2014-05-24 17:05:40

ሐዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማእከላይ ምብራቅ ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ሀገራት ማእከላይ ምብራቅ አብ አማን ዮርዳኖስ አብ ፓለስጢና ቤተ ልሔም አብ እስራኤል ቅድስት ሀገር ኢየሩሳሌም ሐዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ሎሚ 24 ግንቦት ካብ መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጵጥሮስ ነቂሎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ናብቲ አብ ሮማ ዝርከብ ካተድራል ዓባይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብብሕቲ ተጓዒዞም እቲ አብ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌምን ከባብን ዘካይድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ምእምንት ብጽቡቅ ተጀሚሩ ብጽቡቅ ክዛዘም ጸልዮምን ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ተማሕጺኖምን ።እዚ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍርፋንቸስኮ ሎሚ ዝጀመርዎ ሀገራት ሐቆፍ ሐዋርያዊ ዑደት”ዚ ንመንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጵጥሮስ ካብ ዝስየሙ ንበበል ክልአይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ከም ዝኾነ ይፍለጥ ።ናይዚ ሐዋርያዊ ዑደት”ዚ አውራ ዓላማን ትሕዝቶን ነቲ ቅድሚ 50 ዓመታት ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻዱሻይን ናይ ቁስጢንጢንያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርትስትያን ፓትርያርክ ዝነበሩ ብጹዕ ወቅዱስ አተናጎራን አብ ኢየሩሳሌም ዘካየድዎ ርክብ ወርቃዊ ዝኽረ ዓመት ምኽንያት ከም ዝኾነ አብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ አረዲኡ ። ቅድሚ”ዚ ሐምሳ ዓመታት አብ ኢየሩሳሌም ዝተኻየደ ርክብ ክልቲኤን አብያተክርስትያናት
ተወጋጊዘን ከም ዝነበራ ይዝከር ።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ፓፓ ፍራንቸስኮ ሎሚ ንግሆ ብሮማ ሰዓት አቁጻጽራ ሰዓት ሾሞንተን ርብዒን ምስቶም አብ ዓለም ለኸ መዕረፍ ነፈርቲ ለኦናርዶ ዳ ቪንቺ ተረኺቦም ዘፋነውዎም ናይ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን ወኪላት ተሰናቢቶም ንዮርዳኖስ ርእሰ ከተማ አማን ተጋዒዞም ።ርእሰ ከተማ ዮርዳኖስ አማን ካብ ዘለዓለማዊ ከተማ ሮማ ክልተ ሺሕን 365 ኪሎሜትር ርሒቃ ከም ትርከብ ክምልከት ከሎ ፡ ናይ በረራ ግዜ ሰለሰተ ሰዓትን አርብዓን ሐሙሽተን ደቂቅ ከም ዝኾነ ይፍለጥ ።
ናይ ዮርዳኖስ ርእስ ከተማ አማን ሐደ ሚልዮንን ሐምሳን ሐሙሽተን ሺሕን ህዝቢ ከም ዝነብራ ክምልከት ከሎ ህልውና ክርስትና ካብ መጀመርያ ክፍለ ዘመን ከም ዝጅምር ይምልከት ።አብዚ ግዜ”ዚ አብ ዮርዳኖስ ብሐፈሻ 107 ሺሕ ክርስትያን ካብዚአተኦም 28ሺሕን 200ን ካቶሊካውያን ከም ዝነብሩ ሳልሳን ሐደን ቁምስናታት ከም ዘለዉ ይፍለጥ።
አብ ዮርዳኖስ ላቲናዊ ሐዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ አቡነ ማሩን ኤልያስ ላሐም ከም ዝኾኑ ይፍለጥ ፡ አብ ዮርዳኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል ማለት አምባሳደር ብጹዕ አቡነ ጆርጆ ሊንጓ ኢዮም ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብናይ ዮርዳኖስ ሰዓት አቁጻጽራ ሰዓት ሐደ ርእስ አከተማ አማን አትዮም ።
አብ ዮርዳኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪልን ናይ ፕርቶኮል ሐላፍን ናብታ ፓፓ ፍራንቸስኮ ሒዛ ዝመጸት ነፋሪት አሊታልያ ደይቦም ንርእሰ ሊክቃነ ጳጳት ሰላምታ አቅሪቦም ሰላምታ አቅሪቦም።ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ነፋሪት ምስ ወረዱ ናይ መንግስቲ ዮርዳኖስ ንጉስ ወኪል ልዑል ጋዚ ቢን መሐመድ ናይ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ናይ ሥርዓተ አምልኾ ፓትርያርክ ፎዓድ ጥዋል ሐላዊ ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም ፍራንቸስካዊ አብ ፒየርብባቲስታ ፒዛባላ ተቀቢሎሞም ሐደ ሕጻን ክአ ሕቁፍቲ ዕምባባ ንርሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሂብዎም።ብድሕሪ”ዚ ብናይ ንጉስ ዮርዳኖስ ወኪል ብልዑል ጋዚ ቢን ሙሐመድ ተስንዮም ካብ መዕረፍ ነፈርቲ አማን ብመኪና ናብቲ ንጉሳዊ አዳራሽ ዝርከበሉ ቦታ ተጓዒዞም ።
ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ዓብደላህ ካልአይ ቢን አል ሑሴን ልዕልቲ ሙናን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብድሙቅ አገባብ ተቀቢሎሞም ። ናይ ቫቲካንን ዮርዳኖስን ሀገራዊ መዝሙራት ምስተሰምዑ ፓፓ ፍራንቸስኮን ንጉስ ዓብደላህ ካልአይ ቢን አል ሑስየንን ብብሕቲ ሐሳብ ንሐሳብ ተለዋዊጦም ። ገጸ በረከት ህያብ ተለዋዊጦም ብድሕሪኡ ንጉስ ቢን አል ሑስየን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ንጉሳውያን ቤተ ሰብ አፋሊጦምም ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅድሚ 50 ዓመታት ነፍሰሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻዱሻይ ዮርዳኖስ አብ ዝበጽሕሉ ግዜ ንጉስ ሑሴን ተቀቢሎም ክሳዕ ድርኽኺት ቅድስት ሀገር ኢየሩሳለም ከም ዘሰነይዎም ክዝከር ከሎ እዞም ሕጂ ዘለዉ ንጉስ ዓብዳላህ ቢን አል ሑሴን ብ2000 ወርሒ መጋቢት ንቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ብ2009 ወርሒ ግንቦት ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበሩ በነዲክቶስ መበል 16 ቅድስቲ ሀገር ኢየሩሳሌም አብ ዝበጽሕሉ ግዜ አብ አማን ከም ዝተቀበልዎም ይዝከር ።
ብ0013 ወርሒ ነሐሰ ዝሐለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዕለት ሸውዓተ አብ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ አካይዶም ከም ዝነበሩን ምስ ፓፓ ፍራንቸስኮ ከም ዝተራኸቡን ይዝከር ።
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ቀትሪ ምስ ናይ ዮርዳኖስ ተራኺቦም ሐሳብ ንሐሳብ ምስ ተለዋወጡ ንጉስ ዓብዱላህ ንፓፓ ፍራንቸስኮ ምስ ንጉሳውያን ቤተ ሰብ አፋሊጦምም ።ብድሕሪ”ዚ ፓፓ ፍራንቸስኮ አብ ዓቢ አዳራሽ ቤተ መንግስቲ ምስ ሰበ ሥልጣናት መንግስትን ናይ ዲፕልማሲ ሰባትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ተራኺቦም ።
ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ሑሴን ዲስኩር ጌሮም ፡ ቅዱስ ፓፓ ፍራንቸስኮ ብስመይን ብስም ህዝቢ ዮርዳኖስን እንቋዕ ንዮርዳኖስ ድሐን መጻእኩም ፡ ንግደት ቅድድስቲ ሀገር ክተካይዱ ብዮርዳኖስ ምጅማርኩም ንዮርዳኖስ ፍሉይ ክብሪ ኢዩ ።
ቅድሚ ሐሙሳ ዓመት አቦይ ግርማዊ ንጉስ ሑሴን ነፍሰሄር ጳውሎስ ሻዱሻይ ብዓቢ ክብር ከም ዝተቀብበልዎምን ሐደ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓረብ ሀገር ክበጽሑ ናይ መጀመርያ ግዜ ከም ዝነበረን ይዝከር ።
ጉስ ዓብዱላህ አተሐሒዞም ቅድሚ ዓሰርተ አርባዕተ ዓመታት ንቅዱስ ዮሐን ጳውሎስ ካልአይ ቅድሚ ሐሙሽተ ዓመት ክአ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበሩ በነዲክቶስ መበል 16 አብዚ አብ ዮርዳኖስ ከም ዝተቀበልኩዎም ይፍለጥን ይዝከር ።
አብ ዮርዳኖስ ክርስትያንን አስላምን ብሐባር በብእምነቶም ተኸባቢሮም ብሰላም ከም ዝነብሩ ግሁድ ነገር ከም ዝኾነ ከዘኻኽር ይፈቱ ።ቅዱስ አቦ ፍራንቸስኮ አብዚ ዘለናዮ መዋዕል ዓቢይ በብዓይነቱ ብድሆታት ከጋጥሙ ንዕዘብ አለና ነዚ ኹሉ ክንከላካል ክንክእል ግን አላህ እግዚእብሔር በብእምነትና ክስዓር ዘይኽእል መከላኸሊ ሐይሊ ሂቡና ።
በብዓይነቱ ርእዮተ ዓለም አብ ሞንጎ አህዛብ ዘይምትእማንን ድንቅርናን አብ ሃይማኖት ዝተመስረተ ግጭትታታን ከም ዝህሉ ጌሮም ፡ ነዚ ክአ ብሐባር ብጽቡቅ ድላይ ንሰላም ድምጽና ክብ አቢልና ንኹሉ እኩይ ነገራት ክንገትኦ ከም ንኽእል ዘጠራጥር አይኮነን ብማለት ንጉስ ዓብዱላህ ካልአይ ቢን አል ሑስየን አገንዚቦም።
ብሐባር እነካይዶ ጻዕሪ ክአ ዕርቅን ሰላምን ተስፋን ከም ዘኸትል ንፈልጥን ንርዳእን አብዚ ዓለም”ዚ ሰብአዊ ክብርን ግርማን ክዕቀብ አህዛብ ዓለም ብሰላም ብሐባር ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት ብዙሐት አለዉ ፡ ንአንብነት ንስኹም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመነበር ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ካብ ትሰየሙ ምስ ተከተልቲ ምስልምና ሃይማኖት ዘተ ሰላም ክካየድ አብ ዓለም ማሕበራዊ ፍትሒ ክህሉ ብማለት አተካይድዎ ጻዕሪ አብ ሀገራ አስላም ቅቡል ከም ዝኾነን ንሰላም እተካይድዎ ጻዕሪ ዕዉት ክኸውንን ክብ ዝበለ ተስፋ አለኒ ።
ተካኢ ቅዱስ ጰጥሮስ አብ ልዕሊ ምኻንኩም ሕልና ዓለም ኢኹም ምኽንያቱ ህልና አህዛብ ስለትቅስቅሱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ምስተሰየምኩም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ማለት ድልድል ከም ዝኾነ ተረዲእና ሕዝቢ ዮርዳኖስ ክአ ድልድል ሰላም ኢዩ ብማለት ንጉስ ዓብዱላህ ካልአይ ቢን አል ሑሴን አገንዚቦም’ ።
ድሕሪ ፍጻሜ ዲስኩር ንጉስ ዓብዱላህ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ዝግበርዎ ዲስኩር"ግርማነትኩም!
ዝኸበርኩምን ዝኸበርኩምን ሰበሥልጣን
ብፁዓን ጳጳሳት አኅዋተይ!
ዝኸበርኩም አዕሩኽተይ!
