2014-07-08 16:00:31

ኣባ ሎምባርዲ፦ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስ 6 ዜጋታት ግዳይ ናይ ወሲብ ዓመጽ


RealAudioMP3 ዕለት 7 ሓምለ 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ቅድስቲ ማርታ ካብ ጀርመን ኣየርላንድን ዓባይ ብሪጣንያን ዝተዋጽኡ ሰለስተ ደቂ ንስትዮን ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ብጠቕላላ ምስ ሽዱሽተ ዜጋታት ግዳይ ናይ ወሲብ ዓመጽ ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መለጺ እንከመልከት፣ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣመልኪቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረድዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግልጺ፦ “እቲ ዝተኻየደ ርክብ ግላውን ጽዑቕን ከምዝነበረን ቅድሚ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ዕለት 6 ሓምሌ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ኣተዉን ምሸት ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንፃ ኣብ መኣዲ ድራር እንከለዉ ምስ ቅዱስነቶም ሰላምታ ከምኣተለዋወጡን ንጽብሒቱ ማለት ዕለት 7 ሓምሌ 2014 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተሳተፉን ድሕሪ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ ኣቦና ከምቲ ልሙድ ንተሳተፍቲ ሰላምታ ብምልውዋጥ ከይተፋነዉ ኣብ መዓዲ ቁርሲ ብሓንሳብ ምስ ተቛደሱ ልክዕ ሰዓት 9 ድማ ምስቶም ሽዱሽተ ግዳይ ናይ ወሲብ ዓመጽ ሓደ ብሓደ ግላዊ ርክብ ኣካይዶምን፣ ድሕሪ እቲ ርክብ” ይብሉ ኣባ ሎምባርዲ፦ “ምስቶም ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ግዳይ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝዀኑ ሹዱሽተ ዜጋታት ሓሳብ ንሓሳብ ከምእተለዋወጡን ብሓፈሻኡ እቲ ርክብ ሰለስተ ሰዓት ከምዝወሰደን ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እዚ ዓይነት ገበን ዘለዎም አመለኻኽታን ውሳኔ ብዙሕ ጊዜ ዝተነግረን እንፈልጦን ጉዳይ ድማ እዩ” ኢሎም።
“እቶም ግዳይ ናይ ወሲብ ዓመጽ በቲ ዝተኻየደ ርክብ ከምዝዓገቡን ፍቕርን ሓልዮትን ደላይ ፍትሓውነትን ቅዱስ ኣቦና ብቐረባ ከምዘረጋገጹን ከምዚ ዓይነት ዓሚዩቕ ርክብ ብምክያዶም ብሓቂ እቲ ርክብ ከምዝመሰጦምን ምስ ቅዱስነቶም እቲ ብግሊ ዝወረዶም ሓደጋ ኣማእኪሎም ክዝትዩ ዘሕደረሎም ናይ መንፈስ ምርግጋእ ዓቢይ ከምዝዅነን ኣረጋጊጸ። ብፍላይ ድማ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ግዳይ ናይ ወሲብ ዓመጽ ጽን ቢላን ኣብ ጐድኖም ኰይና ብዝተፈላለየ መዳይ ብምድጋፍ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም እምነት ዳግም ክምለስን እቶም ገበነይናታት ድማ ግቡእ ፍርዶም ክረኽቡ ጸረ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ቢላ ከምእተገልጾን እዚ ዓይነት ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ንምውጋድ ንዝግበር ጻዕሪ መሠረት ዝዀነ ርክብ እዩ ኔሩ” ኢሎም እቲ ኣብ መንጐ ምእመናንን ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ርክብ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ብዝፍጽምዎ ገበን ክህሰ ዝከኣል ብምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ግዳይ ናይ ወሲብ ዓመጽ ድዩ ንዝተፈላለዩ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ሕሙማንን ኣደዳ ኣደንዛዚ እጽዋትን እሱራትን ብምርኻብ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብ ሕዳሴ ንምርግጋጽ ዝገብርዎ ጻዕሪ ግሁድ ከምዝዀነን ነዊሕ ሰዓት ነዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ ክህቡን ምስኣቶም ክዝትዮን ንናይ መንፈሳውን ሰብኣውን ተሃድሶን ኣብቶም ግዳይ ናይ ወሲብ ዓመጽ መንፈሳውን ሰብኣውን ምርግጋእ ዳግም ክምለስን ዕርቂ ምስ እምነትን ቤተ ክርስቲያንን ንክህሉ ዝድግፍ እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቲ ርክብ ዓቢይ ሃብትን እወታውን ምዃኑ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ኣብ ዝባኖም ናይ ጥልቂ ዓቢይ ስቓይ ተመክሮ ዝተነብሮም ዜጋታት ምእመናን ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክራኸቡ በቲ ርክብ ኣዚዮም ዝምሰጡ ዝትንከፉን እቲ ኣሉታዊ ተመክሮ መሠረት ስነ ኣእምሮኣውን ሰብኣውን መንፈሳውን ስቓይ ከምዝዀነ ብምርዳእ ኣዚዩም ልቦም ዝትነኸፉ ምዃኖም ዝሓበሩ ኣባ ሎምባርዲ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምስማዕን ጽን ምባልን ማለት ዓሚዩቕ ጽንታ ንእግዚኣብሔርን ጽንታ ንቤተ ክርስቲያን ምእመናንን ውሉደ ክህነት ኩነታት ዓለምን ዝገብሩ ብምዃኖም እቲ ዘካይድዎ ርክብ ዓሚይቕን መሳጥን እዩ ኔሩ ኢሎም ኣብ መወዳእታ ድማ ዕለት 6 ሓምሌ 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳጳሳዊ ናይ ትሕቲ ዕድመ መሰልን ክብርን ሓልዮ ድርገት ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ኣማእኪሉ ኣኼባ ከምዘካየደን እቲ ኣኼባ፦ “ናይቲ ድርገት ዝተፈላለያ መልክኣ ምድሪ ዝውክሉ ሓደሽቲ ኣባላት ንኽዀኑ ከም ሓሳብ ዘቕረቦ ናይ ኣስማት ዝርዝር ንውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ንምቕራብን ከምኡ እውን ብዛዕባ ናይዚ ጳጳሳዊ ድርገት መምርሒ ሕግን ናይ ገዛእ ርእሱ ጳጳሳዊ ቤት ትጽሕፈት ክህልዎን ናይ ዕዮ ጉጅለ ንምቛም ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ከምእተመያየጠን መጻኢ ኣኼባኡ ድማ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ንኸካይድ ከምዝወሰነን ኣብቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ኣኼባ ድማ ቅዱስ ኣቦና ዝሰምይዎም ሓደስቲ ኣባላት ናይቲ ድርገት ክሳተፉ ድማ ተስፋ ተነቢሩ ኣሎእንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.