2014-07-15 13:52:15

ሰንበት ዘደመና 2006 ዓ.ም. ሓምለ 6 2006 ዓ.ም. (7/13/2014)


መዝሙር፡ ይሰጠዎ ወይሰምዖ ጸሎቶ ለኵሉ ዘሰአሎ እግዚአ ለሰንበት አምላክ ምሕረት. . . .. “ጎይታ ሰንበትን አምላኽ ምሕረትን አብ ዓዓመቱ ክረምቲ ይኸፍት ደመናታት ከአ ቃሉ ይሰምዑ ንኹሉ ዝለመኖ ይህቦ፥ ጸሎቱ ኸአ ይሰምዖ።
ንባባት፡ ሮሜ 8፡18-23፥ ፩ጴጥ 3፡1-7ፍ፥ ግ.ሓ. 14፡8-19፥ ማቴ 13፡1-23።
ምስባክ፡ አርውዮ ለትለሚሃ ወአስምሮ ለማዕረራ፥ ወበነጠብጣብከ ትበቁል ተፈሢሃ። “ንነግሕታታ ተስትዮ ንድንኵላታ ትምድምዶ፥ ብዝናም ተለምልማ፥ ንብቍላ ትባርኾ”። መዝ. 65፡10።
እዋናት ክረምቲ ብፍሉይ ምልክትን ቃላትን አብ አምላኽ ዘቕርበናን ክንሰምዖ ዕድል ዝህበና ነገራት እና ጠቐሰ ተኻፈልቲ ጸግኡ ክንከውን ይነግረና። ደመና አብ ቅዱስ መጽሓፍ ምልክት ህላዌ አምላኽ እዩ ዝገልጽ። ሙሴ አብ ደብረ ሲና ምስ አምላኽ ክዛረብ እንከሎ ደምና ነቲ እምባ ከሊልዎ ነሩ። እስራኤላውያን አብ ጉዕዞ ምድረ በዳ ደመና የጽልሎም ነበረ። ኤልሳዕ ምልክት ደመና ምስ ረአየ አምላኽ ንህዝቡ ከም ዝረድኦም ተረድአ፥ ኢየሱስ አብ ደብረ ታቦት ብደመና ተኸሊሉ ተራእየ። አብ ጊዜ ጥምቀቱ ካብ ደመና ቃል ተሰምዐ፥ አብ ዕርገቱ ደመና ካብኦም ፈልይዎ. . . ነዚ ክንሓስብ እንከሎና ደመና ንህላዌ አምላኽ ዘዘኻኽር እዩ። ምልክት ተስፋን ሕይወትን እዩ። ደመና ካብ ብርቱዕ ፀሓይ የጽልለና ዝናም ሂቡ ንጽምኢ አብ ምርዋይን ጠለትን ከም ዝቕየር ይገብር ስለዚ ደምና ምልክት ተሓድሶን ምልክት ሓዲስ ሕይወትን እዩ። ንመንፈሳዊ አስተንትኖና እምብአር ምስቲ ወቕታዊ ኩነታት አተሓሒዝና ክነዕምቖ እሞ አብ ዝበለጸ ርክብ ምስ አምላኽ ክንአቱ ዝሕግዘና ፍሉይ እዋን ኢና ዘሎና።
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ከም ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ብዛዕባ ዘርእን ዘራእን እዩ ዝዛረበና። ዝሓለፈ ሰንበት ካብ ወንጌል ሉቃስ 8 አንቢብና ሎሚ ኸአ ማቴዎስ አብ 13 ዘዘንትዎ ብዛዕባ ዘርእን ዘራእን ኢና ደጊምና ክንርኢ። ማቴዎስ ከም ሉቃስ ነቲ ምሳሌን ትርጉሙን ይነግረና። ነዚ ምሳሌ ሰሚዕና ክነፍሪ ክንቅየር ዝነግረና ፍሉይ ምሳሌ እዩ። እዚ ምሳሌ ንቀዳሞት ክርስትያን ነቲ ዝሰምዕዎ ቃል አምላኽ ከፍርዩሉ ጠቒምዎም እዩ። ምስማዕ ጥራሕ እኹል አይ ኮነን ንዘማዕካዮ አብ ግብርን አብ ፍረን አብጺሕካ ምኽአል የድሊ።
