2014-07-12 16:04:04

ዓመታዊ በዓል ቅዱስ በነዲክቶስ በዓል ኖርቻ


RealAudioMP3 ናይ ላቲን ስርዓት እትኸተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትማሊ ዕለት 10 ሓምለ 2014 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ናይ ኤውሮጳ ቅዱስ ሓላዊ ናይ ምስራቕ ገዳማውን ባሕታዊ ሕይወት መስራቲ ቅዱስ በነዲክቶስ በዓል ኖርቻ ከምዘኽበረት እንክምልከት በዚ ምኽንያት ናይ ኖርቻ ቤነዲክታውያን ገዳም ምኽትል ኣበ እምኔት ኣባ በነዴቶ ኒቫኮፍ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅዱስ በነዲክቶስ በዓል ኖርቻ ዓቢይን ፍሉጥን ቅዱስ እዩ፣ ብፍላይ ድማ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብዝሓረይዎ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስሞም ኣቢሎም ተፈላጥነት ቅዱስ በነዲክቶስ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ዓለም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ብፍላይ ድማ ኣብ ገዳማውያን ደቂ ማሕበር በነዲክታውያን ዳግም ክበራበር ገይሮም እዮም። ገዳማዊ ሕይወት በነዲክታውያን ኣብ ድልያ እግዚኣብሔር ዝጽመድን ኣብ ዕለታዊ ሕይወቱን ኣገልግሎቱን ደላዪ እግዚኣብሔር እዩ። እግዚኣብሔር ሓንሳብ ምስ ረኸብካዮ መመሊስካ ትደልዮ፣ ዘይጽንቀቕ ድላያ እዩ። ብዙሕ እዋን ብዓይኒ ዓለም ገዳማዊ ሕይወት ዝባኸነ ጊዜን ዘይጠቅም ዓይነት ሕይወት ተባሂሉ ክግለጽ ይስማዕ፣ ብዙሓት ድማ ዘድንቕዎን ዝማረኹን ነዚ ጸዋዕታ ንምንባር ካብ እግዚኣብሔር ጸጋ ጽዋዕታ ዝዕደሉ ኣለዉ። እቲ ከቢቡና ዘሎ ዓለም ይብሉ ኣባ ኒቫኮፍ ዕዳጋ ትዕቢትን ኣንነትን ንዓይነትን ብዅንነት ከንቱነትን ሕማቕ ዓመላትን ወልፍታት ኰይኑ ይሕሰብ ብዕምቆት እንከነስትውዕል ግን እቲ እንደልዮ ዝደልየና እግዚኣብሔር ዝሕብሩ መገድታት እውብ ዝተመልአ እዩ እዩ።
ቅዱስ በነዲክቶስ ድማ ነዚ ብገዳማዊ ሕይወት ኣቢሉ ዕለታዊ ሕይወትን ዕዮን ኩሉ ኣብ ድልያ እግዚኣብሔር ዘተኰረ ኰይኑ ክንበር ብቓልን ሕይወት ኣብነት እዩ።
ቅዱስ በነዲክቶስ ናይ ኤውሮጳ ባህሊ ክምስርት ዘይኰነስ ገዳማዊ ሕይወት ክነበር ዝደለየን ኣብዚ ሕይወት እግዚኣብሔር ጸዊዕዎ ውሁድን ጥዑም መፍነሳውን ሰብኣውን ቅንይት ዘለዎ ገዳማዊ ሕይወት ብምንባሩ ድማ ዝተማረኹ ኣብነቱ ስዒቦም ምስኡ ኣብ ዝሓረዮ ሕይወት ናይ ገዛእ ርእሶም ገዳማዊ ጸዋዕታ ንምንባር ተጸቢሮምን በዚ ድማ እቲ ሎሚ በነዲክታውያን እንብሎ ማሕበር ካብ ነዊሕ ዘመናት ቆይሙ ኣሎ። ሎሚ እውን እግዚኣብሔር ይመስገን ብጸዋዕታ ሃብታም እዩ ኢሎም።
ገዳማውን ባሕታውን መናንያን እቲ ብሉጽ ዓለም እትርእየሉ መስኰት እዩ። እዚ ድማ ብቓልን ሕይወትን ብፍላይ ድማ ብዝስዋዕ ፍቕሪ እትምስክሮ ሕይወት እዩ። ሰብኣዊ ዘርእይ መስኰት ክበሃል እንከሎ ኣብ ሰብ ዘሎ ኣብቲ በርኣያን ኣምሳልን ዝተፈጥረ ሰብ ዘሎ እግዚኣብሔር ዘርእይ እዩ ነዚ እግዚኣብሔር ከተናድይ ኩሉ ሓዲግካ ንዓኡ ምስዓብ ጸጋ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.