2014-06-15 18:44:13

፪ ሰንበት ዘጰራቅሎጦስ 2006 ዓ.ም. ሠነ 8 2006 ዓ.ም.(6/15/2014)


መዝሙር፡ ዐርገ እምሃቤሆም አው ወረደ መንፈስ ቅዱስ. . . . . ።
ንባባት፡ ኤፌ 4፡1-7፥ 1ዮሓ 2፡1-8፥ ግ.ሓ. 8፡5-17፥ ዮሓ፡ 14፡15-31።
ስብከት፡ “ዐረገ ውስተ አርያም፥ ጸዌውከ ጼዋ ወወሃብከ ጸጋከ ለእጓለ እምሕያው፥ እስመ ይክሕዱ ከመ ይህድሩ” “አብ ላዕሊ ዓሪግካ ንምሩኻት ማረኽካ፥ ህያብካ ንሰባት ሃብካ፥ ዓመጸኛታት አብኡ ምእንቲ ክሓድሩ” መዝ. 88፡18።
መዝሙር፡ አብ ናይ ሎሚ ሰንበት ክልተ ምርጫ አሎና።
1.“መንፈስ ቅዱስ ከም ሓዊ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ወረደ ብኹሉ ቋንቋ ኸኣ ተናገሩ”
2. ካብኣቶም ክዓረገ እንከሎ ምሳኻትኩም ንወትሩ ዝነብር ዓለም ክትወስዶ ዘይትኽእል ጰራቅሊጦስ ከአ ክሰደልኩም እየ፥ ዘኽታማት ኮንኩም አይክሓድገኩምን እየ።
ዘኽታማት ክትኮኑ አይክሓድገኩምን እየ ይብለና ኢየሱስ። አብ ዓለም ዝኽትምና ዝኸፍአ ነገር እዩ። ዝኽትምና ጠባይና አተሓሳስባና ኩሉ ሕይወትና ክትንክፍ ይክአል። ዘኽታም ብዙሕ ጊዜ መስተማሳላይ እዩ አብ ርእሱ አይተአማመንን ገለ ዝጎደሎ ኮይኑ ስለ ዝስምዖ ንኹሉ ዝጓነፎ ምስቲ ዝኽትምናኡ የተሓሕዞ። ነዚ ስለ እንፈልጥ ዝኽትምና ከቢድ እዩ ንብል። ዝኽትምና መንፈስ እውን ዝኸበደ እዩ። ሰብ ካብ አምላኽ ምስ ረሓቐ ከቢድ ዝኽትምና ይወርዶ። ቀዳሞት ወለድና ካብ አምላኾም ምስ ረሓቑ ኩሉ ጸበባን መከራን ወረዶም። ንኹሉ ከምድላዮም ዝገብሩ ዝነበሩ ከስተማስሉ ጀሚሮም። ነዚ ብወለድና ዝአተወ ዝኽትምና ኢየሱስ ክርስቶስ ቀይርልና። ዝኽትምና ካብ አምላኽ ምስ ርሓቕና ጥራሕ ወይ እውን ወለድና ምስ ሞቱ ጥራሕ አይ ኮነን ዝመጽእ ካብ ሰብ ምስተፈለና ካብ ቤተ ክርስትያና ምስ ተፈለና ካብ ፈተውትና ምስ ተፈለና እውን ዝኽትምና ይወርደና እዩ። ሰብ ጸሊኡኒ መዓልካ ከሊኡኒ አይበጽሑንን ዋጋ አይሁቡንን ዝብል መንፈስ ምስአተወና ዝከበደ መንፈስ ዝኽትምና ይአትወና። ነዚ ክንስዕሮ ምስ ሰብ ክንሕወስ ሰባት አብ ዝበደልዎ ጥራሕ ካብ ምትኳር ክንጥንቀቕ፥ ናይ ካልኦት በደልን ጌጋን ጥራሕ ከይጠመትና አነ እውን ዝጎደልክዎ አሎኒ ኢልና ካብ ዝኽትምና ዝምድና ምስ ሰባት ክንወጽእ ንኽእል። ሰብ ማሕበራዊ እንስሳ እዩ ዝብሃል ሕቂ እዩ ሰባት የድልዩና እዮም ብዝያዳ ኸአ ብእምነት አሕዋትና ምኽንያቱ ብኹሉ ክሕግዙና ስለ ዝኽእሉ። አብ ዓለም እቲ ዝሓመቐ ሰብ ንሓዉን/ንሓፍቱን አይደልየኩምን አይትቕረቡኒ ምሳኹም ወዲአ አሎኹ ዝብል እዩ። ፍቕሪ አሕዋት መወዳእታ የብሉን ኩሉ ጊዜ እና ዓበየን እና ሰሰነን ዝኸይድ እዩ፥ ከም ገለ አጋጢሙ ጸገም እንተ ተጓነፎ ክዕረ ዝግብኦ ጉዳይ እዩ። እዚ አብ ግብሪ ክንገብሮ ንብዙሓት ይኸብደና እዩ፥ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ የድልየና መጸናንዒ ሓጋዚ ስለ ዝኾነ ሓግዘና ክንብሎ ክንጽሊ የድልየና።
አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ንሓዋርያቱ ቅድሚ ንሰማይ ምኻዱ ዘኽታማት ኮንኩም ክተርፉ አይ ክሓድገኩምን እየ ኢልዎም። ንሕማማቱን ሞቱን ምስ ነገሮም ምስጢሩ ከረድኦም ኢሉ ዝኽትምና አይክወርደኩምን እዩ ምኽንያቱ ወላ እኳ ብዓይኒ ሥጋ ካባኹም እንተ ተፈለኹ ኩሉ ጊዜ ምሳኹም አሎኹ ኢልዎም። ድሕሪ ትንሣኤ ህላዌ ኢየሱስ አብ መንጎ ሓዋርያቱ ፍሉይ ህላዌ እዩ ነሩ። አብ ኩሉ ቦታን ጊዜን ምስኦም ከምዘሎ ገሊጽሎም። ገዛ ብዕጹዉ አብ ባሕሪ አብ መገዲ ምስኦም ከምዘሎ አርእይዎም። እዚ ሓዲስ ህላዌ ንዝጓነፍ ዝክትምና ከምዝሓልፍዎ ገርዎም።
“ልብኹም አይሸበር” ኢልዎም “አብ አምላኽ እመኑ አባይ እውን እመኑ” እዚ ክብሎም እንከሎ አብኡ ምሉእ እምነት ክገብሩ ሓቲትዎም። ዝተረበሸ ሕይወት ንርእሱ ቅሳነት ስኢኑ ንኻልኦት ቅሳነት ይኸልእ። እምነት ዘሕደረ ብአንጻሩ ቅሳነት ሰላም ኩሉ አልኦ። ኢየሱስ ነርድእቱ አነ አብ አቦ አሎኹ አቦ ኸአ አባይ አሎ ክብለኩም ከሎኹ እመኑኒ እዚ ኽአ አብቲ ዝገብሮ ዘሎኹ ርአይዎ ኢልዎም። ብዓይኒ እምነት ንርክብ ኢየሱስ ምስ አብኡ ክርእዩ ዓዲምዎም። አብ መንግኦም ዝህሉ ርክብ አብቲ ንሱ ምስ አብኡ ዘለዎ ርክብ ክምስረት ነጊርዎም። ንሱ እቲ እንኮ መንጎኛና እዩ።
ሓዋርያት እዚ ክሓድገኩም እየ ዝብል ዘረባ ከቢድዎም አይተሓጎሱን ስለዚ ልቦም ተሸቢሩ። ቦታ ከሰናድወልኩም እኸይድ አሎኹ ተመሊሰ ኸአ ክወስደኩም እየ ኢልዎም እንከሎ ጌና አይተቐበልዎን። ንኹሉ አቐዲሙ ገሊጽሎም ነሩ ክሽበሩ አይምተገብአን ምስኡ ሰለስተ ዓመት ተቐሚጦም ኩሉ ርእዮም ገሊኦም ዓው ኢሎም ንስኻ እቲ እንጽበዮ መስሕ ኢኻ እናበሉ መስኪሮም ተአምራት ክገብር ርእዮሞ በዚ ምኽንያት ንኹሉ ስለ ዝነገሮም ነቲ ዝኸዶ ትፈልጥዎ ኢኹም ኢልዎም።
ቶማስ እቲ ኩሉ ጊዜ ክሓትት ዝደሊ ከምኡ አጽብብ አቢሉ ዝሓስብ ዝመስል ‘አበይ ከምእትኸይድ ዘይንፈልጥስ ነቲ መገዲ ከመይ ኢልና ክንፈልጦ ንኽእል እናበለ ክሓትት ንሰምዖ’። አብዚ እቲ ዝበለጸ መልስን ትምህርትን ክህቦ ንሰምዕ፥ “አነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ” ብአይ እንተ ዘይኮይኑ ናብ አቦ ክመጽእ ዝኽእል የለን ኢልዎም። ካብ ሕጂ ንድሓር ጉዕዞ ሰማይ ምስኡ ጥራሕ ክኸውን ከምዝግብኦ ነጊርዎም። ቀጺሉ ከአ “ነቦ ክልምኖ እየ ንሱ ድማ ንዘለዓለም ምሳኻትኩም ዝነብር ኻልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ” ኢልዎም። መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ጊዜ ምስኦም ኮይኑ አብ ሰናይን ሕማቕን ጊዜ ምስኦም ከምዝኸውን ነጊርዎም። መንፈስ ቅዱስ ምስኦም ስለ ዝህሉ ዝኾነ ዝኽትምና አይክወርዶምን እዩ።
