2014-06-10 16:47:44

አብ ማእከላይ ምብራቅ ምእንቲ ሰላም ክወርድ ተጸልዩ፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዝገበሩሎም ዕድመ መስሠረት ናይ እስርኤል ርእሰ ብሔር ሺሞን ፐረስ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ፓለስጢና መራሒ ፕረሲደንት ማሕሙድ ዓባስ ቅድሚ ትማሊ ምሸት ንቫቲካን መጺኦም ምእንቲ አብ ማእከላይ ምብራቅ ሰላም ክሰፍን አብ መናፈሻ ቫቲካን በብእምነቶም ከም ዝጸለዩ ይዝከር ።
አብ ቱርክ ናይ ቁስጢንጢንያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ባሮሎመዮ ቀዳማይ ክአ ናይዚ ልመና ምእንቲ ሰላም ዝተኻየደ ሥርዓት ተሳታፊ ከም ዝኾኑ ይከር ። እዚ አብ ቫቲካን ዝተኻየደ ሥርዓተ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ማእከላይ ምብራቅ አብ ናይ ዓለም መራኸቢ ብዙኀን ዓቢ አቅልቦ ከም ዝስሐበ ይፍለጥ ።
ናይ ቅድስቲ መንበር አቅባሊ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብዛዕብብዝ”ዚ ፍጻሜ”ዚ ትእይቶ ክህቡ እንከለዉ ከም ዘመልከትዎ ፡ ፓፓ ፍራንቸስኮ ምስቶም ዝዓደምዎም ሰበ ስልጣናት ብምርድዳእ ከሃኤሉ ኩሉ እግዚአብሔር ሰላም ከውርድ ምምሕጻን ምልማን ምውካስ ዝአመተ ኢዩ ኔሩ ።ኩነታት ማእከላይ ምብራቅ ብሐደ መዓልቲ ወት ሰሙን ዝልወጥ ኩነታት አይኮነን ግን እቶም አብ ህልውና እግዚአብሔር ዝአምኑ ሰባትን ሰብ ጽቡቅ ድላይን ንእግዚአብሔር ተማሕጺኖም ዝበሉ አቀባሊ ቃል ቅድስቲ መንበር አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ምሕረት እግዚአብሔር ካብ ምሕረት ሰብ ይዓብን ይበልጽን ስለ ዝኾነ ብፓሊቲካዊ ኮነ ዲፖሎማስያዊ ንቅንቅ ምባል ዝአበየ ኩነታት ሰላም ማእከላይ ምብራቅ እግዚአብሔር ክሕግዝ ምውካስ እቲ ዝዓበየ ብላሀት ልከም ዝኾነን ፓፓ ፍራንቸስኮ ክአ ነቲ ፋጻሜ ከም ዝቀረብዎን አመኪቶም። አተሐሒዞም ክአ ናይ እስርኤል ርእሰ ብሔር ሺሞን ፐረስን ናይ ርእሰ ምምሕዳር ፓለስጢና መራሒ ፕረሲዳንት ማሕሙድ ዓባስን ዘካየድዎ ርክብ ኡነተይና ርክብ ከም ዝኾነ ካብቲ ተሓቃቂፎም ዝተለዋወጥዎ ሰላምንታ ዝግበርዎ ዲስኩርን ክንርዳእ ንኽእል ስለዚ ሰናይ ፍጻሜ ፈተነ ሰላም ከም ዝነበረ ሰብአዊ ዘይኮነስ መለኮታዊ ተአምር ሰላም ምእንቲ ክርከብ ዚካየድ ፍጻሜ ከም ዝኾነን ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርትስያን ምእንቲ አብ ማእከላይ ምብራቅ ሰላም ክስፍን ኩሉ ግዜ ከም ትጽዕር ክአ አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አገንዚቦም ።ሰላም ክትገብር ቆራጽነት ከም ዘድሊ ሰላም ክትሃንጽ ከቢድ ከም ዝኾነ ሰልም አልቦ ክትነብር ክአ ስቃይ ከም ዝኾነ ፓፓ ፍራንቸስኮ ጠቂሶም ንሰላም ቆርጽን አትን ሰናይ ድልየትን ከም ዘድሊ ከም ዝገለጹ ዘም አልከቱ ናይ ቅድስቲ መንበር አቀብሊቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ እዚ ክአ በተኦም ንቫቲካን ተዕዲሞም ዝመጹ ሰበ ስልጣናት ተቀባልን አት ከም ዝረኸበ አመልኪቶም ።ኢየሱስ ክርስቶስ ንሐዋርያቱ መንፈስ ቅዱስ ዘውረደሎም ጰንጠቆስጠ ነብዕለሉ ግዜ ስለ ዝኾነ ሰላም አብ ማእከላይ ም ብራቅ ሰለም ክወርድ ምምህላልን ምጽላይን ሰናይ ምሕሳብን ናይ ግድን ከም ዝኾነ ኣአባ ፈደሪኮ ሎባርዲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ናይ ጽሐፊ አረዲኦም ። ሰላም ኩ ከም ዝኾነ ሰላም አልቦ ግን ኩሉ ከንቱ ከም ዝኾነ ክአ አተሐሐሂዞም አገንዚቦም።
ናይ ቁስጢንጢናያ ኦርቶዶስክ ተዋህዶ ቢ8አተ ክርስትያን ፓትርያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ብ ኣርቶሎሞዮ ቀዳማይ ክአ ነዚ ዝተኻየደ ልመና ሰላም ዓቢ አስተዋጽኦ ከም ዝገበሩ አቀባሊ ቃል ቅድስቲ መንበር አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ሐበሬታ ሂቦም።









All the contents on this site are copyrighted ©.