2014-05-03 15:32:26

፫ይ ሰንበት ዘትንሣኤ 2006 ዓ.ም (5/4/2014)


መዝሙር ወበእኁድ ሰንበት. . . . . . . ።
አብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰንበት ማርያም መግደላዊት ናብ መቓብር አንጊሃ ጌና ጸልማት እንከሎ ከይዳ፥ እቲ እምኒ ካብ አፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኺባቶ፥ ናብ ስምዖን ጴጥሮስ ከምኡ ናብቲ ካልእ ረድኢ ኢየሱስ ዘፍቅሮ በጽሐት፥ ንጎይታይ ካብ መቓብር ወሲዶሞ አበይ ከም ዝወሰድዎ አይፈልጥን፥ ክልቲኦም ብሓንሳብ እናጎየዩ ከለዉ፥ እቲ ካልእ ረድኢ ኢየሱስ ዘፍቅሮ ንጴጥሮስ ቀዲምዎ በጽሐ።
አብዚ ናይ ሎሚ መዝሙር እንርእዮ እምነት ማርያም መግደላዊት እዩ፥ ንሳ ንመምህራ ክሳብ እትረኽቦ ብጸልማት ብቐትሪ አብ ኩሉ ክትደልዮ ንርእያ። ክሳብ እትረኽቦ አይዓረፈትን። ክትረኽቦ ቀሊል አይነበረን እንተ ኾነ እምነትን ፍቕርን ገራ ስለ ዝደለየት ባዕሉ ረኺብዋ። አብዚ እዋን ትንሣኤ ኩልና ንኢየሱስ ክንደልን ክንረኽቦ ከምዘሎና ክንሓስብ አሎና። አብ ሕይወትና ከይረኸብናዮ ክነዕርፍ የብልናን። ከየለለናዮ ከይሓልፈና አዒንቲ ሕልናና ክፈተልና ኢልና ንለምኖ።
ንባባት ፩ቆሮ 15፡1-19። ፩ጴጥ 1፡17-21፥ ግ.ሓ. 2፡14-33፥ ሉቃ 24፡13-35።
ስብከት፤ “ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ፥ ወመንክሮሂ ለእጓለ እመ ሕያው፥ እስመ ሰበረ ኆኃተ ብርት” ምሕረት እግዚአብሔር ንገሩ፥ጥበቡ ኸአ ንደቂ ሰብ፥ መዓጹ ሓጺን ስለ ዝሰበረ፥ መዝ. 106።
አብ ወንጌል ንሎሚ ዝተነበ ብዛዕባ ክልተ አርድእቲ ኢየሱስ ድሕሪ ኩሉ እቲ አብ ልዕሊ ኢየሱስ ዝተገብረ ፈሪሖም ተስፋ ቆሪጾም ካብታ ማእከል ናይ ኩሎ ተስፋኦም ገሮም ዝርእይዋ ዝነበሩ ከተማ ኢየሩሳሌም ሓዲጎም ናብ ካልእ ዓዲ ኤማሁስ እትብሃል 7 ኪ.ሜ. ምርሓቓ እናኸዱ እንከለዉ ኢየሱስ ከም ማን ሰብ ኮይኑ አብ መገዲ ከም ዝተሓዋሶም ንሶም ግን ከምዘይፈለጥዎ አብ መገዲ እና ተጓዕዙ ንኹሉ ከም ዝገለጸሎም አብ መውዳእታ አብ መአዲ ኮፍ ምስ በሉ ምስ ቆረሰሎም ከምዘለለይዎ ይነግረና።
ክንደይ ተዓዊቶም እዞም ክልተ አርድእቲ አብ መገዲ ኤማሁስ ንኢየሱስ ክረኽቡ እንከለዉ፥ ቅዱስ መጽሓፍ ኽገልጸሎም እንከሎ ዝሰምዕዎ፥ አብ መአዲ ምስ ኢየሱስ ክበልዑ ዕድል ዝረኸቡ እናበልና አድንቖትና ንገልጽ። ብርግጽ ዓቢ ጸጋ እዩ ነሩ። ከም ባህጊ እውን ምስኦም አብ መገዲ እንተ ዝነብር ናይ እዚ ጸጋ ተኻፋላይ እንተ ዝኸውን ክንደይ ጽቡቕ ነሩ እናበልና ንዛረብ ኢና። እንተ ኾነ ንሕና እውን ኩሉ ጊዜ መስዋዕቲ ቅዳሴ ክነዕርግ እንከሎና ከምዚ ናቶም ንረኽቦ ኢና። ኢየሱስ ነዞም ክልተ አርድእቲ ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዝገለጸሎም “ነቲ ብዛዕብኡ አብ ኩሎም ጽሑፋት ዘሎ ካብ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ኂዙ ኸአ ኪትርጕመሎም ጀመረ” (ሉቃ 24፡27) ዝብል ነንብብ። ንሕና እውን አብ ቅዳሴ ቃል አምላኽ ካብ ንባባት ቅ. መጽሓፍ ንሰምዕ። ድሕሪዚ ኢየሱስ “አብ መአዲ ምስአቶም ምስ ተቐመጠ ድማ እንጌራ አልዒሉ ባሪኹ ቖሪሱ ሃቦም” (ሉቃ 24፡30) ይብል። ንሕና እውን አብ ቅዳሴ ሥጋን ደምን ኢየሱስ ንቕበል፥ ንኢየሱስ ብአካል አብ ቅ. ቍርባን ንረኽቦ። እዚ ዓቢ ጸጋ እዩ ናይ ኩሎም ምስጢራት ምንጪ እዩ ምኽንያቱ አብኡ ክርስቶስ ብርእሱ ስለ ዘሎ። ዓይንና ክርኢ እምነትና ክሕደስ ካብ መአዲ ክርስቶስ ብንጽሕና ክንቅበለ ይግብእ። እንተ ኾነ ቅድሚ ምቕባልና ልብና ክነንጽሕ ክንጉዓዞ ዝግባእ ጉዕዞ እምነት አሎና።
አብ መገዲ ጉዕዞ ሕይወት ንኢየሱስ ረኺብካ ምኽአል፡
አብ መገዲ ብሓባር እናተጓዕዙ እንከለዉ ነቲ ጉዕዞ ዝመርሖ ወይ ዝምእክሎ ዝነበረ ኢየሱስ እዩ። መጀመርያ ቅ. መጽሓፍ ብምግላጽ፥ ድሕሪኡ ኸአ ምስ አርድእቱ ኅብስቲ ብምቝራስ። እቲ ቀንዲ ሰራዒን መራሕን ዝነበረ ኢየሱስ እዩ ነሩ። ንሱ እዩ መጀመርያ ቅዱስ መጽሓፍ ገሊጽሎም ድሕሪኡ ኸአ መአዲ ቅ. ቍርባን ክሰርዓሎም ንርኢ። ኩሉ ጊዜ ምስጢራት ክንሰርዕ ከሎና እቲ ቀንዲ ሰራዒ ወይ ገባሪ ኢየሱስ ባዕሉ እዩ። ኢየሱስ እዩ እቲ ቀንዲ ወይ ማእከላይ ቀዳሳይ ናይ ነፍስወከፍ መስዋዕቲ ቅዳሴ። ኢየሱስ አብ መስቀል ኮይኑ ንርእሱ መስዋዕቲ ዘዕረገ ልክዕ ሓደ ዝኾነ መስዋዕቲ አብ ቅዳሴ ብካህን ይዓርግ ናይ እቲ አብ ቀራንዮ ቅድሚ 2000 ዓመት ዝተፈጸመ መስዋዕቲ መቐጸልታ እዩ (፪ ጉባኤ ቫቲካን ቅዱስ ጉባኤ ቍ7)። እቲ አብ ቀራንዮ ንርእሱ ከመስዋዕቲ ዘዕረገ ኢየሱስ ንሱ እዩ ሕጂ እውን አብ ቅዳሴ ብካህን አቢሉ ዝስዋዕ ዘሎ። አብ ቅዳሴ ጥራሕ ዘይኮነ አብ ኩሎም ምስጢራት አብ እንፍጽመሎም ባዕሉ ኢየሱስ እዩ ንመስዋዕትና ዝመርሕ። ኢየሱስ እቲ ቀንዲ ሰራዒ ምስጢራት እዩ። አብ ቅዳሴ ክንመጽእ ከሎና ልክዕ ከምቶም ክልተ አርድእቲ ንኢየሱስ ንረኽቦ ምስኡ አብ መገዲ ንጉዓዝ።