አብ ግ.ሓ. ንሎሚ ዝተነበ እንተ ርአና መንፈስ ቅዱስ አብ መዓልታዊ ስራሕ ሓዋርያት ይዓዪ ከምዝነበረ ንርኢ። መንፈስ ቅዱስ ዝመርሖ ሕይወት ክሳብ ክንደይ ከምዝዕወት ክገልጽ ኢሉ ኸአ ነቲ ድያቆን ፍሊጶስ ዝገበሮ ተአምራታትን ትምህርትን ይጠቕስ። ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ክሰተምህር እንከሎ ሰማዒ ይረክብ እቶም ሰማዕቱ አብ እምነት ይምለሱ። ፍሊጶስ አብቶም ዝተጸልኡ ሳምራውያን እዩ ሰቢኹ ብዙሓት ከአ አብ ክርስቶስ ክአምኑ ጀሚሮም። አብዚ እንርእዮ ብዓይኒ ሰባት ንኡቓት ዝኾኑ ብአምላኽ ዝበለጸ ጸጋ ክዕደሉ ይክአል እዩ። መጸዋዕታ አምላኽ አብ ዓለት ወይ አብ ተግባር ሰባት አይድረትን እዩ። ንአምላኽ ዘሓጉሶ ንቃሉ ምስማዕን በቲ ንሱ ዝደልዮ ተመሪሕካ ምጉዓዝን እዩ።
አብ ወንጌል ንሓዋርያቱ ዓለም ንመንፈስ ቅዱስ ክትርእዮ ክተለልዮ ከምዘይትኽእል ነጊርዎም ስለዚ መከራ ፈተና እንተ በዝሐ ክገርሞም የብሉን ነቲ ብክርስቶስ ዝውሃብ ጸጋ ክርእዩ ስለ ዘይክአሉ እዩ። ብዙሕ ጊዜ ነዚ ክንሓስብ እንከሎና ካልኦት ሰባት እና እንጥምት እንተ ኾነ አብ ርእስና ክንምለስ የድሊ። አነ ከም አነ እርኢ ዘሎኹ ነቲ አምላኽ ዝህበኒ ዘሎ ጸጋ ወይ ነቲ አምላኽ ካባይ ዝደልዮ ነገራት እርኢ ዘሎኹ ክንብል አሎና። አባና ዝዓዪ ዘሎ መንፈስ አየናይ እዩ። ሰይጣን ተዓዊትልና ከይህሉ እሞ አብ ጸላም ንጉዓዝ ከይንህሉ።
አብ ብርሃን ተመሊስካ ምኽአል፡
ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ሎሚ ኸአ ንነፍሲ ወከፍና ‘እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ ትእዛዛተይ ሓልዉ’ ይብለና አሎ። አባይ ንበሩ እናበለ ንኢየሱስ ምፍቃር ማለት ምስኡ አብ መገዲ ምጉዓዝ፥ ምስኡ አብ ኩሉ መነባብሮና ምንባር ካብ ብርሃኑ ምክፋል ማለት እዩ። ምስመን እነብር አሎኹ ሕይወተይ ናይ መን እዩ ኮይኑ ዘሎ ኢልና አብ ርእስና ክንጥምት አሎና። ክንርኢ ክነፍቅር አብ ሓቂ ክነብር ንኢየሱስ ክንመስል አሎና። “አነ ብርሃን ዓለም እየ” ኢሉና አሎ። ክርስትያን ማለት ተሳታፋይ ብርሃን ክርስቶስ ማለት እዩ፥ “ብርሃንኩም አብ ቅድሚ ዓለም ይብራህ” ኢሉ አካፈልቲ ብርሃን ክንከውን ነጊሩና። ዝተቐበልናዮ ብርሃን መንፈስ ቅዱስ አብ ርእስና ጥራሕ ሒዝናዮ ክነብር አይንኽእልን ኢና ክነካፍሎ ክነርእዮ ብዓቢኡ ከአ ምስ ርእስና ክነወሃህዶ ይግብአና። “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም” ኢሉና እዚ ሓላፍነትን ጸጋን እዩ። ሓላፍነት እዩ ምኽንያቱ እዛ እንነብረላ ዓለም መገዲ አምላኽ ክትሕዝ ንሕና ኢና ሓገዝታ። መቐረት እንህባ ንጽቡቕን ጌጋን እንሕብራ ንሕና ኢና ስለዚ እዚ ሓላፍነት አሎና። ጸጋ እዩ ምኽንያቱ ህያብ አምላኽ እዩ ባዕልና ንፈጥሮ ብርሃን አይኮነን ክንህብ ተዋሂቡና። አምላኽ ብአና ገሩ ንኻልኦት ከካፍሎ ዝደሊ ህያብ እዩ። ቅ. ጳውሎስ ወይለይ ንኢየሱስ እንተ ዘይሰበኽኩ ይብል ነሩ ዝለበሶ ጸጋ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ሎሚ ንሕና እውን ንዝተዋህበና መብራህቲ ምስ ካልኦት ክነካፍሎ እንተ ዘይከአልና አብ ቅድሚ አምላኽ ክንሕተተሉ ኢና።
