2014-06-10 16:08:12

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ትምህርቲ ብፅዕና ግብራዊ መደብ ቅድስና


RealAudioMP3 ዕለት 9 ሰነ 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ናይ ዕለቱ መንባብት ቅዱስ መጽሓፍ ኣመርኵይዞም፦ “ትምህርቲ ብፅዕና ናይ ክርስቲያን ናይ ሕይወት መደብ” ምዃኑ ኣብ ዘረጋግጽ ሓሳብ ዘማእከለ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ እቲ ታሪኻዊ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ መንጐ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ቅዱስነቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዘካይድሉ እዋን ብዘቕረብዎ ዕድመ መሰረት ናይ እስራኤልን ፍልስጥኤምን መራሕትን ንሶም ኣብ ዝተረኽብሉ ናይ ሃይማኖት ምስልምናን ኣይሁድን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕትን ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቁስጥንጥንያ ፓትሪያርክ ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ምእንቲ ሰላም ናይ ጸሎት መደብ ንጽብሒቱ ኣብ ልዕሊ ትምህርቲ ብፅዕና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘማእከለ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ እንከቕርቡ ሰላም ዘለዎ ልዑል ክብሪ ዘረጋግጽ ከምዝኾነን፣ ብሓቂ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ሕድ ሕዳዊ ጽልእ ንምስዓር ናይ ልዝብነት ትብዓት ኣዚዩ የድሊ እንክብሉ ነዘስመርሉ ሓሳብ ዘቃልሕ ምዃኑ ዝሓበረ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣስዒቡ፦ ትምህርቲ ብፅዕና መርሓ ግብርን ናይ ክርስትያን ናይ መንነት ወረቐትን እዩ እክብሉ ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም ሓደ ሰብ ሰናይ ክርስቲያን ንምዃን እንታይ የድሊ? እንክብል እተሓተተና እቲ ብቑዕን ኣዕጋብን ምሉእ መልሲ ከምቲ ኣብ ትምህርቲ ብፅዕና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝብሎ ጸረ ቅቡልን እዋናዊ ልሙድነት ከይዲ ምዃን ዝብል እዩ፦ “ዓለም ንሓጐስን ሃሴትን ፍንጥዝያን እቲ ኣዚዩ ካብ ሕይወት ዝለዓለ ክብሪ እዩ ይብለና፣ ካብ ሕማምን ዓበይቲ ጸገማት ናይ ሕይወትን ካብ ናይ ኣባይቲ ስድራ ሻቕሎትን ገጽካ ከውል፣ ዓለም ምንባዕ ኣይደልን፣ ንንብዓትን ናይ ስቓይ ኵነትን ምሕባእን ዕሽሽ ምባል ኣቃልቦ ምንሳእ ይመርጽ፣ ነቲ ዘሎ ከምቲ ምዃኑ ዝርእይ ሰብ ጥራሕ እዩ ብልቡ ክነብዕ ዝኽእል፣ ስለዚህ ብምንባዑ ድማ ምጽንናዕ ከበጽሖ እንከሎ ክንደይ ባህ የብሎ፣ ካብ ኢየሱስ ዝመጽእ ምጽንናዕ ዓለም ክም ዘቕርቦ ምጽንናዕ ኣይኰነን፣ ኣብዚ እቲ ካብ ድሮኡ ውግእን ግርጭትን ምስሕሓብን ምቅሕሓርን ዝንበሮ ዘሎ ዓለም ዝርከቡ ሕያዎት ብፁዓን እያቶም፣ ኢየሱስ ይብል፣ ውግእን ጽልእን ሓደ’ኳ ኣይሀሉ፣ ሰላምን ሕያውነትን ይብል። ዝምሕሩን መሓርትን ብፁዓን ኢያቶም፣ ስለምታይ ኵላትና ጉጅለ ዝተምሓሩ እያትና፣ ኩላትና ዝተመሓርና ኢና፣ ምእንቲ’ዚ ኣብዚ ዓይነት ጐዳና ዝጓዓዝ ዝምሕር ብፁዕ እዩ፣ ንጹሓት ልቢ ብፁዓን እያቶም፣ ገርሄይናን ዘይተሓላለኸን ዘይተመራሰሔን ከፍቅር ዝኽእል ልቢ ንጹሕን ሰናይን ልቢ ዘለዎም ብፁዓን እያቶም፣ ገበርቲ ሰላም ብፁዓን እያቶም፣ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም መጋበርያ ውግእ ብዙሕ ግዜ እውን ናይ ዘምርድዳእ መጋበርያ ምዃን ልሙድን ቅቡልን ተግባር ኰይኑ እዩ ዝረኣይ….ናይ በለካን ለኸዓካን ዓለም፣ እቲ ኣብ በለካን ለኸዓካን ነው ነጀው ዝብል ሰላም ክገበር ኣይክእል፣ ጸረ ሰላምን ጻልኢ ሰላምን እዩ። ብፁዕ ድማ ኣይኰነን። ሕይወት ክርስትና ብቅድስና ደረጃ ምንባር እወ ዝከኣል እዩ። ሒደትን ተራን ኰይኑ ግን ግብራዊ ቃላት፣ ስለምታይ ክርስትና ግብራዊ ሃይማኖት እዩ፣ ክርስትን ሓሳብ ዘይኰነስ ግብራዊ እዩ። ሎሚ ግዜ እንተለኩም ኣብ ቤትኩም ወንጌል ኣብ ኢድኵም ሓዙ እሞ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ ሓሙሽተን ከምኡ ድማ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 25 ኣንብቡ ሓደራ፣ ሓንሳብ ምስ እነንብቦ ሰናይ ክስምዓና እዩ፣ ደጋጊምና ምስ እነንብቦ ድማ ኣዚዩ ባህ ከብለና እዩ፣ እዚ መርሃ ግብሪ ቅድስና ኣንብብዎ፣ ጐይታ እዚ መልእኽቱ ክነስተውዕል መታን ድማ ምስትዓውል ጸጋኡ ይዓድልና” ብዝብል ጸሎት ዝለገስዎ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.