2014-06-26 16:42:18

ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ወዲ ቤተ ክርስትያን ኢዩ፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሃብዎ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ “ክርስትያን ምዃን ማለት አባል ናይታ ዓባይ ሥድራቤት ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ምዃን ማለት ኢዩ፣ አብዚ ሳላ አኅዋትናን አኃትናን ንክርስቶስ ንረክብ፣ በይነይ ክድሕን ኢየ ቢልካ ምሕሳብ ሓደገኛ ፈተና ኢዩ፣ እንክብሉ መንነት ቤተ ክርስትያን ብሰፊሑ ገሊጾም፣
ቅዱስነቶም ትማሊ ዘቅረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ናይ ወርሒ ሓምለ ዕረፍቲ ምኻዶም ስለዝኾነ ሽሕኳ ሰማያት ሮማ ብደመናን ነጠብጣብ ዝናብን ብብዝሒ አብ ቅርዓት ክትእከብ ዘየተባብዕ እንተነበረ ሕዝቢ ግን ትምህርቲ ቅዱስነቶም ንክሰም ዕን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንኽሳተፍን ልዕሊ ሰላሳ ሺሕ ዝኸውን አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እንክ እከብ ካል ኦት በሽሓት ዝቍጸሩ ሕሙማት እውን አብ አደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ኮይኖም ብቀጥታ ናይ ቪድዮ ተኸታቲሎሞም አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ፈጸሙ ከአ ናብ አደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ብምኻድ ነቶም ሕሙማት ሰላም ብምብላን ኢዶም ብምንባርን ጸልዪምሎም፣
አብቲ ዘቅረብዎ ትምህርቲ አድላይነት ቤተ ክርስትያንን ናይ ነፍስወከፍ ክርስትያን አባልነትን ንሕዝበ እግዚአብሔር ከምዘቅውም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣ “ዝተነጸልና ግለሰባት አይኮናን ከማኡ እውን ክርስትናና ከም ድላይና እንነብሮ ነናይ ግልና አይኮነን፣ መንነትና አባላት ቤተ ክርስትያን ምዃና ኢዩ፣ ክርስትያን ዘብለና አባላት ቤተ ክርስትያን ስለዝኾና ጥራሕ ኢዩ፣ ስምና ክርስትያን ኢየ ዝብል እንተኾይኑ ስም አቦና ከአ አባል ቤተ ክርስትያን ኢየ ክኸውን አለዎ፣ እዚ አባልነት እዚ ከምቲ እግዚአብሔር ንሙሴ አብ ሲና ስሙ እንክገልጽ ዝበሎ ደስ ዘብል አባልነት ኢዩ፣ አነ አምላኽ አቦታትኩም አብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ኢየ ከምዝበሎ ኢዩ፣ ካብ ውሉድ ወልዶ ዝተመሓላለፈልና እምነት ኢና ሒዝና ንጐዓዝ፣
