Home Archivio
2014-07-02 17:31:38
ዋሕዚ ስደት
ዋሕዚ ስደት
15. ነኣኣቶም ኣብ ሕፅኒ ኣምላኽ ከነማዕቍቦም ከሎና፣ ኣምላኽ ከኣ ናባና ምልስ ኢሉ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?
30
ሓውትኻ ኣበይ ኣላ? ውላድካ ውሉደኩም ኣበይ ኣለዉ?ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ይርከቡ ኣለዉ?…” እናበለ፤ ካብ ሓያሎ ዓመታት እናናሳዕ ይረአ ንዘሎ ኅልቀትን ሕልፈትን ደቅና፣ ነገር ዕላልን ወረን ጥራሕ ንዝገበርናዮ ነኣና፣ዘየቕስንን ዘየደቅስን ሕቶ የሓተና ኣሎ፣ (ታሕ.ወን. 211) መን’ዩ ዚሕተተሉ? ኪበሃል ከሎ፣ ኣብ ጭብጢ ምስ መጻእካ፣ ሓቂ ክትዛረብ ምስጀመርካ፣ ብርግጽ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዚበሃል ኣይሰኣንን ይኸውን፣ ብዓቢኡን ብሓፈሻኡን ግን ሰረቱ ነዊሕን ሰፊሕን ንዅሉ ዚትንክፍን እዩ፣ እዚ ሕቶ’ዚ ተመጢጡ፣ ሃገርናኸ ብዓባያ ኣበይ ኣላ? ኣብ ከመይ ዝበለ ሃለዋት ትርከብ?....ናብ ዚብል ከብጽሕ ግዲ እዩ፣ “ሓላው ሓወይ ድየ?” ብምባል፤ ከነምልጠሉ ዘይከኣል ሕቶ እዩ፣
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዚነብሩ ስዱዳን ብዝተረኽበ ረብሓን ጠቕምን ዝሰድዑን ዝሰስዑን ወለዲ፣ነኣብነት’ኳ ካብ’ቲ ብዙሕ፤ ብዘይተጸንዐን ብዝተሰንዐን መርዓ ንደቆም ካብ ወጻኢ ንዝመጽኡ ምሃብ፣
ዝዓበዩ ዝነኣሱ፣ ወጻኢ እንተኸድኩ ጥራሕ’ዩ ዚሓልፈለይ ዚብል ዕዉር ኣረኣእያ ብምምዕባል፣ ወይ ከኣ ኣብ ወጻኢ ብኾፍካ ዚሕግዙ የኣዪ ኣለዉ....ምባል፣
ናይ መነባብሮ ለውጥን ምምሕያሽን፣ ኣብ’ዚ ኣብ ዓድና ኪመጽእ ክንዲ ንጽዕር፣ ኣብ ካልእ ከይድና ክንረኽቦ ዚብል ሓሳብ ዳርጋ ልሙድ ኮይኑ፣
ጥጡሕ መነባብሮን ሕይወትን ንምድላይ ዚግበር ጕዕዞ፣ ክሳብ መኣስ ኪቕጽል እዩ? እቲ ዘገርም ነዚ ብዘይሕጋዊ ኣገባብን፤ እሞ ብኽንደይ ገንዘብን ዚፍጸም ጕዕዞ፤ ንምዕጋት ዚግበር መቕጻዕትን ማዕዳታትን፣ ነቶም ዘንቀዱ ሓሳባቶም ከለውጥ ዘይምኽኣሉስ ስለምንታይ እዩ? እቲ ዝተፈተነ ካብ ዘይሰርሐኸ ካልእ ኣገባብ ኪመሃዝ ኣይምተኻእለን ድዩ?