እዚ ናይ ማቴዎስ ወንጌል ምስቲ አብ ነቢይ ኢሳያስ 55፡10-11 ዘሎ ብብዙሕ ይመሳሰል። አብ ክልቲኡ አምላኽ ካብቲ ምሉእ ጸግኡ ምሳና ክካፈል ከም ዝደሊ ንርኢ፥ በቲ ንሕና እንገብሮ ተስፋ አይቆርጽን ኩሉ ጊዜ ጸግኡን በረከቱን ከየቋረጸ ይዕድለና፥ አብ ንስሓን ዕርቅን ኩሉ ጊዜ ይዕድመና፥ ክንምለሶ ልኡኻቱ ሰዲዱ ይነግረና። አብ ናይ ተፈጥሮ ነገራት እንተ ተዓዘብና አምላኽ ፈጣርን መጋብን ከምዝኾነ በቲ ናይ ዝናምን በረድን ምውራድ ተመሲሉ ንረኽቦ። “ዝናምን በረድን ካብ ሰማይ ይወርድ እሞ ንምድሪ የስትያ ከም እትበቍልን ከም እትፈርን ከአ ይገብራ፥ ዘርኢ ንዘራኢ ምግቢ ንተቐላቢ ከም እትህብ ከይገበራ ንድኅሪት አይምለስን”፥ ከምኡ ኸአ ኸአ ጸጋ አምላኽ ንአና አብኡ ከይመለሰ ደው አይብልን። አብቲ ናይ ወንጌል ምሳሌ እቲ ዘርኢ ብዙሕ ጊዜ አብ ጽቡቕ ዘይ ኮነ መሬት ይወድቕ ግን ገለ ኸአ አብ ጽቡቕ መረት ወዲቑ ከምቲ ዝግባእ ፈርዩ። ነዚ ብዝመሳሰል ኢሳያስ ከምዚ እናበለ ይገልጾ “እቲ ኻብ አፈይ ዚወጽእ ቃለይ ነቲ አነ ዝደልዮ ኼስልጥ አብቲ አነ ዝልእኮ ጕዳይ ኬቕንዕ እዩ ምበር ብኸንቱ ናባይ አይክምለስን እዩ” (ኢሳ 55፡11) ይብል።
እዚ ቃል ነቶም አብ ስብከተ ወንጌል ወፊሮም እሞ ቅልጡፍ ዓወት ዘይረኸቡ ግሉጽ መልእኽቲ እዩ፥ ቃል አምላኽ ክንዘርኦ ክነፍልጦ ክነብሮ ከሎና ካልኦት እንተ ረአዩና ከየፍረየ ከምዘይተርፍ ባዕሉ ነጊሩና አሎ። አብዚ ናይ ማቴ ወንጌል ዝተፈላለየ ምሳሌታት ገሩ ብዛዕባ መንግስቲ አምላኽ ይገልጸልና። አብ ኩሉ ምሳሌታት ብዝተፈላለየ መገዲ መንግስቲ አምላኽ ወላ እኳ ንእሽቶን ድኽም ዝበለ መልክዕ አብ መጀመርያ ይሃልዋ እምበር ከምቲ አብ ሓደ ግራት ተሓቢኡ ዘሎ ጸጋ ወይ ሃብቲ ወይ ክቡር አልማዝ እያ። ሓንሳብ ምስ ተረኽበት ወይ ምስ ተፈልጠት ንኹሉ ዘልኦም ሓዲጎም ክፍላን አባላታን ይኾኑ።
ቃል አምላኽ አበይ ንረኽቦ?