አብ አሠር ዝቀደሙ አኅዋተይ ጳውሎስ ሻድሻይን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን በነዲክቶስ መበል ዓሠርተ ሽድሽተን ናይ ዮርዳኖስ ሓሸሚታዊ ግዝ አት ክበጽሕ ዘኽ አለኒ እግዚአብሔር አመስግን ከምኡውን አብዚ ቀረባ ግዜ አብ ቫቲካን ተራኺብና ምንባርና እናዘከርኩ በዚ ሎሚ ዝገበሩለይ ናይ እንቋዕ ዳሓን መጻእኩም ሠናይ ቃላት ንግርማውነቶም ንጉሥ ዓብዱላህ ዳግማዊ አመስግኖም፣ ንዕብራዊ እምነትን ክርስትናን እስልምናን ዓቢ ሃይማኖታዊ ትርጉም ዘለዎ ሃብታም ታሪኽ ናይ ዝሓዘት ዮርዳኖስ አባላት ንጉሣዊ ቤተ ሰብን መንግሥትን ሕዝብን ሰላምታይ አቅርብ፣ እዛ ሃገር እዚአ ካብ ፍልስጥኤም ዒራቅን ዝተፈላለየ ናይ ነውጺ ቦታትን ብፍላይ ካብታ ብግጭት ንነዊሕ እዋን ትሕመስ ዘላ ሲርያ ንዝመጹ ስደተኛታት ብልግሲ ተዕቍብ አላ፣ እዚ ተግባርዚ ግርማዊነትኩም ብ ዓለም ለኸ ማኅበረ ሰላም ዓቢ አድናቆትን ድገፍን አለዎ፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እውን ንስደተኛታትን ጽጉማትን ንምሕጋዝ ብናይ ዮርዳኖስ ካሪታስ ትሰርሕ አላ ክትቅጽለሉ እውን እያ፣
ሽሕኳ ነዚ አብ ማእከላይ ምብራቅ ዘሎ ወጥሪ ብኃዘን እንክቃወሞ መንግሥትኹም ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ አብዚ ዘባ እዚ ሰላምን ምርግጋእን ክርከብ፣ ምናዳ ምናዳ ንግጭት ሲርያ ብህጹጽ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከብ ከምኡውን ንግጭት እስራኤልን ፍልስጠኤምን ፍትሓዊ መፍትሒ ክርከብ ብልቢ እድግፍን አተባብዕን፣
ንማኅበረ ሰብ እስላም ዘሎኒ ዓሚቍ አኽብሮቶን ነቲ ግርማዊነትኩም እትኽተልዎ ናይ እስልምና ትምህርቲ ብርዱእ መንፈስ አብ ግብሪ ምውዓልን አብ ማእከል ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ብሰላም ኃቢርካ ናይ ምንባርን ተኽእሎ ዘሎኒ ዓቢ ግምትን እንደገና ከሐድስ ነዚ አጋጣሚ ክጥቀም ደስ ይብለኒ፣ ሰላማዊ ሰብ ምዃንኩምን ንሰላም ከምትሰርሑን ኢዩ ዝንገር በዚ ከአ አመስግነኩም፣ መንግሥትኹም ንዘቅረቦ ናይ ሃይማኖታት ዘተ አብ መንጎ ዕብራውያንን ክርስትያንን አስላምን ብሓቂ ዕውት ምዃኑን ከም ውጽኢቱ ከአ “ውስጠ ሃይማኖታዊ መል እኽታት አማን” ዓቢ ስጉምቲ ንቅድሚት ኢዩ ከም ኡውን ብባይቶ ኅቡራት ሃገራት ንዝቀረበ ዓመታዊ በዓል “ሶሙን ውኅደት ሃይማኖታት” ብም እንጋድኩም አመስግን፣
ካብ ዘመነ ሐዋርያት ጀሚሮም አብዚ ግዝአት እዚ ንዝርከቡ ማኅበረ ክርስትያን በዚ መንግሥቲ እዚ ዝሕብሐብ ማኅበርአብታ ዝነብሩላ ማኅበረሰብ ንኃባራዊ ጽቡቅ ዓቢ አበርክቶ ስለዝገብሩ ዓሚቍ ሰላምታይ ከቅብርበሎም ደስ ይብለኒ፣ ሽሕኳ ሎሚ ብቍጽሪ ውኁዳት እንተኾኑ አብ ጽላት ትምህርትን ሕክምናን ነቲ መሠረት መሰል ደቂ ሰባት ዝኾነ ነጻነት እምነት እናኽበሩ ዘወፍይዎ ዘለው ብሓቂ ዝነአድ ኢዩ፣ ከምቲ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ቤተ ክርስትያን አብ ማእከላይ ምብራቅ ዝብል ሐዋርያዊ ም ዕዳኖም ቁ.26 ዘመልከትዎ እዛ አብዙይ እትርከብ ቤተ ክርስትያን “ናይ ግልን ኃባርን ነጻነት ብምኅላው ነፍሲ ወከፍ አብ ሃይማኖት አምልኾ ወዘተ ኅልናኡ ዝፈቀዶ ክኽተል ተስተምህር፣ ሓቀኛ ቢልካ ን እት አምኖ ሃይማኖት ክትመርጽን እምነትካ ብግህዶ ክትክተልን ትሕግዝ”፣ ክርስትያን ናይዚ ዓዲ እዚ ምሉእ ዜግነትን መሰልን ለቢሶም ነሕዋቶም አስላም ሓገዞም እናአወፈርይ ንሕንጸት ሃገር ከበርክቱ ስንድዋት ኢዮም፣አብ መወዳእታ ንመላእ ሃገርን መንግሥትን ሕዝብን ዮርዳኖስ ናይ ሰላምን ብልጽግናን ሠናይ ምንዮተይ እንክገልጽ እዚ ሐዋርያዊ ምብጻሕ እዚ አብ ዕብየትን ምድንፋዕን ናይቲ አብ መንጎ ክርስትያንን አስላምን ንዘሎ ልባውን ሠናይን ርክብ ዓቢ አበርክቶ ክኸውን ዘሎኒ ሠናይ ምንዮት እገልጽ፣ እግዚአብሔር ካብቲ ግርማዊነቶም ዝጠቀስዎ ዘፍርህ ለውጢ ይሰውረና፣ ንኩልኹም ብዝገበርኩምለይ ምውቅን አኽብሮት ዝመል ኦን ተቀባል አመስግነኩም፣ ከአል ኩሉን መሓርን ዝኾነ እግዚአብሔር ንግርማዊነቶም ታሕጓስን ነዊሕ ዕድመን ሂቡ ንሃገረ ዮርዳኖስ ከአ ብቡራኬኡ ይምላእ! ሰላም!" ብድሕሪ”ዚ ክልተን አርባዓን ሐሙሽተን በቆጻጽራ ሰዓት ዮርዳኖስ ፓፓ ፍራንቸስኮ ምስ ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብዱላህን ልዕልቲ ሙናን ተፋንዮም ናብቲ ስታድየም መንእሰያት አል ሑሴን ተጓዒዞም አብዚ ናይ ሥርዓተ አምልኾ ላቲን ፓትርያርክ ፎዓድ ጥውላን ብዝሐት ውሉደ ክህነትን 45 ሺሕ ምእመናን ዝበዝሑ ስደተኛታት ሶርያን ዕራቅን ፍሊስጤማውያን ክርስትያን ብድሙቅ አገባብ ተቀቢሎሞም ። መስዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም አብ ዘስምዕዎ ስብከት"አብ ዝተነበ ወንጌል ኢየሱስ ንሐዋርያቱ ዝሃቦ ተስፋ “ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ” (ዮሐ 14፤16)፣ እቲ ቀዳማይ ጰራቅሊጦስ ኢየሱስ ባዕሉ ኢዩ እቲ ካል እ ጰራቅሊጦስ ከአ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ፣ እዚ ንርከቦ ዘልና ቦታ ካብቲ ኢየሱስ ብዮሓንስ ምስ ተጠምቀ መንፈስ ቅዱስ አብ ል ዕሊኡ ብ ዓቢ ኃይሊ ዝወረደሉ ሩባ ዮርዳኖስ (ማቴ 3፤16) ብዙሕ ርሑቅ አይኮነን፣ ናይዚ ሰንበት እዚ ወንጌልን ብጸጋ እግዚአብሔር እዚ ንንግደት ዝርከበሉ ዘሎኹን ቦታ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ከነስተንትን ይ ዕዱሙና፣ መንፈስ ቅዱስ ዝገበረልና ብሰለስተ ቃላት ክነጠቃልሎ ንኽ እል፣ መንፈስ ቅዱስ የሰናዱ መንፈስ ቅዱስ ይቀብእ መንፈስ ቅዱስ ይልእኽ፣ ኢየሱስ ክጥመቅ እንከሎ ነቲ ናይ ድኅነት ተል እኾኡ አሰናዲውዎ! እዚ ተል እኾ እዚ ብትሑትን የዋህን አገልጋሊ ንካል ኦት ንከሳትፍን ንር እሱ ብምል አት ከወፍን ዝሓትት ነበረ፣ ኮይኑ ግን መንፈስ ቅዱስ ካብ ጥንቲ አብ ታሪኽ ድሕነት ምስ ሠርሔ ኢዩ አብ ምጽናስ ኢየሱስ አብ ድንግላዊ ማህጸን እኖና እግዚ እትነ ማርያም ከምዝሠርሔ ገብር ኤል መል አኽ “መንፈስ ቅዱስ ክመጸኢ ከጽልለኪ ኢዩ ወዲ ክትወልዲ ኢኺ ስሙ ከአ ኢየሱስ ክትርብልዮ ኢኺ” (ሉቃ 1፡35) ቢልዋ ነሩ፣ ቀጺሉ አብ ል ዕሊ ስም ዖን ነቢይን ሓና ነቢይትን አብ ቤተ መቅደስ ከቅርብዎ እንከሎው ይሠርሕ (ሉቃ 2፤22) ክልቲኦም አረጋውያን ድሕነት እስራኤል ክር እዩ ዝጽበዩ ዝነበሩ ኢዮም፣ በዞም ክልተ አረጋውያን አብ መንጎ መሲሕን ሕዝብን ዝግበር ርክብ መሰናደዊ ባይታ ይጣጣሕ፣ ዝተፈላለዩ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምት እትታዋት ነቲ እንኮ ዕላማ ናይ መለኮታዊ ፍቅሪ የወሃህድ፣ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ውህደት ሓድነት ምፍጣር ኢዩ፣ አብ መንጎ ደቂ ሰባት ዘሎ ፍልልይ ምንጻግ ወይ ዕንቅፋት ክፈጥር የብሉን እኳ ደአ ሃብቲ ኢዩ፣ ሎሚ ንመንፈስ ቅዱስ ንመንገዲ ሰላም ከሰናድወን ብምሉእ ልብና ንለምኖ፣ መንገዲ ሰላምን ሓድንትን ሓብረና ንበሎ፣
ብካል አይ ደረጃ መንፈስ ቅዱስ ይቀብእ፣ ን ኢየሱስ ቀቢኡ ንሓዋርያት እውን ከምቲ ናይ ኢየሱስ ስም ዒት ንክህልዎምን አብ ሕይወቶም ናይ ሰላምን ውህደትን ዝንባሌ ክህልዎም ቀቢ እዎም፣ ብቅ ብ አት መንፈስ ቅዱስ ሰብ አውነትና ብናይ ክርስቶስ ቅድስና ማኅተም ይኅተም ነሕዋትና ከምቲ ንሱ ዘፍቅረና ከምቲ እግዚአብሔር ዘፍቅረና ገርና ንክነፍቅር የኽ እለና፣ አብዚ ናይ ትሕትና ሕውነት ምሕረትን ይቅረ ምባልን ዕርቅን ተግባራት ከነዘውትር የድሊ፣ እዚ ነገራት እዚ ንሓቀኛ ነባርን ሰላም አድለይቲ ቅድመ ኩነታት ኢዮም፣ ብምል አት ደቁ ክሳብ ንኸውንን ምስ ክርስቶስ ተወሃሂድና ክንክ እል እሞ ንኩሉ ከም ሓውናን ሓፍትናን ክን ር ኢ ካብ ልብና ቂመ በቀል አርሒቅና ከም አሕዋት ክንፋቀር እግዚአብሔር ክቀብ አና ንለምኖ፣ ኢየሱስ አብ ወንጌሉ ዝሓተና ከአ እዚ ኢዩ “እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ።
ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ፡” (ዮሐ 14፡15-16)
አብ መወዳእታ መንፈስ ቅዱስ ይል እኽ፣ ኢየሱስ ብመንፈስ ናይ አቦ ምስ ተመል አ ተላ ኢኹ፣ ንሕናውን ብመንፈስ ቅዱስ ስለዝተቀባእና ከም መል እኽተኛታትን መሰኻኽርን ናይ ሰላም ዝተላ አኽና ኢና፣ ከም ናይ ሰላም መል እኽተኛታትን ናይ ሰላም መሰኻኽርን ዓለም ክንደይ ሃረር ይብለና፣ ዓለም ነዙይ ይሓተና አሎ ሰላም ክነምጽ አሉ ሰላም ክንምስክረሉ፣ ሰላም ክት ዕደግ አይከአልን አይትሽየጥን ኢያ ሰላም ት ዕድልቲ ኢዩ ብናአሽቱ ዕለታዊ ሰናይ ተግባራት ብት ዕግሥቲ ሃሰስ ንበላ፣ ናይ ሰላም ጕዕዞ ክውን ዝኸውን ኵልና ሓደ ደም ከምዘሎናን ደቂ ሰባት ምዃናን እንተፈሊጥናን ሓደ ሰማያዊ አቦ ከምዘሎና ደቁ ንክንከውን በምሳሉን በር አያኡን ከምዝተፈጠርና ምስ እንዝክር ጥራይ ኢዩ፣
በዚ መንፈስ እዚ ንኩልኹም ብሓባር ንፓትርያርክ አሕዋተይ ጳጳሳት ካህናት ሰብ ውፍይ ሕይወት ም እመናን ምናዳ ከአ ነዞም ሎሚ መጀመርያ ቍርባን ዝገብሩ ዘለው ሕጻናትን ቤተሰቦም ልባዊ ሰላምታ አቅርብ፣" ድሕሪ ፍጻሜ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናብቲ አብ ፈለግ ዮርዳኖስ ዝርከብ በጣንያ ቤተ ክርስትያን ስርዓተ ላቲን ተጓዒዞም አብኡ ንጉስ ዓብዱላህ አል ሑሴን ተቀቢሎሞም አብቲ ቤተ ክርስትያን ብብሕቲ ጸሎት አዕሪጎም ። እዛ ቤተ ክርትስያን እዚአ ንክትስራሕ ብ2009 ወርሂ ግንቦት ዕለት 10 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መሰረተ እምኒ ከም ዘቀመጡላ ይዝከር ብድሕሪ”ዚ አብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጠመቀሉ ገምገም ባሕሪ ዮርዳኖስ ከይዶም ነቲ ባሕሪ ባርኾም።
