2014-05-01 16:06:20

ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (30/04/2014)


RealAudioMP3 ጸጋ ቀልበይናነት ንሰብ እምነት ኵላውነት ምዃንን ኩሉን ብዓይንን ልብን እግዚኣብሔር ከንብብን ከስተውዕልን ክርዳእን ዘብቅዖ ምዃኑ ኣብ ዝብል ጽማሬ ዘማእከለ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ናይ ረብዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ እንክምልከት ቅሱነቶም ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ልዕሊ 60 ሽሕ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነገራት ሕይወት ንኸነስተውዕልን ንኽንርዳእን ኣስተውዕሎ ንጥቀም እቲ ናይ እግዚኣብሔር ዘበለን ዝኾነን ንኸነስትውዕል ቀልባውነት ከምዘድልየና እቲ ኣብ ምስትውዓልን ቀልብን ዘሎ ሓደኣው ስርወ ቃል ፍልልያት ትርጉሙን ኣነጺሮም እቲ ኣብ ቋንቋ ተመሳሳሊ ቢሉ ዘእርቦም ቃላት ኣብ ኣድማስ እምነት ግን ዓሚዩቕ ፍልልይ ከምዘለዎምን ስለዚህ ኣስተዎሎ ወይ ድማ ምስትውዓል ክቡር እዩ ቀልቢ ግን እቲ ኣብ ክርስቲያን ካብቲ ደጋዊ ተርእዮ ነገራውነትን ጭቡጥነት እቲ ኣብ ጭቡጥነትን ነገርን ዘሎ ዓሚዩቕ ሕላነ (ኣተሓሳስባ) እግዚኣብሔርን ናይ ምድሓን መደቡን መደብ ብኣትኵሮን ብጥንቃቔን ንኽንግንዘብ ዘብቕ መለኰታዊ ጸጋ ምዃኑ እንከነጽሩ፦ “ቀልቢ እቲ ነገራት ከምቲ እግዚኣብሔር ዝርድኦን ዘስተውዕሎን ገይሩ ክነስተውዕልን ክንግንዘብን ዘብቅዓና ጸጋ እዩ። ሓደ ሰብ ኩነት ብጥንቃቔ ብሰብኣዊ ምስትውዓል ክርዳእ ይኽእል ኰይኑ ግና ናይቲ ኵነት ብዑምቀት ከምቲ እዚኣብሔር ዝርድኦን ብዝርድኦን ዓይነት ንምስትውዓሉ ግን ናይ ጸጋ ጻማ እዩ። ኢየሱስ መንፈስ ቅዱስ ክልእኸልና ዝደለየ ሰብ ነገራት ከምቲ እግዚኣብሔር ዝርድኦን ዝስተውዕሎን ክንግንዘብ እዩ። ብናይ እግዚኣብሔር ምስትውዓል ምስትውዓል ማለት እዩ። ብሓቂ ጐይታ ኣስተውዕሎ እንክዕድለና ንዅላትና ዓቢይ ህያብ እዩ ገይሩልና” ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ህያብ ክበሃል እንከሎ ቅጽበታውን ግዴታዊ ውህበት ማለት ከምዘይኰነን ከምቲ ላቲናውያን ዝብልዎ ውሳጣዊ ምንባብ እዚ ድማ ስርወ ቃል ምስትውዓልን ኣስተውዕሎን ከምዝኾነን እዚ ድማ ንእምነት ዘድልይ ምዃኑን ስለዚህ ህያብ እዩ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልባትና ክሓድር እንከሎን ኣእምሮና እናብርሄ በቢ ዕለቱ ኣብቲ እዚኣብሔር ዝበሎን ዝፈጸሞን ምስትዓል ከምእንዓብይ ቅዱስ ኣቦና እንከረድኡ፦ “ናይ ኢየሱስ ኣስተምህሮታቱን ቃሉን ወንጌልን ምስትውዓል ማለት ቃል እግዚኣብሔር ምስትውዓል ማለት እዩ። ዝኾነ ይዅን ሰብ ወንጌል ከንብብ ይኽእልን