2014-06-28 17:59:04

ሰንበት ዘአስተምህሮ 2006 ዓ.ም. ሰነ 22 2006 ዓ.ም (6/29/2014)


ልብሰ መርዓ ለቢስካ ምምጻእ
መዝሙር፡ ናክብር ሰንበቶ በጽድቅ . . . . ።
ንባባት፡ ፊሊጵ 4፡12-20፥ ፫ዮሓ 1፡1-ፍ፥ (ኢሳ. 25:6-10) ግ.ሓ. 14፡20-ፍ፥ ማቴ 22፡1-14
ምስባክ: አንተ እግዚኦ መሓሪ ወመስተሣህል፥ ርኁቀ መዓት ወብዙኅ ምሕረት ወጻድቅ፥ ነጽር ላዕሌየ ወተሣሃለኒ። “ንስኻ ኦጎይታ መሓርን አጸባቕን ኢኻ፥ ካብ መቕጻዕቲ ርሑቕ ብዓል ብዙሕ ምሕረትን ጻድቕን ኢኻ፥ አባይ ጠምት እሞ ምሓረኒ”።
ካብ አባ ገሪማ 17 ሰነ ክሳዕ ብአተ ክረምት 25 ሰነ ዘሎ አብ ስርዓት ሉጡርግያና ዘአስተምህሮ ተባሂሉ ይጽዋዕ ሓንቲ ወይ ክልተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። ንሎሚ ሰንበት ዝዝመር መዝሙሩ፥
“ሰንበቱ ነኽብር ስርዓቱ አይንሕደግ ንአኡ ጥራሕ እዩ ሃሌ ሉያ፥ ጻድቕ እዩ አብ መንግስቱ ኸአ ጽድቂ ይፈርድ፥ ንግሆ ከም ዝወግሕ ይገብር ምስ ወግሔ ኸአ ምሕረቱ ይህበና፥ አምላኽና አምላኽ ድኅነት እዩ ዝስአኖ የብሉን፥ ቃሉ ሓቂ ነገራቱ ዝእመን እዩ” ይብል። እዚ መዝሙር አብ ወርኂ ኅዳር እውን ይዝመር እዩ።
ዕለተ ሰንበት ዕድመና አኽቢርና አብ መኣዲ ክርስቶስ ክንሳተፍ ዝተሰርዐት ዕለት እያ። ኩሎም ናይ ሎሚ ንባባትና አብ ቤት አምላኽ ዕድማት ከምዝኾና እዮም ዝነግሩና። ብፍሉይ ወንጌል ማቴዎስ ብምሳሌ ገሩ አብ መአዲ አምላኽ ዕዱማት ከምዝኾና እሞ ልብሰ መርዓ ለቢስና ክንቀርብ ከምዘሎና ይነግረና።
አብዚ ወንጌል ማቴዎስ ኢየሱስ በቶም ቀረባ ደቂ ዓዱ እቶም ነቲ ኩሉ ዘስተማሃሮም፥ ተአምራት ዝገበሮ ርእዮም ምቕባል ናይ ዝአበይዎ እዩ ዝነግረና። እቲ መልእኽቲ ንሊቃነ ካህናትን ዓበይቲ ዓድን ንመራሕቲ ሃይማኖትን ብሓበራ ዝተዋህብ እዩ ነሩ። እቲ ምሳሌ አብ ሰለስተ ዝተፈላለየ ክፍሊ ተመቒሉ ንረኽቦ።
1. ክልተ ዕድመ ናብቶም ክመጽኡ ዝተዓደሙ ተላኢኹ፥
2. ሓባራዊ ዕድመ ንኹሎም ድኻታትን ጽጉማትን ተላኢኹ፥
3. አብ መርዓ ክሳተፉ ከማልእዎ ዝነበሮም ነገርት ከምዘሎን ንርኢ።
