2014-04-30 18:13:35

ድሕሪ ወግዓዊ ዓዋጅ ቅድስና ዮሓንስ መበል 23ን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ቃል ምስክርነት ምእመናን


RealAudioMP3 ዕለት 27 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23ን ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብወግዒ ቅዱስና ከምዝኣወጀትሎም እንክዝከር ድሕሪ ቐትሪ እቶም ኣብቲ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምእዋጅ ቅድስና ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተሳተፉ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ትሕቲ መሬት ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝርከብ መቓብር ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብምኻድ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23ን ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ቅዱስ መቓብር ንኽሳለሙን መንፈሳዊ ንገደት ንኽፍጽሙ መታን ንኹሉ ዕድል ንምሃብ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክሳብ ምሸት ሰዓት ሾሞንተን ፈረቓን ክፉት ከምዝነበረ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድራያና ማሶቲ ሓቢረን።
ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 መዓጹ ቤተ ክርስቲያን ንዓበይ ህዳሴ ዝኸፈቱን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝጸውዑ ሓዋርያ ሰላምን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሕዝቢ ልባቱ ንኢየሱስ ክርስቶስ ክኸፍት እሞ ነቲ ዝሕድስ ኢየሱስ ክርስቶስ ከእንግድ ዝመርሑ ኢየሱስ ናብ ሕዝቢ ናብ ኢየሱስ ቀረባ ክኸውን ብቓልን ሕይወትን ዘዝተምሃሩ ኣብ ኢየሱስ ምንባር ተራትዖ ሓቀይና ሓጐስ ምዃኑ ኣብ ሕይወት ኣስተማቒሮም ከይተሓለሉ ዝመስከረ ምዃኑ ኣብቲ ንወግዓዊ ምእዋጅ ቅድስና ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተሳተፉን ናብቲ ቅዱስ መቓብራቶም መንፈሳዊ ንግደት ዝፈጸሙ ምእመናን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ከምዝሓበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.