2014-05-11 17:15:35

፬ ሰንበት ዘትንሣኤ ግንቦት 3 2006 ዓ.ም (5/11/2014)


መዝሙር: ተንሥአ ወአንሥአ ኩሎ ሙታነ. . . . ።
ንባባት፡ ቆላ 3፡1-11፥ 1ጴጥ 2:20-25፥ ግ.ሓ. 2:36-41፥ ዮሓ. 10:1-10
ምስባክ፡ አንሰ ሰከብኩ ወነምኩ። ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ፥ እይፈርህ እም አእላፍ አሕዛብ። “ተገምሰስኩን ደቀስኩን፥ እግዚአብሔር ሰለ ዘተንሥአኒ ተንሣእኩ፥ ካብ አላፋት አሕዛብ አይፈርህን እየ” መዝ. 3፡5~6።
መዝሙር፡ “ተንሢኡ ንኹሎም ሙታን አተንስኦም ካብ ኩሉ ሞቝሕ ማእሰርቶም ከአ ፈትሖም፥ ብዓቢይ ሓይልን ስልጣንን ንነፍሳት ጻድቃን ነጻ ገበረን፥ ንአልአዛር ተንሥእ በሎ ነቲ ዕዉር ከአ ብቃሉ ፈወሶ፥ ትንሣኤኡ አብ ሰንበት አብ ሳልሳይ መዓልቲ ገበሮ፥ ተንሢኡ ንኹሎም ሙታን አተንሥኦም፥ ተንሢኡ ንምቝሓት ፈትሖም”።
አብዚ ናይ ሎሚ ሰንበት ሰለስተ ነገራት ዘኪርና አሎና፡
    አብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፍላይ አብ ላቲናዊ ስርዓት ዝኽተሉ “ሰንበት ኄር ኖላዊ” ወይ “ሰንበት ጸዋዕታ” ተባሂሉ ዝዝከር ሰንበት ኢና እነብዕል ዘሎና በዚ አጋጣሚ ቤተ ክርስትያን ምእንቲ ጸዋዕታ ብፍሉይ እነስተንትነሉን እንጽልየሉን ክኸውን ትነገረና። ምእንቲ እቶም አብ አገልግሎት ዘለዉን ከምኡ ንመንእሰያትና አብ አገልግሎት አምላኽ ክወፍሩ ነቲ አምላኽ ሕሹኽ ዝብሎም ክሰምዑ ክንሕግዞም ትላበወና።
    መዓልቲ አደታት። አብ ምዕራባዊ ዓለም ብፍሉይ ነደታት አብ ጸሎት እናዘከሩ ነደታቶም ፍሉይ ህያብ እናሃቡ አኽብሮቶም ዝገልጽሉሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ነደታት ብፍሉይ አብ ጸሎትና ዘኪርናየን አሎና።
    ፬ይ ሰንበት ዘትንሣኤ ስለ ዝኾነ ብፍሉይ ምስጢር ትንሣኤ ዘኪርና ክንርከብ እሞ መንፈስ ትንሣኤ ለቢስና አብ አምላኽ ዘሎና እምነትን ፍቕርን እንገልጸሉ ፍሉይ ሰንበት እዩ።

ንናይ ሎሚ ወንጌል ብጽቡቕ ክርድአና ሕዝቅኤል 34፡1-31 ዘሎ ክነንብብ አሎና። ሕዝቅኤል ነበይ ብዘመኑ ዝነበሩ ጓሶት ህዝቢ (ነገስታት) ካብ መገዲ አምላኽ ወጺኦም ንህዝቢ ይጭቍኑ ስለ ዝነበሩ አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ክምለሱ ይነግሮም ከምኡ ዋና ጓሳ ንሱ ከምዝኾነ ገሊጹ ይነግሮም፥እተን መጓሰ እውን አብ መንጎ ንሰን ዝገብርኦ ኩሉ ጽቡቕ እንተ ዘይኮነ ከም ዝፍረዳ ይነግረን። ነቶም መራሕቲ ህዝቢ “ንዝሓመቓ አይተኸናኸንክምወንን፥ ንዝሓመማ አይፈውስኩምወንን፥ ንዝጠፍአ አይደሌኹምወንን” እናበለ ነቶም ጓሶት ተልእክኦም ዘንጊዖም ዘለዉ ይነግሮም። “ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ ንኹሎም አራዊት መሮር ከአ ብልዒ ኾና. . . . አብ ኹሉ ተባረራ. . . ፋሕ በላ” ይብል። “እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር ነባግዐይ አይጓሰይወንን” አብ ጥቕምን ረብሓን ርእሶም ጥራሕ አተኲሮም ንዝነበሩ ጓሶት ከመልክት እንከሎ። ናይ ኩሉ ዋና አምላኽ ከምዝኾነ ክነግሮም ኢሉ ኸአ “ነተን አባግዐይ አነ ባዕለይ ክደልየንን ክአልየንን እየ” “ካብቲ ፋሕ ኢለናሉ ዝነበራ ዅሉ ቦታ ኽኣኻኽበን እየ፥ ካብ ዓዲ ጓና ኸምጽአን እየ፥ አብ ሓደ ክእክበን ናብ ሃገረን ድማ ኽመልሰን እየ”። “ነተን ዝጠፍአ ኽደልየን ነተን ዝተባረራ ኽመልሰን፥ ንዝተሰብራ ኽዘነን፥ ንዝሓመማ ኽፍውሰን እየ” እናበለ አምላኽ ኩሉ ጊዜ ንህዝቡ ከም ዝጓሲ ይነግር።
ዮውሓንስ ወንጌላዊ ነዚ መሰረት ገሩ እቲ ሓቀኛ ጓሳ ኢየሱስ ባዕሉ ከምዝኾነ ይነግር። ወንጌል አብቲ ጓሳን ምስ መጓሰኡ ዘለውን ርክብ የተኵር። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ናብተን አባግዑ ዝመጽእ እሞ ዘላልይኦ እዩ። እቲ ጓሳ ነባግዑ ስለ ዝፈልጠን በስማትን ይጽውዐን ንሰን ከአ ብድምጹ ይፈልጣኦ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነዚ ከስተንትኑ እንከለዉ “እቲ ጓሳ ከምተን አባግዕ ክሽትት አልኦ” ሰረቕቲ ዘመድቲ ከምኡ ጓኖት ነተን አባግዕ ከጠፋፍእወን አይክእሉን እዮም። አብዚ ኢየሱስ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ፈሪሳውያን እዩ ዘመልክት ነሩ፥ ንሳቶም ነቲ ህዝቢ የጋግይዎ ነሮም፥ ሎሚ እውን ንኹሎም ጓሶት ህዝቢ እዚ መልክዕ ከይለብሱ መጠንቀቕታ እዩ።

ኢየሱስ አፍደገና እዩ።
ኢየሱስ ገሊጹ “እቲ አፍደገ አነ እየ ብአይ ዚአቱ ኪድኅን እዩ፥ ክአቱን ክወፍርን እዩ መጓሰዪውን ኪረክብእዩ” ይብለና። አብ ጊዜ ኢየሱስ ጓሳ አብ አፍደገ ደምበ አባግዑ እዩ ዝድቅስ ነሩ። እተን አባግዕ አብ ውሽጢ ደምበ ሓንቲ አፍደገ አብ ዘላታ እየን ዝድቅሳ እቲ ጓሳ ኸአ አብቲ አፍደገ ይድቅስ ስለ ዝፈልጣኦ አይስንብዳን እየን ካልእ እንተ ኾነ ግን ይፈርሓ። አብተን አባግዕ ዝአቱ በቲ ጓሳ ዘልኦ ክሓልፍ አልኦ። ኢየሱስ አነ አፍደገ ክብለና እንከሎ ኩሉ ብአኡ ክንረኽቦ ከምዘሎና ክገልጽ ኢሉ እዩ። ድሕነት ብኢየሱስ ጥራሕ እዩ ዝርከብ። ኩሉ አብዚ ወንጌል ተባሂሉ ዘሎ ብዛዕባ ኢየሱስ እዩ፥ ብርግጽ ብአምሳል እዩ ዝንገር ዘሎ ብርግጽ ንሱ ጥራሕ እዩ እቲ ሓቀኛ መራሒና። ንሱ መራሒና እዩ መሪሕነቱ ኸአ አብ ፍቕርን ሓልዮትን ዝተመስረተ እዩ። መሪሕነቱ አብ ህዝቡ ዋሕስን ሓልዮትን ፍቕርን የሕድረለን።
ድምጺ ኢየሱስ ሰሚዕካ ምኽአል።