ማቴዎስ ዘዘንትወልና ዘል ምሳሌ ብዛዕባ መንግስቲ አምላኽን ብዛዕባ እቶም አብቲ መግስቲ አባላት ዝኾኑ ህዝብን እዩ ዝዛረብ። ብአምሳል ሓደ ንጉሥ ንወዱ መርዓ ዝገብር ይነገረና። አብ ኢሳያስ ነቢይ አብ 25፡6-10 ዘሎ እንተ አንበብና ብዛዕባ አምላኽ ንህዝቡ ኢሉ ዝቕርቦ ዓቢ ምሳሕ ዝነግር ነንብብ። “አብኡ ዝበለጸ ዝደረቐ ነቢትን ብስቡሕ ሥጋን አንጕዕን ዓቢ ምሳሕ ከዳልወሎም እዩ”። “እግዚአብሔር አምላኽ ንንብዓት ካብ ዓይኒ ኹሎም ኽደርዞ እዩ” አብኡ ድሕነትን ተስፋ ክህሉ እዩ ምኽንያቱ አድኂኑና እዩ” ዝብል ቅድሚ ዘመናት ዝነተነበዮ ነዚ ምሳሌ ኢየሱስ ዘስምዕ ንርኢ። አብ ወንጌል ብምሳሌ ክዛረብ እንከሎ ዕሞቕ ምስጢሩ ክንርዳእ ኢሉ ዝገብሮ እዩ።
ዕድመ አብ መአዲ አምላኽ፡
አብዚ ምሳሌ እቲ ንጉሥ ንአገልገልቱ አብ መርዓ ወዱ ክሳተፉ ክዕድሙ አብ ኩሉ ይሰዶም። እዚ እቲ አምላኽ አብ ብሉይ ኪዳን ንቡዙሓት ነብያት አምላኽ በብእዋኑ ንህዝበ እስራኤ አብ ፍቕሩን አገልግሎቱን ክነብሩ ኢሉ ዝሰዶም ዝነበረ እዩ ዘመልክት። እንተ ኾነ ክመጽኡ ዕድሚኡ ከኽብሩ አይከአሉን።
ካልኦት ልኡኻት ሰዲዱ፥ “እንሆ መአደይ አዳልየ አሎኹ፥ ኹሉ ተዳልዩ እዩ ንመርዓ ንዑ ኢልኩም ነገርዎም’ ኢሉ ልኢኹ። ኩሉ ጊዜ አብ ቅ. መጽሓፍ እንተ ተመልከትና አምላኽ ክጽውዕ እንከሎ ቅልጡፍ መልሲ ይደሊ። ንመጸዋዕታ አምላኽ ክንምልስ እንከሎና ሕጂ ኢና ክንምልስ ዝደልየና ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ክሓስበሉ ዝብል አብ መጸዋዕታ አምላኽ አይሰርሕን እዩ። ብቝዕ መልሲ ክትህብ ኩሉ ጊዜ ነቒሕካ ምንባር የድሊ። አብዚ ዝተነበና ወንጌል ግን ከምኡ አይኮነን ዝኸውን ዘሎ። እቶም ዝተዓደሙ አብቲ ዕድመ አይግደሱን፥ ብኽልተ መገዲ ዘይምግዳሶም ይገልጹ፥ አብ ዓለሞም ጥራሕ ይግደሱ ናይ ካልእ አይግድሶምን ዳርጋ ንአኻ ዝኸውን ጊዜ የብልናን ይብሉ፥ ብኻልእ ከአ ነቶም ሉእኻት ንጉሥ ኂዞም አዋረድዎምን ቀተልዎምን።
አብ ርእስና እንተ ተመለስና ክንደይ ካባና እዮም ከምቶም ቀዳሞት ዝኾና? ክሳብ ክንደናይ አብዚ እዋን ንመጸዋዕታ አምላኽ ልብና ዓጺና አብ ኹሉ ውራይናን ጥቅሚ ርእስናን ቀዳምነት ሂብና አብቲ ንዳሕራይ ዋሕስ ክኾነና ዘይ ክእል ነገራት ጥራሕ አድሂብና እንነብር ዘሎና?
