2014-05-17 18:36:27

ሐዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ አቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ አብ ቅድስት መሬት


ቅዱስ አቦና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ አብ ቅድስት መሬት ዝገብርዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ንሓደነት ክርስትያን ሓዲስ ተስፋ ከምዝኾነ ናይ ሓደነት ክርስትያን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ አቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ገሊጾም፣ ብፁዕነቶም ነቲ ቅ.አ. ካብ ዕለት 24 ግንቦት ክሳብ 26 ግንቦት 2014 አብ ቅድስት መንበር ንዝገብርዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ አመልኪቶም ንሬድዮ ቫቲካን አብ ዝሃብዎ መግለጺ “ናይዚ ሐዋርያዊ ምብጻሕ እዚ ዋና መበገሲ እቲ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት አብ መንጎ ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይን ፓትርያርክ አተናጎራን አብ ኢየሩሳሌም ዝተኻየደ ናይ መጀመርያ ታሪኻዊ ርክብን መኽፈቲ በሪ ናይ ምጅማር ዘተን ኢዩ፣ እዚ ርክብዚ ሎሚ እውን ድሕሪ ሓምሳ ዓመት አብ መሪሕነት ብዝርከቡ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ብፁ ዕን ቅዱስን ፓትርያርክ በርጠለሜዎስን እንክግበር እቲ ነዘን ዝሓለፋ ሓምሳ ዓመታት ዘስተማቀርናዮ ናይ ሓድነት ክርስትያን ጉ ዕዞ ንመጻኢ አዎንታዊ ስጉምትን ንህርን ክውስኽ በዓል ዓቢ ተስፋ ኢየ” ክብሉ ምስ ገለጹ ካብ ጋዜጠይናና ዝቀረበቶም ካል አይቲ ሕቶ “ሓደ ጭቡጥ ዝኾነ ስጕምቲ ክርከብዶ ይከአል ወይስ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ አብ መደባት ጥራሕ ኢያ እነተኩር” ትብል ነበረት፣
ብፁዕነቶም እንክምልሱ “ከም እምነተይ ብመሠረቱ አብ መደባት ዘተኰረ ይመስለኒ ኮይኑ ግን አብ ደምበ ሓድነት ቤተ ክርስትያን እዚ ከምዚ ዓይነት አምሳላዊ መደባት አድለይቲ ኢዮም፣ አብ ማእከል ፍቅራዊ ዘተን ሓቀኛ ዘተን ማለት ብፍቅሪ ተአሳሲርካ ተኸባቢርካ እትገብሮ ዘተን ሓቁ ንክትፈልጥ ብሕልፊ ናይ ንባበ መለኮት ዝር ኢ ሓቅታት ክተለሊ እትገብሮ ዘተን ዘሎ ፍልልይ ርዱእ ኢዩ፣ ኮይኑ ግን እቲ ሓቂ ንምርካብ እትገብሮ ዘተ አብ ፍቅሪ ዘይተመሥረተ እንተኾይኑ ነዊሕ ክጐዓዝ ስለዘይክ እል ናይቲ ርክብ እዚ አድላይነት ል ዑል ኢዩ፣” እንክብሉ አድላይነት ናይዚ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ምስ ገለጹ “ብዓይኒ ሓድነት ክርስትያን ክጥመት እንከሎ ቅዱስነቶም ናብ ቅድስት መሬት እንታይ ሒዞም ክኸዱ ይመስለኩም” ዝብል ሕቶ ሰዓበ፣