ጭልምልም ዝብል ብርሃን ንኹሉ ዝቡቕ አይ ኮነን ነቶም ዝርእይዎ አየብርሃሎምን እኳ ድአ ንዓይኒ የሳቒ፥ እምነትና አብ ሓቂ ክርስቶስ እንተ ዘይተመስረተ ከምኡ እዩ ስለዚ ብርሃነይ ከመሎ ክንብል ጽቡቕ አጋጣሚ እዩ። ብፍላይ ብሓላፍነት እንሕተት ከምኡ ወለዲ ዓበይቲ ኩልና እንህቦ ብርሃን እንርእዮ ብርሃን ሓጋዛይ ድዩ ኢልና ክንርኢ ጠቓሚ እዩ። ሓወይ ሓፍተይ ብርሃንካ ክጠፍእ ቀሪቡ አሎ ሓገዝ ግበረሉ እናበልና ክንተሓጋገዝ ይግብአና።
ዓለምና ሎሚ ጸልማት በዚሕዋ ካብ ብርሃን ክርስቶስ ዝርሓቐት ኮይና ትነብር አላ። ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤሪትራ እዚ አሰኪፍዎም “ሓውኻ/ሓፍትኻ አብሎ/ላ? እናበሉ አብ ሕልናና አቲና ክንሓትት ሓዋርያዊ መልእኽቲ ጽሒፎምልና አለዉ። ቃኤል ንሓዉ አቤል ምስ ቀተሎ እግዚአብሔር ሓውኻ አበሎ እናበለ ሓቲትዎ፥ ቃኤል ሰይጣን ስለ ዝተዓወተሉ ሓላው ሓወይ አይኮንኩን አበይ ከምዘሎ አይፈልጥን ኢሉ መሊሱ? ሓውና ሓፍትና አበይን ከመይን ከምዘሎ ክንፈልጥ ክንግደስ ሕልናዊ ሓላፍነት አሎና። ብቐትሩ ንዝጸልመቶ ሓውና/ሓፍትና ብርሃን ክርስቶስ ክነብርቐሉ ናይ ነፍስወከፍና ሓዋርያዊ ሓላፍነት እዩ።
ፍቕሪ ክርስቶስ ዝወረሶ ልቡ ንቃል አምላኽ ክሰብኽ አይጽግሞን እዩ። ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ገሊጽሎም ሓንሳብ ንኢየሱስ ምስ አፍቀሩ ብዛዕብኡ ንሰባት ካብ ምስባኽ አይዓረፉን አብ ኹሉ ከብጽሑን ተጓይዮም። ሎሚ ነዚ መንፈስ ሓዋርያት አብ ኩሉ ሕልናን ልብን እነብጽሕ ንሕና ኢና። ንሰላም ንፍቕሪ እንሰብኽ ንሕና ኢና ስለዚ ንኹሉ ዝህግዝን ዘብርህን መንፈስ ቅዱስ ሎሚ እውን አብርሃልና ሓግዘና ክንብሎ ይግብአና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

መዓልቲ አቦታት 2014
ንባባት፡ ኤፌ 5፡25-33፥ ዮሓ 14፡15-ፍ

ሎሚ አብዚ ዘሎናዮ ሃገር መዓልቲ አቦታት ነብዕል አሎና። አብዚ ዕለት ብዓልቲ ኪዳን ንብዓል ኪዳና ከምኡ ውሉዳት ነቦታቶምን አበሓጎታቶምን ክብሮም ምስጋንኦም ዝገልጹሉ ዕለት እዩ። አብ ኩሉ ዕለታዊ ሕይወቶም ብጥዕናን ቅድስናን ክነብሩ ፍሉይ ጸሎትን ቅዳሴን ዝዓርገሉ ዕለት እዩ። ንሕና እውን አብዚ ዘሎና ብፍሉይ ንኹሎም አቦታት አብዚ ዘለዉን አብ ካልእ ቦታታት ዝርከቡ ከምኡ እውን ብሞት ንዝሓለፉ አብ ጸሎተ ቅዳሴ ዘኪርና አሎና። “ሰናይ ንምግባር ተቐዳደሙ” አምላኽ ዝፈትዎ ክንገብር እንከሎና ንርእስና ኢና በረኸት እነብዝሕ።