ናብቲ ቤተ ክርስትያን ተመሊሶም ክአ ምስቶም አብብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ክጽበይዎም ዝጸንሑ 600 ስደተኛታትን አከለ ስንኩላን መንእሰያትን ተራኺቦም አብ ዘስምዕዎ ዲስኩር
ድሕሪ ፍጻሜ ርክብ ንስደተኛታትን አካለ ስንኩላን መንእሰያትን ናብቲ ሎሚ ለይቲ ዝሐድርሉ አብ ከተማ አማን ዝርከብ ቤተ ሐዋርያዊ ጵጵስና ተመሊሶም ።

ምስቶም ዘነይዎም ብጹዓን ካርዲናላት ካህናትን ላዕሎዎት ሐለፊቲ ተቅዋማት ቅድስቲ መንበርን ጋዜጠኛታት ቫቲካንን ንድራር መአዲ ቀሪቦም ናይዚ ዕለት”ዚ ውዕሎኦም ፍጻሜ ኮይኑ ።
25.05.2014ዝኸበርኩም ሰማዕትና ቡሩኽ ሰንበት ክኾነልኩም እናተመነና ሎሚ ብምኽንያት ናይ ሰላም ሐዋርያዊ ንግደት ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ አብ ቅድስት መሬት ሓጺር ሪፖርታጅ ናይ ውዕሎኦም ከነቀድመልኩም ኢና፣
አብ ናይ ትማሊ መደብና ከምዝተኸታተልክምዎ ቅዱስነቶም ትማሊ ንግሆ ካብ ሮማ ነቂሎም አብ አማን ር እሰ ከተማ ዮርዳኖስ አብ ዝበጽሑሉ ድሙቅ ተቅባል ከምዝተገብረሎምን ምስ ንጉሣውያን ቤተ ሰብን መራሕቲ መንግሥትን እምነታትን ተራኺቦም ከምዝተመሳገኑ ከማኡ እውን አብ ገማግም ሩባ ዮርዳኖስ አብ ዝርከብ ሜዳ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ምስ ስደተኛታትን ዝተፈላለዩ ሰባትን ተራኺቦም አማስያኡ ንምሕዳሮም አብ ናይ አማን ናይ ቅድስት መንበር ሐዋርያዊ ወኪል ከምዝኸዱ አምልኪትና ነቢርና፣
ሎሚ ንጋሆ ብናይ ዮርዳኖስ ሰዓት አቆጻጽራ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቃን ምስ ካብ ኡ ብመኪና ናብ ንግሥቲ አልያ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ብምኻድ ብሄሊኮፕተር ናብ ቤተልሔም ሰዓት ሾመንተን ፈረቃን በጺሖም፣ ብ ኡ ንብ ኡ ብማኪና ናብ ቤተ መንግሥቲ ናይ ሃገር ፍልስጥ ኤም ፕረሲደንት መሓሙድ ዓባስ በጺሖም፣ አብዚ እውን ካብቲ ትማሊ አብ አማን ዝተገብረሎም ተቅባል ብዘይትሕት መንገዲ ተቀቢሎሞም፣ ፕረሲደንት ዓባስ አብ ዘቅረብዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ፤
“ቅዱስነትኩም፤ ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን
አብቲ ናይ ሰላም መስፍን ዝኾነ ጐይታ ዝተወልደሉ ቦታ አብ ቤተልሔም ንር.ሊ.ጳ እንክቅበል ዓቢ ክብሪ ይስመዓኒ፣ ቅዱስነትኩም ንስኹም ናይ ክብሪ ጋሻ ኢኹም፣ ፍራንቸስኮስ ዝብል ስምኩም ናይ ሰላምን ምክልኻል ዝደኸሙን የቃልሕ፣ ንሕዝቢ ፍልስጥኤም ዘሎኩም ሓልዮት እንክሰምዕን እትገብርዎ ፍሉይ አተኵሮ እንክምልከትን ደስ ይብለኒ፣ ፍልስጠኤምን ቫቲካንን ናይ ምሕዝነት ርክብ አለወን፣ ቅድስት መሬት ናይ ንግደት ቦታ ብምዃና አብነት ናይ መሰልን ግድነታትን ደቂ ሰባት ብምዃን ሓቢርካ ናይ ምንባር አብነት እውን እያ፣ ምስ ፓትርያርክ ምርኻብኩም ብ ዓቢ ሃንቀውታ ንጽበዮ አሎና፣ ንሕዝብና ፍትሓውን ነባርን ሰላም እምነ፣ ናይ ሰላም ጕዕዞ ተሪር ምዃኑ ገሊጽኩሞ ኢኹም ብሕልፊ አብ መንጎ እቶም አብ እስራኤል ተአሲሮም ዘለው ፍልስጠኤማውያን፣ መብዛሕት ኦም አብዚ ዕለታት እዚ መግቢ ናይ ምሕሳም አድማ ይገብሩ አለው፣ ምብራቃዊ ፍልስጠኤም ካብ 1967 ዓም አብ ትሕቲ ኮነ ቢልካ ዝተፈጥረ ጸቅጥን ጸገማትን ይነብሩ አለው፣ ን ኢየሩሳሌም ክፍቲ ከተማ ንኽገብረዋ ንሰበ ሥልጣን እስራኤል ንምሕጸን፣ አብ ዓለምለኸ ደረጃ ዘሎኩም ጽልዋ ዓቢ ምዃኑ ንፈልጥ፣ ሕዝብና ኢየሩሳሌም ዝዋና ከተማኡ ነጻ ሕዝቢ ክኸውን ሓግዙና፣ ቅዱስነትኩም እስራኤል ዝሃነጸቶ ናይ ጽል ኢ መንደቅ ብ ዓይንኹም ር ኢኽምዎ፣ ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ ሎሚ ናይ ሰላም ድልድል የድልየና አሎ፣ ሰላማዊ ማኅበረሰባት የድልየና አሎ፣ ካብ ጽል ኢ ርሒቅና ል ዑላዊነትና ሒዝና ብነጻነት ክነብር ሃረር ንብል፣ ንሕና ብዙሕ መስዋዕትነት ከፊልና ኢና ናይ 1967 ዶባት ተቀቢልና፣ ዓረብ ሊግ ዘቅረቦ ናይ ሰላም እማመ ተቀቢልና ንኽነተግብሮ ንቃለስ አሎና እስራኤል ካብቲ ሒዛቶ ዘላ ምድርና አብ ትወጽሉ ሰላም ክኸውን ኢዩ፣ ናይ ሰላም መል እኽቲ ነመሓላልፍ አሎና ብወገኖም ክቅበልዎ ንጽ ው ዕ፣ ጸጥታን ሰላምን ንሕዝብና ጽቡቅ ኢዩ፣ ሰላም እሂን ምሂን እናበልካ ብሕልና ናይ ካል ኦት ክብሪ እናሓሎኻ ን ኢፍትሓዊነት ወጊት ቢልካ ብንጽሕና ኅልና ንነባርን ጽኑ ዕን ሰላም እናሰራሕካ ኢያ እትርከብ፣
