2014-05-20 19:13:07

“አብ ዓድኹም ብዘሎ ዓመጽን ራዕድን ከይተደሃልኩም እምነትኩም ብትብዓት መስክሩ”


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ንጳጳሳት መክሲኮ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብዎ ግዜ “አብ ዓድኹም ብዘሎ ዓመጽን ራዕድን ከይተደሃልኩም እምነትኩም ብትብዓት መስክሩ” እንኪብሉ ንናይ ሥድራቤት ክብርታት እናተኸላኸሉን ንሕዝባዊ ሠናይ ምግባር እናአደንፍዑን እምነቶም ክምስክሩ አዘካኺሮም፣ አብ መክሲኮ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ጸገማት ብዙሕ ዓመጽን ድኽነትን ከምዘሎ ይንገር፣
ከም ልምዲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብ ኩሉ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት አብ ሓሓሙሽተ ዓመት ንመቃብር ጴጥሮስን ጳውሎስን ንምስላምን ምስ ር.ሊ.ጳ ንምርኻብን ንዝገብርዎ ብቪዚታ አድ ሊሚና አፖስቶሎሩም ንዝፍለጥ ምብጻሕ ንኽገብሩ አብ ሮማ ዝርከቡ ጳጳሳት መክሲኮ ነቶም ካብ ወገን ደቡብ አመሪካ ዝኾኑ ር.ሊ.ጳ ክረኽቡ ከለው ብዙሕ ነገር ክረዳድኡ ክኢሎም፣ ቅዱስነቶም እውን ብወገኖም መክሲኮ ዓሚቍ ክርስትና ዝሓዘት ከምዝኾነትን ነዙይ ዚዝንግ ዕ ከአ አብ ላቲን አመሪካ ማለት ደቡብ አመሪካ ዘሎ ኩነት ክርድ ኦ ዝኽ እል ከምዘየልቦን መስኪሮም ከብቅዑ ምስዚ ማዕረ ማዕረ ከአ አሸገርቲ ማኅበራዊ ጸገማት ከምዝማዕበሉ ነዚ ግድላት እዚ ከአ አብ መሠረት ተመሊስካ ነቲ ክርስትያናዊ ሠረት ምሕያል ከምዘድሊ ገሊጾም፣ አብቲ ንጳጳሳት መክሲኮ ዝጸሓፍዎ መል እኽቲ ከአ “ንድኻታት ክትረድ ኡ እትገብርዎ ጻዕሪ እፈልጥ ኢየ ከማኡ እውን ብሥራሕ ምስ አንን ድኽነትን አብ ሕሱም ናብራ ዝነብሩን ምንም ረዳኢ ዘይብሎምን ሕዝባዊ አገልግሎት ንዝተሓረሞምን ክትሕግዙ እትደኽምዎ እፈልጥ ኢየ፣ ነቲ ዕጸ ፋርስን ዝውውሩን ብዘስ ዓቦ ጸገማት ዝተጐድ ኡ ወገናትን ንመሰላት ደቂ ሰባትን ኩለንትናዊ ም ዕባሌ ደቂ ሰባትን እትገብርዎ ቃልሲ አጸቢቀ እፈልጥ ኢየ” ቢሎም ንኩሉ ኩነታት መክሲኮ ከም አጻብ ዕቲ ኢዶም ከምዝፈልጥዎ ዝገለጹ ቅዱስነቶም አብቲ አብ አደራሽ ክለመንቲና ዝገበርው መተሓሳሰቢ ከአ ከምዚ ክብሉ ቃሎም ሂቦም፣
“ምስ ወልደ እግዚአብሔር ኰንኩም ነቲ ጸገማት ክትፈትሕዎ ምስ ዝጽግመኩም ናብታ ፈታሒት ሽግር ዝኾነት አዲኡ ኪዱ፣ ምስ ከምዙይ ዝበለ በዳህቲ ጸገማት ክትቃለሱ እንከሎኹም እግዚ እትነ ማርያም በይንኹም ከምዘይትገድፈኩም ጽኑዕ እምነት አሎኒ፣ አደ ኩሉ ዝኾነት እግዚአትነ ማርያም ገለ ካብ ደቃ ዶባት ክሳገሩ ገለ ብናይ ስደት ጸገማት እንክግረፉ ገለ አብ ኩሉ ከይበጽሑ አብ መንጎ ዝሞቱ ገለ ብጨካናት መሰጋገርቲ እንክሞቱ ምስ እዚ ከአ ጸገም ዕፀ ፋርስን ዘስ ዕቦ ጸገማቱን ነዙ ኩሉ ትርእዮን ትርድኦን ስለዝኾነት ናብ አደ አምላኽ ጉየዩ ከምትረድ አኩምን በይንኹም ከምዘይትገድፈኩምን እአምን እየ እንክብሉ ድሕሪ አተባቢዖም አብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን መክሲኮ ብዝርኢ እውን ንምእመናን ብዝምልከት “ብዘይ ተሳትፎ ም እመናን ተል እኾ ስብከተ ወንጌል ክ ዕወት አይክ እልን እሞ ንም እመናን ክትኩስኩስን ከትሰናድውን ሓደራ ከምዚ ብምግባር ከአ ነቲ ብደገ ዝር ኤ ናይ ማኅበር እምነት ከተደንፍ ዑ ትኽ እሉ” ቢሎም፣ አብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነቶም አቡናት ብዝገብርዎ ኩሉ ድሕሪ ምምስጋን ቀንዲ አብ ስድራ ቤት ክተኵሮ ሓደራ ድሕሪ ቢሎም አብ ጸሎት ክተግሁ ከምዚ ክብሉ ተእላበው፣“እቲ ቀዳማይ ጉዳይ ብጸሎት ምስ ጐይታ ምርኻብ ስለዝኾነ ጽሎት ምግባር ከይትርስዑ ሓደራ፣ እዚ ጳጳሳት ስለሕዝቦም ምስ እግዚአብሔር ዝዋስ ኡሉ መጋበሪ ኢዩ፣ አይትረስ ዑ ካል አይ ጉዳይ ከአ አብ ማእከል ሕዝብኹም ኩኑ ቀረባኦም ኩኑ” ብማለት ተሰናበትዎም፣







All the contents on this site are copyrighted ©.