አብ መገዲ እናተጓዕዙ ኢየሱስ ነዞም ክልተ አርድእት ሓቀኛ ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍን ስጋኡን ደሙን ከአ መጊብዎም። ንሕና እውን መስዋዕቲ ቅዳሴ ክነዕርግ እንከሎና ሓደ ዓይነት ተመክሮ ኢና እንረክብ። ኢየሱስ ብሥጋኡን ብደሙን አብ ቅ. ቍርባን ጥራሕ አይኮነን አብ መንጎና ዝርከብ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ክንበበና እንከሎ እውን አብ መንጎና አሎ። ካብ ሓደ ጣውላ መአዲ ብኽልተ መገዲ ንምገብ ቃል አምላኽን ቅ. ቍርባንን።
ቤተ ክርስትያን ኩሉ ጊዜ ንሥጋ ክርስቶስ ክተኽብር እንከላ ንቅ. መጽሓፍ እውን ካብ ምኽብር አቋሪጻ አይትፈልጥን። ንምእመናን መግቢ ሕይወት ካብ ዝኾነ ካብ መአዲ ሥጋሁ ወደሙ ከምኡ ካብ መአዲ ቃል አምላኽ ካብ ምዕዳል አቋሪጻ አይትፈልጥን። (ሓ/ት/ክ 103፥ ፪ ቫቲካን ቃል እግዚአብሔር ቍ 21)።
አብ ቅዳሴ ክልተ መብርሃቲ ሽምዓ ንጥቀም እዚ ከአ ነቲ ብኽልተ መገዲ አብ መንጎና ዝርከብ ኢየሱስ ዘዘክር እዩ። “ብቃሉን ብሥጋሁ ወደሙን”። ስለዚ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ክንበብ እንከሎ ምሉእ ምስትውዓል ክንገብር ይግብአና ምኽንያቱ አምላኽ ብቓሉ ገሩ እዩ ዝምግበና ዘሎ። ኢየሱስ ባዕሉ እዩ ዝዛረበና ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ክንበበና እንከሎ። ንሱ አብ ቃሉ ክንበብ እንከሎ አብኡ አሎ።
እቶም ንቃል አምላኽ ዝሰብኩልና ዓቢ መዝነት እዮም ለቢሶም ዘለዉ። ኢየሱስ ነቶም ክልተ አርድእቱ “አቱም ነብያት ብዝተዛረብዎ ኹሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጎየ ዓያሱ” (ሉቃ 24፡32) እናበለ ገኒሕዎም ሎሚ እውን ንሕና ነዚ አብ ቅዳሴ ዝንገረና ቃል አምላኽ ንምርድኡ እንተ ዘሓልና ሓደ ዓይነት መግናሕቲ ምገንሓና ነሩ። ልብና አብ ካልእ እናሓሰበ መንፈስና ብኻልእ ተመሊኹ እንከሎ አብ ቅድሚ ቅ. ቍርባን ደው ክንብል አይግብአን።
