2014-04-30 18:16:54

ጽንብል ቤተክርስትያን- ደብረ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ረብቶ - ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን


መእተዊ
በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ዕለት አብ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን፡ አብ ረብቶ ሰለባ ዝበሃል ዓዲ፡ ጽንብል ሓዲስ ቤተክርስቲያን እንክፍጸም፡ ፍሉይ ዝገብሮ ግና ምስ ምእዋጅ ቅድስና ር.ሊ.ጳጳሳት ዝነበሩ፡ አቡነ ዮሓንስ ፳፫ ን አቡነ ዮሓ.ጳው ፪ይ ስለዘጋጠመ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነዚ ሓዲስ ቤተክርስቲያን ብስመ ደብረ ቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተባሂላ ተጸንቢላ። አብ ኤርትራ ቀዳመይቲ ቤተክርስቲያን እንክትከወን፡ ምናልባት አብ ዓለም እውን፡ አብ መዓልቲ ቅድስናኦም ብስሞም ዝተመረቀት ቤተ ክርስቲያን ቀዳመይቲ ከይኮነት እውን ኣይትተርፍን ንብል።
ከማኡ እውን ብስም ቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማኅበር መንእሰያት አብ ቆይማ።
ስለዚ በዚ መዓለቲ እዚ ናይቲ ከባቢ ሕዝብን ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝመጽኡ ውሉደክህነትን አብ ዝርከብዎ ብዓቢይ ዓጀብ ተመሪቃ። አብ ዕለቱ ዝተዋህበ ቃል ኤጳርቃ ከምዚ ነበረ።፲፱ ሚያዝያ ፳፻፮ /27 April 2014
ጽንብል ቤተክርስትያን- ደብረ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ረብቶ - ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረንትማሊ ኣብ ዘብዓልናዮ ዳግማይ ትንሣኤ፥ ኣብ ኮኵሓ ሃይምኖት መንበረ ቅ. ጴጥሮስ ዘሮሜ ዓቢይ ፍጻሜ ተገይሮ ኣሎ፤ እዚ ፍጻሜ እዚ ከአ ናይ ክልተ አበው ር.ሊ.ጳጳሳት ዮሓንስ መበል ፳፫ ን ዮሓ. ጳውሎስ ፪ይ ቅድስና ብር. ሊ.ጳጳሳት ቅዱሳት ተባሂሎም፡ ታቦት ክቅረጸሎም፡ ብስሞም ኣብያተ ክርስቲ ክንሕነጹ ቤተ ክርስትያን ሕይወቶም ድሕሪ ብጥንቃቀ መርሚራ፡ መንፈስ ቅዱስ ብዘብረሃሎምን፡ ኮኵሓ ሃይምኖት መንበረ ቅ. ጴጥሮስ ብዝህቦም ሥልጣንን ቅዱሳን፡ ኢላ ቤተክርስቲያን ብዕሊ ኣዊጃትሎም ኣላ። ነዚ ኵነት ክንከታትል ድሕሪ ምጽናሕ ጽቡቅ አጋጣም ኮይኑ ቤተ ክርስቲያን ረብቶ አብ ፍጻሜ በጺሓ ጽንብላ እንክንሓስብ ከአ፡ ኣዋጅ ቅድስና ናይዞም አበው ብዝመጽኤ፡ ነዛ ንጽንብላ ዘሎና ቤተክርስቲያን ብስም ቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ ፪ይ ክትስመ መረጽና። ብሓቂ ሰብ ረብቶ ዕድለኛታት ኢኹም፡ ናይ ዘመና ቅዱስ ታቦቱ አብ ማእከልኩም ገርኩም፡ ታሪኾምን ትምህርቶም ለቢስኩም ናይ ዘመና ብርሃን ክርስትና እተንጸባርቁ ክትኮኑንና ጸጋ ተዋሂቡኩም አሎ፡ አሞ እንቋዕ ደስ በለና።
ነዚ ንጽንብሎ ዘሎና ቤተክርስቲያ አብ ፍጻሜ ንኽበጽሕ
ንዂሎም-ዝጻመዉ - ጉልበቶም - ገንዘቦም ዘወፈዩ፡ ዝጸለዩ፡ ብፍላይ ከኣ ደቂ ዓዲ፡ ኣገልገልታ ካህናትን እንቋዕ ነዚ ንምርኣይ ኣብቀዓኩም- ሓጐሰይ እገልጽ።
- ብሓቂ ሎሚ ጽንብል ጥራሕ ዘይኮነ ናይዞም ሓዲስ ቅዱስ ኣቡነ ዮሓ.ጳውሎስ ፪ይ ዕብየትን መንፈሳውነትን ነስተንትነሉ እዩ።
- ነዚ እንርእዮ ዘሎና- ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ እንክንጽንብሎ፡ ፍሉይ ትርጉም ዝህቦ ነገር እንተሎ እዚ ቤተ-እግዚኣብሔር-ይኹነልና ቢልና ንኣኡ ንፈልዮ ስለዘሎና ጥራሕ’ዩ።
በዚ መሠረት ኣብ መዝ. ዘሕንፀተ ቤተክርስትያን ከምዚ ይብል፡“… ለሰማይ ኣቅዲሙ ፈጠሮ፡ወበምድር ተከለ ደብተራ ቀደሳ ኣብ፡ ወማኅደሮ ረስያ”(መዝ፡ ዘሓነፁዋ) ንሰማይ ኣቀዲሙ ፈጠሮ ኣብ ምድሪ ከኣ ድንኳኑ ተኸለ፡ ኣብ ቀደሳ-ማኅደሩ ከኣ ገበራ”
- ለእግዚኣብሔር ንሰማይ ኣቀዲሙ ዝፈጠረ፡ ደቂ -ሰብ ህላዌኡ ብቀረባ ምእንቲ ኬስተማቅርዎ ድንኳኑ ኣብ ምድሪ ብምግባር፡ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ክሓድር ስለደለየ፥ ንሙሴ ነተ ትእዛዛት አብ ድንኳን ከቀምጠን ኣዘዞ፥ ነቲ ቦታ ቀዲሱ ማሕደሩ ከኣ ገበሮ። አብ ደሓር ዘመን ቤተ መቅደስ ኣምላኽ ተባህለ፥ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ሰባት ንኣምላኽ ፍሉይ ቦታ ክውስኑሉ ይርከቡ።ኣብ ዘመነ ክርስትና ከአ ቤተክርስቲያን ተባህለ።
ኣምላኽ ብጊዜን ቦታን ዘይድረት ክነሱ፡ ሰባት ብኣተሓሳስባኦም ጭቡጥ ምእንቲ ኪኾነሎም፡ ንኣምላኽ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሓንጸ ከሕድርዎ ንርኢ። በዚ ኸኣ ኣምላኽ ንሰባት ቀረባኦም ዘመዶም ኮይኑ ንረኽቦ፣ መንፈሳውያን ሊቃውንቲ ከኣ፡ኢኮነ ነግደ ወፈላሴ ሃገሪቶሙ ፡ለቅዱሳን፡ ንሕና ሰብኣ ቤቱ ለእግዚኣብሔር ኩልነ ኣብ ሃገረ ቅዱሳን ጋሻ ወይ ጓና ኣይኮናን፡ ንሕና ኲልና ንእግዚኣብሔር ቤተሰቡ ኢና …” ዝበሉ
ቤተሰብ ኣምላኽ ዝኾና፡ በቲ ሥጋ ለቢሱ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ካሕሳ ሓጢኣት ዝኸፈለ ኢየሱስ እዩ። ዝጻመውናዮ ኣይኮነን፡ ብምሕረት ኣምላኽ ብነጻ ዝተዋህበና እዩ።