ቅዱስነትኩም አሽሓት ም እመናን ሓቢርካ ናይ ምንባር ጸጋ ክረኽቡን ንፍቅርን ምክብባርን ምሳኹም ሓቢሮም ክጽልዩ ይጽበየኹም አለው፣ አብ ምድሪ ሰላም ዝኾነ ፍልስጥ ኤም እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም፣ ን አኹምን ንም እመናንኩምን ሰላምን ብልጽግናን እምነየልኩም እንክብሉ፣ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ምስ አስም ዑ፣ ቅዱስነቶም ከአ ብወገኖም
ክቡር ፕረሲደት ዝኸበርኩም አ ዕሩኽተይ ዝኸበርኩም አኅዋት፣ ንክቡር ፕረሲደንት መሓሙድ ዓባስ ስለ እቲ ዘቅረቡለይ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእካ መደረ እንከመስግን በወገነይ ከአ ተወከልቲ ሰበሥልጣንን ንመላእ ሕዝቢ ፍልስጠኤምን ልባዊ ሰላምታይ አቅርብ፣ ሎሚ አብዚ ምሳኹም ናይ ሰላም መስፍን ዝኾነ ኢየሱስ ዝተወልደሉ ቦታ ብምርካበይ ሕጉስ ኢየ ንዝገበርኩምለይ ም ውቅ ተቅባል ከአ አመስግነኩም፣ ማእከላይ ምብራቅ ካብ ዓሠርተታት ዓመታት ናይ ግርጭት ድራማ ዝረአየሉ ንክትሓስቦ ዘስካሕክሕ ብዙሕ አቍሳል ዝርከበሉ ኮይኑ አሎ፣ ዓመጽን ዘይውሕስነትን ዘይምትእምማንን ዘይምርድዳእን ዝፈጥሩ ኩነታት መሰላት ደቂ ሰባት ዝተነጽጉሉ ተነጽሎ ምሉ አት ማኅበረሰባት ዝፈልሱሉ ፍልልያት ዋሕዲ ናይ ኩሉ ዝተፈላለዩ ስቃያት ዝረአዩሉ ኮይኑ አሎ፣ ናይዚ ኩሉ አደራዕ ተሸኪሞ ንዝሳቀዩ ዘለው ቅርበተይ እገልጽ ካብ መዓሙቅ ልበይ ከአ እዚ ኩሉ ሕጂ ክውዳእ እምነ፣ ንናይ ኩልና ጽቡቅ ከአ ኩሉ ዓመጽ ክንጸግ እምነ፣ እቲ ብዙሕ ጊዜ ዝተአመመ ግን ከይሰጐመ ዝቍጸ ናይ ሰላም ተበግሶታት ብዝተዓጻጸፈ ክስራሓሉ ናይ ነፍሲወከፍ መሰል ዝሕልወሉ ነንሕድሕድ ከአ ዝከባበረሉ ዓውዲ ክፍጠር እላቦ፣ ኩልና ን አገልግሎት ሠናይ ናይ ኩልና ለጋስ ትብ ዓት ተዓጢቅና ንሥራሕ፣ ካብቲ ናይ ክልተ ሃገራት ብሰላምን ርግ አትን ክነብራ ንዝብል ተበግሶ መሠረት ዝገብሮ ናይ ሰላም ትብ ዓት ይሃሉኹም፣ እዚ ንክ ዕወት ካብ ኩሉ ወገናት ነዚ ዝቃወም ምንቅስቃስ ክውገድ ብልቢ እምነ፣ ሕዝቢ ፍልስጠኤምን እስራኤልን ከማኡ እውን ናይ ክልቲኡ ሰብሥልጣን መንግሥቲ ነዚ ናይ ሰላም ጕዕዞ ብትብ ዓትን ቈራጽነትን ከተግብርዎ ብልበይ እምነ፣ አብ ውሕስነት ዝተመሥረተ ሰላምን ሓባራዊ ምት እምማንን ነቲ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕን ዝተመዛዘነ ም ዕባሌ ብምፍጣር ንካል ኦት ናይ ግጭት ጸገም ዘለዎም ዓቢ አብነት ክኸውን ይኽ እል፣ አብዚ ከባቢ ዝነብሩ ክርስትያን አብ ሓባራዊ ሠናይ ናይ ማኅበረሰቦም አብ ሓጐሶምን ሓዘኖምን እናተሳተፉ ዘበርክትዎ ዘለው ዓቢ ዕግበት ይህበኒ፣ እንክብሉ ንኩሎም ብምምስጋንን ንሰላም ብምጽዋዕን እንደገና ብምምስጋንን ቃሎም ሃቡ፣
ብድሕሪዚ ቅዱስነቶም አብቲ ጥቃ ዓቢይ ባዚሊካ ናይ ልደት ዝርከብ ዓቢ ቅር ዓት ናይ ኢየሱስ ዝተወልደሉ በዓቲ አምርሑ፣ እገረ መንገዶም አብቲ ንጸጥታ ክትብል እስራኤል ሓኒጻቶ ዘላ መንደቅ ካብቲ ዝጐዓዙላ ዝነበሩ ማኪና ወረዶም ንገለ ደቃይቅ አብቲ መንደቅ ደኒኖም ጸሎት አዕሪጎም፣ ካብዚ ብምቅጻል በቲ ካል እ ገጽ ናይቲ መንደቅ ሰጊሮም አብቲ ቅር ዓት ንዝጽበዮም ዝነበረ ሰላምታ እናቅረቡን እናባረኹን አብቲ ሜዳ ተቀሪቡ አብ ዝነበረ ግዝያዊ መንበረ ታቦት በጽሑ፣ ቅዱስነቶም አብቲ ቦታ እንክበጽሑ ናይ ቤተልሔም ከንቲባ ቨራ ባሁን ተቀቢሎሞም፣ ብድሕሪዚ ቀጥታ አብ ቅዳሴ አተው፣
ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሮም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መል እኽቲ ብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ ጥዋል አቅሪቦም፣ “ቅዱስ አቦና እግዚአብሔር ይሃበልና! ስለዛ አብ ጥቃ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ቦታ እተዕርግዋ ጽቡቅቲ ቅዳሴ እግዚአብሔር ይሃበልና! አብ መንነትኩምን አዘራርባኹምን ን ዓለም እንክትዛረቡ አብ መሪሕነትኩም ካብ ቤተ ልሔም ናይ ሰላም መል እኽቲ አብ ምስዳድኩምን ዘሎ ውህደት ጐሊሑ ይረኤ አሎ፣ ቤተልሔም ገርህነትን ቅን ዕናን ውህደትን ዝመል አ ከተማ መለኮታዊ ባህርይ ሥጋዊ ባህርይ ዝለብሰላ እሞ ከአ አብ ደረጃና ወሪዱ ከማና ሰብ ኮይኑ አብ ማእከልና ብምሕዳር ዝለዓለ ፍቅሩ መታን ከተግብር፣ እዚ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ናትኩም ነቲ ናይ ልደት ናይ ሰላም መል እኽቲ ንምቈት ናይ በዓቲ ቤተልሔም ናብ ልቢ ሰባት ከቅርብ እምነ፣ እዚ እትገብርዎ ዘሎኹም ንግደት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ናይ ቤተልሔም ትሕትና ዕብየት ተረዲኡ አብ ልቡ ከሕድሮን ናይ መን ከማይ ዘይጠቃሚነትን ናይሕጻንነት ጽባቄን ገርህነትን ንከለሊ የኽ እል እንክብሉ ሓጉሶምን ዕግበቶምን ምስ ገለጹ ቅዳሴ ተጀመረ፣