አብ ምሉእ ቅዱስ መጽሓፍ እንተ ረአና ቃል አምላኽ ንስለ ዘረባ ዝዝረብ ቃል ጥራሕ አይኮነን። ግብሪ ዝሓትት፥ ዝፈጥር፥ ሕይወት ዝህብ ቃል እዩ። ከምቲ ሕይወት ዝህብ ዘርኢ እዩ። አበይ እና ክንረኽቦ እንኽእል እዚ ቃል ኢልና እንተ ሓተትና፥ ሓቀኛ መልሱ ናይ ብሓቂ ድለት ሃልይና ብልቢ እንደልዮ እንተ ኾና አብ ኩሉ መዓልታዊ ሕይወትናን ተመክሮናን ብዘይ ምቁራጽ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። አብ ሓጎስ ዘልኦ ይኹን አብ ዘየሓጉስ አብ ዓወት ዘልኦ ይኹን ዓወት ዘይብሉ፥ አብ ስቓይ ዘልኦ ይኹን ደስታ ዘልኦ አብ ኩሉ መልእኽቲ ቃል አምላኽ ክንሰምዕ ንኽእል ኢና።
ብርግጽ ሓደ ርግጸኛን ፍሉይ ቦታን አሎ ቃል አምላኽ ብምልኡን ብንጹርን ክንረኽቦ እንኽእለሉ ንሱ ኽአ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ። ቅ. ዮውሓንስ ኢየሱስ ቃል አምላኽ እዩ ይብለና። ዝኾነ ኢየሱስ ዝብሎ፥ ኩሉ ኢየሱስ ዝገበሮ ብኡ አቢሉ አምላኽ ምሳና ዝተራኸበሉ እዩ። ዘስተምሃሮ ጥራሕ ዘይኮነ ምሉእ ሕይወቱ ካብቲ ሕቡእ ሕይወቱ አብ ናዝሬት አብ ኩሉ ስብከቱን አብ መወዳእታ ሞቱን ትንሣኤኡን አብ ኩሉ ኢየሱስ ቃል አምላኽ ነሩ አሎ ምእንታና ድሕሪ ሕጂ እውን ክህሉ እዩ።
አብ ሕማቕ መድሪ ወዲቑ፡
አብቲ ምሳሌ መብዝሕትኡ ካብቲ ቃል አብ ሕማቕ መሬት ወዲቍ። ብዙሓት ክሰምዕዎ ወይ ክቕበልዎ አብዮም፥ (አብ ወንጌል ብዙሕ ብዛዕባ ምስማዕ ምእባይን ዑረትን ይዛረብ)። ወላ እቶም ናይ ቀረባ አርድእቱ እውን አብ መጀመርያ እቲ ዝድለ መረት ከቕርቡ አይከአሉን። ሕይወት ኢየሱስን ተልእኮኡን ብዘሕዝን አገባብን ብዘጉሂ ክሳራን ዝውድእ ኮይኑ ተራእዩ ኩሉ ምስማዑን ምቕባሉን አብዩ። ግን ከምቲ አብ ዮሓ 12፡24 ዘሎ ‘ፍረ ስርናይ አብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት በይና እያ እትነብር፥ እንተ ሞተት ግና ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ ብሓቂ እብለኩም አሎዅ” ዝበሎ ቃል አምላኽ አብ ልቢ ኩላትና ሱር ክህልዎ ክሓልፎ ዘለዎ መገዲ ወይ አገባብ አለዎ። ከምቲ ንእሽቶይ ዘርኢ አድሪ፥ ከምቲ ንእሽቶይ መባኹዕቲ አብ ሓደ ብሑቕ ካብ ዝነአሰ አብ ዝዓበየ እሞ ዝርአ ለውጢ ዘምጽእ ከምኡ ኸአ፥ እቲ ዘርኢ፥ እቲ ቃል አምላኽ ክዓብን አብ ኩሉ ክበጽሕን ንኹሉ ዝጓነፍ ጸገማት ክሓልፍ አልኦ።
“እቲ ኻብ አፈይ ዚወጽእ ቃለይ ነቲ ነቲ አነ ዝደልዮ ኼስልጥ፥ አብቲ አነ ዝልእኮ ጕዳይ ኬቕንዕ እዩ እምበር ብኸንቱ ናባይ አይኪምለስን እዩ” (ኢሳ 55፡11) ዝበሎ ከምቲ ምስ ኢየሱስ ከምኡ ሎሚ ምሳና ክንዝክሮ ዘሎና መደብ አምላኽ ክባኽን ዘይኮነ መንግስቲ አምላኽ ክቐውም እዩ። እዝኒ ዘለዎ ኩሉ ክሰምዕ አለዎ።
ስለምንታይ ብምሳሌ ገሩ ይዛረቦም ነሩ?
