2014-05-14 10:30:23

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ኣብ ሃገረ ዮርዳኖስ


RealAudioMP3 ኵለን ሃይማኖታት ናይ ሰላም ስነ ምምሃር ዘነቃቕሓ ክኾና ዘድምዔ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ጳጳሳዊ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ቤት ምኽሪ ኣቦ ወንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውርያን ኣብ ዮርዳኖስ ሓውርያዊ ምብጻዕ የካይዱ ከምዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ዕለት 12 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ኣማን ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ፐትራ “ሃይማኖትን ዓመጽን” ኣብ ዝርብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ብናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ዮርዳኖስን ኣብ ዮርዳኖስ ንናይ ዝተፈላለየ እምነት ስነ ምርምርን መጽናዕትን ንጉሳዊ ተቛምን ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ወኪል፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 24 ክሳብ ዕለት 26 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ነኸካይድዎ ንዝወሰንዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምኽንያት ኣብ ዘነቓቕሖን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ኵለን ሃይማኖታት ናይ ሰላም ስነ ምምሃር ዘነቃቕሓ ክኾና ዝብሉ ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕነቶም ሃይማኖታትን ሕብረተሰብ ዓመጽን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣሞርኵይዞም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ናይ ዓመጽ መንቀልን ሳዕቤናትን ከምኡ እውን ናይ መላእ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ኣብ ጉዳይ ሰላምን ማሕበራዊ ስኒትን ውህደትን ተራኦምን ሓላፍነቶም ከምዝተንተኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ነታ ብውግእ ኣጽዋር ብዝተሰነየ ግጭትን ዝተፈላለየ መስረታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ዝግህስ ተግባር ኣደዳ ኣብ ዝኾነት ሃገረ ሶሪያ ምትሕብባርን ምርድዳእን ወሳኒ ከምዝኾነን ኣብዚ መዳይ ናይ መላእ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ግድ ዓቢ ከምዝኾነን ሕዝቢ ንሰላም ናይ ምንቅቓሕን ሕንጸት ዝምልከት ከምዝኾነ ተንቲኖም፣ ስለዚህ ዓመጽ ቅድም ቢልካ ከይኽሰት ምክልኻልን እንተተኸስተ ድማ ብቕልጡፍ ክትከላኸሎን ከተወግዶን ምትጋህ የድሊ፣ ዓመጽ ትብዓት ወይ ድማ ናይ ትብዓት ፍረ ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ ናይ ሰብኣዊ ውድቀትን ዕዉር ነድርን ምጉብዕባዕን ፍረ እዩ። እቲ ዝኸፍኤን ዝገደደን ኣዚዩ ዘስካሕክሕን ድማ ብስም እግዚኣብሔር ክፍጸም እንከሎ እዩ፣ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ሃዋሁ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ? ብቐዳምነት ይብሉ ብፁዕ ካርዲናል ታውራን፣ ዝኾነ ይዅን ኩነት ሽበራ ምኽንያታዊ ክኸው ኣይክእልን እዩ። ሽበራ ምኽንያታዊ ኣይኰነን፣ እዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ምእንት’ዚ ኣብ ናይ ስነ ምምሃር ሰላም ክተግሁ ይግባእ፣ ዘተን ፖሊቲካን ክድግፉን፣ ከተባብዑን ሓቂ ምድላይ ናይ መላእ ሰብኣዊ ናይ ሓባር ረቛሒ ባህርይ ብምዃኑ ድማ ድልያ ሓቂ ከተባብዑን ኅብረኣውነት ናይ ዓመጽ መንታያ ከምዘይኰነ ከስተምህሩን ብጐደና ምሕረትን ዕርቅን ተዘክሮ ንምንጻሕ ዝብቕዕ መገዲ ምርሃውን ኣክንዲ ብውግእ ዝዕተር ዓወት ከቢድ ሰላም ብሉጽ ምዃኑ ከዘኻኽሩ ይግባእ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝምልከት እቲ ናይ ብፁዕና ሰረት ማለት እቲ ናይ ክርስትና መለለዪ ዝኾነ ናይ እምነት ክብሪ እናማዕደወት እትጓዓዝን እትነብርን ብምዃና ዓመጽ ተነቓቕሕ ከምዘይኰነትን በንጻሩ ኣደዳ ከምዝኾነት ገሊጾም ክርስቲያን ክንየው ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ ከብልን መስካሪ ልዙብነትን ለውሃትን ሰላምን ክኸውን ተስተምህርን ተተባብዕን ቢሎም፣ ብዙሓታ ሃይማኖታት እዚ መምዘኒ ብዛዕባ ቅኑዕ ውግእን ሕጋዊ ርእሰ ምክልኻልን ጂሃድን ክበሃል እንከሎ ዝኽተልኦ ግን ኣኰነን በንጻሩ ኩለን ሰላም ክኽበርን ክነቓቓሕን ዘለዎ ክቡር ዋጋ ምዃኑ ይኣምና፣ ስለዚህ ዓመጽ ንዝጋጥመካ ውርደትን ኢፍትሃውነትን ዘዕግብን ብቑዕን መልሲ ኣይኰነን። እቲ ፍትሕን ምትሕብባርን ኣብ ዓለም ክጸንዕ ዝገብር ምሕዝነት ምክብባር ምርድዳእን ዝብል ናይ ሓባር ረቛሒ ምርግጋጽ ጥራሕ እዩ እቲ ንዕንወትን ንሞትን ዝዳርግ ጉዳይ ዝገትእን ከይሁሉን ዝገብር ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ብፁዕ ካርዲናል ታውራን እቲ ኣብ ሃገረ ዮርዳኖስ ዘካይድዎ ዘለዉ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብዋና ጸሓፊኦም ክቡር ኣባ ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይክሮትን ናይቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘተ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ካለድ ኣክሸህን ተሰንዮም ከምዝዀኑን እቲ ዓውደ ጉባኤ እዋናዊ ብድሆታት ብመዳይ ሕንጸት ምግጣም ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ክቕጽል ከምዝዀነን ኣብ መወዳእታ ድማ ህልው ብድሆታትን መልስታቶምን ብመደብ ሕንጸት ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ከምዝመያየጥ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እቲ ዓውደ ጉባኤ ልዑል ኤል ሓሳን ቢን ታላልን ቀጺሎም ብፁዕ ካርዲናል ታውራን ብዘስምዕዎ ዘረባ ከምእተኸፍተ ኣብ ፍጻሜ እቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ክቐርብ ምዃኑ ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.