አብቲ ቅዳሴ ተቀሪቡ ዝነበረ ንባባት ካብ ትንቢት ኢሳያስ ዝተወስደ ሕጻን ተወሊዱልና ወዲ ተዋሂቡና (9፡1-6) ካል አይ ንባብ ከአ ቲቶ 2፡1 ኮይኑ ጸጋ እግዚአብሔር ናብ ኩሎም ደቂሰባት መጺአ ዝብል እንክኾን ወንጌል ከአ ሉቃ 2፡1 አብዚ መድኅን ተወሊድኩም አሎ ዝብል ነበረ፣ አብዚ ቅዳሴ አብ ዘቅረብዎ ስብከት ቅዱስነቶም ነዚ ብድሕሪዚ ቅዱስነቶም ነዙይ ዚስዕብ ስብከት አቅሪቦም፣
“ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም፡ በሎም።” (ሉቃ 2፡12) ኢየሱስ አብ ዝተወልደሉ ቦታ ቅዳሴ ከተዕርግ ክንደይ ዓቢ ጸጋ ኢዩ፤ ን እግዚአብሔር አመስግን! ን አኹም እውን አብዚ ንግደት እዚ ስለዝተቀበልኩምኒ አመስግን፣ ክቡር ፕረሲደንት መሓሙድ ዓባስን ካል ኦት ሰበሥልጣን፣ ብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ ፉዓድ ጥዋል ብፁዓን ጳጳሳትን አመሓደርትን ቅድስት መሬት ካህናት ተባዓት ፍራቸስካውያን ሰብ ውፍይ ሕይወት ኩልኹም ካብ ጋዛ ገሊላ ዝመጻእኩም ካብ ኤስያን አፍርቃ አብዚ ተዓቍብኩም ዘሎኹም ስደተኛታት ንዝገበርኩምለይ ተቅባል እግዚአብሔር ይሃበለይ፣
አብ ቤተ ልሔም ዝተወልደ ኢየሱስ ሕጻን ነቲ ድሕነት ዝጽበ ዝነበረ ሕዝቢ ካብ ሰማይ ዝተዋህበ ምልክት ኢዩ፣ እዚ ምልክት እዚ ከአ ንወትሩ ዝነብር እግዚአብሔር አብ ህዝቡ ናይ ዘርአዮ ምልክት ኢዩ፣ እቲ መል አኽ ነቶም ጓሶት ምልክት እዚ ይኹንኩም ሕጻን ክትረኽቡ ኢኹም፣ ሎሚ እውን እንተኾነ ሕጻናት ምልክት ኢዮም ምልክት ተስፋ ምልክት ሕይወት ከም ኡውን ናይ ሓንቲ ስድራቤት ጥ ዕና ንምርዳእ ዝ እምቱ ምልክት ጥ ዕና ናይ ኅብረተሰብን ናይ መላእ ዓለምን ምልክት ኢዮም፣ ሕጻንት ተቀባልነት ምስ ረኸቡን ምስ ተፈቅሩን ምስ ተሓለውን ክንክን ምስ ረኸቡን እታ ስድራቤት ጥ ዕይቲ አላ ማለት ኢዩ፣ ማኅበረሰብ ይመሓየሽ ዓለም ሰብ አዊ ይኸውን፣ አብዚ ከባኢ ዝርከብ ኤፋታ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝበሃል ትካል ንጸማማት ሕጻናት ፍልስጥ ኤም ዘበርክቶ ዘሎ እንተረ አና ሓደ ጭቡጥ ምልክት ሕያውነት እግዚአብሔር ኢዩ፣ ኅብረተሰብ ክመሓየሽ ተስፋ ከምዘሎ ዘር ኢ ምልክት ኢዩ፣ ሎሚ እውን እንተኾነ አብ ንናይ መበል 21 ክፍለዘመን ሰብ ኡትን አንስትን እዚ ምልክት ይኹንኩም ነቲ ሕጻን ድለይዎ ይብሎም አሎ፣ ናይ ቤተ ልሔም ሕጻን ከም ኩሎም ናጽላ ሕጻናት ተአፋፊ ኢዩ፣ ክዛረብ አይክ እልን እቲ ዘገርም ከአ እቲ ሥጋ ዝኾነ ቃል ኢዩ፣ ንልብን ሕይወትን ናይ ብዙኃት ክልውጥ መጺኡ፣ እቲ ሕጻን እቲ ከም ኩሎም ሕጻናት ተአፋፊ ስለዝኾነ ሓገዝን ምክልኻልን የድልዮ፣ ሎሚ እውን እንተኾነ ሕጻናት ክንቀበሎምን ክንከላኸለሎምን አሎና እዚ ከአ ካብ ማኅጸን አዲኦም ጀሚርካ ክኸውን አለዎ፣ እቲ ዘሕዝን ግን ሎሚ አብዚ ተክኖሎጂ ክሳብ ዝለዓለ ጠርዙ ማዕቢሉሉ ዘሎ ዓለምና ብዙኃት ሕጻናት ኢሰብ አዊ ናብራ ይነብሩ አለው አብ ፈቀዶ ድኽነት ኵዒቱ ዝቀበሮ ከባቢታት ሻውላት ሕማቅ ናብራ ይነብሩ ባሮት ይኾኑ ናይ ዓመጽን ሰብ አዊ ንግድን ግዳይ ኮይኖም ይርከቡ፣ ብዙኃት ሕጻናት ስደተኛታት ኮይኖም ይጐዓዙ አብ ባሕርን ምድረበዳን ብፍላይ አብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ይጥሕሉ አለው፣ ሎሚ አብ ቅድሚ እቲ ባዕሉ ሕጻን ዝኾነ አምላኽ ክንሓፍር አሎና፣ እስከ አብ ር እስና ምልስ ቢልና አብ ቅድሚ ኢየሱስ ህጻን አነ መን ኢዩ? አብ ናይ ሎሚ ኢየሱስ ሕጻን ንሕና መን ኢና? ንኢየሱስ ሕጻን ተቀቢሎም ብእናታውን አባታውን ፍቅር ዝሓብሓብዎ ከም ማርያምን ዮሴፍን ዲና? ወይስ ውልድ ምስ በለ አትሒዙ ክቀትሎ ዝሓንሓነ ከም ሄሮዱስ ንጉሥ ዲና? ወይስ ከምቶም መል አኽ ምስ ሓበሮም ተቀላጢፎ ነቲ ሕጻን ክረኽቡ ዝኸዱ ገርሀይናታት ተንበርኪኾም ዝሰገዱሉን ትሑት መባኦም ዘቅረቡሉን ጓሶት ዲና? ወይስ ኩሉ ዘይ ዓጅበና ብሸለልትነት እንመላለስ? ወይስ መልሓስ ጥራይ ብምዃን ይዋእ እናበልና ንንግድን ንሸቀጥን ንሕጻናት እንጥቀም? ምናልባት ግዜ ከንሐልፍ ምስ ኦም ክንጻወት ንኽ እል! ጽን ቢልና ንሰም ዖምዶ? ከመይ ገቢርካ ከምትከናኸኖምከ ንፈልጥዶ? ምእንታኦምን ምስኦምን ንጽልዶ? ወይስ ንኩሉ ሸለል ቢልና ንጥቅምና ጥራሕ ንሕዞም?