ቃል አምላኽ ክንሰምዕ እንከሎና በእዛን እናሰምዕና ብአእምሮና እንርድኦ ጥራሕ አይ ኮናን ዘሎና መንፈስ ቅዱስ እውን አባና ይሰርሕ እዩ እዚ ኸአ ቃል አምላኽ ከሕውየናን ክሕድሰናን አባና ከምቲ ነቶም ክልተ አርድእት አብ መገዲ ኤማሁስ ልቦም ዘቃጸለ ንአና እውን ልብና የቃጽሎ እዩ። ”ነሓድሕዶም ከአ እቲ አብ መገዲ ክዛረበናን ነተን ጽሕፋት ኪትርጉመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና አይነበረን” (ሉቃ 24፡32)። እቶም አርድእቲ ልቦም ክቃጸል እንከሎ አይኮነን ነዚ ዘለልይዎ ድሓር እዮም ፈሊጦሞ። ከየለልይዎ እንከለዉ መንፈስ ቅዱስ አብ ልቦም ይሰርሕ ነሩ፥ ልቦም ይልውጠሎምን ይሕድሶምን ነሩ። መንፈስ ቅዱስ ብልክዕ መገዲ ንሕና አብ ቤተ ክርስትያን ብሓባር ትአኪብና ቃል አምላኽ ክንገረና እንከሎ አብና እውን ይዓዪ እዩ። ኩሉ ጊዜ አብዚ አብ ቤተ ክርስትያን ክንእከብ እንከሎና ቅዳሴ ክንሰምዕ እንከሎና ከይተረድአና ከየስትውዓልናሉ እንከሎና ልብና ይቃጸል።
ኢየሱስ ምስኦም አብ መአዲ ምስተቐመጠ “እንጌራ አልዒሉ ባሪኹ ቖሪሱ ሃቦም፥ ሽዑ ዓይነ ልቦናኦም ተኸፍተ እሞ አለለይዎ ግና ኻብአቶም ተሰወረ” (ሉቃ 24፡30-31)። አብዚ ኢየሱስ ወላ እኳ ካብኦም ይፈለ እምበር ብኸምዚ አገባብ ምስኦም ኩሉ ጊዜ ከምዘሎ ገሊጽሎም። ካብ ሕጂ ንድሓር ብአካል ንኢየሱስ ክርእይዎ አየድልዮምን እዩ በዚ መልክዕ ህብስን ወይንን አብ መንግኦም አሎ። አብ ጸሎተ ሓሙስ “ነዚ ንዝኽረይ ግበርዎ” (ሉቃ 22፡19) ክብሎም እንከሎ ሓደ ዓይነት አርባዕተ ነገራት ገሩ “ወሲዱ፥ ባሪኹ፥ ቆሪሱ፥ ሂብዎም”። አብ መገዲ ኤማሁስ እውን ነዚ ንዝኽሩ ኢሎም ክገብርዎ እንከለዉ ንሱ አብ ማእከሎም ከምዘሎ ልባቶም ክነዶም እንከሎ ንሱ አብውሽጦም ከምዘሎ ነጊርዎም እዩ። ካብ ሕጂ ንድሓር ንስለ ዝኽሩ ኢልና ተአኪብና ነዚ ክንገብር እንከሎና ከምቲ ናይ ሰብ ኤማሁስ ከምኡ አብ መንጎና አሎና።
ጕዕዞ ኤማሁስ ጉዕዞ ኩልና ንግበሮ፡
እዚ ክፍሊ ወንጌል ፍሉይ መንፈሳዊ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ። ኢየሱስ ነዞም ክልተ አርድእቲ ሓደ ቀልዮጳ ዝብሃል እቲ ካልአይ ስሙ ዘይጥቀስ አብ መገዲ እዩ ረኺብዎም። ንሶም አበይ ከምዝኸዱ ዳርጋ ይፈልጡ አይነበሩን እቲ ኩናታት ስለ ዝኸበዶም ዳርጋ አብ ዘይፈልጥዎ መገዲ ዝኸዱ እዮም ዝመሉ። ዳርጋ አብ ኢየሱስ ምእማን ዝሓደግዎ እዮም ዝመስሉ ስለዚ ብዘይ እምነት እዮም