እቲ ንጉሥ ነቶም ልኡኻቱ ዘወረዶም ምስ ሰምዐ ወተሃደራቱ ልኢኹ ነቶም ቀተልቲ አጥፍኦም ከተማኦምውን አንደደ። እዚ ምናልባት ማቴዎስ ምስቲ አብ 70 ዓ.ም. ብሮማውያን ወተሃደራት አብ ልዕሊ ኢየሩሳሌምን ህዝባን ዝወረደ ከተሓሕዞ ኢሉ ዝብሎ እዩ ዝመስል። አብዚ እዋን እንተ ረአና ሰበኽቲ ወንጌል አብ ብዙሕ ቦታታት ይእሰሩ ይሳቐዩን አብ ገለ ኸአ ይቕተሉን አለዉ።
ቀዳሞት ዕዱማት ምምጻእ ምስ አበዩ ካልኦት ልኡኻት ሰዲዱ አብ ቀራና መገዲ ከይዶም ዝረኸብዎ ክዕድሙ ይልእኮም ምኽንያቱ መርዓይ ተሰናድዩ እዩ ዘሎ ይብሎም። አብዚ እውን ነቲ መጸዋዕታ ንጉሥ ከኽብሩ ይሕተቱ። እቶም ልኡኻት አብ ሃብታማትን ዓበይቲ ዓድን አይኮኑን ዝልአኹ አብ ኩሉ ቀራና መገዲ ከይዶም ዝኾነ ሰብ ክዕድሙ ይነግሮም። አብ ጊዜ ኢየሱስ አብ አፍደገ ከተማታት ብዙሓት ሓፋሽ ህዝቢ ከምኡ ድኻታትን መኽፈልቲ ቀረጽን ዝሩጋትን ኩሎም ብኹሉ ዝተጸልኡ ነጋዶን ኮታስ ኩሎም ንዑቓትን ይርከቡ ነሮም፥ ስለዚ እንታይነቶም ብዘየገድስ ኩሎም ጥዑያትን ዘይጥዑያትን እቲ ዳስ መርዓ ክሳብ ዝመልእ ክዕደሙ ንጉሥ ልኡኻቱ ለአኸ።
አብዚ ሕሩይ ህዝቢ የለን ከምኡ ፍሉያት ዓበይቲ ዓዲ ዕዱማት የለዉን። እዚ አምሳል እታ ክርስቶስ ዝሰርዓ ቤተክርስትያን እዩ ማለት ቤተ ክርስትያን እንታይነቶም ብዘየገድስ ንኹሉ አብ ሕቝፋ ከምጽኡ ትዕድም እያ። ቤተ ክርስትያን ቅድሚ ሕጂ ነራ ድሕሪ ሕጂ እውን ክትነብር እያ “ቤተ ክርስትያን ናይ ቅዱሳንን ኃጥአንን” እያ። ሓደ ነገር አሎ ኩሉ ጊዜ ክንዝክሮ ዘሎና አብ ቤተ ክርስትያን ሓደ ፈተና አሎ ንገለ ሰባት ቀዳምነት ወይ አልዕል አቢልካ ምርአይ ወይ እውን ብትሕዝቶ ገንዘቦም ምኽባር፥ ንገለ ኸአ አንእስ አቢልካ ምርአይ ሓደ ኩሉ ጊዜ ንቤተ ክርስትያን ድኹም ጎኒ ዝገጥማ እዩ። ብርግጽ ጥዑያት ውፉያትን እሙናትን አባላት ጥራሕ ክህልዉ ጽቡቕ እዩ እንተ ኾነ እዚ ነቲ ፍቕሪ አምላኽ ናብ ኩሉ ዝበጽሕ ዝውክል አይኮነን። ከምዚ ዝበለት ቤተ ክርስትያን ካቶሊካዊ መልክዕ የብላን ከምኡ ናይ ኩሉ ቤተ ክርስትያን አይኮነትን። ባህሪ ቤተ ክርስትያን ብኹሉ ዝቖመት እያ ብጻድቃንን ኃጥአንን።
ተጻራሪ ነገራት፡
አብ ኩሉ ቀራና መገዲ ከድኩም ንዝኾነ ዝረኽብክምዎ ዓድሙ ኢሉ ከብቅዕ ሓደ ልብሰ መርዓ ዘይለበሰ ዕዱም አብ ዳስ ምስ ረአየ ወዮ ዓዳሚ ንጉሥ ክቐጽዖን አብ ቦታ ውርደትን ስቓይን ክወስድዎ ክእዝዝ ንርኢ እዝስ ዝጻረርዶ አይ መስልን? አብዚ ብዙሕ ክንሓስብ ክንሓትትን ንኽእል እዚ ሰብ አብ ሥራሕ ጸኒሑ ንገዝኡ ክአቱ እንከሎ ንዓ አላግስ ዕዱም ኢኻ ኢሎሞ ይኾኑ ወዮም ዓደምቲ ወይ እውን ድኻ ጽጉም ዘላቶ እታ ተኸዲንዋ ዘሎ ጥራሕ ክትከውን ትኽእል እያ ስለዚ ስለምንታይ ልብሰ መርዓ ክኽደን ተደልዩ። አብዚ ክንርድኦ ዘሎና እዚ ምሳሌ ፍልይ ዝበለ መልእኽቲ እዩ ዘመሓላልፈልና፥ አይሁድ ንቃል ነብያት ከምኡ ንትምህርቲ ኢየሱስ ነጺጎሞ ስለዚ አብ ቦትኦም ካልኦት ድኻታትን ዝሩጋትን አረመንን ተዓዲሞም። አብ መርዓ ክትዕደም እንከሎኻ ልብሰ መርዓ ክትለብስ ይግባእ እምበር ምስ ረሳሕን ጨርቃም ክዳን አብ መርዓ ክትመጽእ ክብረት የብሉን፥ እዚ ነቲ ዝዕድመካ ዘሎ ዘይምኽባርን ከምኡ ነቶም ምሳኻ ዝተዓደሙ ዘይምኽባርን እዩ።
ኩሎም አብ መርዓ ዝተዓደሙ ከም ዕዱማት መርዓ ክኾኑ ግድን እዩ። አብ ግብሪ ክንርእዮ ከሎና ቤተ ክርስትያን አፍደጊአ ንኹሎም ጻድቃንን ኃጥአን ከፊታ እያ እትጽበዮም፥ እንተ ኾነ እቲ ኃጢአተኛ አብ ቤተ ክርስትያን ክአቱ ብወገኑ ክገብሮ ዝግብኦ ምስንዳውን ከምኡ ንስሓ ኃጢአቱን ክገብሮ ዝግብኦን አለዎ። ካብቲ መስመር ስሒቱ ዘሎ ሕይወቱ ወጺኡ አብ አምላኽ ዝምለሰሉ ድለትን ጻዕርን እንተ ዘይአርእዩ አብ መርዓ ክሕወስ አይግብኦን። ኢየሱስ ንኹሎም ኃጥአንን መኽፈልቲ ቀረጽን ዝሩጋትን ክቕበሎም እንከሎ ሱቕ ኢሉ በቲ ዘለውዎ ሕይወት ክቕጽሉ ኢሉ አይኮነን ክንስሑን ካብቲ ዘለውዎ ሕይወት ክወጽኡ እሞ ሓዲሽ ሕይወት ክለብሱ ኢሉ እዩ። “እምነትካ አሕውያትካ፥ ካብ ሕጂ ንድሓር አይትአብስ፥ ንዓ ሰዓበኒ” ክብሎም እንከሎ ንሓዲስ ጉዕዞ ሕይወትን እምነትን እዩ ዝጽውዖም ነሩ።
አብ መወዳእታ እታ ምሳሌ ብሓደ ንጹር መልእኽቲ ትውድእ። “ጽዉዓት ብዙሓት እዮም ኅሩያት ግን ውሑዳት እዮም”። ዘሕዝን ሓቂ እዩ ነፍሲ ወከፍ አብ ሕይወቱ ፍቕሪ አምላኽ ከስተማቕር ዕዱም እንከሎ ውሑዳት ጥራሕ አብ ሕይወቶም አወሃሂዶሞ ይነብሩ። ዝበዝሑ ነቲ ዋሕስ አለዎ ኢሎም ዝሓስብዎ ድሕሪ ገንዘብ፥ ድሕሪ ረብሓ ሥጋ፥ ምቾት ዓለም፥ ስልጣንን ግዝአትን ካልእን፥ ክጎዩ ይርአዩ። እዚ እዩ ብዙኃት ደድሕሪኡ ዝጎዩ ወላ እኳ ዘይምቕሳንን ስቓይን ዝበዝሖ ምዃኑ እና ተፈልጠ።