“ጸጊበን ካብ ዚዕንድራ ኣብታይስ፣ ካልኦት ዓንዲረን ኢለን ዚዕንድራ ይበዝሓ” ከም ዚበሃል፣እዋኑ ዘማዕበሎ፤ “ይኽየድ” ኢልካ ዚግበር’ኳ እንተሎ፣ ብፍላይ ንመንእሰይን ኵነታቱን ክንጥምት ከሎና ግን፣ መጻኢኡ ዘማዕድወሉ፤ መደባት ሕይወቱ ዚገብረሉ፤”... ካብ’ዚ ተበጊሰ፤ኣብ’ቲ ክበጽሕ’የ...” ዚብል ሃንቀውታ ዘይርእየሉ ኵነታት፣ ”... እዚ ዘለኹዎ ኵነት ጽንሕ ኢሉ ከብቅዕ እዩ’ሞ፤ ክንየዉ ዝጥምቶን ዝጭብጦን ኣሎኒ፣... “ ኪብል ዘይምኽኣሉ ዓቢይ ጸገም ፈጢሩ ኣሎ፣
“ኣይሰላም ኣይኲናት” ዝኾነ ኵነትና ዲዩ ነዚ ኵሉ ፈጢሩ? ዚብል ሕቶ’ኳ ዘልዕል እንተኾነ፣ ነዚ ኵነትዚ ንምልዋጥከ ድልየት ወይ ዓቕሚ የልቦን ማለት ድዩ? ንሕዝብን ንሃገርን ንዚጐድእ ኵነት ንምልዋጥከ እንታይስ እንታይ ኪግበር ዘይምተኻእለ? ፈውስኻ ካብ ርእስኻ ስለዝኾነ፣ ኅብረተሰብ ዓለም’ኳ ግቡኡ እንተዘይፈጸመ፣ እቲ ግዳይ ዝኾነ ወገን ግን ተባላሒቱ ግድሉ ንምፍታሕ ኪጽዕር፣ ረብሓኡ ዚጠልቦ እዩ፣ እንትርፊ ንዓመጽትን ንጨወይትን፣ ንሕዝብን ንሃገርን ካብ ዘየርብሕ፣ ካብ ከም’ዚ ዝበለ፤ ኣይሰላም ኣይኵናት ዝኾነ ሃለዋት ከምዚውጻእ ኪግበር ኣለዎ፣ እዚ ስለዘይተለወጠ ከኣ፤ ህልው መነባብሮ ዘይጽወር ኮይንዎ፣ በቲ ኣብ ስግር- ማዕዶ ዘሎ ንብረትን፣ ዘይረኣዮ ሕይወትን ተሳሒቡ፤ እቲ ደላይ ለውጢ መንእሰይ ዚገብሮ ዘሎ ጕዕዞ፣ ኪጅምር ከሎ ብሕጋዊ መንገድን ኣገባብን ዝነበረ፤ ሕጂ ግን ኣንፈቱ ለዊጡ፣ ግዳይ ባሕርታትን በረኻታትን ኣራዊትን ግዳይ ኣረመናዊ መሸጣን... ክሳብ ምዃን፣ ኣዝዩ ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ፣
16. ኣብ ጸምጸም በረኻ ኣራዊት ንሰብ ኪጻባእስ ንቡር እዩ፣ እቲ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግን፣ ካብ ከም’ዚ ዝበለ ሃለዋት ስደት ዝማዕበለ፣ ንሰባት ጨዊኻ ብዘይተኣደነ ገንዘብ እትህብትመሉ፣ ዝገደደ ከኣ ሰብ ንሰብ ኣራዊት ዝኾነሉ፣ ነቲ በምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ፣ ክብሩን መሰሉን ንዘለዎ ከናቲፍከ ጠቢሕካ ጐዛዚኻ ናብ “ዕዳጋ ሓራዥ” ምውራድ... ይፍጸም ኣሎ፣ ኣብ ታሪኽ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ፣ ዘመነ ባርነትን ሕጊ-ኣራዊትን ኣብ’ዚ ስልጡን ዓለም ተመሊሱ ዝኣተወሉ ኵነታት ክትርኢ ከሎኻ፣ ናይ’ቶም ፈጸምቱ ሕሊናን ኣተናን’ኳ እንተደንዘዘ፣ እቲ ነዚ እናረኣየ ዚርከብ ዓለምከ ከመይስ ከመይ ኢሉ ተጻዊርዎ ኣሎ?? ንምቅዋሙ ንምውጋዱ’ውን ዘይምጕያዩ፣ ኣውራ ከኣ እዚ ነውራምን ኣራዊታውን ተግባር ናይ ዚፍጸመሉ ቦታን፣ ናይ ዚፍጽሙ ሰባትን፣ ናይቶም ኣብ ልዕሊኦም ዚፍጸም ግዳያትን...መንግሥታትን መራሕትን፣
ምድሪ ዘቢጦም ነዚ ግፍዕ’ዚ ንኸወግዱ እንታይ ዘይምገበሩ!! እዚ ዘስካሕክሕ ተግባር’ዚ ዘይተዓግተስ ድልየት ድዩ ማህሚኑ? ዓቕሚ ድዩ ደኺሙ? ወይ ከኣ ዝተገብረ ጻዕሪ እንተሎ፣ ጻማ ድዩ ተሳኢኑ? ወይስ መን’ዩ ረቢሑሉ? እንታይ ኢና ክንብል? ብዓቢኡ’ኳ ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ዘየምልጥ እንተኾነ፣ ታሪኽን ግዜን ግን ከግህዶን ኪፈርዶን ዘለዎ እዩ፣ ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ሃለዋት ንምቕያር፤ ሓያልን ዝተዋሃሃደን ጻዕሪ፣ ማለት ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥን፣ ግብራዊ ናይ ስራሕን ማኅበራዊ ኵነታትን መሠረታዊ ሕዳሴ ከም ዘድሊ ምልክታን መጠንቀቕታን ካብ ዚህብ ኣይወሓደን፣ ብመዳይ ሕጋውን ፖሊቲካውን ኣገባብ’ውን ነዚ ጕዳይዚ ኣብ ግምት ዘእተወ መሠረታዊ ሕቶን ጠለብን ክትጥምት ዚግድደካ እዩ፣ ነዚ ሸለል ምባል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ዜሕትት ምዃኑ ምዝካር ኣድላዪ እዩ፣ “ከመይ ነፍስወከፍና ነቲ ብሥጋዊ ሕይወቱ ከሎ ዝገበሮ ሠናይ ኮነ እከይ ምእንቲ ኪቕበል፣ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ክንቀርብ ኢና” (2ቆሮ.5፤10)፣ “...መሥርዕ ሓቅን ቍምነገራትን ተዘናቢሉ፤ ሕማቕን ጽቡቕን፤ ክፉእን ድሙዕን ምስ ተደባለቐ፤ ጕጅለታትን ውልቀሰባትን ረብሓኦም ጥራሕ ደኣ’ምበር፣ ናይ ካልኦት ሰባት ግዴታ ዘይብሎም ይኾኑ፣ በዚ ከኣ ወዮ ዓለምና ናይ’ቲ ሓቀይና ሕውነትን ስኒትን ቦታን ባይታን ምዃኑ የቋርጽ፣ በዚ ዘሎናዮ ዘመን’ምበኣር እቲ ዝተጋነነን ዘይመልክዑ ዝሓዘን ሓይሊ ወድሰብ ንዓሌትሰብ ብቐንዱ ንምጥፋእ ጠንቂ ዝኾነሉ ኵነታት ንርኢ ኣሎና...”