ድምጺ ጓሳና ዝኾነ ኢየሱስ ክንሰምዖ ክነለልዮ ድላዩ እዩ። ካብ ኩሉ እንሰምዖ ድምጽታት ብፍሉይ ክነስተውዕለሉ ዝግባእ ድምጺ ናይ ኢየሱስ እዩ። አብዚ ዓለም ዝተፈላለየ ድምጽታት እዩ ዝስማዕ ዘሎ። ድምጺ ጽልኢ፥ ቅርሕንቲ፥ ውግእ፥ ግፍዕን ዓመጽን፥ ሓሳዊ ድምጺ፥ መታለሊ ድምጺ. . . . ይስማዕ እዩ። አዳምን ሕዋንን ድምጺ ፈጣሪኦም ሓዲጎም ድምጺ አቦ ሓሶት ዝኾነ ሰይጣን ምስ ሰምዑ ኩሉ ተቐይርዎም። ንሕና እውን ድምጺ አምላኽ ድለት አምላኽ ሓዲግና ካልእ ድምጺ ምስ ሰማዕና ኩሉ ክፍአት ንገብር። ሎሚ አነ ድምጺ መን እየ ዝሰምዕ ዘሎኩ ክንብል አሎና። አብ አምላኽ ቅርብ እንተ በለና ድምጹ ካብ ኩሉ ካልእ ድምጽታት ፈሊና ክንሰምዖ ንኽእል ኢና። ንመንፈስ ቅዱስ ክንልምኖ አሎና አምላኽ ክዛረብ እንከሎ ሰሚዕና ክንክእል ምእንቲ፥ አምላኽ ብዝተፈላለይ ድምጺ ክንሰምዖ ኢሉ ይዛረበና አሎ እሞ ሰሚዕና ክንክእል። ንድምጺ አምላኽ ንመልእኽቲ አምላኽ ክነለሊ ፍሉይ ጸሎት የድልየና፥ እንታይ ይብለኒ አሎ? ካባይ እንታይ ይደሊ አሎ ኢልና ክንሓትት አሎና።
ንአምላኽ ምስማዕ ሓደ ነገር እዩ፥ ከምኡ ንድምጺ አምላኽ ምኽትል ከአ ካልእ እዩ። ንአምላኽ ንቓሉ ከይተኸተልና ክንሰምዖ ንኽእል ኢና። ሓደ ካብቲ ሎሚ ንክርስትና አጸጊምዎ ዘሎ አብ ሰንበት ብዙሓት ይመጽኡ ቃል አምላኽ እውን ይሰምዑ ቅዳሴ ምስተወድአ ኩሎም ነንገዝኦም ይኸዱ ከከምቲ ዝደለይዎ ሕይወቶም ይመርሑ “ሕይወተይ ባዕለይ ከምቲ ዝደለኽዎ እየ ዝመርሖ” እናበልና ግላዊ ሕይወት አብ ድለትና ጥራሕ ዝተመስረተ ሕይወት ንመርሕ እንተ ኾነ አምላኽ ዝደልዮ ብድላዩ ክንምራሕ እዩ ዝደልየና። አብ ቅድሚ አምላኽ ከምድላየይ ዝብሃል የለን። ድምጺ አምላኽ ሰሚዕናን አለሊናን ንኽአል እሞ ሽዑ ቅሱን ሕይወት ክንመርሕ ኢና።
“እተን አባግዕ ጓስኤን በስማተን ክጽውዐን እንከሎ ይሰምዓኦ” አምላኽ አብ አገልግሎቱ አብ ስርሑ ክንወፍር ብዝተፈላለየ መገዲ ጸዊዕና አሎ። ብግልን ብሓበራን ዝተጸዋዕና ሰባት ኢና። መጸኣውዕታና ክንሕድስ ከምቲ ዝተዋህበና ኮና ክንርከብ መብጽዓና ክንሕድስ ንሕተት አሎና። እከለ ሰደይ እከሊት ጓለይ ብፍሉይ ነዚ ነገር ክትገብር/ሪ ሓየኪ እየ እሞ ተለአኸኒ ተለአኽኒ ኢሉና እዩ። እሞ መልእኽቲ አምላኽ ነብጽሕ ዘሎና አብ መገዲ ዘንጊዕና ካልእ አድሂብና ከይንህሉ ምርአይ የድልየና አሎ። ዘንጋዕቲ ጠለምቲ ስለ ዝኾና ኩሉ ጊዜ መዘኻኸሪ የድልየና እዩ። አበይ ገጸይ እጉዓዝ አሎኹ እቲ አምላኽ ዝሃበኒ ሕርየትይ ከምቲ ንሱ ዝደልዮዶ እሕልዎ አሎኹ ወይስ ከምኡ ከምኡ ገረ ሒዘዮ አሎኹ ኢልና ምስ ሕልናና ምስ ሕይወትና ክንዛረብ አሎና። እዚ እዋን ናይ ምሕዋይ፥ ናይ ምስማዕ፥ ናይ ምምሃር፥ አብ ፍቕሪ ተመስሪትካ ናይ ምክፋል፥ ናይ ምሕዳስን ብኹሉ በሲልካ ዕብየት ናይ ምርአይ እዋን እዩ።

አብ ዘይደንበና አይንእቶ።
አምላኽ ካብ መጀመርያ ምስኡ ክነብር እዩ ፈጢሩና። ካብ አምላኽ ብምፍላዮም ቀዳሞት ወለድና ሞት አምጺኦምልና። አብዘይናትና ክንከይድ ከሎና ሞት እዩ ዕጫና። አብ ታሪክ ደቂ ሰብ እዚ ሓንሳብ ዝአተወ ካብ ገዛኻ ወጺእካ አብ ዓዲ ጓና ምኻድ ዝደጋገም ናይ ደግሲ ሕማም እዩ። ካብታ ምውቕቲ ገዛና ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ወጺኦም አብ ካልእ ዘይደንቢኦም ዝአትዉ ናይ ዘመና ፋሽን እዩ እንተበልና ጌጋ አይመስለን። ንኢየሱስ ክንፈልጦ ምስኡ ክነብር አብ ትሕቲኡ ክነብር እዩ ዝደልየና። ዝነፈሰ ንፋስ ክጸልወና የብሉን፥ ዝተሰምዐ ድምጺ ክንሰምዕ አይግብአናን ንድምጺ ክርስቶስ ምስ ዝኾነ ካልእ ከይነደናግሮ ምጥንቃቕ የድልየና። “ዘይስንኻን ዘይ ባህርኻን ዘይናትካ ምዃን እናተገልጸ እዩ ዝመጽእ” እሞ ዘይናትና ከይንለብስ አብዘይ ናትና ከይንአቱ ናትና አለሊና ንኽአል። ዝተባረረት በግዕ አብ ብጾታ ምስ ተመልሰት ጥራሕ እያ እትቐስን ስለዚ ንሕና እውን ምስቲ ምንጭና ዝኾነ ክርስቶስ ክነብር እንከሎና እሞ ብቤተ ክርስትያኑ ንዝብለና ንሓቀኛ እምነትን ትምህርትን ክንሰምዕ እንከሎና ጥራሕ ኢና እንቐስን።

መለልዪ ጉስነትና ምስ ኢየሱስ ዘሎና ርክብ እዩ መለክዒኡ።
ዝኾነ መራሒ አብ ክርስትናዊ እምነትና ማለት ጳጳሳት፥ ካህናት፥መነኮሳት/ን ከምኡ ምእምነናን ሓቀኛ መምነንትና ምስ ኢየሱስ መድኃኒና ዘሎና ርክብ እዩ መለክዒኡ። ኢየሱስ እቲ እንኮ ማዕጾ ምዃኑ ክነለሊ አሎና። ምስ ኢየሱስ ቀጻሊ ርክብ ክህልወና ይግባእ። ኩላትና ልኡኻት አምላኽ ኢና ንድላይ አምላኽ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክነብጽሕን ክነግርን ዝተለአኽና ስለ ዝኾና ዓቢ ምስትውዓልን ምሕሳብን የድልየና። ከምኡ አብ መንጎና ሓቀኛ ዝኾነ ርክብ ክህልወና ይግባእ። ሓደ መጓሰ አምላኽ ምዃና ክንዝንግዖ ዘይግብአና ጉዳይ እዩ። ንሓውና ንሓፍትና እና ጸላእና ንአምላኽ ነፍቅር ክንብል ስለ ዘይንኽእል። አብ ኩሉ አብነትና እምብአር ባዕሉ ኢየሱስ እዩ።

ተሰዊዕካ ምኽአል፡
ሓደ ካብቲ መለልይ ሓቀኛ ጓሳ ምእንቲ አባግዑ ክስዋእ እንከሎ እዩ። ኢየሱስ ጓሳና ነዚ ብግብሪ አብ ሕይወቱ ምእንታና በጃ ምስ ሓለፈ ገሊጹልና። ኩሉ አብ ክርስቶስ ዝአምን አብ መስዋዕቲ ርእሱ ክአቱ እንከሎ እዩ ሓቀኛ እምነትን ጉስነቱን ዝገልጽ። ምእንቲ ድሕነት ርእስና ምእንቲ ሓቂ ምእንቲ ድሕነት አሕዋትና መስዋዕቲ እንተ አድለየ እውን ክንከፍል ትሑዛት ኢና። እሙናት መጓሰ ኮና ሕይወትና ክንመርሕ እምብአር ትዕግስቲ፥ ትሕትና፥ ሕድገት፥ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ክነርኢ አሎና።
አብ ግራት አምላኽ ጓሶት ኮና ክነገልግል ኩልና ዝተሓረና ኢና፥ እሙናትን ምእንቲ መጓሰኦም በጃ ዝሃልፉ ክንከውን ቃል ዝአቶና ኢና ስለዚ ሎሚ በዚ ብሩኽ ሰንበት እምነትና ክነሓድስ እሞ ምስ ክርስቶስ ሓደ ልብን መንፈስ ኮና ክንርከብ። ነቶም ብፍሉይ አብ ጉስነት መጓሰ አምላኽ ክዓዩ ወፊሮም ዘለዉ ዕዉታት ክኾኑ ብጸሎትን ብኹሉ ክንሕግዞም ትሑዛት ኢና። ሎሚ ዓለምና ጓሶት ውሒዶም ዝልአኹ ውሒዶም አብ ዘለውዎ እዋን ፍሉይ ጸሎት ምእንት ሰባኻውን ገዳማውን ጸዋዕታ ክንጽሊ ቤተ ክርስትያና ትምሕጸነና አላ ስለዚ ንዋና መጓሰ ዝኾነ ኢየሱስ ጓሳና ንለምኖ።