አብ ማሕበር ክርስቶስ ምሉእ አባልነት ክህልወና መምዘኒ ነገራት ግድነት እዩ። አባላት ቤተ ክርስትያን ዘብለና መጀመርያ ምልአት ምስክርነት ወንጌል ክንለብስ አሎና። ሓደ ዘይንስሕ ወይ እውን ህዝባዊ ኃጢአት ዝገብር ማለት ከም አብ ግብረ ሸበራ ዝሕወስ ንብዙሓት ንጹሓት ሰባት ብዘይ ሓደ ምኽንያት ዝቐትል አባል ቤተ ክርስትያን ክኸውን አይኽእልን እዩ። ከምዞም ዝአመሰሉ አብ መአዲ ክርስቶስ ክሳተፉ እንከለዉ ምርኻስ መአዲ ክርስቶስ እዩ።
ልብሰ መርዓ አብዚ ምሳሌ ዘስምዖ ዕዱም መርዓ ዝሓለፈ ሕይወቱ ብዘየገድስ ግን አብዚ እዋን ንክርስቶስ ለቢሱ ዘሎ እዩ ዘመልክት። ከምዚ ዝአመሰለ ሰብ ብትምቀት ከምኡ ብኻልእ ምስጢራት ገሩ አብ መአዲ ክርስቶስ ዝሳተፍ እሞ አብ እምነትን ትምህርትን ክርስቶስ ዝዓቢ እዩ። እዚ አብ ሕይወቱ ቀስ ብቐስ እናዓበየ ዝኸይድ እዩ።
ስለ ዝተዓደምና ክነምስግን ይግባእ።
መጀመርያ ነዚ ኹሉ ዝሰማዕናዮ አብ ግምት ብምእታው ክንገብሮ ዝግብአና ነቲ አብ መአዲ መርዓ ንዝዓደመና አምላኽ ምምስጋን እዩ። ፍልጠትን ተመክሮን አብ አምላኽ በቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘስተምሃረና እሞ ዝተዋህበና እምነትን አባላት ቤተ ክርስትያን ብምዃና ዝረኸብናዮ እቲ ዝበለጸን ዝዓበየን ህያብ አብ ሕይወትና እዩ። እዚ እንተ ዘይኮነ ዝስምዓና ዘሎ ንአምላኽ ዝበለጸን ዝዓሞቖን ርድኢት ኢየሱስ ንአና እንታይ ምዃኑን አብ ሕይወትና ዘምጽኦ ትርጉምን ሓጎስን ክርድአና ክንልምኖ አሎና።
ካልአይ ክነስተንትኖ ዘሎና አብ መርዓ ካብ እተዓደምና ልብሰ መርዓና ክሳብ ክንደይ ጽሩይ እዩ ዘሎ ክንርኢ አሎና። ክሳብ ክንደይ እየ ንርእሰይ አብ ፍቕርን አገልግሎትን ንኢየሱስን ንህዝቡን አወፍየ ዘሎኹ? ክሳብ ክንደይ ኢና ጽሩያት አባላት ቍምስናና ክንብሃል እንኽእል። ክሳብ ክንደይ ኢና ሓቀኛ ምስክርነት ንኹሉ እምነትናን ትምህርቲ ቤተ ክርስትያንን አብ ውሽጥን አብ ደገን ማሕበር እንምስክሮ? አብ ርእስና ጠሚትና መርሚርና ሕልናና እና ረአና ክሳብ ክንደይ እየ አብ ጠባየይን አብ ተግባራተይን ምስ ትምህርቲ ወንጌል ዝጻረር ደፊረ ዝገብር ዘሎኹ ኢልና ክንሓትት ይግብአና። አብ ቅኑዕ ሕልና ተመርኲሰ ንልብሰ መርዓይ ቀጺለዶ ክኽደኖ እኽእል እየ ወይስ አብ ሓሶት እየ ዝነብር ዘሎኹ?