ኢየሱስ አብዚ ምሳሌ አርድእቱ ስለምንታይ ብምሳሌ ከም ዝዛረብ ምስ ሓተትዎ አብ ዝህቦ መልሲ ንሱ ነቶም ናቱ ዝቕበልዎ አርድእቱ ጥራሕ ክርድእዎ እቶም ካልኦት እቶም ምስማዕ ዝአበይዎ ክነጽጎም ኢሉ ዘቕረቦ አይኮነን። አብዚ ምሳሌ ሓደ ድልድል መራኸቢ ብዝያዳ ክርድእዎ ኢሉ ዝመሃዞ እዩ። ካብ ኢሳያስ 42፡1920 ዘሎ እና ጠቐሰ “እና ረአዩ አይርእዩን እናሰምዑ እውን አየስተውዕሉን እዮም እሞ ስለዚ እየ ብምስላ ዝዛረቦም ዘሎኹ” ኢልዎም። ስለምንታይ ንኢየሱስ ምስማዕ አብዮሞ ስለምንታይ ሎሚ ሰባት ንቤተ ክርስትያን ንልኡኻት አምላኽ ምቕባል ይአብዩ አብ ዝብል ሕቶ ክንአቱ ይደፍአና ስለምንታይ ነገራት ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ዘይከውን? ሰባት ምስማዕ ምቕባል ዝአብዩ ደናቑር ኮይኖም አይኮኑን፥ ንኽፍአት ንኃጢአት ንኹሉ ንቓል አምላኽ ክሰምዑ ዝአብዩ ዘለዉ ስለ ዘይደለዩ ጥራሕ እዩ፥ ልቦም ንአምላኽ ክንዲ ዝኸፍቱ ንኻልእ ናይ አምላኽ ዘይ ኮነ ነገራት ቀዳምነት ሂቦም ስለ ዝነብሩ እዮም። ክርእዩ እንተ ዝኽእሉ፥ ክሰምዑ እንተ ዝኽእሉ እታ ቀዳመይቲ ነገር ምተነስሑ፥ መገዶም ቀልጢፎም ምቐየሩ፥ እንተ ኾነ እቲ መጨረሽታ ኽገብርዎ ዝደልዩ ነገር እንተሎ እዚ እዩ። ከም አበሃህላ ቅ. ማቴዎስ እዚ ብቐጥታ ነቶም ንቃል ኢየሱስ አብቲ እዋን ምስማዕ ዝአበዩ እዩ ዘስምዕ፥ እንተ ኾነ ንኹሎም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብፍርሒ ይኹን ብኽፍአት ብድንቁርና ይኹን ብአፍልጦ ንቃል አምላኽ ንልኡኻት አምላኽ ከይሰምዑ ኢሎም እዝኖም ዝዓጽው እውን የስምዕ እዩ።
