2014-07-12 16:01:53

ብፁዕ ካርዲናል ቨሊዮ፦ ሰብን ማሕበረሰብን ዘኽብር ናይ በጻሒ መስህብ ባህሊ


RealAudioMP3 “መስህብ በጻሕን ማሕበረሰብኣዊ ምዕባለን” ብዝብል መርሕ ቃል ዕለት 27 መስከረም 2014 ዓ.ም. ዝኽበር ዓመታዊ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መስህብ በጻሒ ምኽንያት ናይ ስደተይናታትን ተጓዓዝትን ገያሾን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምስቲ በጻሒ ዘእንግድ ሃገርን ማሕበረሰብን ስምምዕ ዘለዎ ውሁድ ናይ ሓባር ምዕባለ ንምቅቓሕ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ከምዘመሓላለፈ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ ስደተይናታትን ተጓዓዝትን ገያሾን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ ክታን ዝተነብሮ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ማሕበረሰብኣዊ ምዕባለ ምስቲ ምሉእነት ሰብኣዊ ምዕባለ ዝተኣሳሰረ ኽከውን ከምዘለዎን እዚ ድማ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዓንቀጸ እምነት ዘዘኻኽሮ መሰረታዊ ሓሳብ ምኻኑን ካብታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ Popolorum Progressio-ሕዝባዊ ምዕባለ” እተሰምየት ሓዋርያዊ ምዕዳን ብምብጋስ ናይ በጻሕቲ መስህብ ንገዛእ ርእሱ ናይ መስህብ ባህሊ ኣብቲ ሸቶ ዝዀነ መሰረታዊ ሓሳብ፣ ማሕበረሰብኣዊ ምዕባለ ምስቲ ምሉእነት ሰብኣዊ ምዕባለ ምትእስሳር ኣብ ዝብል ሸቶ ኤኮኖምን ማሕበራውን ስነ ምሕዳራውን ከባብን ብምኽባር ንምብጻሕ ከተኵር ከምዘለዎን ከምኡ እውን ናይተን በጻሕቲ ዘእንግዳ ሃገራት ሕዝቢ ተፈጥሮኣውን ባህላውን ቅርስታቱን ሃብትታቱን ታሪኹን ብምፍላጥን ሓበን ብዝስምዖ መንፈስን ብምኽባር ትርጉሙን ክብሩን ብምዕቃብ ምስ በጻሕቲ ብምልላይን ታሪኹን ባህሉን ሃብቱን ክፍለጥ እናገበረ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ናይ ምትሕልላፍ ሓላፊነት ከምዘለዎ ኣብቲ መልእኽቲ ተመልኪቱ ከምዘሎ መግለጺ ቅድስት መንበር ሓቢሩ።
ምስህብ በጻሕቲ ንናይ ኤኮኖሚ ምዕባለ ኣንቀሳቓሲ ስለ ዝኾነ፣ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ካብ ጠቅላላ ምጣነ ሃብቲ ካብ 3 ክሳብ 5 ሚእታውን ካብ ጠቕላላ ናይ ስራሕ ዕድል ድማ ካብ 7 ክሳብ 8 ሚእታዊ ዝሽፍንን ከምኡ እውን ካብ ጠቕላላ ኣቕርቦ ምሕርቲ ድማ 30 ሚእታዊ ዝሽንፍ ከምዝዀነ እቲ ናይ ስደተይናታትን ተጓዓዝትን ገያሽን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መልእኽቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ጠቂሱ ኵሉ ክፍሊ ዓለም ንመስህብ በጻሕቲ ዑቑር ሓይሊ ብምዃኑ ድማ ነዚ ናይ በጻሕቲ ምስህብ ባህሊ ብምክንኻንን ብምምዕባልን ድኽነት ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዘለዎ ዓቢይ ግደ ምጥቃም የድሊ። ከምዚ ምስ ዝኸውን ድማ ንናይ ምዕባለን ናይ ስራሕ ዕድልን ንምፍጣርን ትሕተ ቅርጽታት ንምምዕባልን ንናይ ኤኮኖሚ ምዕባለ እውን መጋበርያ ምዃኑ ከምዘረጋገጾ ኣብቲ መልእኽቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ተመልኪቱ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግልጺ ሓቢሩ።
