2014-06-21 16:36:59

ቅዱስ ኣቦና፦ ልብና ሃብቲ ገንዘብን ብኵንነትን ስልጣንን ግዙእ ኣይንግበር


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ሰነ 2014 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫትካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ንጎሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣመርኵይዞም፦ “ኢየሱስ ልባትና ካብ ሃብቲ ገንዘብን ብዅንነት ስልጣንን ናጻ ክኸውን ይሓተና ኣሎ” ኣብ ዝብል ቁዉም ሓሳብ ዘማእከለ ኣስተንትኖ ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።
ሓቀይና ሃብቲ እቲ ንልባትና ብብርሃን ዝዅልዕ ስግደትን ኣምልኾን ንእግዚኣብሔርን ፍቕሪ ንብጻይናን ዝብል ከምዝኾነን፣ ምእንቲ’ዚ ካብቲ ንልባትና ከበድ ዘንብርን መቑሕን ዓለማዊ ሃብቲ ክንሕለው እንከጠንቅቑ ኣብ ምድሪ ሃብቲ ኣይትኣክቡ ዝብል ናይ ዕለቱ ምንባበ ወንጌል ዝህብዎ ምዕዳን መሰረት ገይሮም፦ “ቀዳማይ እቲ ኣመና ዝተፈትወ ወርቂ ገንዘብ ሃብቲ….ድዩ? ክትስረቕን እቲ ሃብቲ ክበርስን ዝከኣል እዩ። መዕቀኒ ናይ ሃብቲ ገንዘብ ምጣኔ ዕዳጋ ክወርድ እንከሎ ብዘይ ገለ ትተርፍ። ደሓር ግን ንጽብሒቱ እቲ መምዘኒ ሃብቲ ገንዘብን ቁጠባን ክድይብ እንከሎ ብእትረኽባ ሓንቲ ባጤራ ተመሊሳካ ትሕጐስ፣ ሃብቲ ሰናይ እዩ፣ ሓደገይና ድማ እዩ፣ ሃብቲ ንብዙሕ ነገር ከገልግል ይኽእል…ኰይኑ ግን ሃርጐፍጐፍን ምውህላልን ኣዚዩ ሓደገይና እዩ፣ ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ በራስን ክትስረቖ ዝከኣል ምዃኑ ይሕብረና እሞ ልብና ሃብትና ኣብዘለሉ ከይከውን ይምዕደና። ክብርኻ ኣብ ሃብትኻን ኣብ ብኵንነትን ስልጣንን ትዕቢትን እንተድኣ ኰይኑ ልብኻ እሱርን ግዙእን እዩ፣ ስለዚህ ኢየሱስ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌሉ ናጻ ልቢ ይሃልኹም ይብለና ኣሎ። ፍቕርን ትዕግስን ኣገልግሎት ንብጻይን ስግንደትን ኣምልኾን ንእዚኣብሔር ዝዓበየ ክቡር ሃብቲ እዩ። እዚ እዩ እቲ ማንም ክዘርፎን ክሰርቆን ዘይከኣሎ እውነተይና ሃብቲ። ካልእ ዓይነቲ ሃብቲታት በራስን መሽማሽን እዩ፣ ልባትና ዘኽብዱን ዝኣስሩን ነጻነት ዝነፍጉን እያቶም፣” እንክብሉ ዘስምዕዎ ኣስተንትኖ ብምቕጻል፦ “ብብርሃን ዝተዀልዔ ልቢ ዘይተሞቕሐ ንቕድሚት ዝብልን ልክዕ ከም ጥዑም ወይኒ እንተኣረገ እውን ጥዑይን ጥዕና ዘለዎ ኰይኑ ምንባር ዝቕጽል እዩ። ካብዚ ወጻኢ ካልእ ዓይነት ልቢ ግን ግዜ ምስ ዝሓለፍ ኣዚዩ እናመጸጸ ይኸይድ፣ ጐይታ ልብና ኣበይ ከምዘሎን ልበይ ዝተጣብቀሉ ክቡር ዋጋ ዝሃክዎ ሃብተይ እንታይ ምዃኑ ነኸለልይ መንፈሳዊ ምስትውዓል ይዓድለና ካብ ብኹንነትን ሃብትን ገንዝብን ልባትና ከነላቕቕን ካብዚ ዓይነት መቑሕ ክንሕረርን ብብርሃን ዝተዀልዔ ክኸውን እቲ እውነተይና ናይ ደቂ እግዚኣብሔር ምዃን እዚ ድማ እውነተይና ናጽነት ዝህቦ ሓጎስ ክንነብር ዘብቅዓና ሓይሉ ይጸግወና” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንዶ ጂሶቲ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.