ኢየሱስ ንርድእቱን ንኹሎም ንቃሉ ዝሰምዑ “አቱም አዕንቲኹም ዝርእያ አዛንኩም እውን ዝሰምዓ ብጹአት ኢኹም፥ ብዙሓት ነብያትን ቅድመኹም ዝነበሩ ነዚ ንስኹም እትርእይዎ ክርእዩ ተመነዩ ግን አይረአዩን ነዚ ንስኹም እትሰምዕዎ ክሰምዑ ሃረር በሉ አይሰምዑን ንስኻትኩም ግን ዕዉታት ኢኹም” ይብሎም። አብዚ እታ ቀንዲ ቃል “ምስማዕ” እትብል እያ። እዛ ምስማዕ እትብል አብ ቅ. መጽሓፍ ብተደጋጋሚ እትጥቀስ ቃል እያ፥ አብ ውሽጣ አርባዕተ ነገራት ከአ ክተስምዕ ትኽእል።

ሰባት ክሰምዑ ይኽእሉ እዮም ግን ብዘይምርዳእ፥ ገለ ኸአ ክርድእዎ ይኽእሉ እዮም ግን አይቅበልዎን አብ ግብሪ አየውዕልዎን። እዞም ዝጠቐስናዮም አርባዕተ ነገራት ንምስማዕ ብዝርኢ ንሓደ ክንሳሕ ክምለስን ክሓውን ዝደሊ ሰብ ቀንዲ አድለይቲ እዮም።
ዝተፈላለየ መልሲ፡
ነዛ ምሳሌ ብምቕጻል እንተ ተኸታተልናይ አብ ሳልሳይ ክፍሊ ትርጉምን ምትርጓምን ትወስደና፥ ንሱ ከአ ዝተፈላለየ አሰማምዓ ማለት ገለ ካብቲ ዘርኢ አብ መገዲ ይወድቕ። አብዚ እቲ ዘርኢ ሱር ክሰድድ ስለ ዘይክእል ሰባት ስለ ዝረግጽዎ ክዓቢ አይክእልን እዩ። እዚ አምሳል እቶም አእዛኖምን አዕንቶም ክቕበል ዘይክእሉ እዩ። አብ ግዕዞ ሕይወቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት እቲ አብ ልቦም ዝዝራእ ቃል አምላኽ ብኻልእ ተረጊጹ ይጠፍእ።
ገለ ካብቲ ዘርኢ ኸአ አብ ከውሒ ወዲቑ ይብለና እዚ እውን ሱር ሰዲዱ ክዓቢ ስለ ዘይከአለ ቀልጢፉ ሓሪሩ ይብለና። ፀሓይን ሃሩርን ስለ ዝበርትዖ ብታሕቲ ከውሒ ስለ ዝኾነ ሱር ክሰድድ ስለ ዘይከአለ ቀልጢፉ ሓሪሩ። እዚ አምሳል እቶም ክርስትያን ድሕሪ ጥምቀት ወይ ድሕሪ ሓደ መንፈሳዊ ትምህርቲ ወይ ሱባኤ፥ ቅዳሴ፥ ስብከት ቀልጢፎም አብ አምላኽ ክምለሱ ዝውስኑ እንተ ኾነ ንእሽቶይ ፈተናን ተጽዕኖን ምስ ገጠሞም መገዶም ዝቕይሩ እዩ ዘስምዕ። አብቶም ቀዳሞት ክርስትያን እዚ ነቶም ብዓቢ ምህንጣይን ድለትን ክርስያን ዝኾኑ እንተ ኾነ ስደትን ወርደትን ምስ መጽኦም ንክርስትና ዝሓደጉ እዩ ዘስምዕ።
አነ ሎሚ ነዚ ምሳሌ እንታይ ምኾነ መልሰይ?
