2014-06-19 16:34:24

ሕቶ ቤተ ክርስቲያን ንማሕበር ሰብዓን ሸውዓተን ወሰኽ ቻይና ጉጅለ ሃገራት


RealAudioMP3 ሰብዓን ሸውዓተን ሃገራት ብተወሳኺ ቻይና ዘጠቓለለ ጉጅለ ሃገራት ኣብ ቦሊቪያ ከተማ ሳንታ ክሩዝ ካብ ዕለት 14 ክሳብ ዕለት 15 ሰነ 2014 ዓ.ም. ካብ መላእ ዓለም ክሳብ 2030 ዓ.ም. ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ስእነት መግብን ጥምየትን ንምጥፋእ ዝብል ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መደብ ልምዓት ኣማእኪሉ ጉባኤ ከምዘካየደ ክምልከት እንከሎ፣ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፍትሕን ቅንዕናን ዝተመስረተ ሓድሽ ስርዓት ዓለም ዘለዎ ኣድላይነት ናይ ሳንታ ክሩዝ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሰርጆ ጓልበርቲ ዝሓለፈ ዕለት 15 ሰነ 2014 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፦ ናይተን ሰብዓን ሸውዓተን ሃገራት ብተወሳኺ ቻይና ዘጠቓለለ ጉጅለ ሃገራት መንግስታትን ወከልትን ናይ መላእ ሕዝብ ናይ ሓባራዊ ረብሓን ናይ ሓድነት ሰላምን ሕዝብታት ኣገልገልቲ እያቶም። መንግስቲ ማለት ድማ ኣገልጋሊ ሕዝቢ ማለት እዩ። ካብ መላእ ዓለም ድኽነትን ጥምየትን ስእነት መግብን ንምጥፋእ ፍትሕን ሰላምን ኣገዳሲ እዩ” ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ከምእተሳተፉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ መላእ መንግስታት ዓለም ስእነት መግብን ጥምየትን ንምብዳህ ፍትሕን ሰላምን መሰረት ምዃኑን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ምርግጋጽ ከይተጸመድካ ብመግባዊ ዕደላ ዝፍታሕ ዘይከኣል ከምዝኾነን፣ ናይ ኣሕዛብ ድኽነትን ጥምየትን ንምውግጋድ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተሓንጸጸ ናይ ልምዓት መደብ ኣብ መልእ ዓለም ክትግበር ናይ መላእ ዓለም ሃገራት መንግስታት ህርኵት ጻዕሪ ከምዘድሊ ብፁዕ ኣቡነ ሰርጆ ጉዋልበርቲ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከምዝገለጹ ሓቢሩ፣ እቲ ጉጅለ ሃገራት ሰብዓን ሸውዓተን ወሰኽ ቻይና ጉጅለ ሃገራት ኣብ 1964 ዓ.ም. ዝቖመ ማሕበር ከምዝኾነን ብጠቕላላ ኣብዚ እዋን’ዚ 133 ሓገራት ብኣባልነት ዝጥርንፍ እውን ክኸውን እንከሎ ኣብ ፈላማ ምስረታኡ ብኣባልነት ሰብዓን ሸውዓተን ሃገራት ዝሓቁፍ ብምንባሩ ድማ ሎሚ በቲ ሰብዓን ሸውዓተን ዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግልቶ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.