ሓደ ሓደ ነገር ክርድእ ዝከኣሎ እውን እዩ። ኰይኑ ግን አንጌል በቲ ውህበት ማለት ጸጋ ዝኾነ ኣስተውዕሎ መንፈስ ቅዱስ እንተድኣ ዘየንበብናዮ ዕምቀት ቃል እግዚኣብሔር ክነስተውዕል ዘይከኣል እዩ። እዚ እዩ እቲ ዓቢይ ጸጋ ኣስተውዕሎ ስለዚህ ንዅላትና ዝተዓደለ ጸጋ እዩ፣ ስለዚህ ጸጋ ብምዃኑ ድማ ወትሩ ጐይታ ክዕድልና ክንልምኖ ይግባእ፣ ጐይታ ኣስተውዕሎ ዓድለና ክንብሉ ይግባእ” ቢሎም እቲ ናይ ምስትውዓል ብቕዓት ጸጋ ምስትውዓል ናይ ሕይወት ነገራት እውን ንኽንርዳእ ዘብቅዓናን እዚ ማለት ድማ ብመንጽርእ እግዚኣብሔር ንኽንርዳእ ዘብቅዓና ከምዝኾነን ቅዱስነቶም ነዚ ዓሚዪቕ ሓሳብ ነኸረድኡ እቶም ኣብ ጎድኖም ኰይኑ ዝጓዓዝ ዝነበረ ኢየሱስ ከየለለዩ ሓዚኖምን ተስፋ ቆሪጾምን ንቤቶም ዝምለሱ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ መገዲ ጉዕዞ ንቤቶም እቲ ኣብ ጎድኖም ኰይኑ ዝጓዓዝ ዝነበረ ጐይታ ቅዱስ መጽሓፍ ክትንትነሎምን ከርድኦምን ምስ ጀመረ ይጥምትዎ እሞ ኣብታ ህሞት እቲኣ ኣእምሮኦም ይኽፈት ኣብ ልባቶም ድማ ተስፋ ይዅላዕ ዝብል ጠቒሶም፦ “እዚ እዩ እቲ መንፈስ ቅዱስ ዝፍጽሞ ኣባና። ኣእምሮና ይርህው ክፉት ይገብር ብዝበለጸን ብዕምቆትን ንኸነስተውዕልን ናይ እግዚኣብሔርን ናይ ሰብኣዊ ነገራት ኩነታትን ኩለ ነገራት ንኸነስተውዕል ኣእምሮና ይኸፍት፣ ንክርስትያናዊ ሕይወትና ናይ ኣስተውዕሎ ጸጋ ወሳኒ እዩ። ስለዚህ ንጐይታ ኣስተውዕሎ ዓድለና ልበሎ፣ ከምቲ እግዚኣብሔር ንነገራት ዘስተውዕሎን ዝርድኦን ብናቱ ምስትውዓል መታን ከነስተውዕልን ክንርዳእን ብፍላይ ድማ ኣብ ወንጌል ቃል እግዚኣብሔር ከነስተውዕል ኣስተውዕሎ ክዕድለና ንለምኖ” ቢሎም ዕለት 27 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝፈጸመቶ ኣዋጅ ቅድስና ዮሓንስ መበል 23ን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ዘኪሮም፣ ነቶም ኣብዚ ኣዋጅ ቅድስና ዝተሳተፉን ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣብ ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23ን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መንፈሳዊ ንግድት ዝፍጽሙ ንዘለዉ ምእመናን ሰላምታኦም እቕሪቦም እዚ እዋን’ዚ ድማ ኣባል እቲ ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ምዃንን እነዕሙቐሉ እዋን ክኾነልና ተመንዮም ድግማ ናይቲ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ጽማሬ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታ ኣስሚዖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.