ዝጉዓዙ ነሮም። ንሕና አብ ሕይወትና ከምኡ ይገጥመና እዩ አብ መገዲ ጸጋም ንጉዓዝ ንጥፍአት ናትና ኢልና ንተሓሓዞ አብ ከምዚ ኩነት እንከሎና አምላኽ ክዛረበና ክረኽበና ብዝተፈላለየ መገዲ ይመጸና ግን አይነላልዮን። ሽዑ ንሱ ከማና ሰብ ኮይኑ “አብ መገዲ ብዛዕባ እንታይ ትዕልሉ ነርኩም” ከምዝበለ ንአና እውን ይሓተና እዩ። አበይ ገጽካ/ኪ ትጉዓዝ አሎኻ/ኺ እናበለ አንፈት ጉዕዞና ክንርኢ ይሓተና። ሱቕ ኢልና አብ ግጉይ መገዲ እንተ ኸድና ፀሓይ ክትዓርበና እያ ስለዚ ሓገዝ የድልየና። ኢየሱስ አብ ትምህርቱ አነ መገድን ሓቅን ሕይወትን እየ ኢሉና እዩ ስለዚ አብቲ ሓቀኛ መገዲ ክንረኽቦ አሎና። ንሕና አብዚ ዓለም እዚ መንገደኛታ ኢና፥ ኩሉ ጊዜ አብ ሰማይዊ ዓድና እንምርሽ ፍጥረት ኢና። ናይ እምነት ጉዕዞና ናይ ትምህርትን አብ ዓሚቕ ምስጢር ትንሣኤ ክርስቶስ ምእታውን እዩ።
መገዲ ሕይወትና አበይ ገጹ ዝጠመተ እዩ ዘሎ ክንርኢ ክንክእል አሎና። ናብ ጸጋም ናብ ጥፍአት ገጹ ዝኸይድ ዘሎ ከይከውን ከተሓሳስበና አለዎ። ኢየሱስ ዘይብሉ ሕይወት ንበይንና ንጉዓዝ ከይንህሉ እስከ ንርእስና ንጠምት። እዚ እዋን ትንሣኤ አብ ክርስቶስ ክንጥምት ክነለልዮ እንሕተተሉ ዘሎና እዋን እዩ።
እዞም ክልተ አርድእቲ ከም ወከልትና ገርና እሞ ንሕሰቦም፥ አብ ጉዕዞ ሕይወትና ዝጓነፈና ንበይንና አይኮናን እንጉዓዝ። ንሱ ኩሉ ጊዜን አብ ዝኾነ እዋንን ምሳና አሎ። አብ ገለ እዋን ከምዞም ክልተ አርድእት ዝሓደገና፥ ዘይግደሰልና፥ አብ መንጎ ምናምና ገሩ ዝኸደ ኮይኑ ይስምዓና። አብ ርእስና ተመሊስና ምሳና ከምዘሎ ክነለልዮ ስንድዋት ክንከውን አሎና ሽዑ ግቡእ መልሲ ክንህቦ ንኽእል።
አብ ኤማሁስ ሓቀኛን ግብራውን ተሓድሶ እዩ ተራእዩ። አብ ምጅማር ፍርሒ መሊእዎም ክሃድሙ ንርእዮም ንሕና እውን አብ ሕይወትና ከምኡ ይገጥመና እዩ። ብሕማቕ ጀሚሩ ብጽቡቕ ዝውድእ። ሓደ እሙን ክርስትያን ክስደት አየድልዮን እዩ፥ ክፈርሕ እውን የብሉን ምኽንያቱ ኢየሱስ ትርጉም ሕይወት እንታይ ምዃኑ ምሂሩና እዩ ከምኡ አብ ጊዜ ጸበባ ተስፋ ከይንቖርጽ ሓቢሩና እዩ። ሕይወትና ብዝተፈላለየ ነገራት ብምልኡ ጽዑቕ ክኸውን ይኽእል እዩ፥ ኣእምሮና ብዙሑ ዘየሓጉስ ነገራት ክህልዎ ይክኣል እዩ፥ ሕልናና ድንዙዝ ብሰንኪ ኃጢአት ክኸውን ይኽእል እዩ፥ ብሓጺሩ አብ ሕይወትና ንእሽቶይ ተስፋ ዝህብ የብልናን ክንከውን ንኽእል ኢና? እንታይ እሞ ንግበር።
