2014-05-10 15:17:39

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ቅዱሳት ብኢየሱስ ክቕደሱ ገዛእ ርእሶም ዘወፍዩ ትሑታ ሓጥኣን


RealAudioMP3 ቅዱሳት ኣብ ናይ ትሕትናን መስቀልን ጎዳና ንኢየሱስ ዝስዕቡን ማንም ገዛእ ርእሱ ቅዱስ ዝገብርን ዝቕድስን ዘይከኣሎ ምዃኑ የረጋግጹን ስለዚህ ገዛእ ርእሶም ብኣኡ ክቕደሱ ዝሓድጉን ዝፈቐዱን እምበር ጀጋኑ ማለት ኣይኰነን ብዝብል ጽማሬ ሓሳብ ክጠቓለል ዝኽእል ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ትማሊ ዕለት 9 ግንቦት 2014 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንፃ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣመርኵይዞም እቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ምልዋጥ ዘዘንትው ቀዳማይ ምንባብ እቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ተጻእይ ኣሳዳዲ ክርስቶስን ዝነበረ ተለዊጡ ቅዱስና ዝተጸገወ ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ እያ እንክብል ዝሃቦ ኣስተምህሮ እንታይ ማለት ምዃኑ እንክገልጹ፦ ንዅላትና ኣብ ውሽጣ ዝሓዘት ክነሳ ከመይ ገይራ እያ ቅድስት ትበሃል፣ ከመይ ጌርና ቤተ ቅርስቲያን ቅድስቲ እያ እንብል፣ ኣብዚ ዘሎን ኣኩላትና ሓጢኣተይናታት ኢና፣ እወ ንሕና ሓጢኣተይናታት ኢና ንሳ ግን ቅድስቲ እያ፣ መርዓት ኢየሱስ ክርስቶስን ብኢየሱስ ፍቕርቲ እያ ቅድስናኣ ድማ ንሱ እዩ፣ ንሱ ይቕድሳ፣ በቢ ዕለቱ ብመስዋዕቲ ቅዱስ ቁርባን ኣቢሉ ይቕድሳ ኣዚዩ ስለ ዘፍቕራ እዩ ድማ፣ ንሕና ሓጢኣተይናታት ኢና እንተዀንና እውን ኣብ ሓንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ኢና ንነብር፣ ኣብኣ ኢና፣ ንሕና እውን ናይታ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣባላት ብምዃን ብቕድስናኣ ንቕደስ፣ ደቂ ቤት ክርስቲያን ኢና ንሳ ኣደ ቤተ ክርስቲያን ድማ ብፍቕራን በቲ ናይ መርዓዊኣ ቅድሳት ምስጢራት ኣቢላ ትቕድሰና፣ ኣብዛ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ጐይታ ብዝበለጸ ንቕድስና ንኽትኵርን ንኽርአን ድማ ኣብ ሕይወቶም ቅዱሳት ዝኾኑ ሰባት ይሓርይ፣ ቅድስና ብቓልን ሕይወትን ዝነብሩ የነቓቕሕ ንሱ ቐዳሲ ምዃኑ የረጋግጹልና፣ ማንም ብገዛእ ርእሱ ናይ ገዛእ ርእሱ ቀዳሲ ክኸውን ዘይከኣል ከምዝዀን እውን ይምስክሩ፣ ናይ ስነ ቅድስና ትምህርቲ ዝበሃል የሎን፣ ቅድስና ብትምህርቱ ዝዕተር ሙያ ኣይኰነን፣ … ቅድስና ኢየሱስ ንቤተ ክርስቲያኑ ዝዓደላ ጸጋ ከምዝኾነ ንሱ ቀዳስን ዝተቐደሰ ሕይወት ዝንበሩ ይሓርይ። ቅድስና ናቱን ካብኡን ምሳኡን እዩ” ቢሎም፦ ጳውሎስ እቲ ዓቢይ ናይ እግዚኣብሕኤር ኣትሌት ብርቱዕ ናይ እግዚኣብሔር ተባዕ ኣብ መወዳእታ ከም ኢየሱስ ተዋሪዱ። እቶም ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቀረባ ኣዋን ቅድስና ዝኣወጀትሎም ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንዘክር፣ ሕይወቶም እቲ ናብ ቅድስና ዘብል መገዲ ዝተኸተለን ኣብ ናይ ኢየሱስ ጉዳና ንሕይወቶም ዘንበሩን ንኣኡ ዝመሰሉን፣ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት መስቀል ጸርካ ኢየሱስ ኣባና ክዓብይ እናፈቐድና ንሕና ክንእስ ከምዝግብኣና ይተባብዑና፣ በዚ መገዲ እዚ እንተድኣ ተጓዒዝና ኩላትና ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምስክር ጐደና ንጓዓዝ፣ ዋላ’ኳ ሓጥኣን እውን እንተዀና ቤተ ክርስቲያን መርዓት ኢየሱስ ቅድስቲ እያ” እንክብሉ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉ ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.