ብፁዕ ካርዲናል ቨሊዮ ኣብቲ መልእኽቲ ሓዋያዊ ምዕዳን፦ “ናይ በጻሕቲ መስህብ ዕዮ ሓደ ፍልዩ ዝኾነ ናይ ምህዞ ብቕዓትን ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ዘይምቹእ ኩነት ዝርከብ ክፍሊ ሕብረተስብ ናብራኡ ንኸመሓይሽ ዘኽእሎ ዕድል ንምፍጣር ተኽእሎ ኣለዎ” ከምዝበሉን እቲ ናይ በጻሕቲ ስነ መስህብ መዳይ ዘርክቦ ሃብቲ ኤኮኖምን ምኽሰብን ብስነ ምግባራዊ መምዘንታት ዝምራሕን ሰብኣዊነት ዘኽብርን ኤኮኖሚያዊነት ጥራሕ ዝብል ኣምር መሰረት ዝተኣታተው ስሱዕ መኽሰብ ብምውጋድ ካብ ናይ ማሕበራዊ ፍትሒ መምዘንታት ወጻኢ ከይኸውን ምጥንቃቕ ከምዝድሊ እቲ መልእኽቲ ኣተሓሳሲቡ ኰስኳስነት ብፍላይ ድማ ንናይ ማሕበራውን ማሕብረሰብኣውን ምዕባለ ዘተኰረን ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ምቅብባልን ኣብ መንጐ ናይ መንግስትን ናይ ግልን ትካላት ምትሕብባር ክህሉን ማሕበራውነትን ማሕበራዊ ውዳቤ ንምንቕቓሕን ንናይ ማሕበራዊ ኩነት ማሕበረሰብ ብሉጽ ምምሕያሽ ክህልዎ ብዘብቅዕ ከይዲ ክምራሕ ኣለዎ ከምዝበሉ ኣመልኪቱ።
እቲ ናይ ስደተይናታትን ተጓዓዝትን በጻሕትን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መልእኽቲ ኣስዒቡ በዚ መሰረት ድማ ናይ ስነ መስህብ ባህሊ ማሕበረሰብ ዞባታት ቀንዲ ተዋሳኢ ክኸውን ከምዝድግፎን ስለዚህ ናይ ስነ መስህብ ባህሊ ዘለዎ ዕቑር ሓይሊ ኣብ ግምት ብምእታው ንማሕበረሰብ ረብሓ ጥራሕ ዘይኰነስ ንማሕበረሰብ ረብሓ ምስ ማሕበረሰብ ዝኽወን ብምዃኑ ዘተን ተሳትፎ ኵሉ ዘተባብዕን ብናይ ሓባር ኣመለኻታት ዝምራሕ መታን ክኸውን ናይ ሕዝቢ ተሳትፎ ክሕወሶ ኣለዎ። ብዝበለጸ መገዲ ክመሓደርን ስሩዕ ውዳቤ ክህልዎ ኣገዳሲ ምዃኑ ተንቲኑ፣ ማሕበረሰብ ዞባ ድማ ተፈጥሮኣውን ባህላውን ሃብትታቱን ቅርስታቱን ክከናኸንን ክፈልጦን ከፍለጦን በዚ ሃብቲ’ዚ ድማ ሕቡን ኮይኑ ብምኽባር ክቡር ዋጋታቱ ትርጉም ብምሃብን ብምኽባርን ጥራሕ ዘይኰነ ምስ በጻሕቲ ብምክፋል ዓቂቡን ኣኽቢሩን ናብ ትውልዲ ናይ ምትሕልላፍ ዓቢይ ሓላነት ከምዘለዎ እቲ መልእኽቲ ከምዘስመረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብዚ መዳይ ናይ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሓላፍነት ናይ ሰብን ማሕበረሰብን ሕውነትን ምትሕብባርን ትርጉምን ትርጉም ድላይ ፍትሕን ሰብ ናይ ተፈጥሮ ተኸናኻኒ ዓቃቢ እምበር መዝማዚ ክኸውን ከምዘይግብኦ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ኣብ ናይ ክርስቶስ ተልእዀ ዘለዎ ተሳታፍነት እናመስከረ ክነብር ዝተጸውዐ እዩ፣ ስለዚህ ነዚ ቲዮሎጊዊ ሓሳብ ኣማእኪሉ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ተሳታፍነቱ ክነበር ኣለዎ። ነዚ ንምርግጋጽ ዝድግፉ ኣብ ምትሕብባርን ግብረ ሰናይን ዘተኰረን ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ናይ ምድጋፍ ዕላማ ዝኽተላ ዝተፈላለያ ክርስቲያን ማሕበራት ከምዘለዋ ብምዝኽኻር ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ኣብ በጻሒ መስህብ ባህሊ ዘለዎ ዓቢይ ግደ ልዑል ምዃኑ ሓቢሩ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ቲዮሎጊያዊ ትርጉም በጻሒ መስህብ ባህሊ ኣብ ዝብል ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዘማእከለ ንማሕበረ ክርስቲያንን ንሰብ ጽቡቕ ድላይ ሕንጸት ከምዘቕርባን እዚ ድማ ፍቱው ሃዋርያዊ ግብረ ኖሎዎ ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ ክኸውን እንከሎ እዚ መጸውዒ’ዚ ድማ በጻሒ ገያሽ ኣብ እዋን ግዜ ዕረፍቱ ዝፍጽሞ ተግባር ብምዃኑ ናይ ዕረፍቲ እዋን መሰረታዊ ትርጉሙ ልስትውዓል ካብ ዝብል ሃሳብ ዝተበገሰ ምዃኑ እቲ መልእኽቲ ገሊጹ ሕዝብታት ዘቐራርብን ዘላልን ናይ ሕዝብታት መንፈሳውን ባህላውን ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ዕብየት ዘነቓቕሕ እዩ ከምዝበለ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.