2014-05-28 11:48:03

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፦ ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ናይ ሰላምን ውህደትን ሓይሊ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለምዎስ ኣብ ኢየሩሳሌም ቅዱስ መቓብር ስፍራ ዝተኻየደ ርክብን ከምኡ እውን ቅዱስ ኣቦና እስራኤልን ፍልስጥኤምን ኣብ ቤተይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሓባር ናይ ሰላም ጸሎት ካካይዱ ዕድመ እንክብሉ ዝገልጸዎ ሓሳብ ኣመልኪቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ፦ ቅዱስ ኣቦና ምስ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ዘካይድዎ ርክብ ብሓቂ መሳጢ ከምዝነበረን ብፍላይ ድማ ኣብቲ ቅዱስ መቓብር ስፍራ ዝተኻየደ ርክብ ብምንባሩ ንውህደት ዘነቓቕሕ ቅዱስ ድርኺት ምዃኑ ገሊጾም፣ ነቲ ቅድሚ 50 ዓመት ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይን ብፁዕ ወቅዱስ ኣተናጎራስ ዝተኻየደ ርክብ ዘዘኻኽርን ናይ ክልቴኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ውህደት ኣሚቱ ዝካይድ ናይ ሓባር ርክብ ዝሕድስን ብሓድሽ መንፈስ ዳግም እቲ ናይ ሓድነት ጉዕዞ ብትብዓት ክብገስ ዘነቓቕሕ እውን እዩ። ካብዚ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ መንጐ ኩለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዝኣመተ ናይ ሓባር ጉዕዞ ከነቓቕሕ ተስፋ እገብር ኢሎም።
እቲ ርክብ ብዅለ መዳይ እወታዊ ኣቀባብላ ዝተገብረሉን እንታይነት ሓይሊ ጸሎት ዝገልጽ እውን ምዃኑን ኣብ ዝኾነ ይዅን ዓይነት ጸገም ማለት ፖለቲካውን ሜላ ስነ ርክባትን ኣብ ዝኾነ ይዅን ዝተሓላለኸ ሽግር ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ ክምስክሩን እቲ ልቢ ዘተሓባብርን ቆራጽ ናይ ሓባር ውሳኔ ክረጋገጽ ዘብቅዕ ጸሎት ምዃኑ ከምዘረጋገጹ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ሓቢሮም፣ ሰላምን ውህደትን ከረጋግጽ ኣብ ዘኽእል ውሳኔ ኩሉ ቆራጽ ስጉምቲ ክፍጽም ዝተባብዕ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዩ ኢሎም።
ሰላም ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ እዩ፣ ጸጋነቱ ድማ ልባትና ኣብ ምልዋጥ ዘለዎ ሓይሊ እዩ፣ ስለዚህ ሰላም ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ ክንብል እንከለና ምስ ምልዋጥ ልባትና ዝተተሓሓዘ ብምዃኑ እዩ፣ ንኣይ ይብሉ ብፁዕነቶም ጸጋ ማለት እዚ እዩ፣ ዝተለወጠ ልቢ ድማ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት መጋበርያን ሓናጽን ሰላም ይኸውን ነቲ ልባትና ዝልወጥ ጸጋ እግዚኣብሔር ክንቕበልን ብመንፈስ ቅዱስ ንኽልወጥን ክንፈቅድ ተስፋ እገብር እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.