ምልክት እዚ ይኹነና ይኹንኩም ሕጻን ክትረኽቡ ኢኹም ምናልባት እዚ ሕጻን እዚ ይበኪ ይህሉ! መብከዪኡ ምኽንያት ጥሜት ቍሪ ወይ ከአ ክሕቈፍ ደልዩ ይኸውን፣ ሎሚ ብዙሓት ሕጻንት ይበኽ ዩ አለው እኳ ደአ ብዙሕ ይበኽ ዩ ይንኽ ነኹ አለው፣ ብኽ ያቶም ከአ ጻው ዒት የቅርበልና አሎ፣ ዕለት ዕለት በሽሓት ኩንታላት ዝምዘን መድኃኒትን መግብን አብ ዝጕሕፍ ዓለምና ብቀሊሉ ክፍወስ ብዝኽ እል ሕማምን ብጥሜት ብዙኃት ሕጻናት ይበኽ ዩን ይቅዘፉን አለው፣ ንሕጻናትን ትሕቲ ዕድመን ከምዚ ክግበር አለዎ እናበልካ አብ ዝዝረበሉ ግዜ ክንዲ ሠናይ ነገር አጽዋር ክሽመት ንር ኢ አሎና እዚ አጽዋር እዚ ከአ አብ አ እዳው ሕጻናት ወተሃደራት እንክትር እዮ፣ ንሕጻናት ከም ባሮት እናአሥራሕካ ዝሰናደው ናይ ሸቀጥ አቍሑት ንመኽሰብ ክሽየጥ ክልወጥ ክትር ኢ ብኽ ያት ናይዞም ሕጻን ከምዝተዓፈነ ትር ኢ፣ ክሰርሑ አለዎ ክዋግ ኡ አለዎም ክበኽ ዩ የብሎምን ቢሎም እንተዓበስዎም ም እንታኦምን ን ኦ ኦምን አደታቶም ይበኽ ያሎም እዘን አደታት እዚ ኤን ናይ ዘመንና ራሄል ኢየን ስለ ደቀን የልቅሳ አለዋ ክጸናናዓ ከአ አይደልያን (ማቴ 2፤18)
ምል ክት እዚ ይኹንኩም ሕጻን ክትርኽቡ ኢኹም፣ ኢየሱስ ሕጻን አብ ቤተ ልሔም ተወሊዱ፣ አብ ዝኾነ ኵርናዕ ዓለም ዝውለድን ዝ ዓብን ሕጻን ምልክት ኢዩ፣ ፈዋሲ እውን ኢዩ፣ ንኩሉ ቅርሕንትን ሕማምን በለጸን ገዲፍና ብሕውነት ምሕረትን ዕርቅን ፍቅርን የምጽ እ፣
ኦ አደ ኢየሱስ ዝኾንኪ ማርያም ከምቲ ንስኺ ዝተቀበልክ ዮን ዝሰገድክሉን ዝተኸተልክ ዮን ንሕና እውን ክንቅበሎ ክንሰግደሉን ክንክተሎን አምህርና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ ድሕሪ ቅዳሴ ናይ ንግሥተ ሰላም ጸሎት ቅድሚ ምድጋሞም ንኩሉ አብ ትሕቲ ሓለዋ እኖና እግዚእትነ ማርያም ከነቀምጦ ንኩሉ ናይ ስድራቤታትና ይኹን ናይ ዓለምና ሽግራት ፍታሕ ከተናድየልና ንማሕጸና እንክብሉ ምስ አዘኻኸሩ ጸሎተ ንግሥተ ሰማይ ደግሚሞ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ሰላምታን ምስጋናን አቅሪቦም ብቡራኬ አብቲ ኢየሱስ ዝተወልደሉ በዓቲ ዝርከብ ቅርዓት ዝነበረ መደብ ተአዛዚሙ፣
ድሕሪ ቅዳሴ ሚእቲ ኪሎሜተር አቢሉ ርሒቁ ዝርከብ ናይ ካፑቺኒ ገዳም ብምኻድ ምስ ስድራቤታ ፍልስጥ ኤም ምሳሕ ተቀሪቦም፣ ድሕሪ ምሳሕ ናብታ ዓባይ ባዚሊካ ልደት ብምኻድ አብቲ በዓቲ ልደት ክርስቶስ ብሕቶም ብም እታው ጸሎት አ ዕሪጎም፣ እንደገና ናብ ገዳም ካፑቺን ብምምላስ ምስ ማኅበር ናይ ኃባር ስ እሊ ተላዒሎም፣ ካብዚ ብም ቅጻል ብዙኃት ስደተኛታትን ሕጻናትን ዝርከበሉ ፎኒክስ ሰንተር ብምኻድ ምስ ኦም ተራኺቦም አምስያኡ ናብ እስራኤል ንምኻድ ናብ ናይ ቤተ ልሔም ናይ ሄሊኮፕተር ብምኻድ ንተል አቪቭ ገጾም ተጓዕዙ፣ አብ መዓርፎ ነፈርቲ በን ጉርዮን ናይ ተልአቪቭ በጺሖም ቅዱስነቶም ካብ ነፋሪት ምስ ወረዱ ክልቲኤን ቫቲካንን እስራኤልን ሃገራዊ መዝሙራት ተዘሚሩ ፕረሲደንትን ቀዳመይ ሚኒስተርን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ አስሚ ዖም ቅዱስነቶም እውን ናይ ምስጋና ቃል አስሚዖም ብሄሊኮፕተር ናብ ኢየሩሳሌም ተጓዕዙ፣ ብመኪና አብ ናይ ሐዋርያዊ ወኪል ዝርከቦ ቦታ ምስ በጽሑ ብዙኃት ሰበስልጣን መንግሥትን መራሕቲ ሃይማኖትን ተቀቢሎሞም፣ ምስ ናይ ቍስጥንጥንያ ፓትርያርክ ተራኺቦም ሓባራዊ አዋጅ ምስ ከተሙ ካብቲ ቦታ አርባዕተ ኪሎ ሜትር ርሒቁ አብ ዝርከብ ቅዱስ መቃብር ናይ ኅብረት ሥር ዓት ፈጺሞም ንምሕዳሮም ናብ ናይ ሐዋርያዊ ወኪል ቤት ተመልሱ፥ ዝከበርኩም ተኸታተልቲ መደብና ናይዚ ሰፊሕ ትንተና አብ ዝመጽ እ ናይ ትግርኛ መደብና ከነቅርበልኩም ኢና፣

















All the contents on this site are copyrighted ©.