ንኢየሱስ ዓዲምካ ምኽአል፡
አብ ወንጌል እቲ ዝበለጸ ስጉምቲ ክንወስዶ ዘሎና ይሕብር። ነቲ ጋሻ አብ ድራር ዓዲሞሞ። ምስኦም እናተጓዕዘ እንከሎ አብ ልቦም አትዩ እዩ፥ አብቲ ተጨኒቑ ዝነበረ ሕልና አትዩ እዩ። ንሕና እውን ከምዚ ኢና ክንገብር ዘሎና ምስ ተጨነቕና ምስ ጉሃና ከምኡ ነገራት ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ምስ ኮኑ ንኢየሱስ ኢና ክንረክብ ዘሎና። ከም ጋሻና አብ ገዛውትና ክንዕድሞ ንኽእል ኢና። ኢየሱስ ኩሉ ጊዜ አብቲ ዘሎናዮ ክረኽበና ይደሊ እዩ። ንሕና ክነብሮ ወይ ብሓሳብና ክንኮኖ ኢልና እንሓስቦ ብዘየገድስ ኩሉ ጊዜ ክረኽበና ምስ ደለየ እዩ። አብ ዕለታዊ ሕይወትና እና መራሕና እንከሎና ከም ማንም ኮይኑ ይመጸና ግን ብሓይሊ ክመጽኣና አይደልን እዩ። ምቕባሉን ዘይ ምቕባሉን ምዕዳሙን ዘይምዕዳሙን አባና እዩ ዝውሰን። አብ ገለ እዋን ብጎንና እናሓለፈ እንከሎ ስአን ምዕዳሙ ይሓልፈና ከይህሉ።
ነዚ ታሪኽ ናይ ሰብ ኤማሁስ ምስ አንበብና ሓደ ዘገርም ነገር እቶም ክልተ አርድእቲ አብ መጨረሻ ንኢየሱስ ዘይምልላዮም አይኮነን፥ እቲ ዘገርም ካብ መጀመርያ ከምኡ ክገብሩ ዘይምኽአሎም እዩ። ከመይ ገሮም ነዚ ግሁድን ርእዩን ነገር ካብ ምልላይ ሓሚቖም። ንሕና እውን አብ ሕይወትና ናይ ኢየሱስ ህላዌ ከየለለና ንሓልፎ ምዃና እዩ። ኢየሱስ ምሳና ክራኸብ ይደሊ እዩ፥ ይዛረበና ብሓቂ እውን አብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ህልው እዩ። ብዝያዳ ኢየሱስ ንኩሎም ምስጢራት ክንሰርዖም ከሎና ምሳና አሎ ብዝያዳ አብ ቅ. ቍርባን። ኢየሱስ ከም ቃልን ቅ. ቍርባንን አብ ንግደታዊ ሕይወትና ክሳብ እታ ሓቀኛ ቤትና እንበጽሕ መግብና እዩ። አብ መአዲ ቅ.ቍርባን ንማህበር ክርስትያን አብ ሓድነት ይህበና፥ ነቲ ዝሃበና ተስፋ ከአ ክሳብ መወዳእታ ጊዜ ምሳና አሎ። አብ ክርስቶስ ዝአምን ዝኽትምና አየጥቅዖን እዩ። ዝኽትምና መንፈስ ብዝያዳ ዝርአ አብ ሕይወትና ኢየሱስ ምስዘይህሉ ሰናይ ግብሪ ካባና ክርሕቕ እንከሎ ከምኡ አብ ክፍአትን ኃጢአትን ጥራሕ ምስ አተኮርና ሽዑ ከም ዝንቀሳቐስ ሬሳ ዳርጋ ኢና ምኽንያቱ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ካባና ስለ ዝርሕቕ።