ተጓሲኻ ምኽአል ጸጋ እዩ ሎሚ ዝባረር በዚሑ ዝርሕቕ ዝግሮምርም ከምኡ ብድፍረት ንልኡኻት አምላኽ ዘዋርድ በዚሑ ይርአ አሎ፥ ንጓሳኻ ምፍራድን ምጽላእን ጥራሕ ዘይኮነ አነኸ ከመይ እየ ብሕልናዶ ሕይወተይ እመርሕ አሎኹ ኢልና ምስ ሕልናና ክንዛረብ ክንክእል አሎና። ንኻልኦት ምፍራድን ብዛዕባ ካልኦት ምዝራብ ናይ እዋና ፋሽን እዩ ስለዚ ንኹሉ ቀይርና አብ ደንበና ንመለስ። አብ ሓደ ደምበ ዝድቅሳ መጓሰ ሓደ ጠባይ እዩ ዘልአን ደንበና ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ገርና ሓደ መልክዕን መንፈስን ንልበስ።
ሎሚ አብ ምሉእ ዓለም ንአገልግሎት አምላኽ ዝወፍር ተሳኢኑ ጓሶት ነፍሳት ጎዲሎም ብዙሕ አብያተ ክርስትያናት ይዕጾ ወይ ከአ ብምእመናን ድሩት አገልግሎት እናተገብረሉ ይካየድ አሎ ስለዚ ብዚ አጋጣሚ አምላኽ እሙናት ጓሶት ንህዝቡ ክሰድድ ፍሉይ ጸሎት ክነዕርግ ይግብአና። ነቲ ዋና ግራት አብ ግራቱ እሙናት ሰራሕተኛታት ክሰድድ ንለምኖ። ካልአይ ንደቅና ንኪዳናዊ ሕይወት ጥራሕ ዘይኮነ ንምንኩስናዊ ሕይወት ከምኡ ንክህነታዊ ሕይወት ከምዝፈልጡ ክንገብሮም ሓላፍነትና እዩ። ካህናት ደናግል ደቂ ካልኦት ጥራሕ ዘይኮነ ደቅና እውን ካህናት ደናግል ክኾኑ ክነግሮም ይግባእ። አገልግሎት አምላኽ ካብ ኩልና እዩ ዝድለ ዘሎ። በዚ ብሩኽ ሰንበት እምብአር ምእንቲ ጸዋዕታ ፍሉይ ጸሎት እናገበርና ግላዊ ጸዋዕታና እውን ክንርኢ የድሊ።
ኦ ኢየሱስ ጓሳና ሎሚ እውን ሓልወና ጠበቓና ኹን ጠፊእና ተባሪርና እንተሎ እንምለሰሉ ጸጋ ዓድለና ናትካ ክንከውን አብ ቤትና ክንምለስ ድላይና እዩ እሞ ሓግዘና ንበሎ። በዚ ብሩኽ ሰንበት ኩልና መዝሙር 23 እናደገምና ምስ አምላኽ ዘሎና ዝምድና ዘኪርና ብኹሉ ኃጢአትና ተነሲሕና ሓደ መጓሰ ንኹን። ነዚ የብቅዓና አምላኽ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

መዓልቲ አደታት

አብ ምዕራባዊ ዓለም መዓልቲ አደታት፥ አቦታት፥ ሽማገለታት. . . . ኢልካ ምብዓል ልሙድ እዩ፥ ጽቡቕ እውን እዩ። ንሓደ እትፈትዎ/ዋ ብኽብሪ አኽቢርካ ምዝካር ብዝያዳ ፍቕሪ ምቅርራብ እዩ ዘብዝሕ። ሎሚ እምብአር መዓልቲ አደታት ክንዝክር እንከሎና ፍሉይ አስተንትኖ በደታት ብዝርኢ ክንገብር ጽቡቕ እዩ። አደ ምንጪ ሕይወትና ስለ ዝኾነትን ልዕሊ ኹሉ ክነኽብራ ግቡእ እዩ። አብ ምድራዊ ሕይወትና ከም አደና ገሩ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ የለን ክትከብር ክተፍቀር ምርጫ አይኮነን ግድነት እዩ። አምላኽ አቦኻን አደኻን አኽብር ክብል እንከሎ አብ ሕይወትና ዘልኦም ተራ ስለ ዝፈልጥ እዩ። አብ ትሕቲ አምላኽ ወለድና ክንኽብር ትእዛዝ አምላኽ እዩ።
ተፈጥሮና አደ ምስተ ተሓወሰቶ እዩ ምሉእ ኮይኑ።
ኣዳም በይኑ እንከሎ ምሉእ አይነበረን ሔዋን ምስተሓወሰቶ እዩ ምሉእ ኮይኑ “እዚአ ዓጽሚ ኻብ ዓጽመይ ሥጋ ከአ ካብ ሥጋይ እያ” እናበለ ተቐቢልዋ። ውሃቢ አምላኽ ተቐባሊ ኸአ አዳም። ሰብአይ ንበይኑ ክኸውን ጽቡቕ አይ ኮነን ክብል እንከሎ አብ ቅድሚ አምላኽ አደ ክሳብ ክንደይ ንሰብአይ ምሉእ ከምእትገብሮ ይገልጽ። አብ ኩሉ ሕይወት ደቂ ሰብ ናይ አደ ሱታፌ ክህሉ እንከሎ እዩ ምልአት ዝረክብ። አብ ባህሪ ተፈጥሮና አደና እያ ኩሉ ነገርና፥ ፍቕሪ አደ ዝጎደሎ ሰብ ዳርጋ ሕጉስ ሕይወት የብሉን። በዚ እዮም ደረፍቲ ገጠምቲ ጸሓፍቲ ብፉልይ ብዛዕባ አደ ዝጽሕፉን ዝደርፉን።
