2014-05-06 15:50:19

ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ፦ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣገልግሎት ጸረ ውሳኔ ምስቓይን ህስያን


RealAudioMP3 ቅድስቲ መንበር ኣብ መላእ ዓለም እቲ ጸረ ሰብኣዊ ክብሪ ዝኾነ ውሳኔ ምስቓይን ህስያን ጠሪሹ ከይህሉ ጽዑቕ ጻዕሪ ከምእተካይድ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ጀነቭ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ኣብ ጀነቭ ዋዕላ መበል 52 ኮሚቴ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸረ ውሳኔ ስቓይን ህስያን ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ውሳኔ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅቡልን ኣብ ተግባር እውን ዝውዕል ምዃኑን ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ መቕጽዒ ሕጊ እዚ ዓይነት ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ጠረሹ ዝፈቅድ ዓንቀጽ ከምዘየለ እውን ኣረጋጊጾም፣ እቲ ውሳኔ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸረ ምስቓይን ህስያን እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ትግባሬኡን ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝዀነ ውሳኔታት ምቕጻዕን ህስያን ንምውጋድ ዝድግፍ ከምዝኾነ እቲ ብኣኦም ዝተመርሔ ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፈ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን ጉጅለን ኣቲ ውሳኔ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸረ ምስቓይን ህስያን ምሉእ ብምሉእ ከምዝድግፉን ቅድስቲ መንበር እቲ ዋሳኔ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ካብ 2002 ዓ.ም. ብቐደሙ እውን እትኣምነሉን እትትግብሮን እውን እንተኾነ ብምልኣት ነቲ ሰነድ ተቐቢላ ከምዘጽደቐቶን ድማ ከምዘዘኻከሩ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣመልኪቱ፣ ኣብተን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እትርከበለን ሃገራት ቅድስቲ መንበር እቲ ጸረ ውሳኔ ምስቓይን ህስያን ውሳኔ ኣብ ግብሪ ክውዕል ናይ ምግባር ሕጋውነት መሰል የብላን ስለምታይ እተን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ናይ ዝርከባሉ ሃገር ሕገ መንግስት እዩ ሕጋውነት ውሕስንኤን፣ ኰይኑ ግን እቲ ውሳኔ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ግብሪ ክውዕል ቅድስቲ መንበር ንምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝተፈላለዩ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት ብምቕራብ ዓቢይ ጻዕሪ ከምእተካይ ከምዝመስከሩ ሓቢሩ።
ናይ ሃገራት መንግስታትን ስልጣንን ኣብ ትሕቲ ናይ ሃገሮም ሕጊ ንዝርከቡ ኣካላት ኣድላይ ኣብ ዝዀነሉ ኣዋን ክከላኸሉ ውሕስነት ጸጥታን ድሕነትን የኽብር። ቅድስቲ መንበር ኣውን ብወገና ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝነብሩ ወጻእተይናታት ናይ ዝውክልወን ህገራት ልኣላውልነት ብምኽባር ብትሕቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሕጊ ዝመሓደሩን በቲ ሕጊ ኣቢላ እውን ክንክንን ሓለዋን ተረጋገጸሎም፣ ቅድስቲ መንበር እዚ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውሳኔ ካብ ነዊሕ ዓመታት ብመርሕነት ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን እትነብሮን እትምስክሮን ተግባር እዩ። ናይቲ ውሳኔ ሰረት ድማ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ሃገራት ምስ እዚ ውሳኔ ዝገራጨው ካልእ ዓይነት ፍርድታት እውን ከይሁሉን ንምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝከኣላ ጎስጓስ ተካይድ እንክብሉ ከምዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.