አምላኽ ሓደ ካብቲ ክንገብሮ ዝአዘዘና ነቦናን ነደናን ክነኽብር እዩ። ንወለዱ ዘኽብሩ ነውኅ ዕድመን በረኸትን ይውሃቦ ይብለና። ንወለድና ክነኽብር እምብአር ድላይ አምላኽ እዩ። ከምኡ አብዚ ዓለም ዳርጋ ኩሎም ወለዲ ንደቆም ብዝያዳ ዘፍቅሩን ኩሉ ዘድልዮም ዝሓልዩን ንሶም እዮም። ክምስገኑ ይግብኦም፥ ክሕገዙ ከምኡ አብ ኩሉ ፍቕርና ክነርእዮም ግቡእ እዩ።
አብ ቅዱስ መጽሓፍ ንእግዚአብሔር አቦና ኢልና ንጽውዖ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ዝመሃረና ነባሪ ጸሎት “አቦና አብ ሰማይ እትነብር” ኢልና ክንጽሊ ምሂሩና። ቅዱስ ጳውሎስ ደጋጊሙ ንእግዚአብሔር አቦና እናበለ ክጠቕሶ ንርኢ። ነዚ መሰረት ገርና ሰማያውን ምድራውን አቦ ከምዘሎና ንገልጽ። ሎሚ ዘኪርናዮ ዘሎና ንምድራዊ አቦ ኢና። ክብርን ዕብየትን ምድራዊ አቦ ክንርዳእ ብመንጽር እቲ ሰማይዊ አቦ ክንርእዮ አሎና። ነዚ ክንርዳእ መሰረት እምነትና አብ ቅዱስ መጽሓፍን አብ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ክንርእዮ የድሊ።
ቅ. ዮውሓንስ አብ መልእኽቱ ናይ ሓደ ክርስትያን እንታይነት ክገልጽ ኢሉ “ውሉድ አምላኽ ተባሂልና ምእንቲ ኽንጽዋዕ እግዚአብሔር አቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ከም ዝለገሠልና እሞ ርአዩ፥ ውሉድ አምላኽ እውን ኢና” (1ዮሓ 3፡1) ይብል። እግዚአብሔር ካብ ፍቕሪ ተላኢሉ ንነፍሲ ወከፍና ወሊዱና ደቁ ተባሂልና። ቅዱስ ጳውሎስ “ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ኩልኻትኩም ውሉድ አምላኽ ኢዅም፥ ከመይ ብክርስቶስ ዝተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለቢስክምዎ ኢኹም” (ገላ 3፡26-27) ይብል። እግዚአብሔር አብ ሰማይ ዝነብር አቦና እዩ። እንታይ እዩ ናይ እግዚአብሔር አቦነት ምስ አቦና ዘመሳስሎ? ብዛዕባ ናይ እግዚአብሔር አቦነትከ እንታይ ክንብል ንኽእል። ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ንርአ፡
ፍቕሪ እግዚአብሔር አቦ ሕይወት አብ እግዚአብሔር ወልድ ይወልድ፡ ነዚ አብቲ ሓደ ወዱ ንርእዮ፥ ንሱ ካብ ዘለዓለም ካብ አብኡ ይውለድ። አብ ርክብ ቅድስት ስላሴ ይውለድ ክንብል እንከሎና ሓደ ስራሕ ወይ ግብሪ ማለት እሞ አቦ ሓደ ጊዜ ዝገበሮ ድሕሪኡ ዝሓደጎ ማለት አይኮነን፥ ወልድ ንዘለዓልም አብ ፍቕሪ አቦ ምስተወልደ እዩ ንሱ ንዘለዓለም ዝነበረን ዘሎን ዝህሉን ውሉድነት ካብ አብኡ አልኦ። ይውለድ ክንብል እንከሎና ብናይ ምድራዊ ምውላድ ክንርእዮ የብላን ምኽንያቱ አብ አምላኽ ጊዜ ቦታ የለን። ከምቲ አብ መባእታ ወንጌል ቅ. ዮውሓንስ እንረኽቦ “ብእኡ ኹሉ ተፈጥረ ካብቲ ዝተፈጥረ ዘበለ ድማ ብዘይካ ብእኡ ሓንቲ እኳ ዝተፈጥረ የለን. . . . . . . እቲ ብእኡ ዝመጸ ሕይወት እዩ. . . “ ፍቕሪ አቦ ሕይወት ይወልድ። አብዚ እንርእዮ አብ መንጎ እግዚአብሔር አብን እግዚአብሔር ወልድን ዘሎ ርክብ ርክብ ውሉድን አቦ ስለ ዝኾነ ዝለዓለ መግለፍ ናይ ክልተ አካልት መግለጺ እዩ። አብ ምድራዊ ውሉድነት ነዚ እና ከም አርአያ ገርና ክንወስዶ ዘሎና። አቦታት ምንጪ ናይ ኩሉ ፍቡቕ ነገር ንውሉዶም ክኾኑ ይግባእ። ውሉድ ዝልዓለ መልክዕ ዝህልዎ መልክዕ አብኡ ክህልዎ እንከሎ እዩ።
እግዚአብሔር አቦ ካብ ፍቕሪ ተላኢሉ ይዓዪ፡ እግዚአብሔር አብ አብ ሰማይን ምድርን ኩሉ ዝርአን ዘይርአን ፈጢሩ ከም ዝነብር ገርዎ። ብፍቕሪ ይገብሮም ብፍቕሪ ኸአ ይዕቅቦም/ይሕልዎም። አብ መጽሓፈ ጥበበ ሰለሞን ከምእነንብቦ “ነቲ ዘሎ ኹሉ እትፈቱ ኢኻ ካብቲ ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ንሓደ እኳ አይትጸልእን ኢኻ፥ እንተ ዘይትደልዮ ነርካ ብቕድም እውን አይምፈጠርካዮን ነርካ። ንስኻ እንተ ዘይትፈቅድ ክህሉ ዚኽእል ነገር አይምሃለወን። ንስኻ እንተ ዘይትፈጥሮ ኪነብር ዚኽእል ሓደ ነገር እኳ አይምሃለወን። ኦ ጎይታ ኵሉ ናትካ ስለ ዝኾነ ኪነብር ዝፈቐድካሉ ንስኻ ኢኻ። ንስኻ ኸአ ሕይወት ንዘለዎ ኵሉ እተፍቅር አምላኽ ኢኻ። አብ ነፍስ ወከፎም እቲ ሕያው መንፈስካ አሎ” ( ጥበበ ሰሎሞን 11፡24-12፡1)። እግዚአብሔር ካብ ፍቕሪ ተላኢሉ ንኹሉ ይገብር።
እግዚአብሔር አብ ንስድራ ቤቱ ይመርሕ፡ ቀዳሞት ወለዲ ብፍቕሪ አምላኽ ተጣሊኦም፥ ንፍቕሩ ሓዲጎም ካልእ አቦ ከፍቅሩ ፈቲኖም ግን አይኮነሎምን ስለዚ እቲ ካብ መጀመርያ ዘፍቀሮም አምላኽ ተመሊሱ ብዝበለጸ ነቲ ሓደ ወዱ ሰዲዱ ፍቕሩ ገለጸሎም። ኃጢአት አብ ዓለም ምስ አተወ ኩሉ ጸልማት ተኸዲኑ ስለዚ እግዚአብሄር አቦ እዩ ንጸልማት ክቕንጥት ዝተበገሰ እሞ ዘብርሀ። ሰብ ኃቲአት ምስ ገበረ ንኹሉ እዩ አጥፊኡ ሓንቲ ክገብራ ተሪፋቶ ዝነበረት ንአምላኽ ኢዱ ክህብ አነ ሓንቲ ክገብር አይክእልን እየ ንአምላኽ ጥራሕ ክምሕጸን ክብል ነርዎ፥ አብዚ ርድኢት ምስ በጽሐ እዩ ኦ አዳም አበሎኻ እናበለ እግዚአብሔር ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን መሪሕዎ። ሎሚ እውን እግዚአብሔር ንህዝቡ ብቃሉ እናተዛረብ የብርሃሉን ንደቁ ኸአ ይመርሖምን አሎ። ኢየሱስ ቃል እግዚአብሔር እዩ። አምላኽ ንህዝቡ ይመርሖም እዩ።