- ነዚ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ነገረ-ድሕነት-ንዝመጽእ ወለዶ ዕለተ ዕለት ክዉን ንምግባር-ሕንጻ ቤተ እግዚኣብሔር-ሕንጻ ቤተክርስትያን ንሓንጽ፣ ነቲ ደረት ዘይብሉ ናይ ኣምላኽ ጸጋታት ኣብቲ ብኢድ ሰብ ዝተሓንጸ ቤት-ንፍጽምን ንቅበሎን።
- እዚ እዩ ምሥጢር ናይዚ ሎሚ ንጽንብሎ ዘሎና ሕንጻ። ምስ ቅ.ጳውሎስ ኰንና ከኣ፡
“ወበከመ ጸጋሁ እግዚኣብሔር ዘወሃበኒ ኣስተናደፍኩ መሠረተ ከመ ጠቢበ ጸረብት”ከምቲ ዝተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ፡ ክኢላ ሓናጺ ኮይነ፡ መሠረት ሠረትኲ…
ጳው. ከም ሓናጺ ቤተክርስትያን ኣብ ቆሮንቶስ- “መሠረት- ሠረትኩ” ብጸጋ-ኣምላኽ ይብል። “ብጸጋ-ኣምላኽ”- ተልእኮኡ ካብ ክርስቶስ ኢየሱስ ምዃኑን፡ ናይታ ኢየሱስ ዝተኸላ ቤተክርስትያን እምኒ ኲርናዕ ባዕሉ ዝኾነ፡ ሓዋ. ጳው. ኣብ ርእሲዚ እምኒ-ኲርናዕ መሠረት ኣንበርኩ ይብል።

- ቤተክርስትያን መሠረቱ እቲ ኣብ መስቀል ተበጅዉ ብደሙ ዘጥርያ ክር.ኢየ.እዩ።
- እዛ ሎሚ በዚ ሕንጻ እንምስላ ዘሎ ቤተክርስትያን ከኣ ኣብዚ መሠረትዚ ዝተመሥረተት፡ ማኅበር ኣመንቲ እያ።
- እዚ መሠረት እዚ ከኣ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተዋህበና ድሕነት እዩ። ስለዚ ዓይነትን ጠባያት ናይቲ ሕንጻ ምስቲ መሠረቱ ዝሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ፣ መሠረቱ ከኣ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ብወርቅን ብሩርን ክቡራት ኣእማን ተመሲሉ ዘሎ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ መሠረት ዝሓንጽ ብነባሪ ነገራት ክሓንጽ ማለት-ነዚ ሕንጻዚ ዘዕቢ’ምበር ብጊዜ ፈተና በኒኑ ብዝተርፍ ነገር ወይ ሓላፊ ብዝኾነ ነገር ከይሓንጽ ቅ.ጳው. ይምዕድ፤ንሰብ ቆሮንቶስ
በናኒ ፡ ሓላፊ ነገራት ዝብሎ፡ ነታ ንሱ ዝመሥረታ ቤተክርስትያን - ብዋሕዲ እምነት - ብፍልልይ -ብምጉናይ ከየፍርስዋ የጠንቅቅ።
ከመይ ሓላፊ ነገር ጥበብ ደቂ ሰብ እዩ፡ እዚ ኸኣ ምስ ዘመኑ ዝሓልፍ እዩ፡ ብናይ ኣምላኽ ጥበብ ተካየዱ፡ ትምክሕትን ኣምላኽ መን ፍለጥ በሎ-ዝብልን ባህሪ ጥበብኩም ዝኾነ ግደፉ፡ከመይ፡ጥበቡ ለዝ ዓለም እስመ አብድ ውእቱ በኀበ እግዚኣብሔር እስመ ከመ ይቤ መጽሓፍ ዘይእኀዞም ለጠቢባን ትምይንቶሙ… ነቶም ጥበበኛታት ብጉርሖም-ይሕዞም ጥበብ እዛ ዓለም’ዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕሽነት’ዩ፡ይብል ጳው. እምበኣርከስ ሓደኳ ብሰብ ኣይመካሕ…”ኢታኣምሩኒ ከመ ታቦቱ ለእግዚኣብሔር ኣንትሙ? ወመንፈስ እግዚኣብሔር ላዕሌክሙ፡ ወዘሰ አማሰነ ቤተ እግዚኣብሔር ሎቱኒ ያማስኖ እግዚኣብሔር።