2014-06-14 16:19:54

ብፁዕ ኣቡነ ቶማዚ፦ ኣብ መንጐ ስደተይናን ኣንጋድን ዘተ ንምቕቓሕ


RealAudioMP3 ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ዛዕባ ስደትን ሰላምን ዝዘተይ ሓምሻይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ከምእተኻየድ እንክንገር፣ እዚ በቢ ዓመቱ ብማሕበር ልኡካነ ወንጌል ስካላብሪኒ ዝመሓደር ዓለም ሓቆፍ ናይ ስካላብሪኒ ስደተይናታት መርበብን ከምኡ እውን ማሕበር ኮንራድ ኣደናአር ብሓባር ኣብ መንጐ ስደተይናን ኣንጋዲ ሃገርን ዘተ ንምንቕቓሕ ኣሚቱ ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ከምዝኾነ እንክምልከት፣ መንቀሊኡ ጸኣት ስደተይናታት ዝድህስስ ከምኡ እውን ሰላማዊ ማሐበራዊ ናብራ መታን ክረጋገጽ ኣብ መንጐ ስደተይናን ኣንጋዲ ሃገርን እውነተይና ሌላ ክህሉን ካብዚ ምልላይ’ዚ ዝነቐለ ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ዝሰረተ ርክብ ንምርግጋጽን ኅብረ ባህልን ኅብረ ቋንቋን ኅብረ ሃይማኖትን መጋበርያ ሰላም ደኣ እምበር መንቀሊ ውጥረትን ዘይምርድዳእን ንኸይከውን ኣሚቱ ዝካይድ ዓመታዊ መደብ ዓውደ ጉባኤ ከምዝኾነ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤለ በልትራሚ ሓቢሮም።
ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑን ኣብ ጀነቭ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሬለ በልትራሚ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፦ ብሓደ መዳይ ኤውሮጳ ነቲ ኣጋጢምዋ ዘሎ ዋሕዲ ሕዝቢ ሚዛኑ ንምትኽኻልን ዋሕዲ መጠን ወሊድ እውን ንምጥፋእ ንምዕባለ ኤኮኖምን ጉልበት ሰራሕተይናን ርኽበት ዕላማ ኣብ ሸቶ ንምብጻሕ ስደተይና ትደልይ ብኻልእ መዳይ ኣብ ኤውሮጳ ህላዌ ስደተይናታት ዝቃወም ሕዝባዊነት ባህሊ ክሰፍሕ ትርእይ፣ ብዛዕባ ስደተይና ክትዛረ እንከለኻ ካብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ደኣ እምበር ካብ ኤኮኖምን ሚዛን ሕዝብን ኣመክንዮ ክትብገስ ጌጋ እዩ። ስደተይና ከም መጋበርያ ምርኣይ ኢሰብኣውነት ተግባር እዩ፣ ማዕርነት መሰልን ክብርን ምርግጋጽ ይግባእ። ንውህደት ስደተይናታት ኣብ ዝተኣንገድሉ ሃገር ምርግጋጽ ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረት እዩ፣ ኣብ 1990 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝጸደቐ ናይ ስደተይናታት ሰራሕተይናታትን ስድራ ኣባይቶምን መሰልን ክብርን ውሳኔ ኣብ ብዙሓ ሃገራት ብውልቂ ኣብ ሕዝባዊ ባይቶን ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ጸዲቑን ቅቡል ኰይኑ ብሃገር ደረጃ ይትግበር ከምዘሎን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጀርመንን ፈረንሳን ኢጣሊያን ግና ገና እቲ ውሳኔ ብብሔራዊ ደረጃ ኣይጸደቐን፣ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውሳኔ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ዘተዓናቕፎ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ጠቒሶም፣ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ እዋን ፖለቲካዊ ምርጫ ኣብ ናይ ምረጹኒ ጐስጓስ ስደተይና ከም መጋበርያ ገርካ ምጥቃም ልሙድ ኰይኑ ኣሎ፣ መዋህለሊ ድምጺ ኰይኑ ክርአይ ዘሕዝን እዩ። መንቀሊ ናይ ኤውሮጳ ሃገራት ጸገም ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ኣንፈት ዘለዎ ክነሱ ነቲ ሓቀይና መንቀሊ ቅልውላው ንምኽዋል እናተብሃለ ስደተይና ከም መንቀሊ ኩለ መዳያዊ ሽግር ገርካ ብምቕራብ ጸረ ስደተይና ጐስጓስ ምክያድ ብሓቂ ዘሕዝን ዓቢይ ሽግርን መንቀሊ ተደራራቢ ጸገማት እውን እዩ፣ ስለዚህ እዚ ዓይነት ጸረ ስደተይና ጐስጓስ ብባህልን ፖለቲካን ብምቅዋም ሰላም ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምርግጋጽን ምፍስፋሕን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ባሕሪ ሜዲትራርኒያን ኣብ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ሲናይን ኣብ ምድረ በዳ ኣሪዞናን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጥሞም ስደተይናታት ብዝሒ በቢ ዓመቱ ክብ እናበለ ክርአይ እንከሎ። ኣብ ገዛእ ሃገሮም ብውግእን ጥምየትን ካብ ሙሟት ሕይወቶም ንምድሓን ዝስደዱ ከምዝዀኑን፣ ሕይወትካ ኣይተድሕን ምባል ንገዛ ርእሱ ኣብቲ ነቲ ስደተይና ንሓደጋ ዘቃልዖ ምኽንያት ምስታፍ ማለት እዩ። ናይ ሞት ሓደጋ ከጋጥም እንኰሎ ንብዓት ሓርገጽ ካብ ምንባዕ ብሓቂ ነቶም ካብ ውግእን ጥምየትን ዝሃድሙ ስደተይናታት ምእንጋድን እቲ ንስደት ዝዳርጐም ረቛሒ መፍትሒ ክረክብ ዓለም ለኻዊ ጻዕሪ ክብ ምባል ብሉጽ አገልግሎት እውን እዩ፣ ስደተይና ንምስጓግ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ኣዚዩ ስደተይና ንምእንጋድ ካብ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ዝለዓለ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.