ብፁዕነቶም ከአ “ር.ሊ.ጳ መጀመርያ ንገዛእ ር እሶም ሒዞም ይኸዱ ናቶም አባኡ ምብጻሕ ምህላው ምስ አሕዋት ምርኻብ ር እሱ ዝኸአለ እንክኾን አብ ር እሲኡ ከአ እዚ ንበዓሉ እቲ ቀንዲ መል እኽቲ ኢዩ ናይ ሰላም ናይ ዕርቅን ሕውነትን መል እኽቲ ንሓድነት አብያተ ክርስትያን ኢዩ፣ ክብሉ መሊሶም፣
አብ መጨረሻ ዝቀረበቶም ሕቶ ንአይሁድ ዝምልከት ኮይኑ “ንስኹም ምስ ዕብራውያን እውን ትዝትዩ ኢኹም እዚ ምብጻሕ እዚ አብ መንጎ ክርስትናን ዕብራውያውንን ዝካየድ ዘተ ገለ ተስፋዶ ይህብ ትብሉ” ትብል ነበረት፣
ብፁዕ ካርዲናል ኮኽ እዚ ምስ አይሁድ ዝግበር ዘተ እዚ ፈላሊኻ ክረኤ ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም “ምስ ዕብራውያን እንገሮ ርክብም ምስ ተወከልቲ እስራኤል እንገብሮ ርክብን አብ ክልተ ዝተፈላለየ ደረጃታት ኢዩ፣ ስለዝኾነ ከአ ምስ ተወከልቲ መንግሥቲ እስራኤል ማለት ምስ ፕረሲደንት ምስ ቀዳማይ ሚኒተርን ካል ኦት ሰብ ሥልጣን መንግሥቲ እስራኤልን እንገብሮ ርክብ አብ መንጎ ቫቲካንን እስራኤልን ንዘሎ ርክብ ዘደልድል እንክኾን እቲ ምስ ዓቢ ራባይ ናይ ኢየሩሳሌም እንገብሮ ርክብ ግን አብ መንጎ ክል ቲኡ ሃይማኖታት ንዘሎ ዘወሃሃድ ነጥብታት ንምርካብ እንገብሮ ዘተ ኢዩ፣ ብርግጽ እዚ ሐዋርያዊ ምብጻሕ እዚ አብ መንጎናን አብ መንጎ ናይ ኢየሩሳሌም ዓቢ ናይ ረበናት ጉባኤን ንዝግበር ዘተ ሃይማኖት ንም ዕማቍ ዓቢ አበርክቶ አለዎ፣ እንክብሉ ምስ አብያተ ክርስትያን ጥራይ ዘይኮነ ምስ ዕብራውያን ንዝካየድ ዘተ እውን ከምዘደንፍዕ ገሊጾም፣
ብዛዕባ ጽበት ናይቲ ግዜን ተታሒዙ ዘሎ ጽ ዑቅ መደባትን አመልኪቶም እውን “እቲ ግዜ ሓጺር ኢዩ ስለስተ መዓልቲ ጥራይ እንተኾን ሰለስተ ዓበይቲ ነገራት ማለት ሓድነት አብያተ ክርስትያናት ብርክብ ቅዱስነቶም ፓትርያርክ በርጠለሜዎስን አባኡ ዝካየድ ሥርዓት ሓድነት አብያተ ክርስትያን ቅዱስነቶም ምስ ካል ኦት ፓትርያርክታት ማለት ናይ ግሪኽ-ኦርቶዶክስ ናይ ኢየሩሳሌም ናይ አርመናዊት ሓውርያዊ ቤተ ፓትርያርክን ክራኸቡ ኢዮም ብካል አይ ደረጃ ወግ ዓውያን ዑደታትን ምብጻሓትን ናይ ዕብራውያን አብ ናይ መልቀስ መንደቅ ከማኡ እውን ያድ ያሸምን መቃብር ናይ ሐርዘል ምስ ካል እ አድለይቲ ርክባት ክካየድ ኢዩ፣ ምስ ናይ ኢየሩሳሌም ዓቢይ ሙፍቲ ብምርኻብ እውን አብቲ እነካይዶ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ምናዳ ከአ ምስ አስላም አብ እነካይዶ ዓቢ ግደ ዘለዎ ርክብ ክካየድ ኢዩ፣ በዚ ከአ ሽሕኳ እቲ ግዜ ሓጺር እንተኾነ በቲ መደብ መሠረት ብዙኅ ነገራት ክ ዕመም ትጽቢት ከምዝግበር ብምምልካት ንዝሃብዎ ቃለ መሕትት ደምዲሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.