2014-05-20 16:29:59

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ልብና ኣብ መንፈስ ቅዱስ ዘተኰረ ድዩ ወይ ድማ ኣብ ኪዳን ቀልባዕባዕ እዩ


RealAudioMP3 ትማሊ ዕለት 19 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንፃ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ንጐሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፦ “ክርስቲያን ልቡ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ዘተኰረ ደኣ እምበር ኣብ ኵዳን ቀባዕባዕን ዘተኰረ ክኸውን የብሉን” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ግብረ ሃዋርያት ምዕ. 14 ካብ ፍቕዲ 5 ክሳብ 18ን መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 115 ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 14 ካብ ፍቕዲ 21 ክሳብ 26 ምስ ተነበ፣ ኣብ ቀዳማይ ምንባብ ኣመርኵይዞም ልብና ከምይ ኢዩ ኣበይ እዩ ኸ ኣተኵሮኡ፣ ልቢ ክርስያን ዘኹድድ ዘይኰነስ ጽኑዕ እዩ ክኸው ዘለዎ። ንኣስፍሆተ ወንጌል ሓዋርያዊ ህርኵትነት ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ሕይወት ዝድነቕ እዩ። እቲ ናይ ሓዋርያ ኣሕዛብ ካብታ ክቐትልዎ ዝደለዩላ ሃገር ኢቆንዮ ዝመጸ እውን እንተዀነ በቲ ዘጓነፉ ዘየዕረምርም ኣብ ከባቢ ሊቃኦንያ ልስጥራንን ደርቤንን ኣስፍሆተ ወንጌል ብምቕጻል ኣእጋሩ ንዝለመሰ ሰብኣይ ብሽም ጐይታ ይፍውስን፣ ነቲ ተኣምር ዝረኣየ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ድማ ጳውሎስን በርናባስን ከም ጣዖት ይርእይዎም ድያን ሄርመስን እንክብሉ ይሰምይዎም ጳውሎስ ግን ኣማልኽቲ ዘይኰነስ ፍጥረት ሰብ ከምዝኾነ ከረድኦም ይፍትን፦ “ብርግጽ ከም ሰብ መጠን ኣብ ኵነት ሰብ እዩ ዝንበር፣ ኮይኑ ግን ከምቲ ጳውሎስ ዝነበሮ ጽኑዕ ልቢ ክህልወናን ክንዕደልን ንጽልይ ዶ? ጳውሎስ በቲ ዝወርዶ ዝነበረ ስደት ከየዕረምረመ ናብ ካልኦት ከተማታት ይኸይድ ኣብኡ ድማ ቃል ኣምላኽ የበስር፣ ብሽም ጐይታ ይፍውስ፣ እቲ ተኣምር ዝርእይ ሕዝቢ ድማ ክንእዶምን ከም ኣማልኽቲ ከብዕልዎምን መስዋዕቲ ክቕርቡን ምስ ዝፍትኑ ብናይቲ ከብዕሎም ዝደለይ ሕዝቢ ቋንቋን ባህልን ኣቢሉ ድማ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሓደ እዩ፣ ብጀካኡ ካልእ ኣምላኽ ከምዘየለ የስተምህር፣ እዚ ዓይነት ውሳኔን ትብዓትን ካብቲ ጽኑዕ ልቢ ጥራሕ እዩ ዝምንጭው” ቢሎም ጳውሎስ ልቡ ኣበይ ኢዩ ኣንቢርዎ ዝነበረ? ነቲ ናይ ዘጋጠሞ ጸገማት ኵነት ብብቕዓት ብዘይ ፍርሓት እናበድሀ ይጓዓዝ። እዚ ግን ከመይ ገይሩ እዩ ዝኽእሎ ዝነበረ፣ እወ ብወንጌል ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ምንባብ ኢየሱስ ካብ ኣቡኡ ዝተላእከ መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ከምዝስተምህረና ከዘኻኽረናን ዘረጋግጾ ቃል ጳውሎስ ዝሰዓቦን ዝኣምነሉን ቃል ልቡ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ከተኵር ይገብሮ ስለዚህ ኣብ ሕይወትና ጽንዓት እንተድኣ ክንነብር ንደልይ ኰይና ልብና ኣብቲ ኣብ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበልናዮ መንፈስ ቅዱስ ከተኵር ይግባእ፣ ንሱ ሓይሊ ክጽግወናን ኣብ ዝዀነ ይዅን ኩነት ሕይወት ንቕድሚት ክንጓዓዝ የብቅዓናን ኩሉ ነገር የዘኻኽረናን የስተምህረናን፦ “በዚ ኣብነት’ዚ ሎሚ ልብና ከመይ እዩ፣ ኣበይከ ኣሎ፣ ኣተኵሮኦ ኣበይ እዩ? ኣብ መንፈስ ቅዱስ ድዩ ወይ ድማ ኣብ ቀልባዕባዕን ኩዳን እዩ? ክም ጽንብላሊዕ ኔው ነጀውን ድዩ ዝብል፣ ተዘዋዋሪ ልቢ እውን ኣብዚ እዋን’ዚ ልቢ ሰብ ዘዋርን ተዘዋርን ኰይኑ ኣሎ፣ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ኣተኵሮኡ ኣንቢሩ ብጽንዓትን ትብዓት ኢየሱስ ክርስቶስ ክምስክር ይጽግሞ፣ ተባዕ ልቢ ድዩ ዘሎና ወይ ከኣ ፈራሕ ተሓባኢ ልቢ? ልብና ዝከናኸኖ እንታይ እዩ፣ እቲ ብሉጽ ሃብቱ እንታይ እዩ፣ ንብዙሓት ከምዘጋጥመና ኣብ ፍጥረት ዘተኰረ ድዩ፣ ወይ ከኣ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ዘተኰረ? ዝብል ሕቶ ቅዱስ ኣቦና ኣቕሪቦም፣ ጽንዓት ልብና ኣበይ እዩ? እንክብሉ ሓቲቶም፦ “ልበይ ተመራሕን ተጐሳስን ድዩ ንዝዀነ ይዅን ኵነት በቲ ዝጸንዔ ልቢ ኣቢለ ድየ ዝቐርቦ፣ ልብና ጽንዓቱን ኣተኵሮኡን ኣበይን ኣብ መንን እዩ? ኢየሱስ ዝሓደገልና ዓቢይ ጸጋ ኣሎና፣ ንሱ ድማ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጽንዓትን ምዕዶን እዩ፣ ስለዚህ በዞም ክልተ ጸጋታት ኣቢልና ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ንቕድሚት ንጓዓዝ ኣምበርከስ ሎሚ ልብና ጽንዓቱን ኣተኵሮኡን ኣበይ ምዃኑ ነለልይ፣ ነስተንትን፣ ልብና ጽኑዕ ድዩ ወይ ከኣ ኣብ ኵዳን ቀልባዕባዕን እዩ? ኣብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ነገራት ድዩ ኣተኵሮኡ? ንመርምርን ነስተንትንን” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስልጣናው ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግልጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.