2014-05-17 16:47:37

ሲኖዶስ ዛዕባ ስድራ ቤት


RealAudioMP3 ፍሉይ ናይ ሲኖዶስ ቤት ምክሪ ብፁዓን ጳጳሳት ካብ ዕለት 13 ግንቦት ክሳብ ዕለት 14 ግንቦት 2014 ዓ.ም. እቲ ካብ ዕለት 5 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 29 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ዛዕባ ስድራ ቤት ንኽዝትይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ፍልዩ ሲኖዶስ መጋበርያ ዕዮ (መሳለጥያ ዕዮ) ሰነድ ቀዳማይ ንድፊ ንምትንታን ኣኼባ ከምዘይካየደ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ምስ ኩነት ኣስፍሆተ ወንጌል ዝተኣሳሰረ ናይ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብድሆታት” ብዝብል እርእስቲ ተመሪሑ ንኽካይድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቤት ምኽሪ ነዘካይዶ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼባ ዘጀመሩ ቅዱስ ኣቦና ከምዝኾኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ኣብ መኽፈቲ ከይዲ ኣኼባ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ሎረንዞ ባልዲሰሪ ንቕዱስ ኣቦና ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ እንከስምዑ ኣብ መንጐ ብፁዓን ጳጳሳት ቡባሬኣውነት መታን ክረጋገጽ ነዚ ጉዳይ ንምሕያል ዝዓዪን ናይቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ሲኖዶስ ክፍሊ ፈጻሚ ኣካል ብፁዕ ኣቡነ ፋቢይ ፋበነ ክምራሕ ዘቖምዎ ሓላፍነት ኣብ ዝሓለፈ ወረሒ የካቲት ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝሃብዎ ውሳኔ ብሓቂ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዝገለጹ እንክሕበር፣ እቲ ናይቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ናይ ብፁዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ መጋበርያ ዕዮ ቀዳማይ ንድፊ አቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዑምቀት ነቲ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብናይ መጠይቕ ሰነድ መሠረት ንዝቐረበሉ ሰነድ ዝሃቦ ሓሳብን ርእይቶን መርሚሩን ኣሪሙን ዝውሰኽ ወሲኹን ከምኡ እውን እቲ ሲኖዶስ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ዘገልግል ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ስነ ኣገባብ ከምዝሕንጸጽን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ኣብቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼባ ናይቲ ፍሉይ ናይ ሲኖዶስ ቤት ምክሪ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባላትን፣ ጠቕላሊ መራሔ ዝክረ ነገር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ፣ ፍሉይ ዋና ጸሓፍ ሲኖዶስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተን፣ ናይ ፓሪስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንድረ ቪንግት ትሮይስን ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይ ኣፓረሲዳ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ራይሙንዶ ዳማስቸኖ ኣሲዚን ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ልኡኽ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.