2014-06-24 16:46:28

ንካልኦት ዝፈርድ መስተማሰሊ ኢዩ፤ ንገዛእ ርእሱ ከአ አብ ቦታ እግዚአብሔር የቀምጥ፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ አብ ዘዕረግዎ መሥዋተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት ኢዩ፣ ቅዱስነቶም ነቲ አብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዝተነበ “አይትፍረዱ በቲ ዝፈረድክምዎ ፍርዲ ክትፍረዱ ኢኹም” ዝብል ጥቅሲ ተመርኵሶም “እቲ እንኮ ፈራዲ እግዚአብሔር ጥራሕ ኢዩ፣ አብ ቅድሚ ፍርዲ እግዚአብሔር ከአ እንኮ ጠበቃ ኢዩ ዘሎ ንሱ ከአ ጐ.ኢ.ክ ኢዩ፣ ጠበቃናን ዝከላኸለናን ስለዝኾነ አባኡ ክንተአማመን ናባኡ ክንጐዪ አሎና፣ እቲ ካልአይ ጠበቃና ከአ እቲ ካል እ መጸናንዒ ክሰደልኩም ኢዩ ቢሉ ብመዓልቲ ጰራቅሊጦስ ዝ ዓደለና መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፣ ስለዚ ቅድም ቀዳድም ዘይስራሕና ካብ ምሥራሕ ክንቁጠብ ማለት ከይንፈርድ ከመይ ፈራዲ ሓደ ስለዝኾነ፤ ፍርዱ ቅኑ ዕን ሓቅን ስለዝኾነ ካብ ፍርዱ ዘምልጥ የልቦን፤ ካብዚ እንድሕነሉ እንኮ መንገዲ መለኮታዊ ምሕረት ኢዩ፣ ኢየሱስ ከአ ነዚ ሒዙልና ስለዝመጸ ጠበቃና ኮይኑ ከክንዳና ይከላኸል፣ ካብዚ እንድሕሪ አንደልሒጽና ዝጽበየና ከምቲ ዝፈረድናዮ ፍርዲ ኢና እንፍረድ፣ ስለዝኾነ ከአ ወንጌል “ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ….. ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ፡፡ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ።” እናበለ ዝወቅሰና፣ ስለዚ ዝኾነ ንሓው ዝፈርድ ሰብ ይጋገ፤ ይደናገር እሞ ይሰዓር ከመይ ናይቲ እንኮ ፈራዲ ዝኾነ እግዚአብሄር ቦታ ስለዝወስድ፣ እቲ ወይልኹም ፈሪሳውያን እናበለ ኢየሱስ ዝወቅሶ ወቀሳ ከአ አብ ል ዕሊኡ ይፍጸም፣ እግዚአብሔር እኳ ሓቀኛ ዳኛ ክንሱ ብት ዕግሥቲ እንክጽበ እዚ ከምዚ ዓይነት ፈሪሳዊ ወይ አምሰሉ ሰብ ግን ተቀላጢፉ ኢዩ ዝፈርድ፣ እቲ ፍርዲ ዘምጸአሉ መዓት ግን ዝዘንገዐ ይመስል” ቢሎም፣
“ስለዚኸስ ዝፈርድ ይጋገ ምኽንያቱ ከአ ዘይቦቱኡ ስለዝወስድ፣ ብጌጋ ጥራይ ጠጠው አይብልን ይደናገር እውን፣ በዚ ከአ ነቲ አብ ዓይኑ ዘሎ ጕንዲ ከይረአየ በቲ አብ ዓይኒ ብጻዩ ዘሎ በሰር ድቃስ ስ ኢኑ ይሓድር፣ ብድፍረት ከአ ነቲ ዓይንኻ ዘሎ በሰር ከውጻአልካ ይብሎ፣ ኩሉ ይደናገሮ እቲ አብ ዓይኑ ዘሎ ጉንዲ በሰር እቲ አብ ዓይኒ ብጻዩ ዘሎ ጕንዲ ኮይኑ ይረአዮ፣ ስለዚ ዝፈርድ ኩሉ ጊዜ ምስ ተሳዕረ ኢዩ ብሕማቅ ይውድእ፤ ምኽንያቱ በታ ዝሰፈራ መስፈር ክስፈረሉ ኢዩ፣ ብጌጋ ቦታ እግዚአብሔር ሒዙ ንጥፍአቱ ብትዕቢት ይቋመር፣ እቲ ስዕረት አበይ ኢዩ እንተበልና በታ ዝሰፈርካያ መስፈር ክስፈረልካ እንከሎ ካብዚ ዚ ዓቢ ውርደት የልቦን፣ ስለዚኸስ እንኮ ፈራዲ እግዚአብሔርን እቶም ንሱ ሥልጣን ዝሃቦምን ኢዩ፣ ነዙይ አብነት ክኾነና ዝኽ እል ኢየሱስ ኢዩ፣