እግዚአብሔር በቶም ናቱ ዘበሉ ብቐሊል ይሕጎስ አብ ዝልዐለ ኸአ ኩሉ ጊዜ ይጽውዖም። አብ ዕለተ ጥምቀት ኢየሱስ እግዚአብሔር አቦ ካብ ሰማይ ተዛሪቡ፥ ”ብአኻ ዝተሓጎስኩ ፍቁር ወደይ ንስኻ ኢኻ”። አብ ካልእ ክፍሊ ወንጌል ከአ እቲ አቦ ነቲ ፍቁር ወዱ መስቀሉ ክጸውር ክነግሮ ንርኢ። አርባዕተ መዓልቲ ቅድሚ ሕማማቱ ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ “ሕጂ ነፍሰይ ተጨኒቓ አላ፥ እንታይ እሞ ኽብል እየ፥ ኦ አቦ ካብዛ ስዓት እዚ አድኅነኒ ግና ምእንቲዚ እንድየ ናብዛ ሰዓት ዝበጻሕኩ፥ አቦ ንስምካ አኽብሮ ሽዑ ካብ ሰማይ አነ አኽቢረዮ አሎኹ ከም ብሓዲስ እውን ከኽብሮ እየ ዝብል ድምፂ ተሰምዐ” (ዮሓ 12፡27-28)። አብ መስቀል ኢየሱስ ተሰቒሉ ጥራሕ አይኮነን እንታይ ደአ ልዕሊ ኩሉ እዩ ኮይኑ ብኻልእ አዘራርባ ከቢሩ። አብ መስቀል ሞትን ዓወትን ብሓባር ተራእየን።
እግዚአብሔር አቦ ከም ወልድ እዩ፡ ገለ ሰባት ምስ አቦ ከመይ ዝበለ ርክብ ከምዝገብሩ ይጽግሞ እዩ እንተ ኾነ ንሱ ከምወዱ እዩ። አብ ጸሎተ ሓሙስ ፍሊጶስ ንኢየሱስ ከምዚ ኢልዎ “መምህር ነቦ አርእየና እሞ ይአኽለና እዩ ኢልዎ” ኢየሱስ ከአ ከምዚ ኢሉ መሊስሉ “እዚ ክንድዚ ዝአክል ጊዜ ምሳኹም ክነብር ከሎኹዶ አይፈለጥካንን ኢኻ እቲ ንአይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ ከመይ ኢልካ ድአ ነቦ አርእየና ትብል አሎኻ፥ አነ አብ አቦ ከምዘሎኹ አቦ እውን አባይ ከምዘሎዶ አይትአምንን ኢኻ እቲ አባይ ዘሎ አቦ ባእሉ እዩ ግብርታቱ ዝገብር ዘሎ እምበር እዚ ንአካትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባ ኻብ ርእሰይ አይኮንኩንዝዛረቦ ዘሎኹ” (ዮሓ 14፡8-10)። ውሉዱ አብ አብኡ ክህሉ እንከሎ ጥራሕ እዩ ክብሩ። ሰብ ነብኡ ዘምስል ግብሪ እንተለዎ ኩሉ ይሕጎሰሉ። በዚ እዩ አብ መርዓ ክልተ ወለደኛ ከማናን ከማኹምን ትለድ ዝብሉ።
ሰማያዊ አቦ ንምድራዊ አቦ ይልዕሎ እዩ እዚ መበቆልን መለክዕን ናይ ኩሉ አቦ ናይ ምዃን እዩ። አምላኽ ልዕሊ ጾታዊ ፍልልያት እዩ። ሰማያዊ አቦ ሰብአይ ወይ ሰበይቲ አይኮነን። ንሱ አምላኽ እዩ። ንሱ ግን ናይ ኩሉ አቦ ናይ ምዃን ምነጪ መሰረት እዩ። ንምድራዊ አቦ ይልዕሎ እዩ። ወላ ሓደ እኳ ንሰማያዊ አቦ ዝመዓራረዮ የለን። ምድራውያን አቦታት ባህራውያንን መንፈሳውያን ስድራታት ከምኡ ውሉዳት አለዉና ነዚኦም ከም ሞደል ንሰማይዊ አቦና ገርና ክንመርሖም አሎና። መለክዒ ናይ ኩሉ ሕይወትና ሰማያዊ አቦና ክንገብር አሎና። እዚ ኹሉ ብዛዕባ ሰማያዊ አቦ ዝተባህለ ከም ሞደል ንምድራዊ አቦ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንአይ ምሰሉ ዝብል ቃል ኢየሱስ አብ ሓቅን ፍቕርን ይመልሰና።
አባትነትኩም ሕይወት ክወልድ አለዎ። እዚ ምውላድ ክንብል እንከሎና ባዮሎጂካዊ ምውላድ ማለትና ጥራሕ አይኮነን እንተ ዘይኮነ ካህናት አቦታት አይምተባህሉን። ገለ ምድራውያን አቦታት አለዉ ይወልዱ እሞ ሓዲጎም ዝኸዱ። እዚኦም ከምዚኦም ዓይነት አቦታት ሓጺር አረአእያ ዘልኦም ሓቀኛታት አቦታት ዘይኮኑ እዮም። ሓቀኛታት ምድራውያን አቦታት ከምቲ ሰማይዊ አቦ ንወዱ ቀጻሊ ሕይወት ንዘለዓለም ዝህቦ ከምኡ ሕይወት ዝህቡ እሞ ከጺሎም ከአ እናመገቡ ንወትሩ ሕይወት ዝህቡ ክኾኑ ይግባእ። አቦ ወይ አደ እንተ ኾንኩም ወላ እኳ ደቅኹም ዝሞቱ ይኹኑ ወላ እውን ንስኹም ዝሞኩም ኩኑ ንዘለዓለም አቦን አደን ኢኹም።