ሳልሳይ ሓደ ክንርስዖ ዘይብልና ነገር አባላት ቤተ ክርስትያን ስለ ዝኾና ክንገብሮ ዝግብአና ነገራትን ምስክርነትን ከምኡ ሕድገት ኃጢአት ካብ አምላኽን ማህበር ክርስቶስን ክንቅበል ኩሉ ጊዜ ክፉት እዩ። ንዕድመ አምላኽ አቢና አብ ካልእ አብ ዝሃውተትናሉ ሓንትስ ክንምለስ ንድለ እምበር አፍደገ ምሕረት አምላኽ ካባና ርሑቕ አይኮነን።
ናይ ሎሚ ሰንበት ባባትና እምብአር አምላኽ ንአና ኢሉ ዘሰናደዎ ዝተፈላለየ ጽቡቕ ነገራት ከምዘሎ ይዘኻኽሩና። ነፍስወከፍና ዝሓለፈ ተግባራትና ብዘየገድስ ሓደ ዓይነት መጸዋዕታ አብ መአዲ አምላኽ ክንቀርብ ተዋሂቡና አሎ። እንተ ኾነ አብ መጀመርያ ንመጸዋዕታ አምላኽ መልሲ ስለ ዝሃብናሉ ንነገራት ከምግንዖት ክንርእዮም የብልናን። አብ ርእስና ክንተአማመን ሓንቲ ዋሕስ የብልናን። ንርእስና እና አጠፋፋእና ከም ንፉዓትን እሙናትን ካቶሊካውያን ሓሲብና ነቲ ብላዕሊ ላዕሊ ጥራሕ ዝርአ ሓቂ ዘይብሉ ሕይወትና አሚና ክንዓግብ የብልናን። አብ ገለ እዋን ብስም ሰንበት ቤተ ክርስትያን ከድና ብስም ግቡእ ቤተ ክርስትያን ፈጸምና ዋሕስ ሒዝና አሎና ማለት አይኮናን። ንብዙሓት ግዳማዊ ሕይወትሞ ጥራሕ ዓርዮም ብውሽቶም ግን ግዙአት ሰይጣን ዝኾኑ አለዉ ስለዚ ሎሚ አብ ውሽጥና አቲና ሕልናና ክነንጽሕ እሞ ሓቀኛ ልብሰ መርዓ ለቢስና አብ መአዲ አምላኽ ክንቀርብ አሎና።
ንርእስና ክነጠፋፍእ ከሎና እንኸስር ንሕና ኢና አምላኽ አይኮነን ዝኸስር። ስለዚ ንልብሰ መርዓና ብንጽሕናን ብዘይ መንቅብን ሒዝና ክንክእል ክንጽሊ፥ እሙናት አርድእቲ ኮና ንዝሰማዕናዮን ንዝተመሃርናዮን ቃል እምነትና ፈጸምቲ ክንከውን ይግብአና። ንዓሚቕ እምነትን ፍቕርን ክውሃበና ከምኡ ዝበለጸ መንፈስ አገልግሎትን ሓላፍነት ዝመልኦ አብ ማሕበርና ክህልወና ክንጽሊ ይግብአና።
ንዓዳሚ አምላኽ ዕድሚኡ አኽቢርና መጺአ አሎኹ ንኹሉ ድኽመተይ ኃጢአተይ ኅደገለይ ንበሎ ንኡ የብቅዓና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.