አደ ህያብ አምላኽ ስለ ዝኾነት ንአምላኽ እተዘኻኽር ፍልይቲ ህያብ እያ። ንአምላኽ ክንዝክር እንተ ኾና አብ አደና ክንጥምት አሎና። ሰብአይ አብኡን አዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ሓደ ይኾኑ” ከምዝበሎ ሓድነት አቦን አደን ንተፈጥሮና ምሉእ ይገብሮ ንአገልግሎት አምላኽ ከአ ብዝያዳ ክንወፍረሉ የዘኻኽረና።
አብ ብሉይ ኪዳን ተራ አደታት አብ ብዙሕ ተጠቒሱ ንረኽቦ። አደታት አብ ድሕነትና ዓቢ ተራ ከምዝተጻወታ ነንብብ። ሣራ፥ ዮዲት፥ ሩት፥ አስተር. . . . ዝአመሰላ ክንጠቅስ ንኽእል። ልዕሊ ኹለን አደታት ከአ ማርያም አደ አምላኽ ምስኮንት ፍሉይ ክብሪ አደን አብ መንጎ አምላኽን ሰብን ዝግበር ዕርቂ በደና ማርያም ንኹለን አደታት ወኪላ ከምዝተፈጸመ ንርኢ። ተስፋ አበው በደና ማርያም እዩ ተፈጺሙ። አምላኽ ካብ አደ ተወሊዱ ከድሕነና ድላዩ ኮይኑ። ሰብአይ ወይ መላእኽቲ አይኮኑን አብ ምድኃና ዓቢ ተራ ዝተጻወቱ ሓንቲ አደ እያ ድላያ ምስ ድላይ አምላኽ አፍቂዳ ዘድኃነትና።
ማርያም ብኹሉ ብዘይካ ኃጢአት ከም ኩለን አደታት እያ፥ ንሳ ጸጋ ዝመልአ ካብ ኩለን አንስቲ ዝተባረኸት አደ ክርስቶስ ስለ ዝኾነት ካብ ኩሉን ዝኸበረት እያ። ንሳ ብኹሉ ባህሪአ ከም ኩለን አደታት ስለ ዝኾነት አደታት መንፈስ ማርያም ብዝያዳ ክህልወን ምስአ ፍሉይ ርክብ ክህልወን ይግባእ። ምስ ማርያም ርክብ ዘለዋ አደ ብኹሉ ሓጋዚት እያ። አብ ባህልና አብ ኩሉ ጸገምና ንማርያም ንልምን። ሓራስ እንተ ሓረሰት እንቋዕ ማርያም መሓረትኪ ንብላ፥ ገለ እንተ ደለና ንሰብ ይኹን ንአምላኽ ስለ ማርያም ኢልና ንልምን፥ ለማኖ ስለ ማርያም እናበሉ ይልምኑ፥ እዚ ኹሉ ዕብየት ማርያም አማልድነታን ክሳብ ክንደናይ ዓቢ ከምዝኾነ ንርኢ።
ኢየሱስ ሕይወቱ ምስ ማርያም ጀሚሩ ምስ ማርያም ወዲእዎ፥ አብ ኩሉ ዓበይቲ ትምህርቱን ተአምራታቱን ማርያም ኩሉ ጊዜ ምስኡ ነራ። አብ መርዓ ናይ ቃና ዘገሊላ መጀመርያ ተአምራት ብልመና አዲኡ እዩ ጀሚርዎ። አብ ቀራንዮ ክስዋዕ እንከሎ ምእንቲ ኩሉ ዓለም ምስኡ መስዋዕቱ ዝተሳተፈት ማርያም እያ። እዚ ናይ ማርያም ተሳትፎ አብ ኩሉ ተልእኮ ኢየሱስ ናይ ኩለን አደታት ተልእኮ እንታይ ምዃኑ ዝሕብር እዩ። ኢየሱስ መወዳእታ ቃል ለበዋ ዝሃበ ነዲኡ እዩ እንሆ ወድኺ እናበለ ንወዳ ዮውሓንስ ንነፍስወከፍን ብዮውሓንስ አቢሉ አብ ሕድራ ሓዲጉና። ማርያም አደና ኩሉ ጊዜ ዑቕባና እያ ሓንትስ እሙናት ደቃ ኮና ንጉዓዝ እምበር።
