2014-05-20 19:15:18

ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ንናይ ባህረይን ንጉሥ ሓማድ ቢን ዒሳ አል ኻሊፋ ተቀቢሎም


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ንናይ ባህረይን ንጉሥ ሓማድ ቢን ዒሳ አል ኻሊፋ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብዎ ንሰላምን ርግ አትን ናይ ማእከላይ ምብራቅ ዝከአሎም ከበርክቱ ተላብዮም፣ ድሕሪ ምስ ቅዱስነቶም ዝገበርዎ ርክብ ንጉሥ ሓማድ ቢን ዒሳ አል ኻሊፋ ምስ ዋና ጸሓፊ ናይ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ከማኡ እውን ናይ ቅድስት መንበር ጸሓፊ ናይ ምስ ካል ኦት መንግሥታት ርክብ ብፁዕ አቡነ ዶመኒክ ማምበርቲ እውን ተራኺቦም፣
ከም መግለጺ ቅድስት መንበር አብቲ ርክብ ሓድሓደ ንቅድስት መንበርን ባህረንን ዝምልከት ምልውዋጥ ሓሳብ ከምዝተገብረ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከአ ብዛዕባ ሰላምን ርግ አትን ናይ ማእከላይ ምብራቅ ከምዝዘተዩ ተመልኪቱ፣ ገና አብ ማእከላይ ምብራቅ አብ መንጎ ብዙኃት ማኅበረሰባት ዘተ ምድንፋዕ ከምዘድልን ተሓባቢርካ ብሰላም እትነብረሉ መንገዲ ክድለን ከምዘለው እውን ተመልኪቱ፣ አብ መወዳእታ ከአ ወላውን ውኁዳት እንተኾነ አብ ማእከላይ ምብራቅ ዝርከቡ ክርስትያን ዘበርክትዎ ብዙኅ ብምዃኑ ንጉሥ ሓማድ ቢን ዒሳ አል ኻሊፋ ምናዳ ነተን አብ ዓዶም ዝርከባ ማኅበረ ክርስትያን ዘለዎም አኽብሮትን ምስጋናን ብምግላጽ እቲ ርክብ ተዛዚሙ፣
ብድሕሪዚ አከታቲሎም ቅድስነቶም ተቀቢሎም ዘዘራረብዎም ናይ ፖላንድ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶናልድ ታስክ እንክኾን አብቲ ዝተገብረ ዘተ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን እቲ አብ ዚመጽእ ዓመተ 2016 አብ ክራኮቭያ ክካየድ ዘለዎ ዓለም ሓቆፍ ዕለተ መን እሰያትን ብዝምልከት ኢዩ ነሩ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶናልድ ታስክ ድሕሪ ምስ ቅዱስነቶም ዝገበርዎ ዘተ ምስ ዋና ጸሓፊ ናይ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ከማኡ እውን ናይ ቅድስት መንበር ጸሓፊ ናይ ምስ ካል ኦት መንግሥታት ርክብ ብፁዕ አቡነ ዶመኒክ ማምበርቲ እውን ከምዝተራኸቡ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና አመልኪቱ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.