“ኢየሱስ አብ ቅድሚ አቦኡ ፈጺሙ አይከስስን እኳ ደአ በንጻሩ ጠበቃ ኮይኑ ይከላኸለልና፧ ንሱ እቲ ቀዳማይ ጰራቅሊጦስ ኢዩ፣ ደሓር ነቲ ካልእ ጰራቅሊጦስ ይሰደልና እዚ ካል እ ጰራቅሊጦስ ከአ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፣ ተከላኻሊ እውን ኢዩ፣ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር አብ ካብ ክሲ ይከላኸለልና፣ እቲ ከሳሲኸ መን ኢዩ? መጽሓፍ ቅዱስ ንዲያብሎስ ንሰይጣን እቲ ከሳሲ ቢሉ ይጽው ዖ፣ ኢየሱስከ ክፈርድ ድዩ፤ እወ! አብ መወዳእታ ዓለም ሥልጣን ኩሉ ነአኡ ክወሃብ ኢዩ፣ ክሳብ ሽ ዑ ግን ም እንታና ከማልድን ክከላኸለልናን ኢዩ፣
ሕጽር ብዝበለ መንገዲ እቲ ንሓው ዝፈርድ ነቲ መስፍን ናይዚ ዓለምዚ ዝመስል ኮይኑ ደድሕሪ ሰባት እናኸደ ክሲ የቅርብ፣ ስለዚኸስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንአኡ እንመስለሉ ጸጋ ክዕድለና እሞ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ተኸላኸልቲ አሕዋትናን ጠበቃታቶምን ክንከውን እምበር ነቲ አብ መወዳእታ አብ ዕንወት ዘብጽ ሕ ናይዚ ዓለምዚ መስፍን ከይመስል ንክሕግዘና ንለምኖ፣
“ብመንገዲ ኢየሱስ ክንመላለስ እንተደአ ደሊና አብ ቅድሚ አቦና ነሕዋትና ክንከላኸለሎምን ክንጣበቀሎምን እምበር ክንከሶም የብልናን፣ አብ ብጻየይ ሓደ ሕማቅ ነገር እንተረኺበሉ ክከላኸለሉድየ ቢልካ እተሓቲትካኒ ሃታው ሱቅ በል ከድካ ከምቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ምእንታኡ ጸሎት ብምግባር አብ እግዚአብሔር አብ ተከላኸለሉ እብለካ፣ ምእንታኡ ጸሊ እምበር አይትፍረድ እንተዘየሎ ንስኻ መዓልቲ ትጋገ እውን በታ ዝፈረድካያ ፍርዲ ክትፍረድ ኢኻ፣ ነዚ አጸቢቅኩም ዘክርዎ አብቲ ዕለት ዕለት እትገብርዎ ናይ ሕይወት ጕዕዞ ክሕግዘኩም ኢዩ ምናልባት ንሓውኻ ናይ ምፍራድ ፈተና እንተጋጢሙካ ነዚ ዘክር ከማኡ እውን ሓደ ዓይነት ፍርዲ ዝኾነ ኮይኑ ግን ዘይነስተው ዕለሉ ናይ ሕሜታ ፈተና እንተመጺኡና ነዙይ ንዘክር እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ በቲ ትዊተር ዝተሰምየ ናይ ዘመንና መራኸቢ ብዙኃን “አብ ማእከላይ ምብራቅ ዘለው ማሕበረ ክርስትያን አብቲ መሠረት ክርስትና ዝኾነ ቦታቲ ንምንባር ም እንቲ ክቅጽሉ ም እንታኦም ንጸሊ” እንክብሉ ነቲ በዚ መርበብ እዚ ዝከታተልዎም ልዕሊ 14 ሚልዮን ዝኾነ ዓማዊሎም ሓጺር መልእኽቲ ሰዲዶም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.