ቤተ መቅደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኹም ኃዲሩ ምህላውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ሓደ’ኳ ነታ ቤተ መቅደስ ኣምላኽ እንተ ኣፍረሰ፡ ኣምላኽ ኬፍርሶ እዩ።
ነዚ ብምባል ቅ.ጳው. ንሰብ ቆሮንቶስ
    ሕዝቡ-እግዚኣብሔር ምዃኖም-ኪርድእዎን
    ብምድራውን-ጠቢባውን መንገዲ ዘተኣታተውዎ ፍልልያት ጐዳኢ ብምዃኑ-ቁጠዓ ኣምላኽ ከይወርዶም የጠንቅቅ

ንሕና’ውን ብተመሳሳሊ ትርጉም- ባህሪ ሕዝበ - እግዚኣብሔር ምዃና ብዕምቈት ክንግንዘብ፡ እዚ ንጽንብሉ ተኣኪብናሉ ዘሎና ሕንጻ ከኣ - ምልክት-
- ውህደትን ሓድነትን ጽንዓትን ጽድቅን ምዃኑ ፈሊጥና ንቤተ እግዚኣብሔር ብግቡእ ክንጥቀመሉ ይምዕድ።
- ብጥበብናን ጊዜያዊ ረብሓን-ሓድነት ሕዝበ-እግዚኣብሔር ከይንሃሲ ብቃልን ብግብርን ኣሕዋትን ክንከውን ዕለተ-ንስሓን ኣስተንትኖን ምዃኑ ዘዘኻኽረና ኣጋጣሚ’ዩ።
- ሎም’ውን ቅ.ጳው. ቤተ.መቅደስ ኣምላኽ … ኣይትፈልጡን ዲኹም?“ወቤቱሰ ለእግዚኣብሔር ኣንትሙ ውእቱ ለሊክሙ፡ ወቅዱስ ውእቱ ቤቱ ለእግዚኣብሔር” ቤተ መቅደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቅደስ እዚኣ’ውን ንስኻትኩም ኢኹም…”
ሓዋ.ጳው. ንሰብ ቆሮ. ይሓቶም፡ ከመይ ካብ ኩነቶም- ሕዝበ-እግዚኣብሔር ምዃን ኣይፈለጥዎን፡ ወይ ከኣ ፍሉይ ግምት ከም ዘይሃብዎ የረድእ። ኣብ ነገረ-እምነት ሕዝበ-እግዚኣብሔር ኰንካ ነቲ ናቱ ሕዝቢ ዝገበረካ ኣምላኽ ማሕደሩ ዘይምፍላጥ ወይ ከኣ ዝግባእ ክብሪ ዘይምሃብ-ዘሕትት ምዃኑን ረብሓ መንፈስ ዘጥፍእ ኮይኑ ናይ መንፈስ ሥቃይ እዩ፣
- እዚ ንባርኾ ዘሎና ሕንጻ- ነዚ ዝሰመናዮ ከበድ ርድኢት ዝሓዘለ’ዩ፡ ነዓና ቅ.ጳው. “እዛ ትጽንብልዋ ዘሎኹም ቤተክርስትያን ንስኻትኩም ኢኹም፡ ቅድስቲ ከኣ እያ” ይብለና’ሎ። ብዕምቈት ክንሓስበሉ ከማኡ እንትድኣ ኮይኑ- እዚ ሕንጻዚ እምኒ-ኣብ ርእሲ እምኒ ዘይኮነ፡ ኣነ ንስኻትኩም-ኩልና ኢና፡’ሞ
ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ይሕደረና፡ ንድሕነት ንግደስ ይግበረና፣ - ምልክት እምነትናን ሓድነትና ገይሩ-ናይ ዘመና ምልክት መቃይሮ ይግበሮ።








All the contents on this site are copyrighted ©.