2014-05-22 18:43:53

ተፈጥሮ እንተዘይሐሊናዮ ከጥፈአና ኢዩ፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዩ፣ ቅዱስነቶም ነቲ ብዛዕባ ሃብታት መንፈስ ቅዱስ ዝጀመርዎ ትምህርቲ ብምቅጻል አብ ናይ ትማሊ ትምህርቶም ብዛዕባ ፍልጠት ብሰፊሑ ገሊጾም፣
ፍልጠት ክንብል እንከሎና ከም ሰብአዊ ኩነት ነገራት ር ኢኻ እፈልጦ ማለት ዘይኮነ ብ ዓይኒ እግዚአብሔር ብምር አይ ል ዕሊ ኩሉ ነቲ ግብሪ አ እዳው ዝኾነ ፍጥረት ከምቲ ንሱ መጀመርያ ክፈጥሮ ከሎ “እግዚአብሔር ከአ ሠናይ ከምዝኾነ ረአየ” እናበለ አብ ኦሪት ዘፍጥረት ብዛዕባ ጽባቄ ኩሉ ፍጡር ዝገልጽ አብ ናይ ወዲሰብ ፍጥረት ምስ በጽሔ ከአ “ብጣዕሚ ጽቡቅ” ዝብሎ ደቂ ሰባት ናብ እግዚአብሔር ዝቀረቡ ፍሉያት ፍጥረት ብምዃኖም ካብ ኩሉ ፍጡር ንላዕሊ ብምዃኖም ከምቲ መዝሙረ ዳዊት ዝብሎ ከአ “ወዲሰብ አብ ልዕሊ ኩሉ ፍጡር ዝተሾመ” ብምዃኑ ናይ ተፈጥሮ ምሕላውን ካብ እግዚአብሔር እዚ ሠናይ ነገር እዚ ብምርካቡ ንፍጥረት ከደንቅን ን እግዚአብሔር ከመስግንን ከምዘለዎ አዘኻኺሮም፣
ነዙይ ክንሕልዎ ዝተዋበና ተፈጥሮ እንተደአ ብዘይ አገባብ ክንምዝምዞን ሸለል ክንብሎን እንተጀሚርና ከምዚ ንር እዮ ዘሎና ምናልባት ክንዲ ንጥቅምና ንጥፍ አትና ክኸውን ከምዝኽ እል እውን አብሪሆም፣
“እግዚአብሔር ፍጡር ኩሉ ጽቡቅ ምዃኑ ካብ ረአየን ኩሉ ጽቡቅ ኢዩ እንካብ በለን ንሕና እውን ነዙይ አመለኻኽታ እዙይ ሒዝና ንፍጥረት ኩሉ ሠናይ ምዃኑ ጽቡቅ ምዃኑ ር ኢና ክንክ እል አሎና፣ እዚ ኢዩ ውህበት ፍልጠት ዝበሃል ንነገራት ከምቲ እግዚአብሔር ዝ ር እዮ ር ኢኻ ምኽ አል ጽቡቅ ምዃኑ ር ኢኻ ምኽ አል፣ ስለዚ ጽባቄን ሠናይ ነገር ከአ ን እግዚአብሔር ክብርን ምስጋናን ክነቅርብ የድሊ፣ እግዚአብሔር ንወዲሰብ ምስ ፈጠሮ ዝበሎ ግን ከምቲ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ፍጡራት ዝበሎ “ጽቡቅ ከምዝኾነ ረአየ” አይኮነን ዝብል እንታይ ደአ “ብጣዕሚ ጽቡቅ ከምዝኾነ ረአየ” ይብል፣ አብ ቅድሚ አ ዕይንቲ እግዚአብሔር ንሕና ዝበለጽና ዝ ዓበና ኢና ካብ ፍጥረት ኩሉ ዝበለጽና ኢና፣ ወላ ካብ መላእኽቲ እውን ል ዕሊ መላ እኽቲ ኢና ከመይ ንፍጥረት ኩሉ ክንገዝ እ ሥልጣን ሂቡና ኢዩ፣” ክንጥንቀቀሉ ዘሎና ግን ናይ ፍልጠት ውህበት መሠረታዊ እኳ እንተኾነ ተጻዩ እውን አሎ ነቲ ክንሕልዎ ንዝተዋህበና ክንውንኖ ምስ እንጽ ዕር ሓደገኛ ኢዩ፣
