዪ ዝፈላልየና ነገራት ንድሕሪት ሓዲግና አብቲ ክነፍርየሉ እንኽእል ክነተኩር ይሓተና አሎ። ነቲ አምላኽ በብእዋኑ ዝህበና ጸጋ ተቐቢልና አብ ግራት አምላኽ ክንዓዪ ፍቓደኛታት ንኹን። ነዚ የብቅዓና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.