2014-06-13 09:37:37

ናይጀሪያ፦ ውሕስነት ናይ ሃይማኖታት ነጻነት


ሃይማኖት ኣዚዩ ዝለዓለ ማሕበራዊ ሓይሊ ከምዝዀነን፣ እቲ ጐዳኢ ሃይማኖት ዘይኰነስ ጌጋ ኣጠቓቕማ ሃይማኖት እዩ። ስለዚህ ንሰናይ ወይ ድማ ንግብረ እከይ ክትጥቀመሉ ከምዝከኣል ናይ ናይጀሪያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ “ሃይማኖትን ሃገረ ናይጀሪያን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከምዘስመርሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።
ብፁዓን ጳጳሳት ናይጀሪያ እቲ ናይ ሃገሮም ጸገም ይብሉ እቲ ኣብ ቅዋም ሃገር ተመልኪቶም ዘለዉ ክልተ መሠረታውያን ሕግታት ግዳማዊ ተጋራጫውነት ዘለዎም ዝመልሱ ንሱ ድማ ናይጀሪያ ትርጋጽ እግዚኣብሔር እያ፣ ኣብዛ ሃገር’ዚኣ ድማ ዝኾነ ይዅን ሃይማኖት ናይ መንግስቲ ሃይማኖት ወይ ድማ ኣብ ፈደራላውያን ግዝኣት ናይጀሪያ ናይ ፈደራላዊ ግዝኣት ሃይማኖት ተባሂሉ ክልለይን ክግለጽን ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ ዝብል ኣብ ዓንቀጽ ዓስርተ ተነብሪ ኣሎ፣ ምስልምና ሃይማኖት ከም ናይ መንግስቲ ሃይማኖት ኣብ ሰሜናዊ ከባቢ ናይጀሪያ ክረጋገጽ ብወግዒ ድዩ ወይ ድማ ብናይ ሰሜን ናይጀሪያ ኣካላት ምሕደራ ዝቐርብ ሓሳብ ነቲ ናይ ናይጀሪያ ቅዋም ዓንቀጽ 10 ዝግህስ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ኣድልዎ ዘተኣታትው ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ክርስትና ጸቕጥን ኣብ ሰሜናዊ ፈደራላዊት ግዝኣት ናይጀሪያ ንናይ ክርስትናን ዝተፈላለያ ካልኦት ሃይማኖታት ንስግደትን ኣምልዀን መንፈሳዊ ንግደትን ዘገልግሉ ኣባይቲ ጸሎትን ኣቢያተ ክርስትያን ንምሕንጻ ዝኽልክል ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዝግህስ ጸረ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ” ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግልቶ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.