“ተፈጥሮ ክንውንኖን ከምድላይና ክንገብሮን እንኽ እል ናትና ንብረት አይኮነን፤ ናይ ገሊኦም ውኁዳት ሃብታማት ንብረት እውን አይኮነን፣ ናይ እግዚአብሔር ውህበት ኢዩ፣ ዘደንቅ ት ዕድልቲ እግዚአብሔር ኢዩ፣ እግዚአብሔር ነዙይ ዝሃበና ከአ ንጥቅሚ ኩሉ ከነው ዕሎን ብ ዓቢይ ጥንቃቄን አኽብሮትን ክንጥቀመሉን ክንኃልየሉን እዩ ዓዲሉና፣ ዝተዓደልካዮ ወይ ዝተዋሃብካዮ ነገር ናትካ አይኮነን፤ ዋና አይኮንካን፤ ክትብለጸሉ እውን ክትጽ ዕር የልብልካን ከመይ ብነጻ ዝተወሃብካዮ ኢዩ፣ ስለዝኾነ ከአ ንኩሉ ብሓድነት ክንሕልዎን ክንከላኸለሉን አሎና፣ እዚ እዩ እቲ ንወዲሰብ ዝተዋህበ ሥልጣን ሓለዋ ተፈጥሮ፣
“ንሕና ሓለውቲ ተፈጥሮ ኢና፣ ንተፈጥሮ ብዘይ አገባብ እንተተጠቂምናሉ ነቲ ምል ክት ፍቅሪ እግዚአብሔር ዝኾነ ምልክት ነዕኑ አሎና ማለት ኢዩ፣ ክንሕልዎ አሎና እንተዘየሎ ከጥፍ አና ኢዩ፣ ነዙ አይትረስ ዑ ተፈጥሮ እንተአ ዕኒናዮ ንሱ አቀዲሙ ከዕንወና ኢዩ፣ ሓደ ገርሀይና አፍራይን ሓላውን ዕንባባታት ዝነበረ ሰብ ዝበለኒ ክነግረኩም፣ አባቴ ነዘን እግዚአብሔር ዝሃበና ጽቡቃት ነገራት ክንሕልወን አሎና፣ ፍጥረት ኩሉ በብመንገዱ ክሳብ ዝተጠቀምናሉ ጽቡቅ ኢዩ፣ ኮይኑ ግን ክንጋገ ከሎና እግዚአብሔር ወትሩ መሓሪ ስለዝኾነ ይምሕረና ተፈጥሮ ግን ዝምሕር አይመስለንን ንስኻ እንተዘዓቂብካዮ ንሱ የጥፈአካ ኢሉኒ እንክብሉ ከምቲ ንሶም ብናይዚ ገርሀይና ሰብ ምስትውዓል ዝተማረኹ ንሕና ኩልና ንተፈጥሮ ክንሕሉ እንተዘየሎ እዚ ሰብአይ ከምዝበሎ ተፈጥሮ ከጥፍ አና ምዃኑ አዘኻኺሮም፣
ድሕሪ ትምህርተ ክርስቶስ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት አብ ዘመስገኑሉ አብ ዓዲ ጣልያን ካምፓንያ አብ ዝበሃል ዓዲ ንጽባሕ ቀዳም ብፁዕነቶም ንዝእወጅ ናይ ሰባክያነ ወንጌል ካህን ማርዮ ቨርጋራን መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ኢዚዶሮ ንገይ ኮ ላትን አብ ቢርማንያ ብ1950 ብሰማዕትነት ናይ ዝሞቱ አመልኪቶም ከምዙይ ቢሎም፣
“እዞም ሰባት እዚኦም አብ ክርስቶስ ንዝነበሮም ተአማንነት ንምግላጽ ጅግንነት ንኩሎም ሰባክ ያነ ወንጌል ምናዳ ኸአ ንመማህራን ትምህርቲ ክርስቶስ ዓቢ ናይ ምትብባዕን አብነትን ዝኸውን ኢዩ፣ ናይዚኦም ሓዋርያዊ ተግባር ብሓቂ መዘና አልቦ ኢዩ ቤተ ክርስትያን ከአ ነዙ ኩሉ ልባዊ ምስጋና ተቅርበሎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.