ሓዲስ ኪዳን ብዙሓት አደታት አብ ተልእኮ ኢየሱስ ተዋፊረን ከምዝነበራ እሞ አብ ኩሉ ይሕግዝኦ ከምዝነበራ ክሳብ መጨረሽታ ሕይወቱ ምስኡ ከምዝተጓዕዛ ወንጌል ይነግረና። ስብከተ ወንጌል አብ ኩሉ ክበጽሕ አደታት ዓቢ ተራ እየን ተጻዊተን። ማርያም መግደላዊት፥ ማርያን ማርታን አሕዋት አልአዛር። ማርያም ሰይቲ ቀልዮጳ፥ ማርያም ሰይቲ ዮሳን፥ ከምኡ ካልኦት አብ ወንጌል ዓቢ ተራ ከምዝነበረን አብ ግ.ሓ. ጣቢታ ዝተባህለት ሰበኽቲ ወንጌል ከምዝነበራ ንርኢ። ኢየሱስ አብ ብዙሕ ተአምራታቱ ከምቲ አብ ደቂ ተባዕትዮ አብ ደቂ አንስትዮ ዘርእዮ ዝነበረ ሓልዮት አብ ወንጌል ተጠቒሱ ንረክብ። ንአብነት ንምጥቃስ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፥ ማርያም መግደላዊት፥ ወዳ ዝሞታ ከንአናዊት ሰበይቲ ነዚኤንን ንካልኦት ኩለን አደታትን ይግደሰለን የፍቅረን ከምዝነበረ ንርኢ። ነቲ ኹሉ ኢየሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ርእያ ሓንቲ ሰበይቲ እተን ንአኻ ዘጠበዋ አጥባትን ዝሓቖፋ አእዳውን ብጹአት እየን ኢላቶ እዚ ኸአ ጽልዋ ናይ ሓንቲ አደ አብ ሕይወት ውላዳ እዩ ዘርእየና። ኩሉ ሥጋዊ ሕይወት ኢየሱስ ካብ ማርያም እዩ ወሲድዎ ስለዚ ኢየሱስ ዝያዳ ኩሉ ነዲኡ እዩ ዝመስል ስለዚ ኢየሱስ ዝያዳ ኩሉ ንኹለን አደታት እዩ ዝመስል እንተ በልና ጌጋ አይኮነን። ኢየሱስ ምድራዊት አደ እምበር ምድራዊ አቦ አይነበሮን ስለዚ አደታት ብዝያዳ ንአኽን እዩ ዝመስል። እሞ ሎሚ ንመን ትምስላ አሎኽን ደቂ ኢየሱስ ምዃንክን መለለዪ አሎክንዶ? ሰባት አባኽን ጓል ኢየሱስ ዘብል ይርእዩ ዘለዉ?
አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ካብ መጀመርያ እንተ ረአና ብፍላይ ድሕሪ ትንሣኤ አደታት እየን እግሪ አትኪለንኦ እንተ በለና ሓሶት አይኮነን። አስብኡት (ሓዋርያት) ክሃድሙን ክክሕዱን ክሕብኡን እንከለዉ አደታት እየን ላዕልን ታሕትን እናበላ አብ ኩሉ ንኢየሱስ ዝደለያ ካሳብ ዝረኽብኦ ኸአ ደው አይበላን። ነቶም ብፍርሓት አብ ሓደ ቦታ ተሸቕሪሮም ንዝነበሩ ዘበሰራ አደታ እየን። ወንጌል ገሊጹ ብስራት ትንሣኤ በደታት መጀመርያ ከምዝተበሰረ ይነግረና። ልዕሊ ኩሎም ሓዋርያት ፍሉይ እመነት ዘርአያ ንሰን እየን መብዝሕትኦም አቦታት ክሃድሙ እንከለዉ ንሳተን ግን ምስኡ ክሳብ መጨረሻ ደው ኢለን እምነተን ገሊጽናሉ።
ሓደ ፍሉይ ባህሪ አደ ክትፍለ ዘይምድላይ እዩ። አደ ካብ ሓዳራ ካብ አምላኽ ክብ ሕብረተሰባ ካብ ቤተ ክርስትያና ክትፍለ አይጥዕማን እዩ አይትደልን እውን እያ። አብ መዓልታዊ ሕይወትና እንተ ረአና ዝያዳ ጸሎት ዝገብራ ዝያዳ ርሕራሐ ዘልአን ደንገጽቲ አደታት እየን በዚ ምኽንያት እዩ ይመስለኒ ንሓደ ጨካን ክምሕር እንተ ደለናዮ ስለ ወላዲትካ ኢልና ንእልምኖ ስለምንታይ ወላዲቱ መሓሪት በቕባቕ ምዃና ዘይፈልጥ ውሉድ ስለ ዘየለ።