ምድራዊ አባትነትኩም ዘፍሪ ክኸውን አለዎ። ካብቲ ባዮሎጂካዊ ንላዕሊ ምዃን የድል ግን ኸአ ባዮሎጂካዊ እውን ንኳን። አብ ካህናት እንተ ረአና ሓደ ካህን ወንጌል ብምስባኽ ብዙሓት መንፈሳውያን ውሉድ ይገብር፥ ነዚ እንተ ዘይገበር ግን ከይወልድ ይአቢ አሎ ማለት እዩ። ዘለዉኒ ቍጽሪ ምእመናን እኹላት እዮም ኢሉ እንተ አበየ እንታይ ምበልና። አባትነትኩም ሕይወት ክወልድ አለዎ።
አባትነኩም አብ ፍቕሪ ዝሰርሕ ክኸውን አለዎ፡ ኩሉ ጊዜ ምእንቲ መን ከምእትሰርሕ ምፍላጥ የድሊ፥ ክተፍቅሮም ኢልካ ስራሕ። ኩሉ ጊዜ አብ ከባቢኻ ካብዘሎ ሰምዒታዊ ካብ ዝኾነ ወቐሳታት ተጠንቀቕ። ሓደ ካህን ቀዳማይ ትምኒቱ አቡን ክከውን ኢሉ እንተ ዝጽዕር አብ ክንዲ አብቲ ዝተውሃቦ ሓላፍነት እንታይ ምበልካ?አብ ገዛ ወይ አብ ቦታ ስራሕ ንኹሉ ምእንቲ ፍቕሪ ስድራኻ ኢልካ ግበሮ። ክተዕርፍ ኢልካ ጊዜ ውሰድን ተሓጎስን። ሰማያዊ አቦና እውን ነቲ ኩሉ ዝገበሮ ጽቡቕ ነገር ምስ ረአየ ተሓጎሰን አዕረፈን ይብለና መጽሓፍ ቅዱስ።
አባትነትካ ንስድራኻ ክመርሕ አለዎ። ንስኻትኩም አቦታት መራሕቲ ሓገዝቲን መማህራንን ናይ ስድራኹም ክትኮኑ ኢኹም ተሓሪኹም። ብዓልቲ ቤትካ ከምቲ ኢየሱስ ንቤተ ክርስትያኑ ገሩ ዘፍቀራን ዝመርሓን ገርካ እንተ መራሕካያ አይክተጸልአካን እያ። ኢየሱስ ምእንቲ መርዓቱ ስድራቤቱን ከምዝሞተ ዘክር። ከም ወለዲ መጠን ንስኻትኩም ቀዳሞት መማህራን ደቅኹም ኢኹም። አብ ገሊኡ ጊዜ ትምህርቲ እቲ አብ ቤት ትምህርቲ ጥራሕ ዝውሃብ ገርና ንሓስብ፥ እንተ ኾነ ግን እቲ ዝበለጸ ትምህርቲ አብ ሕይወት አብ ቤት ትምህርቲ አይኮነን እትምሃሮ። አብ ቤትና አብ ገዛውትን እዩ። ገዛና ስድራብውታዊት ቤተክርስትያንን ቤት ትምህርቲ ፍቕርን እያ።
አብ አባትነትኩም ንደቅኹም ኩሉ ጊዜ አብኦም ዘለኩም ሓጎስ አርእይዎም ከምኡ ኩሉ ጊዜ ካብቲ ዘለውዎ ንዝልዓለ ነገር ክገብሩ ንገርዎም። ኩሉ ጊዜ ሓጎስኩም ግለጹሎም፥ በቲ ዝገብርዎ ሰናይ ነገር ሕጉሳት ምዃንኩም ከምእትድግፍዎም ንገርዎም። ከም አምላኽ አጸቢቕኩም አፍቅርዎም ከምቲ ዘሎወዎ ክኾኑ። አብቲ ክኸውንዎ ዝኽእሉ አዕብይዎም።
አብ አባትነኩም ከም ሞደልኩም ወይ አርያኹም ንሰማያዊ አቦኹም ውሰዱ። ንሰማይዊ አቦ ከመይ ምዃኑ ክትፈልጥ እንተ ዘይከአልካ ንወዱ ርአ ምኽንያቱ ኢየሱስ እቲ ዝበለጸን ሓቀኛን አምሳል አቦ እዩ። አቦ ከም ወልድ እዩ።
በዚ ብሩኽ መዓልቲ እምብአር ምእንቲ አቦታት እናጸለና አምላኽ ክባርኹም አብ እምነቶም ቅዱሳት ክገብሮም ብልቢ ንጸልየሎም።
ብሩኽ መዓልቲ አቦታት።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.