ገለ ካብቲ ዘርኢ አብ ጽቡቕ መሬተ ወዲቑ እንተ ኾነ ምስ ዓበየ ጻህያይ በዚሕዎ ከምኡ ምስ ዓበየ አብ ትሕቲ ጽላል ስለ ዝነበረ ከምቲ ዝድለ ክፈሪ አይከአልን። እዚ ኸአ አምሳል እቶም ንክርስትያናዊ እምነቶም አብ መነባብርኦም አብ ዓለም ከም ኩነታቱ ክኸዱ ዝደልዩ እዮም። እና ክጥዕሞም ጥዑያት ክርስትያን ክኾኑ ይደልዩ እንተ ኾነ ኩሉ ጊዜ አብ ሰንኮፍ እዮም ውልዕ ጥፍእ እናበሉ ይነብሩ። እንተ ኾነ ክልተ ጎይቶት ክነገልግል አይክአልን እዩ። ንዓለምን አምላኽን ክነገልግል አይንኽእልን ኢና። ልብና አብ ክልተ ተመቒሉ ክነብር አይክአልን እዩ። ምናልባት ብዙሓት ካባና አብዚ ክፍሊ ኢና እንርከብ። በዚ ምኽንያት ኩሉ ስራሕ ቤተ ክርስትያን አብ ህንጸት መንግስቲ አምላኽ ዝሒሉ ከምቲ ዝድለ ክኸውን አይንርእዮን።
አብ መወዳእታ ገለ ካብቲ ዘርኢ አብ ጽቡቕ መሬት ወዲቑ ጽቡቕ ፍረ ሂቡ እዚ ኸአ አምሳል እቶም ንቃል አምላኽ ሰሚዖም ተረዲኦም አብ ግብሪ አብ ሕይወቶም ዘውዕልዎ እዩ። ኩልና አብዚ ክንርከብ እዩ እቲ ዝድለ። ብርግጽ አብ ጉዕዞ ሕይወትና ዝተፈላለየ ዘሰክፍን ዘፍርሕ ነገራት ንርኢ ንኸውን ኢና እንተ ኾነ እቲ ዘገድስ አነ ከም ግለሰብ ንቃል አምላኽ ከፍሪ እአቢ ከይህሉ ምስትውዓል የድልየኒ፥ ንአምላኽ ዘፍሪ ባይታ አብ ልበይ ከጠጥሕ ፍቓደኛ ዘይኮንኩ ከይከውን ሕልናይ ክርኢ የድልየኒ። መደብ አምላኽ ከምዘለዎ እንከሎ እንተ ረአናዮ ከምዝዕወት ንአምን ኢና እንተ ኾነ ናይ እቲ መደብ አባል ክኸውን አብ ናተይ ውሳኔ እዩ ዝምስረት። አነ ሕራይ ወይ እምቢ ወይ እውን አብዚ እዋን ስንድው አይ ኮንኩንኩን ክብል ናተይ ውሳኔ እዩ፥ እንተ ኾነ ከምቶም ኩሎም አብ ጊዜ ኢየሱስ ምስማዑ ዝአበዩ አነ ውን ከምኦም እቲ ኩሉ አብ አምላኽ ምስተመለስና እንረኽቦ ጸጋ አብየ ብዘይ ፍረን አብ አምላኽ ከይተመለስኩ እነብር ከይህሉ ርእሰይ ክርኢ የድልየኒ። አብ ጉዕዞ ሕይወተይ ነቲ ቃል አምላኽ አብ ሕይወተይ ዘምጽኦ ናይ ምሕዋይ ጸጋ ከምኡ ሓርነትን ነጻነትን ዘልብስ ዕድል አብየ አብ መገዲ ጸጋም ከይህሉ ምርአይ የድልየኒ።
ሎሚ እምብአር አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና አብቲ ንሱ ዝህበና ጻጋ አፍረይቲ ኮና ክንርከብ እሞ እቲ ዝድለ ምህርቲ ክንሓፍስ ከምዝደሊ ይነግረና አሎ። ክተፍሪ ጻዕሪ ጸሎት ትዕግስቲ ኩሉ የድሊ፥ ካብ ሰማይ ዝወረደ አይ ኮነን ናትና ክንጻወቶ ዘሎና ተራ አልኦ ስለዚ አብ ቅድሚ አምላኽ ቆምና ንልምኖ ከምቲ ዝሃብካኒ አፍራዪ ክኸውን ሕጂ እውን ሓግዘኒ ንበሎ ነዚ የኽእለና።
ብሩኽ ክራማት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.