2014-06-13 09:29:15

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጸረ ምውፋር ሕጻናት ኣብ ስራሕ ዓለም ጻውዒት ኣቕሪቦም


ዕለት 11 ሰነ 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ፣ ነቲ ዕለት 12 ሰነ በቢ ዓመቱ ዝዝከር ጸረ ምውፋር ኣብ ስራሕ ዓለምን ምዝመዛ ሕጻናትን ምዃኑ ጠቒሶም እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሓልዮ ዕዮ ውድብ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 168 ሚሊዮን ሕጻናት ኣብ ስራሕ ዓለም ተዳሪጎም ይርከቡ እንክብል ነዘቕረቦ ጥርዓን፣ ዓለምን መንግስታታ ዓለምን ኣዕጋቢ መልሲ ክህብሉን ጸረ ምውፋር ሕጻናት ኣብ ስራሕ ዓለምን ምዝመዛን ጎስጓስ ክግበረሉ እንከተሓሳሰቡ፦ “ጽን በሉ ሓደራ ኣብ ዓለም ብዓሰርተታት ሚሊዮናት ዝግመቱ ሕጻናት ግና ትሕቲ ዕድመ ክነሶም በስገዳድ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮም ተነፊግዎም ኣብ ስራሕ ዓለም ተዳጒይኖም ኣብ ሓድሽ ዓይነት ባርነትን ምዝመዛን ተቓሊዖም ናይ ዝተፈላለዩ ዓመጻት ግዳይ ኰይኖም ይርከቡ ኣለዉ። ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ንነፍሲ ወከፍ ሕጻን ማሕበራዊ ሓልዮ ከረጋግጸሎምን ነፍሲ ወከፍ ስድራ ኣባይትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዕቃበ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሕጻናት ክወሓሱን ነቲ ሕጻናት ዝተቓልዕሉ ሓድሽ ጊሊያነት ከወግዱን ጥዑይ ማዕበያ ክረኽቡን ዝተረጋገኤ ናይ ዕሸል ሕይወት ክነብሩን ኩሉ ሕጻን ኣብ ሕይወትን መጻእን ትስፍው ክኸን በቢ ዘለናሎን ሓላፍነትት ንትጋህ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ዓለም ሓቆፍ ውድብ ሓልዮ ስራሕ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዘጓንፍ ዘሎ ሓድሽ ጊሊያነት ናይ ኵሉ ሓላፍነት ከምዝኾነን ኩሉ ተሓትቲ እውን ምዃኑ ናይቲ ውድብ ናይ መንእሰያት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ፉሪዮ ሮሳቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም፣ ኣብ 2014 ዓ.ም. “ማሕበራዊ ሓልዮን ፍትሕን ኣብ ኩሉ ምስፋሕ፣ ምውፋር ሕፃናት ኣብ ስራሕ ዓለም ንምውጋድ ኣድላይነት ጻዕሪ ናይ ኩሉ” ዝብል ጐስጓስን ናይቲ ጐስጓስ ሸቶ ክብጻሕ ህርኩት ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሮም፣ 168 ሚሊዮን ሕፃናት ኣብ ስራሕ ዓለም ተዳጒይኖም ከምዘለዉን ካብዚኣቶም 85 ሚሊዮን ዝግመቱ ድማ ኣብ ኣዚዩ ሓደገይና ኣብ ዝዀነ ዓይነት ስራሕ ተዳጕይኖም ከምዝርከቡን መብዛሕቲኦም ኣባላት ድኻ ኣባይቲ ስድራን ሕሙማን ወለዲ ስለ ዘለዎምን ቤቶምን ገዛእ ርእሶምን ንኽናብዩ ኣብ ስራሕ ዓለም ክዋፈሩ ዝተገዱን ብኻልእ መዳይ ድማ ብዝተፈላለዩ ናይ ገበን ጉጅለታት እናተሃድኑ በስገዳድን መጋበርያ ናይ ዘይሕጋውን ይኹም ሕጋውን ኤኮኖሚ መሳልል መኽሰብ ኰይኖም ከምዝርከቡን ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብዝሒ ናይቶም ንዝተፈላለዩ ሓደስቲ ጊልያነት ዝተቓልዑ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት እናነከይ ይኸይድ እውን እንተሃለወ እዅል ኣይኰነ፣ ስለምታይ እቲ ናይ ሕጻናት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ምሉእ ብምሉእ ውሑስ ክኸውን ኣለዎ ምስ በሉ ውሕስነት ናይ ሕጻናት መሰልን ክብርን ናይ ሓደ ስልጡን ሕብረተሰብ መምዘኒ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.