31
፣
ግዙፍ መዳይ ሕይወትና 17. ሕዝብና ብዙሕ ቍስልታት ጸዊሩ ይካየድ ከምዘሎ ብቐሊሉ እነስተውዕሎ ዘሎና እዩ፣ ድኽነትን፣ ከም ኤችኣይቪ ኤይድስን ዝበለ ሕማማት ብዘምጸኦ ጸገማት፣ ስደትን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ነገራትን ኵሉ ንገሊኡ ወገን ናብ ሞት፣ ንህልዋት ናብ ሥቓይ ዝሸመመ እዩ፤ ንዝሞቱ መንግሥተ-ሰማያት የዋርሶም ክንብል ከሎና፣ ብመንፈስ ሓድነትን ኅብረትን፤ ነቶም ግዳያት፤ነቶም ዝሓለፉን ዝተረፉን እናሓሰብና፣ ብርታዐን ምጽንናዕን ኪረኽቡ ንምህለል፣
መሬትና ቀጺሉ ናብ ምድረበዳነት እናተለወጠ፣ ፈርያምነቱን ሃብቱን እናተባ ሕጐጐ ንነበርቱ ዘይዕንግል ይኸውን ኣሎ፣ ነዚ ንምሕዋይ ወይ’ውን ንምዕቃብ ዚግበር ንጥፈታት ኪድልድል፣ ብደረጃ ሕዝቢ’ውን ነዚ ብዚርኢ ሰፊሕ ጐስጓስ ኪግበርን፣ ዚግባእ ንቕሓት ኪጭበጥን የድሊ፣ ምኽንያቱ ድማ ኣምላኽ “ሓለውቲ ተፈጥሮን፤ ሓለውቲ ሓውናን ክንከውን እዩ ጸዊዑና”፣(ኣቡነ ፍራንቸስኮስ) ዝሓሎናዮ ሓውናን ተፈጥሮን፣ ተመሊሱ ኪሕልወና እዩ፣ብበርቂ ንዝሞተ ብሓዊ ደብሶ ከምዝተባህለ ከኣ፣ ሃገርና መሬት ጥራሕ ኣይኮነን ዚጠልማ ዘሎ፤ እቲ ዝዓበየ ጸገም ናይ ሰባት ዋሕዚ ንወጻኢ እዩ፣
መንእሰይ ተማሂሮም ወይስ ንኪመሃሩ ናብ ካልእ ሃገራት ይጐዓዙ፤ስለ’ዚ ናይ ምሁርን ንኡስን ወለዶ ምንጪ ናብ ካልእ ይጽንቀቕ፣ይደርቕ’ዩ ዘሎ፣
ሕፃናት ንዝሓለፉ ወለዶም ከርክቡ፤ከምኡ ዝሓሸ ዕድል ኣለዎ ናብ ዝተባህለ ወገን ገጾም (ምስ ኣዴታቶም) ይውሕዙ፣
ዓበይቲ ወለዲ’ውን ኣብ ስደት ንዚነብሩ ደቆምን ደቂደቆምን ንምርኣይ ኣብ ዚገብርዎ መገሻ፣ ናይቲ ዝገሹሉ ዓዲ ወረቐት ይሕዙ፣ ኣይምለሱን፣
ስለ’ዚ ሃገር ናይ ሰባት ድኻ ትኸውን ከምዘላ ብግልጺ ዚረአ ዘሎ ኵሉ፣ ኣብ ዝኾነ ማኅበራዊ ጕዳይ ከም እንዕዘቦ፣ እቲ መንእሰይ ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ እቲ ማእከላይ ወለዶ ዚበሃል’ውን ዳርጋ የሎን፣ ንኡስ ወለዶን ሓይልን ዘይብላ ሃገር እንታይ እዩ እቲ ዕድላ? ሃገር ብሕዝባ ብሰባ እያ እትደምቕን እትጽብቕን እምበር፣ ብዘይሰብ ዓዲዓዲ ኣይከውንን፤ ሃገር ከኣ ሃገር ኣይትኸውንን፣ 18. እዚ ዘብለና ዘሎ ድማ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይፍጸም ዘሎ፣ ናይ ሰባት ቀጻሊ ዋሕድን ዋሕዝን ብሕቱ ዘይኮነስ ንጽባሕ ከጋጥም ዘለዎ ጻንታ እዩ እቲ ዚረኣየናን ዘፍረሓናን ዘሎ፣ ሓደ ስደተይና ኣብ ዝኸደ ኸይዱ፤ናይ ሃገሩ ናፍቖትን ዝኽርን ብርግጽ የሰንዮ ይኸውን፣ ኣብ ታሪኽ ከም ንርእዮ ግን፤ ንዓዶም ተመሊሶም ዝተባህሉ ስደተይናታት ብኣጻብዕ ዚቝጸሩ እዮም፣ እዚ ናይ ሕጂ ንኡስን ማእከላይን ዝበልናዮ ወለዶ ጥራሕ ኣይኮነን ዚጠፍእ ዘሎ፤ እቲ ኪትከኦ ዝነበሮ፤ ማለት እቶም ብሕፃናቶም ዝኸዱን፤ ኣብ ዓዲ ስደት ዚውለዱን ደቆም ኵሎም፣ ሃገር ዝኸሰረቶ ወለዶ ከይከውን ዘየፍርሕ ኣይኮነን፣ “ካብ ምላድ ምልማድ” ስለዝኾነ፣ እዞም ዝጠቐስናዮም ደቆምን ደቂደቆምን፣ ናይ’ቲ ዝዓበዩሉን ዝረብሑሉን ሃገርን ባህልን ብርቱዕ ጽልዋ ስለዘለዎም፣ ናይ
ሃገሮምን ሕዝቦምን ስምዒትን ስሕበትን ንኺሓድሮም ብዕቱብ እንተ ዘይተጻዒሩ ጸገም ምምጻኡ ዘይተርፍ እዩ፣ ንሃገር ድማ እቲ ኣብ ውሽጣ ኮይኑ ዚሓንጻ’ዩ ሕልፊ ዜድምዓላ፣ ስለ’ዚ እዛ ሃገር ትባድም ከምዘላ ዘመልክት ኣውያት’ያ እተስምዕ ዘላ፣ ኣውያታ ከኣ ናብ ኵሉ እዩ፣ ናብ ውልቀሰባት ስድራታት ናብ ዓበይቲ-ዓዲ ናብ መራሕቲ መንፈስን መራሕቲ ፖለቲካን... ዚቐርብ ዘሎ ጥርዓን እዩ፣ ምእንት’ዚ ዘለዉ ከምዘይከዱ፤ ዝኸዱ ከኣ ከምዚምለሱ ንምግባር ብልሓትን ትብዓትን ዜርኢ ተበግሶታት ከድሊ እዩ፣
19. “ዓድኻን ዓይንኻን ኣይምኖን” ዚብል ምስላ ኣበው ተረሲዑ ዲና ክንብል? ሎሚ ዘሎ ኣተሓሳስባን ዝንባሌን “ዓድኻስ ጣዕማኻ ደኣ” ዚብል ይመስል፣ ማለት እቲ ጣዕምን ምቾትን እትረኽበሉ፤ ንሱ’ዩ ዓድኻ ዚብል ስለዝኾነ፣ ነዛ ሃገር’ዚኣ ንሕዝባ ምቾት ጣዕሚ ስራሕ ሰላም ርግኣት...እትህብ ወይ ክትህብ እትጽዕር ንምግባራ ኣሎ ዚበሃል ብልሓትን ክእለትን ኪፍተሽ መድለየ፣ ሕጂ’ውን ብ2001 ቤተክርስትያን ንዝበለቶ ክንደግሞ ኵነቱን ሃለዋቱን ይግድደና ኣሎ፣ “ስለምንታይ መንእሰያትና ዓድጓና ዘማዕድዉ ምባል ትርጕም ኣይህልዎን፣ ዓዲ ሰላም፤ ዓዲ ፍትሒ፤ ዓዲ ስራሕ፣ ዓው ኢልካ ዝመሰለካ እትዛረበላ፤ ሰሪሕካ እተሓድረላ ዓዲ ምስ ሓዝካ፣ መዓር ገዲፉ መዓር ዜናዲ ስለዘየልቦ፣ ንስደት ክንዲ ዘማዕድዉን ዝኸዱን፣ካብ ስደት ዚምለሱን ዚውሕዙን መንእሰያት ኪህልዉና ናይ ግድን እዩ”፣ 32 ከመይሲ ሃገር ደኣ እያ ምእንቲ ሰባ ምእንቲ ሕዝባ ዝቖመት’ምበር፤ ሰብ ምእንቲ ሃገር ከምዘይኮነ ብግብሪ ብጭብጢ ከረአ ኣለዎ፣