“ባዕሉ ክርስትያን ዝኸውን የልቦን፣ አብ ቤተ ሙከራ ወይ ላባራቶሪ ክርስትያን ክትፍብርኽ አይከአልን ኢዩ፣ ክርስትያን ክፍሊ ናይ ሓደ ካብ ነዊሕ ዝጸንሔ ሕዝበ እግዚአብሔር ኢዩ፣ እንተደአ ንአምን ኰና፤ ክንጽሊ እንተደአ ንኽእል ኰና፤ ንጐይታ እንተደአ ንፈልጦ ኰና እንተደአ ቃሉ ክንሰምዕ ንኽእል ኰና፤ እግዚአብሔር ምሳና ከምዘሎ ሰኸኽ ዝብለና ኰይኑን አብ አኅዋትና ክንፈልጦ ንኽ እል እንተዀና ካል ኦት ቅድሜና ተመኵሮ እምነት ከምዝነበሮምን ናባና ከምዘመሓላለፍዎን ነዛ እምነት እዚአ ካብ አቦታትና አባሓጎታትናን ከምዝተቀበልናያ ንሶም ከአ ከምዝመሃሩና ንፈልጥ፣ እዞም ሰባት እዚኦም እቶም ክንዳና ኮይኖም ጥምቀት ዝሓተቱ ወለድና አብ ገዛ ትእምርተ መስቀል ከመይ ከምዝግበር ዝመሃሩና አባሓጎታትናን አደዓባያትናን ወይውን እቲ ንመጀመርያ ጊዜ ትምህርቲ ክርስቶስ ዝመሃሩና ቆሞሳት ካህናት ደናግል መማህራን ትምህርቲ ክርስቶስ ሓደ ክኾኑ ይኽእሉ፣ እንተ እቲ ኮይኑ እንተ እዚ ቤተ ክርስትያን ማለት እዚአ እያ፣ ዓባይ ሥድራቤት ኮይና ንኩሉ እትቅበል ብሓባር ኰንካ ከአ ከም አመንቲ ንምንባር እትመሃረሉ ኢዩ፣ ስለዚ ዲኢዋይ ዱ ኢት ዮርሰልፍ ባዕልኻ ግበሮ ዝበሃል ናይ ፋሉልነት ናብራ አብ ቤተ ክርስትያን የልቦን፣
ሓንሳብ ሓንሳብ አነ ብ እግዚአብሔር እ አምን ኢየ ብክርስቶስ እ አምን ኢየ ኮይኑ ግን ቤተ ክርስትያን አይተገድሰንን ኢያ፤ ዝብል ሰብ የጓንፍ፣ እዚ ክንደይ ጊዜ ሰሚ ዕናዮ ንኸውን? ኮይኑ ግን እዚ ዘይከውን ኢዩ፣ ገሊኦም ከአ ብዘይ ናይ ቤተ ክርስትያን መንጎኛነትን ኅብረትን ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ግላውን ቀጥታውን ርክብ አሎኒ ዝብሉ አለው፣ ርግጽ እዩ ብሓባር ምጕዓዝ ቀሊል አይኮነን ዝሓቶ መስዋዕትነትን ዘሰክሞ ሓላፍነትን አሎ፤ ሓንሳብ ሓንሳብ ቅጭ ዘምጽአልካ ኩነታት የጋጥም ኮይኑ ግን ጐይታ በቶም ምስ ዝተፈላለየ ውህበታቶምን ገበታ ጸገማቶምን ምስኦም እንነብር አኅዋትናን አኃትናን ገቢሩ ኢዩ ዝረኽበናን ዝግለጸልናን፣ እዚ ከአ አባል ቤተ ክርስትያን ምዃን ማለት ኢዩ፣ እንክብሉ ምስ አስተምሃሩ እዚ ቀሊል ከምዘይኮነን በይንና ከምዘይንኽእሎን ተገንዚብና ንጐይታ ክንልምኖ ከምዘሎና ከምዚ ክብሉ አተሓሳሲቦም፣
ዝተፈቶኹም አ ዕሩኽተይ! ብ አማላድነት እታ አደ ቤተ ክርስትያን ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም እኖና ጐይታ ካብቲ በዘይ ቤተክርስትያን ካል ኦትን በይነይ ክድሕን እኽ እል ኢየ ዝብል ፈተና ክስውረና ንለምኖ፣ ነሕዋትና ከየፍቀርና ንእግዚአብሔር ክነፍቅሮ አይንኽእልን ነዚ ከአ ካብ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ክንገብሮ አይንኽእልን ኢና ከማኡ እውን ምስ ቤተ ክርስትያን ብኃባር እናተጐዓዝና ምስአ ሓድነት እንተዘይብልና ምስቶም ሓደ ሕዝቢ ኮይኖም ንክርስቶስ ክኽተሉ ዝጋደሉ ብሓባር ኰና ምስታ ቤተ ክርስትያን እንብላ እንኮ ሰውነት ክርስቶስ እንተዘይተጓዒዝና ሕያዎት ክርስትያን ክንከውን አይንኽእልን ኢና እንክብሉ ብምጥንቃቅ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.