2014-07-08 16:03:34

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምውጋዝ ናይ ገበን ጉጅለታትን ማፍያን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ሰነ 2014 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ካላብሪያ ኣውራጃ ካሳኖ ኣብ ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ፦ “ናይ ገበን ጉጅለታትን ኣባላት ማፍያን ምስ እግዚኣብሔር ሱታፌ ዘይብሎም ውጉዛት” እንክብሉ ብሃይለ ቃል ዘስመርሉ ሓሳብ ኣማእኪሎም ናይ ተርሞሊ ላሪኖ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጃንፍራንኮ ደ ሉካ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣብ ላሪኖ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ቤተ ጸሎት ሓላፍን ኣበ ነፍስን ብዘቕረቡሎም ዕድመ መሠረት ብዙሓት ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡ ዜጋታት ዝተሳተፍሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡ ዜጋታት ድሕሪ እቲ ቃል ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅዳሴ ምስታፍን ቅዱስ ቁርብን ምክፋልን እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘልዕልዎ ሕቶ ቤተ ክርስቲያናዊ መልሲ ንምሃብ ተረኺቦም ብፍላይ ድማ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካሳኖ ዘስምዕዎ ዘረባ ብምልኣት ሓቲሞም ከምቲ መራኸቢ ብዙሃን ብቁንጸላ ኣዘራርባ ዘሃብውሉ መገልጺ ዘይኰነስ ምልኣት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንቶም እሱራት ንምትንታን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘንበብዎ ገሊጾም።
ድሕሪ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ቃል ኣብ ላሪኖ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት መግቢ ናይ ምቁራጽ ኣድማ ኣካይዶም ዝብል ዜና መሰረት ድማ ቅድሚ መስዋዕተ ቅዳሴ ድማ ምስቶም ኡሱራት ተራኺቦም ውጉዛት ምስ እግዚኣብሔር ሱታፌ ዘይብሎም ዝብል ቃል ቅዱስ ኣቦና ንኸነጽሩሎም ንዘቕረቡሎም ሕቶ ናይቲ ስልጣናዊ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ትርጉሙ ተንቲኖም ምጥዓስን ናብቲ ናባይ ተመለሱ ናይ ሞትን ሓጢኣትን መገድዅም ሓዲግኩም ናባይ ተመልሱ ናብ ዝብል እግዚኣብሔር ብሓቀይና ጣዕሳ ናብኡ ንዝምለስን ዝልወጥን ዝምልከት ኣይኰነን፣ ዝበደለ ግብኡ ግብረ ጣዕሳ ፈጺሙ ዝምለስ እዩ። ከምቲ ብፁዕ ኣቡነ ብሪጋንቲኒ ዝበልዎ ቃል ቅዱስ ኣቦና ናይ ብዙሓት ሕሊና ከምዘበራበረን ብፍላይ ድማ ናይቶም ናይ ገበን ጉጅለታት ማፍያ ኣባላታ ሕሊና ከምዝተንከፈን ሓቢሮም፣ መራኸቡ ብዙሃን ብዛዕባ እቲ ዝልወጥ ነበር ኣባል ናይ ገበን ጉጅለ ብዙሕ ሓበሬታ ኣየቕርባን፣ ስለዚህ እቲ ምልዋጥ እውን ክንገርን ብዛዕቡኡ ሓበሬታ ክቐርብ ኣለዎ ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ክፍለ ሃገር ሞሊዘ ከተማ ኢሰርኒያ ንዝርከቡ እስራት ኣብ ዘስምዎ ቃል ምዕዳን፦ “እሱራት ጥራሕ ዘይኰኑስ ኩላትና ኣብ ጎዳና ሕዳሴ እንርከብ ምልዋጥ ዘድልየና ኢና ብጎዳና ህዳሴ ምስ ኅብረተሰብ ንክንጽንበር እንጓዓዝ ኢና” ዝበልዎ ቃል ጠቒሶም ማንም ፍጹም ኣይኰነን ኰይኑ ግን ንኽልወጥን ዝስዕቦ ግጉይ መገዲ ሓዲጉ ናብቲ ቅኑዕ መገዲ ከብል ዝተጸውዔን ነዚ ክፍጽም ዘብቕዖ ዕቁር ሓይሊ ዝተዓደለ ምዃኑ ዘዘኻኽር ቃል እዩ። እቶም እሱራት ካብቲ ኣብ መጻወዲያኡ ዘእተወና ዲያብሎስ ክንላቕቕ ንበይንና ኣይከኣለናን እዩ ናብ ኢየሱስ ንኺድ ምስኡ ኣብኡ ድማ ክንፍጽሞ ኢና ንሱ ካብቲ ዲያብሎስ ከናግፈና እዩ ዝበልዎም ቃል ዘኪሮም እቶም እሱራት ዝተዓደሎም ምሉእ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ምስ ኣንበቡ ዝተሰምዖም ሓጐስ ዓቢይ ከምዝነበረ እምስክር እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።
ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ማሕበራውን ስራሕ ፍትሕን ሰላም ሓዋርያዊ ሓልዮ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጃንካርሎ ብረጋንቲኒ ብወገኖም ብፁዕ ኣቡነ ደ ሉካ ምስቶም ኣሱራት ተራኺቦም መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ኣመርኵይዞም ዝሃብዎ መግለጺ ትኽክልን ግቡእን እዩ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ምሕረት እግዚኣብሔርን ከመይ ገይሩ ዓቢይ ሸኽም ዝዀነ ዘሕዝን ውጉዝነትን ናይ ገበን ጉጅለታትን ማፍያን ምስ እግዚኣብሔርን ቅዱስ ቁርባንን ሱታፌ ዘይብሎም ዝብል ውሳኔ ብኸመይ መገዲ ምትዕራቕ ከምዝከኣል ኣነጽሪምዎ ኣዮም ብዙሓት ናይ ስነ ቲዮሎጊያን ናይ ስነ ምግባር ሊቃውንቲ ናይ እምነት ሰባትን ከምኡ ኣውን ናይ ባህሊ ኣካላት ትርጉሙ ኣመርኵይዞም ትንተና ይህብሉ ኣለዉ፣ ስለዚህ ምሕረት እግዚኣብሔርን ውጉዝነትን ብኸመይ መገዲ ምራኻብ ይከኣል ዝብል ሕቶ ብቑዕ መልሲ ተዋሂቡሉ ኣሎ፣ እቲ ብቑዕ መልሲ ብሓባር ከነስተንትኖ ድማ ጸዋዕታ ከምዘቕረቡ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.