ስነልቦናዊ ሃለዋት 20. በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰን ብኻልእ ንሕይወትን ሰብኣዊ ክብረትን ተቐባባሊ ብዘይኮነ ሃለዋትን ዚኣክል፣ ብመጻኢኻ ምጥርጣርን ምስጋእን፣ እንታይ ውሕስነት ኣሎኒ? ንዚብል ሕቶ ምላሽ ዘይምርካብን፣ ክብሪ ሰብኣዊት ሕይወት ሸለል ምባል ልሙድ ኮይኑ፣ ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ ኣብ በለጽ ኣብ ረብሓ ምዝንባል፣ በዚ’ውን ግድልካ ኪፍታሕ ከምዚከኣል ምሕሳብ፣ ዝተተስፎኻዮን ዘማዕዶኻዮን ብምስኣን፣ ዝተጸበኻዮን ዝሓለንካዮን ኪፍጸም ዘይምርኣይ፣ ዘይብጻሕ ምዃኑ ተገንዚብካ ምጭናቕ ዓቕሊ ምጽባብ ንቡር ተርእዮ ይመስል፣ ዝኾነ ኣድማዒ መደብን ኣገባብን ኣብ ስግር ማዕዶ ጥራሕ’ዩ ዘሎ፣ ኣብ’ዚ ኣብ ሃገረይ ዚጠቕመኒ ዘርበሓኒ ነገር የልቦን…ወዘተ...ዚብል ኣተሓሳስባ ገኒኑ፣ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ኵነትን ሃለዋትን ነቲ ሰማይና ኣደቢንዎ ኣሎ፣ ነቲ ሠናይን ጽቡቕን፣ ኣብ’ዚ ብጻዕርኻ ከተጥርዮ ክንዲ ምፍታን፣ ናብ ካልእ ጥራሕ ምጥማት በዚሑ፣ ምስ’ዚ’ውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር (ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ሰራዊት ኣብ ኣብያተ-ተሃድሶን ማእሰርትን...)ብዚርከቡ ኣባላታ ዝተነጻጸለት ስድራቤት፤ ዝሸምገሉን ናባዪ ዝሰኣኑን ወለዲ፤ መንፈሶም ብዓሚቝ ተሃስዩ ከም ይርከብ፣ እቲ ኣፍራዪ ዝኾነ ክፋል ኅብረተሰብ ካብ ስድራቤቱ ተፈልዩ ምርካቡ ዘምጸኦ ጸገማት ርኡይ እዩ፣ እዚ ከኣ በቲ ኤኮኖምያዊ መዳዩ ጥራሕ ዚረአ ዘይኮነስ፣ ነቶም ኣብ ቤት ዚተርፉ ኮነ፣ ነቶም ኣብ ጽምዋ ዘለዉ፣ በቲ ስነልቦናውን ሞራላውን ወገኑ፣ ብኸመይ ከም ዚሃስዮም ንምርዳእ ኣየጸግምን፣ ከም ሕማም ሽኮርን ጸቕጢ- ደምን ልብን...ዝበለ ሕማማት ምስፍሕፋሑ፣ናይ ሥነ-ኣእምሮ ሕማማት...ወዘተ ምብዛሑ ብዘይምኽንያት ኣይኮነን፣
31 ፍሥ. ተስ. 37 (ጉባ. ቫቲ. 2ይ)32 ነዛ ሃገር እግዚአብሔር የፍቅራ እዩ፣ 2916
All the contents on this site are copyrighted ©.