2014-05-08 19:15:09

እግዚአብሔር ብውህበት መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ምኽሪ ንሕይወትና የብርህ፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ አብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዩ፣ ነቲ አብ ዝሓለፈ ሳምንታት ዝጀመርዎ ንሃብታት መንፈስ ቅዱስ ዝምልከት ትምህርቶም ብምቅጻል ከአ ትማሊ ብዛዕባ እቲ ካብተን ሸውዓተ ሃብታት መንፈስ ቅዱስ ሓደ ዝኾነ ምኽሪ ሰፊሕ ትምህርቲ ሂቦም፣ አብ መዝሙረ ዳዊት “ነቲ ዚምዕደኒ እግዚኣብሔር አመስግኖ አሎኹ፣
ብለይቲ እኳ ኅልናይ ይምህረኒ እዩ። እግዚኣብሔር ኵሉ ሳዕ ምሳይ ከምዝዀነ እፈልጥ እየ፣ ምሳይ ስለ ዝዀነ ድማ፣ ኣይክናወጽን እየ።”(16፤7-8) ንዝብል ጥቅሲ መሠረት ብምግባር ነዚ ሃብቲ እዚ ዝ ዕድልና እግዚአብሔር ባዕሉ ብምዃኑ ወትሩ ክንልምኖ አዘኻኺሮም፣
“እዚ ውህበት እዚ መንፈስ ቅዱስ ንኅልናና ከምቲ ኢየሱስ አብ ወንጌል ዝመሃረናን ብግብሪ ዘርአየናን ምስ እግዚአብሔር ብምውህሃድ አሰር ኢየሱስ ብምስዓብ ጭቡጥ ምርጫ ክንገብር ይሕግዘና፣ አብዚ ዓለም እዚ እንከሎና መንፈስ ቅዱስ ብመንፈሳውነት የዕብየና አዎንታዊ ምምሕያሽ ክንገብር እውን ይሕግዘና ከምኡ እውን አብ ማኅበረ ክርስትያን ካብ ነአይ ይጥዓመንን አነነትን ርሒቅና ብኅብረት ከምእንዓቢ ይገብረና፣ ነዙይ ሃብቲ እዚ ንምርካብ እተገልግል መንገዲ ከአ እንኮ እያ ንሳ ኸአ መንገዲ ጸሎት እያ፣
“ጸሎት ክንገብር እንከሎና መንፈስ ቅዱስ መጺኡ ንኽሕግዘናና አብቲ እንገብሮ ኩሉ ምኽሩ ክልግሰልናን ቦታ ንህቦ፣ ነዚአ ሓደራ ከይትርስዕዋ ጸሎት አዘውትሩ ጸሎት ጸሎት ወትሩ ጸሎት ግበሩ፣ አብ ዝኾነ ጊዜን አብ ዝኾነ ቦታን ብልብና ጸሎት እንተገበርና ማንም ክፈልጥ አይክእልን ንአብነት ብአውቶቡስ እናተጓ ዓዝና ወይውን አብ መንገዲ ክንጽሊ ንኽእል፣ ብልብና ብጸጥታ ንጸሊ ክንጥቀመሉ እንኽእሎ አጋጣምን ጊዜን ብሙሉኡ ከምንጥቀመሉ ይኹን መንፈስ ቅዱስ ነዙይ ናይ ምኽሪ ሃብቱ ክዕድለና ንለምኖ፣ እንክብሉ ነፍሲ ወከፍና እዚ ሃብቲ እዚ ከምዘድልየና ተረዲ እና ብዘይምቍራጽ ክንጽሊ ምስ አተሓሳሰቡ እዚ ውህበት እዚ ንበይንኻ ጥራይ እትግልገለሉ ዘይኮነ ንኩላ ማኅበር ከምዝኾነ ከምዝኾነን ምስ አኅዋትናን አኃትናን ዝኾነት ማኅበረ ክርስትያን ክንማኸር እውን አዘኻኺሮም፣ ነዙይ ብዝምልከት አብ መካነ ንግደት ናይ እኖና እግዚ እትነ ማርያም አብ ሉኻን ዝበሃል ቦታ ዘጋጠሞም የዘንትው፣ አብ መንበረ ኑዛዜ እንከለው ሓደ መን እሰይ ዓቢ ጸገም ከምዘለዎ ይነግሮም ዝገበርዎ ምስ ጨነቆም ንወላዲቶም ይሓቱ ወላዲቶም ከአ ናብ እግዚአትነ ማርያም ከድካ ጸሊ ኩሉ ነኣአ ንገራ ትብሎም፣ ከማኡ ብምግባር ከአ ኩሉ ተፈቲሑ፣“እነሃ ናይ ምኽሪ ውህበት ዘለዋ ሰበይቲ! ወዳ ካብ ጸገም ከመይ ቢሉ ከምዝወጽ እ አይትፈልጥን ግን ቅኑዕ መንገዲ ትሕብሮ ናብ ማርያም ኪድ ንሳ ኸአ ክትሕብረካ እያ፣ እዚ ኢዩ ሃብቲ መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ናይ ምኽሪ ውህበት፣ እዛ ትሕትን ገርሀይናን ሰበይቲ እዚአ ንወዳ ሓቀኛ ምኽሪ ሂባቶ፣ ከም ሳዕቤኑ እቲ መንእሰይ ን እኖና እግዚ እትነ ማርያም ጠሚተያ ከምዝን ከምዝን ግበር ኢላትኒ ምስ በለኒ ዝብሎ አይነበረን፣ ኩሉ እቲ ዝበሃል አዲኡን እቲ ወድን ወዲኦሞ፣ ውህበት ምኽሪኸስ እዚ ኢዩ፣ እዚ ሃብቲ እዚ ዘሎክን ንስኻትክን አደታት ንደቅኹም እውን ክ ዕደል ጸልያ፣ ንደቅኻ መኺርካ ምኽአል ትዕድልቲ እግዚአብሔር ኢዩ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣









All the contents on this site are copyrighted ©.