ኢየሱስ ነቶም ዓድምቱ ክልተ አርድእቲ እንገራ ምስ ቆረሰሎም ካብኦም ጠፊኡ ይብል ወንጌል እዚ ማለት ከአ ክልተ ነገራት ክሕብሮም ስለ ዝደለ እዩ። ፩ ንሱ ካብ ሕጂ ንድሓር አብ ቅ. ቍርባን ኩሉ ጊዜ ምስኦም ከምዘሎ ክርድኦም ኢሉ እዩ። ካብ ሕጂ ንድሓር ብአካል ክርእይዎ አየድልዮምን እዩ ንሱ አብ መንግኦም አሎ ነዚ ህብስቲ ክቇርሱ ኢሎም አብ ዝተአከቡሉ አብ መንግኦም አሎ። ፪ ኢየሱስ ካብ ሕጂ ንድሓር በቶም አመንቱ እዩ ዝርአ ዝግለጽ ማለት አርድእቱ ቃሉ ክህቡ እንከለዉ ንሱ ዝበሎም ክገብሩ እንከለዉ ህልው ይገብርዎ አለዉ ማለት እዩ። ንአኹም ዝረአየ ንአይ ረአየ ዝበሎ እዩ። ንሕና አምባሳደራት ክርስቶስ ኢና። ኩሉ ግብርና ዘረባና አካይዳና ብምልኡ ንኢየሱስ ዝውክል ክኸውን አለዎ። እሞ ሎሚ ወከልቲ ኢየሱስዶ አሎና ወይስ ክሒድና ወከልቲ ርእስናን ኢና ዘሎና። አነ ንመን እየ ወኪለ ዘሎኹ ክንብል ይግብአና።
ጉዕዞ ኤማሁስ ብዑረት መንፈስ አብ ጽልግልግ ዝበለ ኩነት ከምኡ አብ ተስፋ ቁርጸት ዝነገሶ፥ ርጉእ መንፈስ አብዘይነበሮም እዩ ጀሚሩ። አብ መወዳእታ ግን ንልቢ እቶም አርድእቲ እናአውዓየን አዒንቶም እናብርሀን አብ ኢየሩሳሌም ከምዝምለሱ ተገሩ። ምስቲ ዝተንሥኤ ኢየሱስ ምስተራኸቡ ነቲ አብ ኢየሩሳሌም ዝተፈጸመ ብኻልእ አረአእያ ከም ዝርእይዎ ገርዎም። ንሞት ኢየሱስ አብ ክንዲ መወዳእታ ናይ ኩሉ ነገር ገሮም ዝርእይዎ መጀመርያ ናይ ሓዲስ ሕይወት ገሮም ክርእይዎ ጀሚሮም። እዚ ርድኢት ምስ ሓድሮም ካብቲ መገዲ ፍርሓት መግዲ ጥፍአት ናብቲ ምንጪ ድሕነት ዝተፈጸመሉ አብ ኢየሩሳሌም ተመሊሶም። ተስፋ ቆሪጾም ካብ ዓዲ ድሕነት ዝወጹ ዝነበሩ አብኡ ተመሊሶም። አብ ሕይወትና ክንምልስ እንተ ኾና ተመሊስና ክንክእል አሎና። ንዝአረገ ሕይወትና ለዊጥና አብቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ንመለስ ንሱ ሓዲስ ሕይወትን ተስፋን ክህበና እዩ ምስጢር ትንሣኤ ክግለጸና እዩ። እዚ እዩ ናይ ሎሚ ሰናይ ዜና።
አብዚ ሳላሳይ ሰንበት ድኅሪ ትንሣኤ እምብአር ኢየሱስ ሎሚ ከምትማሊ ንነፍሲ ወከፍና ካብ ዘዘሎናዮ ረኺቡ አብ ገዝኡ አብ መገዱ ክመልሰና ይደሊ አሎ። ወደይ ጓለይ ካብቲ መገዲ ጥፍአት ተመለሰኒ እናበለ ይዕድመና አሎ። ዓይንና ክርኢ እሞ ክንምለስ አብ መአዱ፥ አብ ቤቱ፥ አብ መገዱ ተመሊስና ሰበክቲ ወንጌል ንኹን ነዚ የብቅዓና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.