ሎሚ ፍርቂ ሕይወት ቤተ ክርስትያን በደታት እዩ ዝካየድ ዘሎ አብ ኩሉ ዓለም ወንጌል ይሰብካ ሕሙማት ይአልያ ጥሙያት ይዕንግላ ንተስፋ ዝቖረጹ ተስፋ ይህባ፥ አብ ገዛ አብ አብያተ ትምህርቲ አብ ይዩኒቨርሲታት አብ ኩሉ ይምህራ የገልግላ፥ እንታይ እሞ ዘይገብራ። ይዝከረኒ አብ ሳልሳይ ወራር ወያኔ ብዙሓት ደናግል አብ ሕክምና ውጉኣት አብ ከረን ተዋፊረን ይሕግዛ ነረን ብዙሓት ካብቶም ብብርቱዕ ተወጊኦም ዝነበሩ ዝተፈላለየ እምነት ዝኽተሉ “ዝኾነ ካልእ ክሕክመና አይንደልን እዘን ብሩኻት ጥራሕ ይሓክማና” እናበሉ እተን ምእንቲ አምላኽ ሕይወተን ዘወፈያ ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራት አሓትና ደናግል ዘርአይኦ ፍቕርን ሓልዮትን ርሕራሐን እቶም ብቓንዛ ዝሳቐዩ ዝነበሩ ውጉአት እውን ክርእይዎ ክኢሎም። ሎሚ እውን አበሰርቲ ትንሣኤ ንብዙሓት አደታት እየን። ናይ እቶም ኩሎም ተስፋ ዝቖረጹ ተስፋ እየን ናይ እቶም ኩሎም ብንዋታውን መንፈሳውን ስእንተ ዝሳቐዩ ሓለይቲ ንሰን እየን።
እዋና ዘመን ጉራማይለ ኮይኑ አብዘለዎ እዋን አብቲ ሓቀኛ መገዱ ክምለስ እንተ ኾይኑ አደታት ሓቀኛ ሕይወተን ክለብሳ አልአን። ኩሉ ነገር ካብ ገዛ እዩ ዝብገስ ዝብል አብሃህላ ኩሉ ነገር ካብ አደ እዩ ዝጅምር እዩ ዘስምዕ። እታ ናይ መጀመርያ ዘርኢ ሕይወት ዝሃበት አብ ጊዜ ሕፃንነትናን ከምኡ እግሪ ተኺልና ክሳብ ዓቕምሰብ እንበጽሕ ትከናኸነና አደና እያ ስለዚ መብዝሕትኡ መጻኢ ሕይወትና ካብ አደና ኢና እንወስዶ እሞ ሎሚ አደታት ንደቅኽን እንታይ ተውርሳ አሎኽን?
ሎሚ እውን አደ አብ ገዝአ አብ ሓዳራ አብ ሕብረተሰባ ክትገብሮ ዝግብአ ብዙሕ ነገራት አልአ፡

ሎሚ እምብአር ነዘን እነፍቅረን አደታትና አሓትና ብፍሉይ አኽብሮትን ፍቕርን ንኤን እተዋህበት ዕለት ክንዝክር እንከሎን መጀመርያ ህያብና አብዚ መስዋዕቲ ቅዳሴ ብፍሉይ ዘኪርናየን አሎና። አብ ኩሉ ሕይወተን ደቂ ትንሣኤን አበሰርቲ ትንሣኤን ኮይነን ክነብራ። አደ አብ ሓደ ጸልማት እተብርህ መብራህቲ ገዛ እያ፥ ተስፋ ሰላም አደ እያ። መምህር ጸሎት አደ እያ፥ ዕብየት ሃገርን ቤተ ክርስትያንን ካብ አደ እዩ ዝጅምር ስለዚ ንሕና እውን ነዚ ክብሪ ዘኪርና ክንሕግዘን ክንጽልየለን አብ ኩሉ ሓልዮትና ክነርእየን ትሑዛት ኢና።
ፍቑራት አደታት ከምቲ ማርያም ንሓዋርያት አብ ድሕሪ ትንሣኤ ዘሎ እዋናት እተጸናንዖምን ጸሎት እትምህሮምን ዝነበረት እሞ መንፈስ ቅዱስ ክወርዶም እተሰናድዎም ዝነበረት ንስኽን እውን ደቃ ስለ ዝኾንክን ጸልያልና ሓግዛና ደቂ ሓንቲ ገዛ ግበራና። ብፍላይ አብ ክልተ ነገራት ብዝያዳ ክትሕግዛና ትኽእላ ነዛ ሰላምን ምርድዳእን ጎዲልዋ ዘሎ ሃገርና ከምቲ ቅድሚ ናጽነት አብ ኪዳነ ምሕረት መዓልቲ ጸሊኽን ሰላም ዘምጻእክናላ ሕጂ እውን ሰላም ፍቕሪ ምምሕሓር ክወርደና ከየቋረጽክን ጸልያልና። ካልአይ ሎሚ እምነት ጎዲሉ ሰብ ንአምላኽ ሓደጉ አብ ገንዘብን ህርፋንን ጽልእን ጥራሕ ተዋፊርሉ ዘሎ እዋን አብ ገገዛኽን አብ አምላኽ ክትመልሳና ሓገዝክን ተወፋይነትክን የድሊ አሎ። ብርሃን ሰላም አብ ልባትና ክበርቕ ንመገዲ ቅድስና ክንዕጠቕ መስከርቲ ትንሣኤ ክንከውን ብጸሎትክን ሓግዛና አምላኽ አብ ኩሉ ይሓግዝክን።
ቅድስና ዝመልኦ መዓልቲ አደታት ይግበረልክን።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.